ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተስፋ ትንሳኤ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

ተስፋ ትንሳኤ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

ተስፋ ትንሳኤ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

“ኢድካ ትኸፍት እሞ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ።”መዝሙር 145:16

1-3. ገሊኦም ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧ ግለጽ።

 ክሪስቶፈር ዚበሃል ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቈልዓን ሓዉን ምሉእ ንግሆ ምስ ሓትኖኦምን ሰብኣያን ክልተ ደቆምን ኣብቲ ኣብ ጥቓ ማንቸስተር: ዓዲ እንግሊዝ ዚርከብ ቦታ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኣገልገሉ እዮም ኣሕሊፎምዎ። እታ ንቕሑ! እትበሃል ብጸይቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ድሕርዚ ዘጋጠሞም ነገር ከተዘንቱ ኸላ ኸምዚ ዚስዕብ ትብል:- “ድሕሪ ቐትሪ ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ብላክፑል ዚበሃል ገማግም ባሕሪ ኺዛወሩ ኸዱ። ሽዱሽቲኦም ካብቶም ኣብቲ ኣብ ሰፊሕ ጐዳና ዘጋጠመ ሓደጋ ዝሞቱ 12 ሰባት ነበሩ: ፖሊስ ድማ ነዚ ሓደጋ እዚ ‘ህልቂት’ ኢሉ ጸውዖ።”

2 እዚ ዜሕዝን ፍጻመ ቕድሚ ምግጣሙ ኣብ ዝነበረት ምሸት: ስድራቤት ክሪስቶፈር ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ተኻፊሎም ነይሮም: ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ሞት እዮም ተመያይጦም። ኣቦኡ ብዛዕባኡ ኼዘንቱ ኸሎ ኸምዚ በለ:- “ክሪስቶፈር ብዙሕ ዚሓስብ ቈልዓ እዩ ነይሩ። በታ ምሸት እቲኣ ብዛዕባ ሓዳስ ዓለምን ንመጻኢ ዘለዎ ተስፋን ብንጹር ተዛረበ። ድሕሪኡ ኣብ ምይይጥና ብሃንደበት: ‘ሞት ዜሕዝን እኳ እንተዀነ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃንና እንረኽቦ ጥቕሚ ግን ሓደ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ኸም እንራኸብ ምፍላጥና እዩ’ በለ። እቶም ኣብኡ ዝነበርና እዘን ቃላት እዚኣተን ፈጺመን ዘይርስዓ ኸም ዚዀና ሽዑ ኣይተገንዘብናን ኔርና።” a

3 ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ ብ1940 ፍራንዝ ዚበሃል ኦስትርያዊ ናይ የሆዋ ምስክር: ንየሆዋ ኻብ ዘለዎ ተኣማንነት ፈልከት ኪብል ብዘይምድላዩ ብጊለቲን ተቐንጺሉ ኪቕተል ተፈርዶ። ኣብቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ በርሊን ኰይኑ ድማ ነዲኡ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈላ:- “ኣነ ከም ዝፈልጦ: [ወተሃደራዊ] ማሕላ እንተ ምሒለ: ሞት ዚግብኦ ሓጢኣት ገይረ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ክፉእ ነገር እዩ። ትንሳኤ ኸም ዘይረክብ እውን ይገብረኒ። . . . ሕጂ ኸኣ ፍቕርቲ ኣደይን ኵላትኩም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ሎሚ ፍርደይ ተነጊሩኒ እዩ። ንሞት እየ ተፈሪደ: ኣይትፍርሁ: ጽባሕ ክቕተል እየ። ከምቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበሩ ዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት: ኣነውን ካብ ኣምላኽ ብርታዐ ረኺበ እየ። . . . ክሳዕ ሞት እንተ ጸኒዕኩም: ብትንሳኤ ኽንራኸብ ኢና። . . . እንደገና ኽሳዕ እንራኸብ ደሓን ኩኑ።” b

4. እዚ ኣብዚ እተዘንተወ ተመክሮታት እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩልካ: ቀጺልናኸ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

4 ተስፋ ትንሳኤ ኣብ ህይወት ክሪስቶፈርን ፍራንዝን ዓብዪ ትርጕም እዩ ነይርዎ። ናይ ሓቂ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። እዚ ተመክሮታት እዚ ንልብና ኸም ዚትንክፎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ዝያዳ ምእንቲ ኸነዕምቝን ኣብ ትንሳኤ ዘሎና ተስፋ ዝያዳ ምእንቲ ኸነደልድልን: ነቲ ትንሳኤ ዚፍጸመሉ ምኽንያት ከምኡውን እዚ ብብሕቲ ብኸመይ ኪትንክፈና ኸም ዘለዎ ንርአ።

ብዛዕባ ምድራዊ ትንሳኤ እተራእየ ራእይ

5, 6. እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ራእይ 20:12, 13 ዝመዝገቦ ራእይ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

5 ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብቲ ኣብ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ የሱስ ብዛዕባ ዚፍጸም ፍጻመታት ዝረኣዮ ራእይ: ምድራዊ ትንሳኤ ኺፍጸም ረኣየ። “ምዉታት ድማ: ዓበይትን ናእሽቱን” ከም ዝረኣየ ድሕሪ ምግላጽ “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ” በለ። (ራእይ 20:12, 13) ደረጃኦምን ቦታኦምን ብዘየገድስ ኵሎም እቶም ኣብ ሲኦል (ሃደስ) ወይ መቓብር ደቅሰብ ዘለዉ “ዓበይትን ንኣሽቱን” ሓራ ኺወጹ እዮም። እቶም ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ኺትንስኡ እዮም። እዚ ዜደንቕ ፍጻመ እዚ ኽፍሊ ዕላማ ኣምላኽ እዩ።

6 ክርስቶስ ነቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ንሰይጣን ብምእሳርን ኣብ መዓሙቕ ብምድርባይን እዩ ዚጅመር። ኣብቲ እዋን እቲ ሰይጣን ስለ ዚእሰር ነቶም ዚትንስኡ ዀኑ ነቶም ብህይወት ነቲ ዓብዪ ጸበባ ዚሰግሩ ሰባት ኣይኬስሕቶምን እዩ። (ራእይ 20:1-3) ሓደ ሽሕ ዓመት ነዊሕ እዋን መሲሉ ዝረኣየካ እኳ እንተዀነ: የሆዋ ግን “ከም ሓንቲ መዓልቲ” ገይሩ እዩ ዚርእዮ።—2 ጴጥሮስ 3:8

7. ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ: ንፍርዲ መሰረት ዚኸውን እንታይ እዩ፧

7 ብመሰረት እቲ ራእይ እቲ: ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ እዋን ፍርዲ እዩ ኪኸውን። ብዛዕባ እዚ ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምዉታት ድማ: ዓበይትን ናእሽቱን: ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ: መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ: እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ: ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ: ከከም ግብሮም ተፈርዱ። . . . ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።” (ራእይ 20:12, 13) እቲ ኣብዚ ንፍርዲ መሰረት ዝዀነ ነገር ሓደ ሰብ ቅድሚ ሙማቱ ዝገበሮ ወይ ዘይገበሮ ነገር ከም ዘይኰነ ኸነስተውዕል ይግባእ። (ሮሜ 6:7) ኣብ ክንዳኡስ: ምስቲ ኣብ መጻኢ ዚግንጸል “መጻሕፍቲ” እዩ ዚተሓሓዝ። ሓደ ሰብ ንትሕዝቶ እቲ መጻሕፍቲ ድሕሪ ምፍላጡ ዚፍጽሞ ነገራት: ስሙ ኣብቲ “መጽሓፍ ህይወት” ኪኣቱ ዚግባእ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ መሰረት ይኸውን።

“ትንሳኤ ህይወት” ወይ “ትንሳኤ ፍርዲ”

8. እቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ ሰባት እንታይ ክልተ ኣጋጣሚታት እዩ ዚህልዎም፧

8 ዮሃንስ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝረኣዮ ራእይ: የሱስ “መርሖ ሞትን ሲኦልን” ከም ዘለዎ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 1:18) “ንህያዋንን ምዉታትን ኪፈርድ” ስልጣን ስለ እተዋህቦ: የሆዋ ዝሸሞ “ራእሲ ህይወት” ኰይኑ የገልግል እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:15) ብኸመይ እዩ ነዚ ዚገብር፧ ነቶም ዝሞቱ እንደገና ህያዋን ብምግባር እዩ። የሱስ ነቶም ዚሰብከሎም ዝነበረ ህዝቢ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት: እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ: በዚ ኣይትደነቑ” በሎም። (ዮሃንስ 5:28-30) እሞ ደኣ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ኼጋጥሞም፧

9. (ሀ) ብዙሓት ምስ ተንስኡ እንታይ እዮም ብዘይ ጥርጥር ዚመሃሩ፧ (ለ) እንታይ ሰፊሕ ትምህርታዊ ዕዮ እዩ ኺዕየ፧

9 እዞም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ምስ ተንስኡ: እቲ ቐደም ዚኣምንዎ ዝነበሩ መብጽዓታት ሓቂ ዀይኑ ኺረኽብዎ እዮም። እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ኣብ ዚርከብ ናይ መጀመርታ ትንቢት እተጠቕሰ ዘርኢ እታ ናይ ኣምላኽ ሰበይቲ መን ምዃኑ ኺፈልጡስ ከመይ ዝበለ ብርቱዕ ሃንቀውታ ዀን እዮም ዜሕድሩ! እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ዝነበረ የሱስ ክሳዕ ሞት እሙን ከም ዝዀነን ህይወቱ በጃ ኽትከውን ከም ዝሃበን ምስ ፈለጡስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ሓጐስ ኰን እዩ ዚስምዖም! (ማቴዎስ 20:28) እቶም ንምዉታት ኪትንስኡ ኸለዉ ዚቕበልዎም: እዚ በጅነታዊ ምድላው እዚ መግለጺ እቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነትን ምሕረትን የሆዋ ምዃኑ ንኺርድኡ ብምሕጋዝ ዓብዪ ሓጐስ ኪረኽቡ እዮም። እቶም ትንሳኤ ዚረኽቡ: መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ የሆዋ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ንምፍጻም እንታይ ትገብር ከም ዘላ ምስ ፈለጡ: ልቦም ንየሆዋ ብምውዳስ ከም ዚመልእ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ምስቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኦምን ወዱን ዘለዎም ርክብ ንኺገልጹ እኹል ኣጋጣሚ ኺህልዎም እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ህያዋን ዘበሉ ዅሎም ኣብቲ እቶም ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ዚትንስኡ ሰባት ንምምሃር ዚግበር ሰፊሕ ትምህርታዊ ዕዮ ብምስታፍ ሓጐስ ኪረኽቡ እዮም። ከመይሲ: እቶም ሽዑ ዚትንስኡ ቢልዮናት እውን ነቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ በጅነት ኪቕበሉ ኣለዎም።

10, 11. (ሀ) እቲ ሽሓዊ ግዝኣት ንዅሎም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ደቅሰብ እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ኪኸፍተሎም፧ (ለ) እዚ ብኸመይ ኪትንክፈና ኣለዎ፧

10 እቲ ሽዑ ኻብ ሞት ዚትንስእ ኣብርሃም ኣብ ትሕቲ እታ ዚጽበያ ዝነበረት “ከተማ” ንህይወት ምስ ኣስተማቐራ: ዓብዪ ምጽንናዕ ኪረክብ እዩ። (እብራውያን 11:10) እቲ ጥንቲ ዝነበረ እሙን እዮብ እውን ናብራ ህይወቱ ነቶም ኣብ ንጽህናኦም ፈተናታት ዘጋጠሞም ካልኦት ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ዘበራትዖም ምፍላጡስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኼሐጕሶ! ዳንኤል እውን ብዛዕባ ፍጻመታት እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝጸሓፎ ትንቢታት ኪፈልጥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ባህጊ ዀን እዩ ኺሓድሮ!

11 እወ: ኵሎም እቶም እንተ ብትንሳኤ እንተ ኻብቲ ዓብዪ ጸበባ ብምድሓን ኣብታ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ህይወት ዚረኽቡ ሰባት: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንምድርን ንተቐማጦኣን ዘለዎ ዕላማ ንኺፈልጡ ብዙሕ ኪመሃሩ ኼድልዮም እዩ። ንዘለኣለም ንየሆዋ እናወደስካ ናይ ምንባር ተስፋ: ነቲ ኣብቲ ሽሕ ዓመት ዚህሉ መደብ ትምህርቲ ብሓቂ ዜሐጕስ ኪገብሮ እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ መጻሕፍቲ እንታይ ከም ዚብል ምስ ተመሃርና ብውልቅና እንገብሮ ነገራት እዩ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ። ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ ደዀን ንኸውን፧ ነቲ ሰይጣን ኣብ መወዳእታ ኻብ ሓቂ ንኼርሕቐና ዚገብሮ ፈተነ ንምጽራሩ ዜኽእለና ኣገዳሲ ሓበሬታ ከነስተንትነሉን ኣብ ልብና ኸነሕድሮን ዲና፧

12. ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ትምህርታውን ንምድሪ ናብ ገነት ናይ ምቕራይን ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ኪሳተፍ ዚሕግዞ እንታይ እዩ፧

12 እቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ኣብ ጥቕሚ ምስ ወዓለ ዜምጽኦ ዜደንቕ በረኸት እውን ኪርሳዕ የብሉን። እቶም ትንሳኤ ዚረኽቡ ኸምዚ ሕጂ ዘሎ ዓይነት ሕማም ወይ ስንክልና ኣይኪህልዎምን እዩ። (ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990) ኵሎም ተቐማጦ እታ ሓዳስ ዓለም ጥዑይ ኣካላትን ፍጹም ጥዕና ናይ ምርካብ ተስፋን ስለ ዚህልዎም: ኣብቲ ንቢልዮናት ዚትንስኡ ዚጠቅም ትምህርታዊ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ንኺሳተፉ ኬኽእሎም እዩ። ኣብቲ ኣብ ምድሪ ኻብ እተፈጸመ ነገራት ዝዓበየ ዕዮ ድማ ኪሳተፉ እዮም: እዚ ኸኣ ንምልእቲ ምድሪ ናብቲ ንየሆዋ ውዳሰ እተምጽእ ገነት ምቕያር እዩ።

13, 14. ሰይጣን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ንምንታይ ዕላማ እዩ ዚፍታሕ: ሽዑኸ በብውልቂ እንታይ እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧

13 ሰይጣን ንመወዳእታ ግዜ ንኺፍትን ካብ መዓሙቝ ምስ ተፈትሐ: ንደቅሰብ ከም ብሓድሽ ኬስሕቶም ኪጽዕር እዩ። ብመሰረት ራእይ 20:7-9 ኵሎም እቶም ሰይጣን እኩይ ጽልዋ ዜሕድረሎም ‘ዝሰሓቱ ኣህዛብ’ ወይ ህዝብታት ኪጠፍኡ እዮም። ‘ካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ ኺበልዖም እዩ።’ ካብዚኣቶም እቶም ኣብ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ዝተንስኡ: ንትንሳኤ ፍርዲ እዮም ተንሲኦም ነይሮም ማለት እዩ። ብኣንጻሩ ግን: እቶም ካብ ሞት ተንሲኦም ንጽህናኦም ዚሕልዉ ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም። ናታቶም ድማ “ትንሳኤ ህይወት” ይበሃል።—ዮሃንስ 5:29

14 ተስፋ ትንሳኤ ሕጂውን እንተዀነ ኼጸናንዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ መጻኢ ኻብዚ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

ሕጂ ኽንመሃሮ ዘሎና ትምህርቲ

15. ኣብ ትንሳኤ ምእማን ሕጂ ዚሕግዝ ብኸመይ እዩ፧

15 ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተፍቅሮ ሰብ ሞይቱካ ይኸውን: እዚ ኻብ ዘስዓበልካ ሓዘን እውን ትደዓዓስ ትህሉ ትኸውን። ተስፋ ትንሳኤ እቶም ሓቂ ዘይፈልጡ ዘበሉ ዘይረኽብዎ ውሽጣዊ ሰላምን ብርታዐን ኪህበካ እዩ። ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ “ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ: ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ” ብምባል ኣጸናንዖም። (1 ተሰሎንቄ 4:13) ኣብ ሓዳስ ዓለም ኴንካ ሰባት ኪትንስኡ እትርእየሉ እዋን ኣብ ኣእምሮኻ ትስእሎዶ፧ ነቶም እተፍቅሮም ሰባት እንደገና ኸም እትረኽቦም ብምስትንታን ተጸናናዕ።

16. ትንሳኤ ኣብ ዚፍጸመሉ እዋን እንታይ ስምዒት እዩ ኺህልወካ ዚኽእል፧

16 ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ ዕልወት ኣዳም ብዘይምሕር ሕማም ትሳቐ ትህሉ ትኸውን። እዚ ሕማም እዚ ዜስዕበልካ ስቓይ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ተንሲእካ ብሓድሽ ጥዕናን ሓይልን እንደገና ህያው ክትከውን ዝረኸብካዮ ዜሐጕስ ተስፋ ኸም እትርስዖ ኺገብረካ የብሉን። ሽዑ ኣዒንትኻ ምስ ከፈትካ እሞ ብምትንሳእካ እተሰምዖም ሓጐስ ኪገልጹልካ ዚደልዩ ሰባት ኪቕበሉኻ ምስ ረኣኻ: ንኣምላኽ ስለቲ ሳህሉ ኸም እተመስግኖ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

17, 18. እንታይ ክልተ ነጥብታት ኢና ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዘሎና፧

17 እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግን ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዚግባእ ክልተ ነጥብታት ንርአ። እቲ ሓደ ሕጂ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና ምግልጋል ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ። ኣስኣሰር ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ ጥቕሚ ርእስና ብምስዋእ እንመላለስ እንተደኣ ዄንና: ንየሆዋን ንሰባትን ፍቕሪ ኸም ዘላትና ኢና እነርኢ። ምጽራር ወይ መስጐጕቲ ንመነባብሮና ወይ ንናጽነትና እንተ ገፊፉና: ዝመጸ ፈተና እኳ እንተ መጸ: ብእምነት ጸኒዕና ኽንቅጽል ቈሪጽና ኢና። እቶም ዚጻረሩና ኪቐትሉና ምዃኖም እንተ ኣፈራሪሆምና: ተስፋ ትንሳኤ የጸናንዓና: ንየሆዋን ንመንግስቱን እሙናት ንኽንከውን ከኣ የበራትዓና። እወ: ንስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ዘሎና ቕንኣት: ነቲ የሆዋ ንጻድቃን ዚህቦም ዘለኣለማዊ በረኸት ንኽንረክብ የኽእለና።

18 እቲ ኻልኣይ ነጥቢ ኸኣ እቲ ሓጥእ ስጋና ንዜምጽኣልና ፈተና ብኸመይ ከም እንሰግሮ ዚሕብር እዩ። ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ዘሎና ፍልጠትን ነቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት የሆዋ ዘሎና ሞሳን ነቲ ኣብ እምነትና ንኽንጸንዕ ዝገበርናዮ ቘራጽነት እዩ ዜደልድሎ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ: ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” በለ። (1 ዮሃንስ 2:15-17) ዓለም ብፍቕረ-ንዋይ ገይራ ኸተስድዓና እትገብሮ ፈተነ: ምስቲ “ናይ ሓቂ ህይወት” ከነወዳድሮ ኸለና ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን። (1 ጢሞቴዎስ 6:17-19) ርኽሰት ክንፍጽም እንተደኣ ተፈቲንና: ኣበርቲዕና ኢና እንጻረሮ። ንየሆዋ ብዜጕሂ ኣገባብ ንመላለስ እንተ ኔርና እሞ ኣርማጌዶን ቅድሚ ምምጻኣ እንተ ሞይትና: ተስፋ ትንሳኤ ዘይብልና ኽንከውን ከም እንኽእል ንፈልጥ ኢና።

19. እንታይ እንገብሮ ነገር እዩ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኽብሪ ምዃኑ ኽንርስዕ ዘይብልና፧

19 ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንልቢ የሆዋ ሕጅን ንዘለኣለምን ከነሐጕስ ምኽኣልና መወዳድርቲ ዘይብሉ ኽብሪ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። (ምሳሌ 27:11) ክሳዕ ሞት እሙናት ምዃንና ወይ ክሳዕ መወዳእታ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ንጽህናና ምሕላውና: ኣብቲ ንልዑላውነት ኵሉ ፍጥረት ዚምልከት ጕዳይ ኣበይ ሸነኽ ከም ዝቘምና ይሕብር። ድሕሪኡ እንተ ኻብዚ ዓብዪ ጸበባ ብምድሓን ወይ ብተኣምራዊ መገዲ ብምትንሳእ ኣብታ ምድራዊት ገነት ክንነብርሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!

እንብህጎ ዘበለ ይማልኣልና

20, 21. ብዛዕባ ትንሳኤ ዘይተመለሰ ሕቶታት እኳ እንተ ሃለወና: ብተኣማንነት ንኽንቅጽል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ግለጽ።

20 እዚ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝረኣናዮ ነጥብታት ንገሊኡ ሕቶታት መልሲ ኣይህበሉን እዩ። ነቶም ቅድሚ ሙማቶም ሰብ ሓዳር ዝነበሩ ብዚምልከት የሆዋ እንታይ እዩ ኺገብር፧ (ሉቃስ 20:34, 35) ሰባት ኣብቲ ዘዝሞቱሉ ኸባቢ ድዮም ኪትንስኡ፧ እቶም ዚትንስኡ ኣብ ጥቓ እቲ ስድራቤቶም ዚነብርሉ ኸባቢ ድዮም ኪትንስኡ፧ ብዛዕባ ትንሳኤ ሓያሎ ኻልእ ሕቶታት ኪለዓል ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር: ነተን ኤርምያስ ነዚ ብዚምልከት “እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ: ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ። ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ” ብምባል እተዛረበን ቃላት ክንርስዐን የብልናን። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:25, 26) የሆዋ ኣብ ግዜኡ ምሉእ ብምሉእ ዜዕግበና መልሲ ምእንቲ ኽንረክብ ንዅሉ ኺገልጸልና እዩ። እዚ ኸም ዚኸውን ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

21 ነተን እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ የሆዋ ኣብ ዝዘመሮ መዝሙር “ኢድካ ትኸፍት እሞ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” ብምባል ብመንፈስ ተደሪኹ ዜውስአን ቃላት እሞ ሕስብ ነብለለን። (መዝሙር 145:16) እናዓበና ምስ ከድና እንብህጎ ነገራት ይቕየር እዩ። ቈልዑ ኸለና እንብህጎ ዝነበርና ነገራት: ሕጂ ኣይንብህጎን ኢና። ብዛዕባ ህይወት ዘሎና ኣረኣእያ: በቲ እነሕልፎ ተመክሮታት ኰነ ብተስፋና ይጽሎ እዩ። እንተዀነ ግን: ዝዀነ ይኹን ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህልወና ግቡእ ባህግታት: የሆዋ ኼማልኣልና ወይ ብበረኸት ኬጽግበና እዩ።

22. ንየሆዋ ንኽንውድሶ እንታይ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና፧

22 ሕጂ ንነፍሲ ወከፍና ዜገድሰና ቐንዲ ነገር ተኣማንነትና ምሕላውና እዩ። “ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ።” (1 ቈረንቶስ 4:2) ንሕና መገብቲ እቲ ዜደንቕ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኢና። ነዚ ብስራት እዚ ንዅሎም እንረኽቦም ሰባት ንምስባኽ እነርእዮ ትግሃት: ህይወት ንኽንረክብ የኽእለና። “ጊዜን ኣጋጣምን” ንዅላትና ኸም ዚመጸና ኽንርስዕ የብልናን። (መክብብ 9:11) እምበኣር: ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ድንገተኛ ነገራት ምእንቲ ኸየጨንቐካ: ኣብቲ ዜደንቕ ተስፋ ትንሳኤ ዘላትካ እምነት ኣጽኒዕካ ሓዝ። ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ቅድሚ ምጅማሩ እንተ መዊትካ: ትንሳኤ ኸም እትረክብ ብምፍላጥ ተጸናናዕ። ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ነተን እዮብ ንየሆዋ “ንስኻ ምጸዋዕካኒ: ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ” ብምባል እተዛረበን ቃላት ከተቃልሕ ኢኻ። እወ: ነቲ ንዅሎም ኣብ ዝኽሩ ዝመዝገቦም ሰባት እንደገና ህያዋን ኪገብሮም ዚናፍቕ የሆዋ ስብሓት ይኹኖ!—እዮብ 14:15

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናይ 8 ሓምለ 1988 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 10 ተወከስ።

b ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 662 ተወከስ።

ትዝክሮዶ፧

• ሰባት ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ብምንታይ መሰረት እዮም ኪፍረዱ፧

• ገሊኦም “ትንሳኤ ህይወት” ኪረኽቡ ኸለዉ ገሊኦም ግን “ትንሳኤ ፍርዲ” ዚረኽቡ ስለምንታይ እዮም፧

• ተስፋ ትንሳኤ ሕጂ ኼጸናንዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• እቲ ኣብ መዝሙር 145:16 ዚርከብ ሓሳባት ነቲ ንትንሳኤ ዚምልከት ዘይተመለሰ ሕቶታትና መዕለቢ ዚገብረሉ ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ትንሳኤ ምእማን ሕጂ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧