ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምጽራር እናኣጋጠመ ኽነሱ እተራእየ ትብዓት

ምጽራር እናኣጋጠመ ኽነሱ እተራእየ ትብዓት

ምጽራር እናኣጋጠመ ኽነሱ እተራእየ ትብዓት

እቶም ጥሩፋት መናዓብቲ: ነቶም ጋይዮስን ኣርስጣርኮስን ዚበሃሉ ኽልተ ብጾት ጳውሎስ: ብሓይሊ ናብቲ ኣብ ኤፌሶን ዚርከብ መኣከቢ ቦታ ወይ ትያትር ኣእተውዎም። እቲ ተቘጢዑ ዝነበረ ህዝቢ: ዳርጋ ንኽልተ ሰዓታት ዚኸውን “ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ” እናበለ ይጭድር ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:28, 29, 34) ብጾት ጳውሎስ እዚ ዅሉ ምጽራር እናኣጋጠሞም ክነሱ ብትብዓትዶ ተዋጺኦምሉ፧ ንምዃኑኸ ምኽንያት እዚ ናዕቢ እንታይ እዩ፧

ጳውሎስ ንሰለስተ ዓመት ዚኸውን ኣብ ኤፌሶን ብዚግባእ ሰቢኹ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሓያሎ ሰባት ምምላኽ ጣኦት ገደፍዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:26፣ 20:31) እታ ኣብ በሪኽ ቦታ ዜደንቕ ቤተ-መቕደስ ዝነበራ ኣርጤምስ እትበሃል ኣምላኽ ምፍራይ: ሰባት ዜምልኽዎ ብብሩር እተሰርሐ ንእሽቶ ምስሊ መቕደስ እውን ነበራ። ነዚ ድማ ከም ክታብ ገይሮም ይኣስርዎ ወይ ከኣ ኣብ ገዛ ይሰቕልዎ ነበሩ። ብርግጽ ክርስትያናት ከምዚ ዝኣመሰለ ጣኦት ኣይዕድጉን እዮም።—1 ዮሃንስ 5:21

ሓደ ዲሜጥሮስ ዝስሙ ኣንጠረኛ: ስብከት ጳውሎስ ነቲ ዜኽስብ ንግዱ ኣብ ሓደጋ ኸም ዘእተዎ ረኣየ። ነቶም ከምኡ ኣንጠረኛታት ዚዀኑ ሰባት ድማ ህዝቢ ንእሽቶ እስያ ንኣርጤምስ ምምላኽ ኪሓድግዎ ምዃኖም: ዘረባ ጠውዩን ኣጋኒኑን ብምቕራብ ኣእመኖም። ብሓንሳእ ኰይኖም ንኽብሪ ኣርጤምስ ኪጭድሩ ምስ ጀመሩ ድማ ናዕቢ ተላዕለ: እታ ኸተማ ኸኣ ሕንፍሽፍሽ ኣተዋ።—ግብሪ ሃዋርያት 19:24-29

በሽሓት ዚቚጸሩ ሰባት ናብቲ 25,000 ተዓዘብቲ ኺሕዝ ዚኽእል መአከቢ መጹ። ጳውሎስ ነቶም መናዓብቲ ኺዛረቦም ደልዩ ነበረ: እቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ሓላቑ ግን ስቕ ኪብል ነገርዎ። ኣብ መወዳእታ እቲ ናይታ ኸተማ ጸሓፊ ነቲ ህዝቢ ኣህድኦ: ጋይዮስን ኣርስጣርኮስን ድማ ብዘይ ገለ ጕድኣት ኣምለጡ።—ግብሪ ሃዋርያት 19:35-41

ሎሚ እውን ህዝቢ ኣምላኽ ኣገልግሎቶም እናፈጸሙ ኸለው ተጻረርቲ ኼጋጥምዎም: ኣንጻሮም ናዕቢ ኸም ዚለዓል ድማ ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትኡ እዋን እውን ዝሙትን ርኽሰትን ጽዩቕ ተግባራትን ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ቦታታት ነቲ ብስራት ኣብጺሖምዎ እዮም። ኰይኑ ግን: ኣብነት ናይቲ ኣብ ከተማ ኤፌሶን ‘ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃር ዘየብኰረ’ ጳውሎስ ብትብዓት ይቐድሕዎ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ‘እቲ ቃል ጐይታ ኺዓብን ኪብርትዕን’ ከሎ ድማ ኣዝዮም እዮም ዚሕጐሱ።—ግብሪ ሃዋርያት 19:20

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኤፌሶን ዚርከብ ፍርስራስ ትያትር