ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዓልትታትና እንቘጽር ብኸመይ ኢና፧

መዓልትታትና እንቘጽር ብኸመይ ኢና፧

መዓልትታትና እንቘጽር ብኸመይ ኢና፧

“ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና።” (መዝሙር 90:12) እዛ ትሕትና ዝመልኣ ጸሎት እዚኣ: ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሙሴ ዘቕረባ እያ። እንታይ ኪግበረሉ እዩ ዚሓትት ነይሩ፧ ንሕናኸ ንኣምላኽ ተመሳሳሊ ለመና ኸነቕርብ ይግብኣና ድዩ፧

ሙሴ ኣብ ቍጽሪ 10 ዕምሪ ደቅሰብ ሓጺር ምዃኑ ብጓሂ ገለጸ። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ እዮብ “ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር እዩ” በለ። (እዮብ 14:1) ዕድመ ደቅሰብ ሓጺር ምዃኑ: ንሙሴ ኣጕህይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ ድማ ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኸም ክብርቲ ውህበት ይርእያ ነበረ። ነዚ ለመና እዚ ኬቕርብ ከሎ ብጥበብን ንፈጣሪኡ ባህ ብዜብል መገድን ንኺነብር ዘለዎ ድሌት እዩ ዚገልጽ ዘሎ። ንሕናኸ መዓልትታትና ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ደይኰናን ከነሕልፎ ዚግብኣና፧ ስምረት ኣምላኽ እንተደኣ ደሊና: ጻዕርና ምስዚ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ።

ንሙሴን ንእዮብን ከምዚ ንኺብሉ ዝደረኾም: ንዓናውን ኪድርኸና ዘለዎ ተወሳኺ ረቛሒ ኣሎ። እዞም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰባት: ኣብቲ ምድሪ ኣዝያ እትመሓየሸሉ እዋን ዚረኽብዎ ዓስቢ እዮም ኣርሒቖም ዚጥምቱ ነይሮም። (እዮብ 14:14, 15፣ እብራውያን 11:26) ኣብቲ እዋን እቲ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዚፍጽሞ ሰናይ ግብሪ ብምኽንያት ሞት ኣይኪቋረጽን እዩ። ዕላማ ፈጣሪና እቶም እሙናት ሰባት ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ። (ኢሳይያስ 65:21-24፣ ራእይ 21:3, 4) ንስኻውን ‘ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽትረክብ ንመዓልትታትካ ኽትቈጽር’ እንተ ኽኢልካ: እዚ ተስፋ እዚ ኺህልወካ እዩ።