ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል የሆዋ ተወከል

ኣብ ቃል የሆዋ ተወከል

ኣብ ቃል የሆዋ ተወከል

“ኣብ ቃልካ ተወኪለ እየ።”መዝሙር 119:42

1. ብዛዕባ መንነት እቲ ንመበል 119 መዝሙር ዝጸሓፈ ሰብን ዘንጸባረቖ መንፈስን እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

 እቲ ንመበል 119 መዝሙር ዘቀናበረ ሰብ ንቓል የሆዋ ይፈትዎ እዩ ነይሩ። እዚ መዝሙር እዚ: ህዝቅያስ መስፍን ይሁዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝጸሓፎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣብዚ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መዝሙር ዚርከብ ስምዒት: ምስቲ ንጉስ ይሁዳ ምስ ኰነ “ኣብ እግዚኣብሄር ጠበቐ” እተባህለሉ ህዝቅያስ ዘንጸባረቖ መንፈስ ዚመሳሰል እዩ። (2 ነገስት 18:3-7) በዚ ዀነ በቲ ሓደ ርግጸኛ እንዀነሉ ነገር ግን ኣሎ። እዚ ኸኣ እቲ ነዚ መዝሙር እዚ ዘቀናበሮ ሰብ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮ ይግንዘብ ምንባሩ እዩ።—ማቴዎስ 5:3 NW

2. ፍረ ነገር መበል 119 መዝሙር እንታይ እዩ: እዚ መዝሙር እዚኸ ብኸመይ እዩ ተጻሒፉ፧

2 ኣብ መበል 119 መዝሙር እቲ ኣገዳሲ ዀይኑ ዚጥቀስ ነገር: ቃል ወይ መልእኽቲ ኣምላኽ ዘለዎ ዋጋ እዩ። a እቲ ጸሓፊ: እቲ መዝሙር ብቐሊሉ ምእንቲ ኺዝከር ኢሉ እዩ ዚኸውን ብፊደላት እተሰርዐ መዝሙር ዝዘመረ። እተን 176 ቍጽርታት ኣብ ፊደላት እብራይስጢ ተመርኲሰን እተዳለዋ እየን። ኣብ በዅሪ ጽሑፍ እብራይስጢ ነፍሲ ወከፍ እቲ 22 እተፈላለየ ቤት: ብሕደ ፊደል ዚጅምር ሸሞንተ መስመር ኣለዎ። እዚ መዝሙር እዚ ንቓል: ሕጊ: መዘኻኸሪታት: መገድታት: ትእዛዛት: ስርዓታት: ከምኡውን ፍርድታት ኣምላኽ እዩ ዚገልጽ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን: ንመበል 119 መዝሙር ብመሰረት እቲ ቕኑዕ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ኢና ኽንመያየጠሉ። ነቲ ጥንቲ ዝነበሩ ዀነ ሕጂ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ዘሕለፍዎ ተመክሮታት ብምስትንታን ከኣ: ነዚ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መዝሙር ዘሎና ምርዳእ ከነስፍሕ ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ሞሳ ድማ ክንውስኽ ንኽእል ኢና።

ንቓል ኣምላኽ እንተ ተኣዚዝና ሓጐስ ንረክብ

3. እንታ ዘይብሉ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ብመብርሂ ግለጽ።

3 ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል ብሕጊ ኣምላኽ ንመላለስ እንተደኣ ዄንና ጥራይ እዩ። (መዝሙር 119:1-8) ከምዚ እንተደኣ ጌርና: የሆዋ ‘ብመገድና እንታ ዘይብልና ኸም ዝዀንና’ ገይሩ ኺርእየና እዩ። (መዝሙር 119:1 NW) እንታ ዘይብልና ምዃን ኪበሃል ከሎ: ፍጹማት ኢና ማለት ኣይኰነን: የግዳስ ፍቓድ የሆዋ ኽንገብር ከም እንጽዕር እዩ ዜመልክት። ኖህ ‘ምስ ኣምላኽ ይመላለስ’ ስለ ዝነበረ: ‘ኣብቶም ወለዶታቱ እንታ ዘይብሉ ሰብኣይ’ ነበረ። እዚ እሙን ሰብኣይ እዝን ስድራቤቱን ነቲ የሆዋ ዝበሎም ሓልዮም ይመላለሱ ብምንባሮም ካብ ማይ ኣይሂ ደሓኑ። (ዘፍጥረት 6:9፣ 1 ጴጥሮስ 3:20) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ‘ትእዛዛት ኣምላኽ ኣጸቢቕና እንተ ሓሊና’ ኢና ኻብ መወዳእታ እዛ ዓለም እዚኣ ኽንድሕን እንኽእል።—መዝሙር 119:4

4. ሓጐስናን ኣሳልጦናን ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧

4 ንየሆዋ ‘ብቕንዕና ልቢ እንተ ኣመስጊንናዮን ስርዓታቱ ወትሩ እንተ ሓሊናን:’ ፈጺሙ ኣይኪሓድገናን እዩ። (መዝሙር 119:7, 8) ኣምላኽ ነቲ እያሱ ዚበሃል መራሒ እስራኤላውያን ነቲ ‘ኣብ መጽሓፍ ሕጊ እተጻሕፈ ምእንቲ ኺገብሮ ኢሉ መዓልትን ለይትን የስተንትኖ’ ወይ የንብቦ ስለ ዝነበረ ኣይሓደጎን። እዚ ንእያሱ ኣሳልጦ ኸም ዚረክብን ብጥበብ ከም ዚመላለስን ገበሮ። (እያሱ 1:8) ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ እውን ከይተረፈ ንኣምላኽ ይውድስ ነበረ: ንእስራኤላውያን እውን “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ: ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ” ኢሉ ኼዘኻኽሮም ከኣለ። (እያሱ 23:14) ንሕናውን ከም እያሱን ከምቲ ጸሓፊ መበል 119 መዝሙርን: ንየሆዋ ብምውዳስን ኣብ ቃሉ ብምውካልን ሓጐስን ኣሳልጦን ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ቃል ኣምላኽ የንጽሃና

5. (ሀ) ከመይ ጌርና ብመንፈስ ንጹሃት ክንከውን ከም እንኽእል ግለጽ። (ለ) ሓደ ጐበዝ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዚፍጽም እንታይ ሓገዝ እዩ ኺረክብ ዚኽእል፧

5 ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ተጠንቂቕና እንተ ተመላሊስና: ብመንፈስ ንጹሃት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 119:9-16) ዋላ እኳ ወለድና ሰናይ ኣብነት እንተ ዘይኰኑና: ብመንፈስ ንጹሃት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣቦ ህዝቅያስ መምለኺ ጣኦት እኳ እንተ ነበረ: ህዝቅያስ ካብቲ ኣረማዊ ጽልዋታት ‘መገዱ ኣንጽሀ።’ ሓደ ንኣምላኽ ዜገልግል ዘሎ ጐበዝ ከቢድ ሓጢኣት ገበረ ንበል። ነስሓ: ጸሎት: ወለዲ ዚህብዎ ሓገዝ: ከምኡውን ካብ ክርስትያን ሽማግለታት ዚረኽቦ ደገፍ: ከም ህዝቅያስ ‘መገዱ ንኼንጽህን ንኺጥንቀቕን’ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 5:13-15

6. እተን ‘መገደን ዘንጸሃን ከም ቃል ኣምላኽ እተጠንቀቓን’ ኣንስቲ መነመን እየን፧

6 እተን መበል 119 መዝሙር ቅድሚ ምጽሓፋ ነዊሕ ይገብር ዚነብራ ዝነበራ ረሃብን ሩትን: ‘መገደን ኣንጺሀን’ እየን። ረሃብ ከነኣናዊት ኣመንዝራ እኳ እንተ ነበረት: ደሓር ግን ኣምላኺት የሆዋ ብምዃና ብእምነታ እያ እትፍለጥ። (እብራውያን 11:30, 31) እታ ሞኣባዊት ሩት ከኣ ንኣማልኽታ ሓዲጋ ንየሆዋ ኣገልገለት: ምስቲ ንእስራኤል ዝሃቦ ሕጊ ድማ ተሰማሚዓ ተመላለሰት። (ሩት 1:14-17፣ 4:9-13) እዘን እስራኤላውያን ዘይኰና ኣንስቲ እዚኣተን ‘ከም ቃል ኣምላኽ ተጠንቂቐን’ እየን: ንየሱስ ክርስቶስ ዓባዩ ናይ ምዃን ፍሉይ ክብሪ ድማ ረኸባ።—ማቴዎስ 1:1, 4-6

7. ዳንኤልን እቶም ሰለስተ እብራውያንን መንፈሳዊ ንጽህና ብምሕላው ዝመጸ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዮም ዝሓደጉ፧

7 “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ:” ኰይኑ ግን: ሓደ ጐበዝ ኣብዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ብልሽውቲ ዓለም እውን እንተዀነ ንጹህ መገዲ ኺስዕብ ይኽእል እዩ። (ዘፍጥረት 8:21፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ዳንኤልን እቶም ሰለስተ እብራውያንን ተማሪኾም ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ‘ከም ቃል ኣምላኽ ተጠንቂቖም’ ተመላሊሶም እዮም። ንኣብነት: “በቲ ብልዒ ንጉስ” ኪረኽሱ ኣይደለዩን። (ዳንኤል 1:6-10) ባቢሎናውያን ነቶም ብሕጊ ሙሴ ኽልኩላት ዝነበሩ ርኹሳት እንስሳታት ይበልዑ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 11:1-31፣ 20:24-26) እንስሳ ኺሓርዱ ኸለዉ ደሙ ኣየፍስስዎን እዮም ነይሮም: ሕሉቕ ምብላዖም ከኣ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዝሃቦ ሕጊ ዚጥሕስ እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 9:3, 4) እዞም ኣርባዕተ እብራውያን እዚኣቶም ካብቲ ብልዒ ንጉስ ኪበልዑ ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን! እዞም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ኣጕባዝ እዚኣቶም መንፈሳዊ ንጽህናኦም ሓለዉ: በዚ ኸኣ ሰናይ ኣብነት እዮም ዚዀኑና።

ቃል ኣምላኽ እሙናት ንኽንከውን የኽእለና

8. ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልብና ኸነስፍሮን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን እንተደኣ ዄንና: እንታይ ዓይነት ኣረኣእያን ፍልጠትን እዩ ዜድልየና፧

8 ንቓል ኣምላኽ ምፍታው ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ዜኽእለና ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። (መዝሙር 119:17-24) ከምቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተመርሐ ጸሓፍ መዝሙር እንተደኣ ዄንና: ነቲ “ተኣምራት” ሕጊ ኣምላኽ ክንርድኦ ሃረር ክንብል ኢና። ወትሩ ‘ፍርድታት የሆዋ ንናፍቕ: ምስክራቱ [‘መዘኻኸሪታቱ:’ NW] እውን ባህ ይብለና።’ (መዝሙር 119:18, 20, 24) ርእስና ንየሆዋ ኻብ እንውፊ ነዊሕ ዘይገበርና እኳ እንተ ዀንና: ‘ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ንብህጎ’ ዲና፧ (1 ጴጥሮስ 2:1, 2) ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ልብና ንኸነስፍሮን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንርድኦ ኣሎና።

9. ሰብ ክንገብሮ ዚደልየና ነገራት ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚጋጮ እንተደኣ ዀይኑ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

9 መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ባህ ዚብለና እኳ እንተዀነ: “መሳፍንቲ” እንተ ሓመዩና ወይ ብዘረባኦም እንተ ተጻረሩናኸ፧ (መዝሙር 119:23, 24) ሎሚ ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ንሕግታት ሰብ ልዕሊ ሕጊ ኣምላኽ ንኽንሰርዖ ኼገድዱና ይጽዕሩ እዮም። ሰብ ክንገብሮ ዚደልየና ነገራት ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚጋጮ እንተደኣ ዀይኑ: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ንየሆዋ እሙናት ኴንና ንኽንቅጽል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ከምቶም መስጐጕቲ ዝወረዶም ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢና እንብል።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

10, 11. ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ፈታኒ ዅነታት እውን እንተዀነ: ንየሆዋ ዘሎና ንጽህና ብኸመይ ክንሕሉ ኸም እንኽእል ግለጽ።

10 ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ፈታኒ ዅነታት እውን ከይተረፈ ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 119:25-32) ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ሓሊና ኽንመላለስ እንተደኣ ዄንና: ንኽንመሃር ድሉዋት ክንከውንን መምርሒ ንኺወሃበና ኻብ ልቢ ኽንጽልን ኣሎና። “መገዲ ሓቂ” ወይ “መገዲ ተኣማንነት” (NW) እውን ክንመርጽ ኣሎና።—መዝሙር 119:26, 30

11 እቲ ንመበል 119 መዝሙር ጽሒፉ ኪኸውን ዚኽእል ህዝቅያስ “መገዲ ተኣማንነት” እዩ መሪጹ። ብናይ ሓሶት ኣምለኽቲ እተኸበ: በቶም ኣብቲ ቤተ-መንግስቲ ዝነበሩ እውን ላግጺ ይወርዶ እኳ እንተ ነበረ: ብመገዲ ተኣማንነት ካብ ምምልላስ ግን ድሕር ኣይበለን። ብሰንኪ እዚ ዅነታት እዚ ‘ነፍሱ ብሓዘን ትነብዕ’ ወይ ድቃስ ትስእን ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። (መዝሙር 119:28) እንተዀነ ግን: ኣብ ኣምላኽ ተወከለ: ንፉዕ ንጉስ ኰነ: ከምኡውን “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።” (2 ነገስት 18:1-5) ንሕናውን ኣብ ኣምላኽ ንውከል እንተደኣ ዄንና: ፈተናታት ተጻዊርና ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና።—ያእቆብ 1:5-8

ቃል የሆዋ ትብዓት ይህብ

12. መዝሙር 119:36, 37 ብኸመይ ኢና ኣብ ግብሪ ኸነውዕላ እንኽእል፧

12 ቃል ኣምላኽ ዚህቦ መምርሒ ምስዓብና: ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና ፈተናታት ንምስጋር ዜኽእለና ትብዓት ይህበና። (መዝሙር 119:33-40) የሆዋ ዚህበና ሕጊ ‘ብምሉእ ልብና’ ምእንቲ ኽንገብሮ: ብትሕትና መምርሒኡ ንደሊ ኢና። (መዝሙር 119:33, 34) ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ንኣምላኽ “ንልበይ ናብ ምስክራትካ [“መዘኻኸሪታትካ:” NW] እምበር ናብ ስስዐ ገንዘብ ኣይተዝብሎ” ኢልና ኢና እንሓቶ። (መዝሙር 119:36) ከም ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣብ ኵሉ ጽቡቕ ንምግባርውን ድላይ ኣሎና።” (እብራውያን 13:18 ትርጕም 1990) ሓደ ኣስራሒ ዘይቅኑዕ ነገር ክንገብር እንተደኣ ደልዩና: ብትብዓት መምርሒታት ኣምላኽ ኢና ጠቢቕና እንስዕብ። የሆዋ ኸኣ ይባርኸና እዩ። ንዅሉ ሕማቕ ዝንባለና ኽንቈጻጸሮ እውን ይሕግዘና እዩ። እምበኣር “ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ኢልና ንጸሊ። (መዝሙር 119:37) ኣምላኽ ዚጸልኦ ኸንቱ ነገር: ከም ዚበሃግ ጌርና ኽንርእዮ ኣይንደልን ኢና። (መዝሙር 97:10) ገለ ኻብቲ ኸነርሕቖ ዘሎና ነገራት ከኣ ስእለ-ጽዩፍን ሓተታ መናፍስትን ይርከቦ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ራእይ 21:8

13. እቶም መስጐጕቲ ዝወረዶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብትብዓት ንኺምስክሩ ዜድሊ ብርታዐ ኻበይ ረኸቡ፧

13 ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ምጥራይና ብትብዓት ንኽንምስክር ምትእምማን ከም እነሕድር ይገብረና። (መዝሙር 119:41-48) ነቲ ‘ዚጸርፈና ምላሽ ንኽንህቦ’ ድማ ትብዓት የድልየና እዩ። (መዝሙር 119:42) ሓድሓደ ግዜ ኸምቶም መስጐጕቲ ዝወረዶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ “ንባሮትካ ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም” ኢልና ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። እዚኸ እንታይ ኣስዓበሎም፧ “ኵላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡ: ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ።” እዚ ልዑላዊ ጐይታ እዚ: ቃሉ ብትብዓት ንኽንዛረብ ብርታዐ ይህበና እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:24-31

14. ከም ጳውሎስ ብትብዓት ንኽንምስክር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

14 “ነቲ ቓል ሓቂ” ኣኽቢርና እንተ ርኢናዮን ‘ንሕጊ ኣምላኽ ኣዘውቲርና ንሕልዎ’ እንተ ዄንናን: ከይሓፈርና ምስክርነት ንኽንህብ ትብዓት ኪህልወና እዩ። (መዝሙር 119:43, 44) ቃል ኣምላኽ ተጊህካ ምጽናዕ: ‘ኣብ ቅድሚ ነገስታት ብዛዕባ መዘኻኸሪታቱ ንኽንዛረብ’ ኬዕጥቐና እዩ። (መዝሙር 119:46) መንፈስ የሆዋን ጸሎትን እውን ብግቡእ መገዲ ጌርና ቕኑዕ ዘረባ ንኽንዛረብ የኽእለና። (ማቴዎስ 10:16-20፣ ቈሎሴ 4:6) ጳውሎስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ገዛእቲ ብትብዓት ብዛዕባ መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ተዛሪብዎም እዩ። ንኣብነት: ነቲ “ብዛዕባ እምነት ብክርስቶስ የሱስ” ዚሰምዖ ዝነበረ: ፌሊክስ ዚበሃል ሮማዊ ኣመሓዳሪ ሰቢኹሉ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:24, 25) ነቲ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ፌስጦስን ንንጉስ ኣግሪጳን እውን መስኪሩሎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 25:22-26:32) ንሕናውን ብሓገዝ የሆዋ ተባዓት መሰኻኽርን ‘ብወንጌል ዘይንሓፍርን’ ክንከውን ንኽእል ኢና።—ሮሜ 1:16

ቃል ኣምላኽ የጸናንዓና

15. ካልኦት ኬላግጹልና ኸለዉ: ቃል ኣምላኽ ዜጸናንዓና ብኸመይ እዩ፧

15 ቃል ኣምላኽ ዜተኣማምን ምጽንናዕ ይህበና እዩ። (መዝሙር 119:49-56) ሓድሓደ ግዜ ፍልይ ዝበለ ምጽንናዕ ዜድልየና እዋን ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን ብትብዓት ዋላ እንተ ተዛረብና: ሓድሓደ ግዜ እቶም “ትዕቢተኛታት:” ማለት ኣብ ኣምላኽ ዚዕበዩ: ‘ኣዝዮም እዮም ዜላግጹልና።’ (መዝሙር 119:51) ክንጽሊ ኸለና ግን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ኣወንታዊ ነጥብታት ንዝክር እሞ በዚ ድማ ‘ንጸናናዕ።’ (መዝሙር 119:52) ክንምህለል ከለና: ኣብ እዋን ጸበባ ምጽንናዕ ወይ ትብዓት ዚህበና ቕዱስ ጽሑፋዊ ሕጊ ወይ ስርዓት ንዝክር ንኸውን።

16. ኣገልገልቲ ኣምላኽ መስጐጕቲ እኳ እንተ ወረዶም: እንታይ እዮም ዘይገበሩ፧

16 እቶም ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ዘላገጹሉ ትዕቢተኛታት ሰባት: ካብ እስራኤላውያን ማለት ካብቶም ንኣምላኽ እተወፈዩ ህዝቢ እዮም ነይሮም። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕፍር ኰን እዩ! ይኹን እምበር: ከማታቶም ዘይኰንናስ: ካብ ሕጊ ኣምላኽ ከቶ ንኸይነግልስ ቈራጽነት ንግበር። (መዝሙር 119:51) በሽሓት ዚቝጸሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ናዚ መስጐጕቲ ኺወርዶም ከሎ ዀነ ተመሳሳሊ ስደት ኬጋጥሞም ከሎ: ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሕግታትን ስርዓታትን ፈልከት ኣይበሉን። (ዮሃንስ 15:18-21) ስርዓታት የሆዋ ኸም ዜጸናንዕ መዝሙራት ወይ ዜማታት ስለ ዝዀነ: የሆዋ ዚህበና ትእዛዝ ምሕላው ጾር ኣይኰነን።—መዝሙር 119:54፣ 1 ዮሃንስ 5:3

ንቓል የሆዋ ኣመስግነሉ

17. ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ኣኽብሮት እንታይ ክንገብር ይድርኸና፧

17 ንቓል ኣምላኽ ብምሕላው: ከም እነመስግነሉ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 119:57-64) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ‘ቃል የሆዋ ንኺሕሉ ተመባጽዐ: ፍርቂ ለይቲውን እንተዀነ ንኣምላኽ ስለቲ ጻድቕ ፍርዱ ኼመስግኖ ተንስአ።’ ለይቲ እንተደኣ ነቒሕና: ንኣምላኽ ብጸሎት ንኸነመስግን ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዀን ኢና እንረክብ! (መዝሙር 119:57, 62) ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ኣኽብሮት ትምህርትታቱ ንኸነናዲ ኸምኡውን ሕጉሳት ‘ብጾት እቶም ንየሆዋ ዚፈርሁ:’ ወይ ንኣምላኽ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ዘለዎም ሰባት ንኽንከውን ይድርኸና። (መዝሙር 119:63, 64) ኣብ ምድሪ ኻብዚኣቶም ዚበልጹ ብጾት ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና፧

18. ‘ኣግማድ ረሲኣን ምስ ዚኸበና’ የሆዋ ንጸሎትና ምላሽ ዚህበሉ ብኸመይ እዩ፧

18 የሆዋ ንኺምህረና ትሕት ኢልና ብምሉእ ልብና ኽንጽሊ ኸለና: ሞገሱ ንምርካብ ‘ገጹ ኸም ዚፈትሓልና’ (NW) ኢና እንገብር ዘሎና። ብፍላይ ‘ኣግማድ ረሲኣን ኪኸበና ኸሎ’ ኽንጽሊ ኣሎና። (መዝሙር 119:58, 61) የሆዋ ነቲ ቐይዲ ዚገብረልና ኣግማድ ጸላኢ ብምብታኽ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብርን ናጻ ኺገብረና ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) እዚ ኸኣ ኣብቲ ዕዮና እተኣገደሉ ሃገራት ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ይሃሉኻ

19, 20. ውርደት ንሰናይ ኪዀነልና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

19 ኣብ ኣምላኽን ኣብ ቃሉን ዘላትና እምነት: ውርደት ተሰኪምና ፍቓዱ ንኽንገብር ትሕግዘና። (መዝሙር 119:65-72) ትዕቢተኛታት ዘበሉ ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ‘ሓሶት እኳ እንተ ፈሓሱሉ’ ወይ እንተ ኣካፍእዎ: ንሱ ግን “ውርደተይ ሰናይ ኰነለይ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 119:66, 69, 71) ንሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ውርደት ኪስከም ሰናይ ዝዀነሉ ኸመይ ኢሉ እዩ፧

20 ውርደት ወይ ጸበባ ኸነሕልፍ ከለና: ካብ ልብና ናብ የሆዋ ኸም እንምህለል ዜጠራጥር ኣይኰነን። ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ንምጽናዕ ዝያዳ ግዜ ነሕልፍ: ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ድማ ዝያዳ ጻዕሪ ንገብር። እዚ ኸኣ ሓጐስ እዩ ዜምጽእ። ጸበባ ምስ ኣጋጠመና ኸም ዓቕሊ ምስኣንን ትዕቢትን ዘኣመሰለ ሕማቕ ባህርያት እንተ ኣንጸባሪቕናኸ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕድለታት ብልባዊ ጸሎት ኰነ ብሓገዝ ቃል ኣምላኽን መንፈሱን ኣቢልና ኸነርሕቖ ንኽእል: ‘ነቲ ሓድሽ ሰብ ድማ ብዝያዳ ኽንለብስ’ ንኽእል። (ቈሎሴ 3:9-14) ብዘይካዚውን: ጸበባ ምስ እነሕልፍ: እምነትና ትድልድል እያ። (1 ጴጥሮስ 1:6, 7) ጳውሎስ ዘጋጠሞ ጸበባ ብዝያዳ ናብ የሆዋ ኸም ዚጽጋዕ ስለ ዝገበሮ: ካብኡ ተጠቒሙ እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:8-10) ዜጋጥመና ጸበባ ኣባና ጽቡቕ ጽልዋ ኸም ዚህልዎ ዲና እንገብር፧

ወትሩ ኣብ የሆዋ ተወከል

21. ኣምላኽ ንዕቡያት ምስ ኣሕፈሮም እንታይ እዩ ዚኸውን፧

21 ቃል ኣምላኽ: ኣብ የሆዋ ንኽንውከል ብቑዕ መሰረት ይህበና እዩ። (መዝሙር 119:73-80) ብሓቂ ኣብ ፈጣሪና እንተ ተወኪልና: ዋላ ሓንቲ ዜሕፍር የብልናን። ካልኦት ብዚገብርዎ ተግባራት ግን ምጽንናዕ የድልየና ይኸውን: ‘ዕቡያት ይሕፈሩ’ ኢልናውን ንጽሊ ንኸውን። (መዝሙር 119:76-78) የሆዋ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምስ ኣሕፈሮም: ኣብ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ዚገብርዎ ዝነበሩ እኩይ መገዶም እዩ ዚቃላዕ። እቶም ሰጐጕቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይርብሑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ነቶም ብምሉእ ልቦም ኣብ ኣምላኽ ዚውከሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጥፊኦምዎም ኣይፈልጡን እዮም: ኣብ መጻኢውን ኣይኬጥፍእዎምን እዮም።—ምሳሌ 3:5, 6

22. እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ከም ኣብ ትኪ ዘሎ ሓርቢ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

22 መስጐጕቲ ኺወርደና ኸሎ: ቃል ኣምላኽ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ የደልድሎ እዩ። (መዝሙር 119:81-88) ትዕቢተኛታት ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ይሰጕዎ ብምንባሮም “ከም ኣብ ትኪ ዘሎ ሓርቢ” ዀይኑ ተሰምዖ። (መዝሙር 119:83, 86) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ሓርቢ ኸም ማይ: ወይኒ ዝኣመሰለ ፈሳሲ ነገራት ንምሓዝ የገልግል ነበረ። እዚ ሓርቢ እዚ ኣብ ዘየገልግለሉ እዋን: መውጽኢ ትኪ ኣብ ዘይብሉ ኽፍሊ ኣብ ጥቓ ሓዊ እንተ ተሰቒሉ ዅምትርትር እዩ ዚብል። ጸገማት ወይ መስጐጕቲ “ከም ኣብ ትኪ ዘሎ ሓርቢ” ዝዀንካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ይገብረካ ድዩ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ: ኣብ የሆዋ ተወከል: “ከም ጸጋኻ [“ሳህልኻ:” NW] ህያው ግበረኒ: ኣነውን ምስክር [“መዘኻኸሪ:” NW] ኣፍካ ኽሕሉ እየ” ኢልካ ድማ ጸሊ።—መዝሙር 119:88

23. መዝሙር 119:1-88 ኣብ እንምርምረሉ እዋን: እንታይ ኢና ተማሂርና: ኣብ ዚቕጽል መዝሙር 119:89-176 ቅድሚ ምጽናዕናኸ እንታይ ኢልና ኢና ንርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧

23 ካብዚ ፍርቂ መበል 119 መዝሙር እተመሃርናዮ ነገር: የሆዋ ነቶም ኣብ ቃሉ ዚውከሉ ዀነ ንሕግታቱን መዘኻኸሪታቱን ትእዛዛቱን ዚፈትዉ ኣገልገልቱ ሳህሉ ኸም ዜርእዮም ኢና ርኢና። (መዝሙር 119:16, 47, 64, 70, 77, 88) እቶም ንዕኡ ውፉያት ዘበሉ: ከም ቃሉ ገይሮም ብጥንቃቐ ዚመላለሱ ምዃኖም የሐጕሶ እዩ። (መዝሙር 119:9, 17, 41, 42) ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እዚ ዜተባብዕ መዝሙር እዚ ቕድሚ ምምርማርካ ኸኣ: ንርእስኻ ‘ቃል የሆዋ ንመገደይ ብርሃን ከም ዚኸውን እገብር ድየ፧’ ኢልካ ሕተት።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብዚ ንመልእኽቲ የሆዋ ደኣ እምበር ንብምልኡ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰነን ዚዛረበሉ ዘሎ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧

ቃል የሆዋ ብመንፈስ ዜንጽሃና ብኸመይ እዩ፧

ቃል ኣምላኽ ትብዓትን ምጽንናዕን ዚህበና ብኸመይ እዩ፧

ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን እምነት ክትህልወና ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ሩትን ረሃብን እቶም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን እተወስዱ እብራውያን መንእሰያትን ‘ከም ቃል ኣምላኽ ተጠንቂቖም’ ተመላሊሶም እዮም

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ብትብዓት ‘ኣብ ቅድሚ ነገስታት ብዛዕባ መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ተዛሪቡ እዩ’