ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መን እዮም ዚትንስኡ፧

መን እዮም ዚትንስኡ፧

መን እዮም ዚትንስኡ፧

ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: . . . ኺወጹ እዮም እሞ: በዚ ኣይትደነቑ።”ዮሃንስ 5:28, 29

1. ሙሴ ኻብ ማእከል እታ ብሓዊ እትነድድ ዝነበረት ኣሻዅ ቈጥቋጥ እንታይ ፍልይ ዝበለ ነገር እዩ ዝሰምዐ: ጸኒሑ ነዘን ቃላት እዚኣተን እንደገና ዝጠቐሰንከ መን እዩ፧

 ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር ሓደ ፍሉይ ነገር ኣጋጠመ። ሙሴ ነባጊዕ የትሮ ይጓሲ ነበረ። ኣብ ጥቓ ኸረን ሆሬብ ከሎ: መልኣኽ የሆዋ ኻብ ማእከል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተራእዮ። ኣብ ዘጸኣት ዚርከብ ጸብጻብ: “እንተ ጠመተ ድማ እንሃ: እታ ቘጥቋጥ ብሓዊ ትነድድ ነበረት: እታ ቘጥቋጥ ግና ኣይተበልዔትን” ብምባል የዘንቱ። ድሕሪኡ: ካብ ማእከል እቲ ቘጥቋጥ “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ: ኣምላኽ ኣብርሃም: ኣምላኽ ይስሃቅ: ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ እየ” በሎ። (ዘጸኣት 3:1-6) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ጠቐሰን።

2, 3. (ሀ) ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧ (ለ) እንታይ ሕቶ እዩ ዚለዓል፧

2 የሱስ ምስ ገሊኣቶም ኣብ ትንሳኤ ዘይኣምኑ ሰዱቃውያን እዩ ዚዘራረብ ነይሩ። ነዚ ኣመልኪቱ “ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና: ሙሴ ድማ ኣብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን ብምባሉ ኣርአየ። ንእኡ ዅሎም ህያዋን እዮም እሞ: ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር: ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን” በሎም። (ሉቃስ 20:27, 37, 38) የሱስ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ እቶም ካብ ዚሞቱ ነዊሕ ዝገበሩ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ከም ዘለዉ እዩ ኣረጋጊጹ። ንሳቶም እውን ከም እዮብ ‘ዘመን መከራኦም:’ ማለት ነቲ ሞይቶም ዚጸንሑሉ እዋን ዜብቅዓሉ ግዜ ይጽበዩ ኣለዉ። (እዮብ 14:14 ትርጕም 1990) ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ከኣ ኪትንስኡ እዮም።

3 እቶም ኣብ መላእ ታሪኽ ወድሰብ ዝሞቱ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባትከ ትንሳኤ ኺረኽቡ ድዮም፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ዜዕግብ መልሲ ቕድሚ ምርካብና: ሰባት ምስ ሞቱ ናበይ ከም ዚኸዱ ኻብ ቃል ኣምላኽ ንርአ።

ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧

4. (ሀ) ሰባት ምስ ሞቱ ናበይ እዮም ዚኸዱ፧ (ለ) ሲኦል እንታይ እዩ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ: ምዉታት “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” እዩ ዚብል። ሰብ ምስ ሞተ ኣብ ሓዊ ዘለዎ ሲኦል ከይዱ ኣይቃጸልን ወይ ኣብ ሊምቦ ኸይዱ ብትጽቢት ዓቕሉ ኣይጸቦን እዩ: የግዳስ ናብ መሬት እዩ ዚምለስ። ስለዚ: ቃል ኣምላኽ ነቶም ህያዋን “ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ: ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ” ኢሉ ይምዕዶም። (መክብብ 9:5, 10፣ ዘፍጥረት 3:19) እታ “ሲኦል” እትብል ቃል ብዙሓት ከይፈልጥዋ ይኽእሉ እዮም። ምንጫ ኻበይ ምዃኑ ብንጹር ዘይትፍለጥ ናይ እብራይስጢ ቓል እያ። ሓያሎ ሃይማኖታት ምዉታት ገና ብህይወት ከም ዘለዉ ይምህራ እኳ እንተዀና: እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ከም ዚሕብሮ ግን እቶም ኣብ ሲኦል ዘለዉ ገለ እኳ ዘይፈልጡ ምዉታት እዮም። ሲኦል ብሓጺሩ መቓብር ደቅሰብ እዩ።

5, 6. ያእቆብ ምስ ሞተ ናበይ እዩ ኸይዱ: ኣብኡኸ ምስ መን እዩ እተጸምበረ፧

5 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ሽኦል” (ሲኦል) እትብል ቃል ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዘፍጥረት 37:35 እያ እትርከብ። ያእቆብ እቲ ዜፍቅሮ ወዱ ዝሞተ ስለ ዝመሰሎ: “ብሓዘን ናብ ወደይ ናብ ሽኦል ክወርድ እየ” ብምባል ምጽንናዕ ኣበየ። ወዱ ኸም ዝሞተ ኣሚኑ ስለ ዝነበረ: ሞይቱ ኣብ ሲኦል ኪኣቱ እዩ ተመንዩ። ድሕሪ እተወሰነ እዋን: እቶም ትሽዓተ ዓበይቲ ደቂ ያእቆብ ካብ ጥሜት ንምድሓን: ነቲ ሕሳስ-ልደ ወዱ ዝነበረ ቢንያም ሒዞም ናብ ግብጺ ኺወርዱ ደለዩ። ያእቆብ ግን “ሓዉ ሞይቱ: ንሱ ድማ በይኑ ተሪፉ እዩ እሞ: ወደይሲ ምሳኻትኩም ኣይወርድን። ኣብቲ እትኸድዎ መገዲ ገለ ጕድኣት እንተ ረኸቦ: ሽዑ ንሽበተይ ብሓዘን ናብ ሽኦል ተውርድዎ” ብምባል ኣበየ። (ዘፍጥረት 42:36, 38) እዚ ኽልተ ጥቕስታት እዚ ንሲኦል ምስ ሓደ እተፈልየ ዓይነት ህይወት ሒዝካ ምንባር ዘይኰነስ ምስ ሞት እዩ ኣተሓሒዝዎ።

6 እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ: ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ኣመሓዳሪ ምግቢ ኸም ዝዀነ ይገልጽ። በዚ ምኽንያት እዚ ያእቆብ ናብ ዮሴፍ ከይዱ ምስኡ ኺራኸብ ከኣለ። ድሕሪኡ: ያእቆብ 147 ዓመት ገይሩ ኣሪጉ ኽሳዕ ዚመውት ኣብታ ሃገር እቲኣ ተቐመጠ። ኪመውት ከሎ ንደቁ ተላብይዎም ብምንባሩ ድማ: ንሬሳኡ ወሲዶም ኣብታ ኣብ ምድሪ ከነኣን እትርከብ በዓቲ ማክጴላ ቐበርዎ። (ዘፍጥረት 47:28፣ 49:29-31፣ 50:12, 13) ያእቆብ ምስ ኣቦኡ ይስሃቅን ኣባሓጎኡ ኣብርሃምን ተጸምበረ።

‘ናብ ኣቦታቶም ተኣከቡ’

7, 8. (ሀ) ኣብርሃም ምስ ሞተ ናበይ እዩ ዝኸደ፧ ግለጽ። (ለ) ካልኦት እውን ምስ ሞቱ ናብ ሲኦል ከም ዝኣተዉ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

7 ኣቐዲሙ የሆዋ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን መረጋገጺ ኺህቦ ኸሎ: ዘርኡ ኸም ዚበዝሕ ድሕሪ ምምብጻዕ: “ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ: ብጽቡቕ እርጋን ድማ ኽትቅበር ኢኻ” ብምባል ንዕኡ ዜጋጥሞ ነገሮ። (ዘፍጥረት 15:15) ከምኡ ኸኣ እዩ ተፈጺሙ። ዘፍጥረት 25:8 “ኣብርሃም ድማ ጽቡቕ እርግና ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ትንፋሱ ወጸት ሞተውን: ናብ ህዝቡ ኸኣ ተአከበ” ትብል። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም መን እዮም፧ ዘፍጥረት 11:10-26 ክሳዕ ሴም ወዲ ኖህ ዚበጽሑ ኣቦታት ትዝርዝር። ስለዚ: ኣብርሃም ምስ ሞተ ምስዞም ኣብ ሲኦል ደቂሶም ዚርከቡ ኻልኦት ሰባት እዩ ተኣኪቡ።

8 እታ ‘ናብ ህዝቡ ተኣከበ’ እትብል መግለጺ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብተደጋጋሚ እያ እትርከብ። ካብዚ ብምብጋስ: እስማኤል ወዲ ኣብርሃምን ኣሮን ሓው ሙሴን ምስ ሞቱ ናብ ሲኦል ብምእታው ትንሳኤ ይጽበዩ ኣለዉ ኽንብል ንኽእል ኢና። (ዘፍጥረት 25:17፣ ዘሁልቍ 20:23-29) በዚ መሰረት እዚውን መቓብር ሙሴ ኣበይ ምዃኑ እኳ እንተ ዘይተፈልጠ: ንሱውን ናብ ሲኦል ኣትዩ ኺበሃል ይከኣል እዩ። (ዘሁልቍ 27:13፣ ዘዳግም 34:5, 6) ብተመሳሳሊ: እቲ ንሙሴ ተኪኡ ንእስራኤላውያን ዝመርሖም እያሱን ብዘመኑ ዝነበሩ ሓደ ወለዶ ዚኣኽሉ ህዝብን ምስ ሞቱ ናብ ሲኦል ወረዱ።—መሳፍንቲ 2:8-10

9. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ሲኦል” እትብል ናይ እብራይስጢ ቃልን “ሃደስ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃልን ንሓደ ነገር ከም ዜምልክታ ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቶም ኣብ ሲኦል ወይ ሃደስ ዘለዉ እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧

9 ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት: ዳዊት ኣብቶም 12 ነገዳት እስራኤል ነገሰ። ምስ ሞተ ድማ “ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ።” (1 ነገስት 2:10) ንሱኸ ኣብ ሲኦል ድዩ ኣትዩ፧ እቲ ዜገርም ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. ንሞት ዳዊት ኣመልኪቱ ነታ “ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን” እትብል መዝሙር 16:10 ጠቐሳ። ዳዊት ገና ኣብ መቓብሩ ኸም ዘሎ ድሕሪ ምግላጽ ከኣ: ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ የሱስ ከም ዚውዕላ ኺሕብር ከሎ: ዳዊት “ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ: ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ: ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ: ተዛረበ። ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ: በዚ ንሕና ዅላትና ም[ስ]ክር ኢና” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:29-32) ጴጥሮስ ኣብቲ በዅሪ ግሪኽ ነታ “ሲኦል” እትብል ቃል “ሃደስ” ብእትብል ቃል እዩ ተኪእዋ። ስለዚ: ኵነታት እቶም ኣብ ሃደስ ዘለዉን ኣብ ሲኦል ዘለዉን ሕደ እዩ። ትንሳኤ ኽሳዕ ዚረኽቡ ኸኣ ደቂሶም እዮም ዘለዉ።

ሓጥኣን ኣብ ሲኦል ኣለዉዶ፧

10, 11. ገሊኦም ሓጥኣን ምስ ሞቱ ናብ ሲኦል ወይ ሃደስ እዮም ዚኸዱ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

10 ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ መሪሑ ምስ ኣውጽኦም: ኣብ በረኻ ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ዓለዉ። ሙሴ ነቶም ህዝቢ ኻብቶም መራሕቲ እቲ ዕልዋ ዝነበሩ ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኪፍለዩ ነገሮም። ኪሞቱ ምዃኖም: ኣማውታኦም ግን ፍልይ ዝበለ ኸም ዚኸውን ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ:- “እዞም ሰባት እዚኦም ከም ኣማውታ ዅሉ ሰብ እንተ ሞቱ: ወይ ንዅሉ ሰብ ዚበጽሕ ጥራይ እንተ በጽሖም: ሽዑ እግዚኣብሄር ኣይለአኸንን። እግዚኣብሄር ሓድሽ ነገር እንተ ገበረ ግና: እዚኣቶም ምስ ኵሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ኪወርዱ: ምድሪ ኣፋ ኸፊታ እንተ ወሐጠቶም: ሽዑ እዞም ሰባት እዚኦም ንእግዚኣብሄር ከም ዝነዐቕዎ ኽትፈልጡ ኢኹም” በለ። (ዘሁልቍ 16:29, 30) ስለዚ: ኣማውታ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንተ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ብምውሓጣ ወይ ከምቲ ቆራሕን ምስኡ ዝነበሩ 250 ሌዋውያንን ዝሞትዎ ሓዊ መጺኡ ብምብላዑ ይኹን ብዘየገድስ: ኵላቶም ኣብ ሲኦል ወይ ኣብ ሃደስ እዮም ኣትዮም።—ዘሁልቍ 26:10

11 እቲ ንንጉስ ዳዊት ዝረገሞ ሺምዒ: በቲ ንዳዊት ተኪኡ ዝነገሰ ሰሎሞን ተቐጺዑ እዩ። ዳዊት ንሰሎሞን “ብዘይ ቅጽዓት ኣይትሕደጎ። ንስኻ ጥበበኛ ሰብ ኢኻ እሞ: እትገብሮ ባዕልኻ ትፈልጥ: ሽበቱ ብደም ለኺኻ ድማ ናብ ሲኦል ኣውርዶ” ኢሉ ኣዘዞ። ሰሎሞን ከኣ ንበናያ ልኢኹ ኣቕተሎ። (1 ነገስት 2:8, 9, 44-46) ካብቶም በናያ ዝቐተሎም ካልኦት ሰባት ከኣ: እቲ ኣቐዲሙ ሓለቓ ሰራዊት ዝነበረ ዮኣብ ይርከቦም። ንሱውን ሽበቱ “ብሰላም ናብ ሲኦል” ኣይወረደን። (1 ነገስት 2:5, 6, 28-34) እዚ ኽልቲኡ ኣብነታት እዚ ንሓቅነት እቲ ዳዊት ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ “ረሲኣን: ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ዅላቶም ኣህዛብ: ናብ ሲኦል እዮም ዚምለሱ” ዝበሎ እዩ ዜረጋግጽ።—መዝሙር 9:17

12. ኣሒቶፌል እንታዋይ እዩ ነይሩ: ምስ ሞተኸ ናበይ እዩ ኸይዱ፧

12 ኣሒቶፌል ኣማኻሪ ዳዊት እዩ ነይሩ። ንሱ ዚመኽሮ ዝነበረ ምኽሪ ኸኣ ከም ምኽሪ የሆዋ እዩ ነይሩ። (2 ሳሙኤል 16:23) እቲ ዜሕዝን ግን እዚ እምነት ተገይሩሉ ዝነበረ ኣገልጋሊ ኸድዐ: ኣብቲ ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት ዝገበሮ ዕልዋ ድማ ሓበረ። ዳዊት “ዚጸርፈኒ ጸላእየይ ኣይኰነን: እንተ ዝኸውንሲ ምተዐገስኩ: ዚዕበየለይ እቲ ዚጸልኣኒ ኣይኰነን: እንተ ዚኸውንሲ ምተሐባእኩ” ኢሉ ኺዛረብ ከሎ ነዚ ዕልዋ እዚ እዩ ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “እከይ ኣብ ማሕደሮምን ኣብ ውሽጦምን አሎ እሞ: ሞት ብድንገት ይምጽኣዮም: ብህይወቶም ከለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ” በለ። (መዝሙር 55:12-15) ኣሒቶፌልን ብጾቱን ምስ ሞቱ ናብ ሲኦል እዮም ወሪዶም።

ኣብ ገሃነም ዘለዉ መን እዮም፧

13. ይሁዳ “ወዲ ጥፍኣት” እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧

13 እቲ ንዳዊት ዘጋጠሞ ዅነታት ምስቲ ኻብኡ ንዚዓቢ የሱስ ዘጋጠሞ እሞ ኣወዳድሮ። ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት ክርስቶስ ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኸም ኣሒቶፌል ከዳዕ ኰነ። ይሁዳ ብጥልመት ዝገበሮ ተግባር: ካብቲ ኣሒቶፌል ዝገበሮ ኣመና ዚኸብድ እዩ ነይሩ። ከመይሲ: ምስቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ እዩ ተጻሪሩ። ወዲ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት ብዛዕባ ሰዓብቱ ኸምዚ በለ:- “ኣነ ምሳታቶም ኣብ ዓለም ከሎኹ: ብስምካ ሐሎኽዎም: ነዞም ዝሀብካኒ ተኸናኸንክዎም። እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፤ ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት ካባታቶም ዝጠፍኤ የልቦን።” (ዮሃንስ 17:12) የሱስ ንይሁዳ “ወዲ ጥፍኣት” ኢሉ ምጽዋዑ: ይሁዳ ምስ ሞተ: ንኺትንስእ ተስፋ ኸም ዘይብሉ እዩ ሓቢሩ። ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ኸኣ ኣይኣተወን። ናብ ሲኦል ዘይኰነስ ናብ ገሃነም እዩ ኣትዩ። እሞ ደኣ ገሃነም እንታይ እዩ፧

14. ገሃነም ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧

14 የሱስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ንነፍሲ ወከፍ ሰዓቢኦም “ወዲ ገሃነም” ይገብሩ ብምንባሮም ኰነኖም። (ማቴዎስ 23:15) ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ጐሓፍ ዚጐሓፈሉን ሬሳ እቶም ኪቕበሩ ዘይግብኦም ገበነኛታት ዚድርበየሉን ለሰ ሄኖም ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ነበሩ። የሱስ ኣቐዲሙ ኣብ ከረን ኣብ ዝሃቦ ስብከቱ ንገሃነም ጠቒስዎ ነይሩ። (ማቴዎስ 5:29, 30) እዚ ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዚ ንምንታይ ከም ዜመልክት ንሰማዕቱ ንጹር እዩ ነይሩ። ገሃነም ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ፍጹም ጥፍኣት እዩ ዜመልክት። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ጥራይ ዘይኰነስ: ካልኦት ሰባት እውን ናብ ሲኦል ወይ ሃደስ ዘይኰነስ ናብ ገሃነም ኣትዮም ድዮም፧

15, 16. ምስ ሞቱ ናብ ገሃነም ዝኣተዉ መነመን እዮም: ናብኡ ዝኣተዉኸ ስለምንታይ እዮም፧

15 እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ፍጹማት ኰይኖም እዮም ተፈጢሮም። ስለዚ: ኰነ ኢሎም እዮም ሓጢኦም። ኣብ ቅድሚኦም ናይ ዘለኣለም ህይወት ወይ ሞት እዩ ተነቢሩሎም ነይሩ። ትእዛዝ ኣምላኽ ብምፍራስ ኣብ ጐድኒ ሰይጣን ቈሙ። ምስ ሞቱ: ካብቲ የሱስ ዝኸፈሎ በጃ ንኺጥቀሙ ተስፋ ኣይነበሮምን። ኣብ ክንዳኡስ ናብ ገሃነም እዮም ከይዶም።

16 እቲ ቃየል ዚበሃል በዅሪ ወዲ ኣዳም: ንኣቤል ሓዉ ቐተሎ: ድሕሪኡ ኸኣ ኰብላላይ ኰነ። ሃዋርያ ዮሃንስ ንቃየል ‘ካብቲ እኩይ ምንባሩ’ ገለጸ። (1 ዮሃንስ 3:12) እምበኣር: ንሱውን ከም ወለዱ ናብ ገሃነም ከይዱ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 23:33, 35) እቲ ጻድቕ ኣቤል ግን ከመይ ዝበለ እተፈልየ ተስፋ ዀን እዩ ዘለዎ! ጳውሎስ “ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ። ኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ: ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉ: ብምዉቱ ኸኣ ገና ብእኣ ገይሩ ይዛረብ አሎ” ብምባል ገለጸ። (እብራውያን 11:4) እወ: ኣቤል ኣብ ሲኦል ኰይኑ ትንሳኤ እዩ ዚጽበ ዘሎ።

‘ቀዳማይን’ ‘ዚሓይሽን’ ትንሳኤ

17. (ሀ) ኣብዚ “መወዳእታ ግዜ” መን እዮም ናብ ሲኦል ዝኣተዉ፧ (ለ) እቶም ኣብ ሲኦል ዘለዉ እንታይ እዮም ዚዀኑ: እቶም ኣብ ገሃነም ዘለዉኸ፧

17 ብዙሓት ነዚ ዘንበቡ ሰባት ብዛዕባ ዅነታት እቶም ኣብ “መወዳእታ ግዜ” ዝሞቱ ሰባት ይሓስቡ እዮም። (ዳንኤል 8:19) ራእይ ምዕራፍ 6 ኣብቲ ግዜ እቲ ኣርባዕተ ፈረሰኛታት ከም ዚጋልቡ ትሕብር። እቲ ዜገርም ከኣ እቲ ናይ መወዳእታ ፈረስ ሞት ተባሂሉ ተጸውዐ: ሲኦል ወይ ብመሰረት እቲ በዅሪ ግሪኽ ሃደስ ይስዕቦ ነበረ። ስለዚ: ብዙሓት ብሰንኪ እቶም ኣቐዲሞም ዝሓለፉ ፈረሰኛታት ዝሞቱ ሰባት ኣብ ሃደስ ኰይኖም ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ኪትንስኡ እዮም ዚጽበዩ ዘለዉ። (ራእይ 6:8) እቶም ኣብ ሲኦል (ሃደስ) ዘለዉ እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም: እቶም ኣብ ገሃነም ዘለዉኸ፧ እቶም ኣብ ሲኦል (ሃደስ) ዘለዉ ተስፋ ትንሳኤ ኺህልዎም ከሎ: እቶም ኣብ ገሃነም ዘለዉ ግን ንዘለኣለም ጠፊኦም ወይ ፈጺሞም ካብ ህላወ ተሓኺኾም እዮም።

18. እቲ “ቐዳማይ ትንሳኤ” እንታይ ተስፋ እዩ ሒዙ ዘሎ፧

18 ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ: ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር: እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን” ኢሉ ጸሓፈ። እቶም ምስ ክርስቶስ ዚገዝኡ ነቲ “ቐዳማይ ትንሳኤ” እዮም ዚረኽቡ። እቶም ዝተረፉ ደቅሰብ ግን እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧—ራእይ 20:6

19. ገሊኦም ካብቲ “ዚሓይሽ ትንሳኤ” ዚጥቀሙ ብኸመይ እዮም፧

19 ካብቲ ኸም እኒ ኤልያስን ኤልሳእን ዝኣመሰሉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበሩሉ እዋን ኣትሒዙ: ሰባት ብትንሳኤ እንደገና ህያዋን ኰይኖም እዮም። ጳውሎስ “ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም። ካልኦትውን ተሰቀዩ እሞ: ዚሐይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም: ምሕረት ኣይደለዩን” በለ። እወ: እዞም ንጽህናኦም ዝሓለዉ እሙናት እዚኣቶም ነቲ ድሕሪ ምትንሳኦም ሒደት ዓመት ጸኒሖም ዝሞቱሉ ዘይኰነስ: ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ዘለዎ ትንሳኤ ብሃንቀውታ እዮም ተጸብዮምዎ። እቲ ትንሳኤ እቲ ብሓቂ “ዚሓይሽ ትንሳኤ” እዩ።—እብራውያን 11:35

20. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

20 የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ እሙናት ኴንና እንተ መዊትና: “ዚሓይሽ ትንሳኤ” ንኽንረክብ ተስፋ ኣሎና። ዚሓይሽ እተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ኣጋጣሚ ስለ ዚኸፍት እዩ። የሱስ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: . . . ኺወጹ እዮም እሞ: በዚ ኣይትደነቑ” ኢሉ ተመባጽዐ። (ዮሃንስ 5:28, 29) እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ዕላማ ትንሳኤ እትምርምር እያ። ተስፋ ትንሳኤ ንጽህናና ንኽንሕሉ ብኸመይ ከም ዜበርትዓናን ጥቕሚ ርእስና ናይ ምስዋእ መንፈስ ከነማዕብል ከም ዜኽእለናን እትሕብር እያ።

ትዝክሮዶ፧

• የሆዋ “ናይ ህያዋን” ኣምላኽ እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧

• እቶም ኣብ ሲኦል ዘለዉ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዮም ዚርከቡ፧

• እቶም ኣብ ገሃነም ዘለዉ እንታይ እዮም ዚዀኑ፧

• ገሊኦም ካብቲ “ዚሓይሽ ትንሳኤ” ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ናብ ሲኦል ዚኣትዉ: ከም ኣብርሃም ትንሳኤ ይጽበዩ እዮም

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣዳም: ሄዋን: ቃየል: ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ናብ ገሃነም ኣትዮም ዚበሃል ስለምንታይ እዩ፧