ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስትያን ሰበይቲ “ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ” ኢሉ ዝጸሓፈ ስለምንታይ እዩ፧1 ጢሞቴዎስ 2:15

ኣብ ከባቢ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት ጳውሎስ እንታይ ማለቱ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ፧ ኣብዚ ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ብዛዕባ ክርስትያን ኣንስቲ ኣብ ጉባኤ ዘለወን ግደ እዩ ዚዛረብ ዘሎ። ከምዚ ድማ በለ:- “ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ: ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን: ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ: ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ: እደሊ አሎኹ።” (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10) ንክርስትያን ኣሓቱ ትሑታትን ብግቡእ ዚስለማን ኪዀና ኸምኡውን ብሰናይ ግብሪ “ኺስለማ” እዩ መኺሩወን ነይሩ።

ቀጺሉ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ናይ ርእስነት ስርዓት ኣመልኪቱ “ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር: ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ: ኣይፈቅድን እየ” በለ። (1 ጢሞቴዎስ 2:12፣ 1 ቈረንቶስ 11:3) ኣዳም ዘይኰነስ ሄዋን ብሰይጣን “ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት” ብምባል ነቲ ነዚ ስርዓት መሰረት ዝዀነ ነገር ገለጸ። ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ኸም ሄዋን ከይትታለል እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ጳውሎስ “ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና: ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን [“ደሓን ክትረክብ” NW] እያ” ብምባል መለሰ። (1 ጢሞቴዎስ 2:14, 15) ከምዚ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ገሊኦም ተርጐምቲ ሓንቲ ሰበይቲ ንኽትድሕን ናይ ግድን ክትወልድ ከም ዘለዋ ገይሮም እዮም ተርጒሞምዎ። እንተዀነ ግን: እዚ ትርጕም እዚ ቕኑዕ ኣይኰነን። ከመይሲ: ቅዱሳት ጽሑፋት ሓደ ሰብ ንኺድሕን ንየሆዋ ኺፈልጥ: ኣብ የሱስ ኪኣምን: እምነት ኬሕድር: ከምኡውን እምነቱ ብግብሪ ኼርኢ ኸም ዚግብኦ እዩ ዚገልጽ። (ዮሃንስ 17:3፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:30, 31፣ ሮሜ 10:10፣ ያእቆብ 2:26) ብተወሳኺውን ጳውሎስ ኣመንቲ ዝዀና ኣንስቲ ኣብ እዋን ሕርሲ ዋላ ሓንቲ ጸገም ከም ዘየጋጥመን ውሕስነት ኣይሃበን። ኣመንቲ ይኹና ኣይኹና ብዘየገድስ ብዙሓት ኣንስቲ ብሰላም ይገላገላ እየን። እቲ ዜሕዝን ከኣ ገሊአን ኣመንቲ ዀና ዘይኣመንቲ ኣብ እዋን ሕርሲ ሞይተን እየን።—ዘፍጥረት 35:16-18

እቲ ጳውሎስ ኣብዛ መልእኽቱ ነንስቲ ዝሃቦ ተወሳኺ ምኽሪ እንታይ ማለቱ ኸም ዝዀነ ዝያዳ የብርሃልና። ብዛዕባ እተን “ቤተ ቤት እናዞራ ምብኳር ዕዮ እየን ዚምሀራ: ዘይግባእ እናተዛረባውን መብዛሕቲ ኣፍን ወልፋሳትን ይዀና እምበር: ምብኳር ዕዮ ጥራይ ኣይኰናን” ዝበለን ብዕድመ መንእሰያት ዝዀና መበለታት ኣጠንቀቐ። እንታይ ኢሉኸ መዓደ፧ ኣስዕብ ኣቢሉ “እምብኣርሲ እተን ሓያማት ኪምርዐዋ: ውሉድ ኪወልዳ: ቤተን ኪሕዛ: ጸላኢ ዚጸርፈሉ ሓደ ምኽንያት እኳ ኸይህባ: እደሊ አሎኹ” በለ።—1 ጢሞቴዎስ 5:13, 14

ጳውሎስ ነቲ ኣንስቲ ኣብ ስድራቤት ዘለወን ኣገዳሲ ግደ ኣጕሊሕዎ እዩ። ሓንቲ ሰበይቲ ኸም ‘ውሉድ ምውላድን ቤት ምሓዝን’ ብዝኣመሰለ ሓላፍነታት ትሕዝቲ እንተ ዀይና: ‘ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ ስለ እትጸንዕ’ ሕማቕ ጠባይ ኣይህልዋን እዩ። መንፈሳውነታ ይሕሎ ወይ ከኣ ‘ይድሕን።’ (1 ጢሞቴዎስ 2:15) ከምዚ እንተ ገይረን ብዙሓት መንእሰያት ኣንስቲ ኻብ መፈንጠራታት ሰይጣን ኪርሕቃ ይኽእላ።

እዚ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፈሉ ቓላት ንዅላትና ሰብኡት ኰንና ኣንስቲ ብዚጠቅም ነገራት ትሑዛት ክንከውን እዩ ዚምህረና። ቃል ኣምላኽ ንዅሎም ክርስትያናት “ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ” ብምባል ይምዕድ።—ኤፌሶን 5:15