ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትንሳኤ—ንዓኻውን ዚትንክፈካ ትምህርቲ

ትንሳኤ—ንዓኻውን ዚትንክፈካ ትምህርቲ

ትንሳኤ—ንዓኻውን ዚትንክፈካ ትምህርቲ

“ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን . . . ኣብ ኣምላኽ ተስፋ አሎኒ።”ግብሪ ሃዋርያት 24:15

1. ትንሳኤ ኣብ ሳንሄድሪን ክርክር ዘበገሰ ብኸመይ እዩ፧

 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መወዳእታ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ: ማለት ብ56 ከ.ኣ.ዘ. ናብ የሩሳሌም መጸ። ሮማውያን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምስ ኣእተዉዎ: ኣብ ቅድሚ እቲ ሳንሄድሪን ዚበሃል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ኪቐርብ ተፈቕደሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:29, 30) ጳውሎስ ንኣባላት እቲ መጋባእያ ምስ ተዓዘበ: ገሊኦም ሰዱቃውያን: ገሊኦም ከኣ ፈሪሳውያን ምዃኖም ኣስተውዓለ። እዞም ክልተ ጕጅለ እዚኣቶም ሓደ ዓብዪ ፍልልይ ነበሮም። ሰዱቃውያን ትንሳኤ የልቦን ኪብሉ ኸለዉ: ፈሪሳውያን ግን ነዚ እምነት እዚ ይቕበልዎ ነበሩ። ጳውሎስ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ኣቕዋም ከም ዘለዎ ኺሕብሮም ከሎ: “ኣቱም ኣሕዋተይ: ኣነ ፈሪሳዊ: ወዲ ፈሪሳዊ እየ። ብዛዕባ ተስፋን ትንሳኤ ምዉታትን ይፍረደኒ አሎ” በለ። ከምዚ ብምባሉ ኸኣ ኣብቲ ኣኼባ ባእሲ ዀነ።—ግብሪ ሃዋርያት 23:6-9

2. ጳውሎስ ነቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝነበሮ እምነት ኪጣበቐሉ ድሉው ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

2 ካብዚ ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ ጳውሎስ ናብ ደማስቆ ኪኸይድ ከሎ: ድምጺ የሱስ ብራእይ ሰምዐ። “ጐይታይ: እንታይ እግበር፧” ኢሉውን ሓተቶ። የሱስ ድማ “ተንሲእካ ናብ ደማስቆ እቶ: እቲ ኽትገብሮ እተሰርዓልካ ዘበለ ኸኣ ኣብኣ ኺነግሩኻ እዮም” በሎ። ጳውሎስ ናብ ደማስቆ ምስ ኣተወ: ሃናንያ ዚበሃል ክርስትያን ወደ መዝሙር ረኸቦ እሞ “ኣምላኽ ኣቦታትና . . . ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ [እቲ ዝተንስአ የሱስ] ከኣ ክትርእዮን ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሐረየካ” በሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:6-16) እምበኣር ጳውሎስ ነቲ ኣብ ትንሳኤ ዝነበሮ እምነት ኪጣበቐሉ ድሉው እንተዀነ ዜገርም ኣይኰነን።— 1 ጴጥሮስ 3:15

ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ምስባኽ

3, 4. ጳውሎስ ጽኑዕ ተጣባቒ ትንሳኤ ዝዀነ ብኸመይ እዩ: ካብ ኣብነቱኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

3 ጸኒሑ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ፌሊክስ ቀረበ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጠርጠሎስ ዚበሃል “ሓደ ኸኣል ዘረባ” ንኣይሁድ ወኪሉ ንጳውሎስ መራሒ መናፍቕነትን መናዓብን ምዃኑ ኸሰሶ። ጳውሎስ ኪምልስ ከሎ ድምብርጽ ከይበሎ “በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዚብልዋ ዘለዉ መገዲ ኸምኡ ገይረ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ: እዚ እእመነልካ አሎኹ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ቐንዲ ጕዳይ ኪገልጽ ከሎ: “ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ: ከምኡውን ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ አሎኒ” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 23:23, 24፣ 24:1-8, 14, 15

4 ክልተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ እቲ ኣብ ክንዲ ፌሊክስ እተሸመ ጶርቅዮስ ፌስጦስ ነቲ እሱር ዝነበረ ጳውሎስ ኣብ ምምርማር ምእንቲ ኺሕግዞ ንንጉስ ሄሮድስ ኣግሪጳ ዓደሞ። ፌስጦስ: እቶም ከሰስቲ “ብዛዕባ ሓደ ምዉት: ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዚብሎ የሱስ” ከም ዜከራኽሮም ገለጸ። ጳውሎስ ንርእሱ ኺመጻረየላ ኸሎ “ኣምላኽ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ደኣ: ስለምንታይ ከም ዘይእመን ነገር ጌርኩም ትርእይዎ አሎኹም፧” ኢሉ ሓተተ። ቀጺሉ ድማ “ንዓብይን ንንእሽቶን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደው ኢለ እናመስከርኩ ኻብ ኣምላኽ ረዲኤት ተቐቢለ አሎኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ: ማለት፤ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኸም ዚጸግብ: ከም በዅሪ ትንሳኤ ምዉታትውን ንህዝብን ነህዛብን ብርሃን ከም ዘበስር: ኢለ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረብኩን” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:27፣ 25:13-22፣ 26:8, 22, 23) ጳውሎስ ከመይ ዝበለ ጽኑዕ ተጣባቒ ትንሳኤ ዀን እዩ ነይሩ! ንሕናውን ከም ጳውሎስ ትንሳኤ ኪኸውን ምዃኑ ብምትእምማን ክንሰብኽ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: እንታይ ምላሽ ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧ መብዛሕትኡ እዋን ከምቲ ንጳውሎስ እተዋህቦ ምላሽ ኢና እንጽበ።

5, 6. (ሀ) እቶም ብዛዕባ ትንሳኤ ዝሰበኹ ሃዋርያት እንታይ ምላሽ እዮም ረኺቦም፧ (ለ) ብዛዕባ ትንሳኤ ዘላትና ተስፋ ኽንገልጽ ከለና: እንታይ እዩ ኣገዳሲ ዝዀነ፧

5 ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ (ከባቢ 49-52 ከ.ኣ.ዘ.) ናብ ኣቴና ኣብ ዝኸደሉ እዋን ዘጋጠመ ነገር እሞ ርአ። ነቶም ኣብ ብዙሓት ኣማልኽቲ ዚኣምኑ ሰባት ኬረድኦም ከሎ: ኣምላኽ ንተቐማጦ ምድሪ ብሓደ ዝመዘዞ ሰብኣይ ኣቢሉ ብጽድቂ ኺፈርድ ዕላማ ኸም ዘለዎ ነገሮም። እዚ ሰብኣይ እዚ የሱስ እምበር ካልእ ኣይኰነን። ኣምላኽ ንየሱስ ብምትንሳእ ነዚ ኸም ዚገብር ውሕስነት ከም ዝኣተወ: ጳውሎስ ገለጸሎም። እንታይ ምላሽከ ሃብዎ፧ “ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና: ገሊኦም ኣላገጽሉ: ገሊኦም ከኣ፤ እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና: በልዎ” ዚብል ነንብብ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:29-32

6 እዚ እዞም ሰባት ዝሃብዎ ምላሽ: ምስቲ ጴጥሮስን ዮሃንስን ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. ነዊሕ ከይጸንሐ ዘጋጠሞም ነገር ይመሳሰል እዩ። ኣብቲ ጕዳይ እቲውን ሰዱቃውያን ዓብዪ ግደ ነበሮም። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝዀነ ነገር ግብሪ ሃዋርያት 4:1-4 ከምዚ ብምባል ተዘንቱ:- “ንህዝቢ ኺነግሩ ኸለዉ: ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን መጽዎም: ንህዝቢ ስለ ዝመሀሩን: ትንሳኤ ኻብ ምዉታት ብየሱስ ስለ ዝሰበኹን: ሐሪቆም: ኢዶም ዘርጊሖም ሐዝዎም።” ገሊኦም ግን ነቲ መልእኽቲ ብጽቡቕ ተቐበልዎ። “ካብቶም ነቲ ቓሎም ዝሰምዕዎ ብዙሓት አመኑ። ቍጽሪ እቶም ሰብኡት ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ኰነ።” እምበኣር ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ኽንዛረብ ከለና: እተፈላለየ ምላሽ ኢና ኽንጽበ እንኽእል። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ትምህርቲ እዚ ብዚምልከት ዘላትና እምነት ምድልዳላ ኣገዳሲ እዩ።

እምነትን ትንሳኤን

7, 8. (ሀ) ኣብቲ ናብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ቈረንቶስ እተላእከ መልእኽቲ ኸም እተገልጸ: እምነት ከንቱ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ እያ፧ (ለ) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎም ግቡእ ምርዳእ እተፈልዩ ዚገብሮም ብኸመይ እዩ፧

7 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኵሎም ክርስትያናት ኣይኰኑን ንተስፋ ትንሳኤ ብቐሊሉ እተቐበልዎ። ገሊኦም ኣብታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ዚእከቡ ዝነበሩ ሰባት ነዚ ምቕባል ኣጸጊምዎም ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ንዓታቶም “እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዅሉ ነጊረኩም እየ: ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ: ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ: ተቐብረ ኸኣ: ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ: ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ” ኢሉ ጸሓፈሎም። ነዚ መርትዖ ኬቕርብ ከሎ ኸኣ: እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ “ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት” ከም እተራእዮም ገለጸ: ዚበዝሑ ኻባታቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ብህይወት ምንባሮም እውን ሓበረ። (1 ቈረንቶስ 15:3-8) ኣስዕብ ኣቢሉ “ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዚስበኽ ደኣ: ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም: ትንሳኤ ምዉታት የልቦን: ዚብሉ ዘለዉ፧ ትንሳኤ ምዉታት ዜልቦ እንተ ዀይኑስ: ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን። ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ: እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ: እምነትኩምውን ከንቱ እያ” ብምባል ኣረድኦም።—1 ቈረንቶስ 15:12-14

8 እወ: ትምህርቲ ትንሳኤ መሰረታዊ ነገር ስለ ዝዀነ: ተስፋ ትንሳኤ ሓቂ ምዃኑ ተቐባልነት እንተ ዘይረኺቡ: እምነት ክርስትያን ከንቱ እያ እትኸውን። ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ዘሎ ግቡእ ምርዳእ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ይፈልዮም እዩ። (ዘፍጥረት 3:4፣ ህዝቅኤል 18:4) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ ንትምህርቲ ትንሳኤ ኣብቲ ‘መባእታዊ ትምህርቲ’ ክርስትና ዘጠቓለሎ። እምበኣር: “ናብ ብስለት ኣቢልና ንሰጕም።” ጳውሎስ እውን “ኣምላኽ እንተ ፈቐዶስ: ከምኡ ኽንገብር ኢና” ኢሉ ተማሕጸነ።—እብራውያን 6:1-3 ትርጕም 1990

ተስፋ ትንሳኤ

9, 10. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ትንሳኤ” እትብል ቃል ንምንታይ እያ እተመልክት፧

9 ኣብ ትንሳኤ ዘላትና እምነት ብዝያዳ ንምድልዳል: ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እስከ ንሕሰበሉ:- ‘መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ኺዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ ትምህርቲ ትንሳኤ ንፍቕሪ የሆዋ ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧’ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ የቕርበና: ንኻልኦት ክንምህር ድማ የኽእለና።—2 ጢሞቴዎስ 2:2፣ ያእቆብ 4:8

10 እታ “ትንሳኤ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ “እንደገና ምትንሳእ” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። እዛ ቓል እዚኣ እንታይ ዝሓቘፈት እያ፧ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ተስፋ ትንሳኤ ኺበሃል ከሎ: ምዉት ሰብ እንደገና ህያው ከም ዚኸውን ምእማን ማለት እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሰብ እቲ ኣብቲ ምድራዊ ወይ ሰማያዊ ተስፋኡ ብምምርኳስ: ሰብኣዊ ወይ መንፈሳዊ ኣካል ሒዙ ኸም ዚትንስእ ይገልጽ። በዚ ዜደንቕ ተስፋ ትንሳኤ ኣቢሉ ዚንጸባረቕ ፍቕርን ጥበብን ሓይልን የሆዋ ኸኣ የስተንክረና እዩ።

11. ነቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ተስፋ ትንሳኤ እዩ ቐሪቡሎም ዘሎ፧

11 የሱስን እቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱን ኪትንስኡ ኸለዉ: ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንኼገልግሉ መንፈሳዊ ኣካል እዩ ተዋሂብዎም። (1 ቈረንቶስ 15:35-38, 42-53) ኣብታ ገነት ኣብ ምድሪ እተምጽእ መሲሓዊት መንግስቲ ብሓባር ገዛእቲ ዀይኖም ኬገልግሉ እዮም። እቶም ቅቡኣት ኣብ ትሕቲ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ብምዃን: ናይ መንግስቲ ኽህነት ኬቝሙ እዮም። ነቲ ክርስቶስ ብዝኸፈሎ በጃ ዚርከብ ጥቕሚ: ኣብቶም ኣብ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ኬብጽሕዎ እዮም። (እብራውያን 7:25, 26፣ 9:24፣ 1 ጴጥሮስ 2:9፣ ራእይ 22:1, 2) እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግን: እቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ብኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎም ኰይኖም ኪቕጽሉ እዮም ዚደልዩ። ምስ ሞቱ ዘይትመውት መንፈሳዊት ህይወት ሒዞም ኣብ ሰማይ ብምትንሳእ ሽልማቶም ኪቕበሉ እዮም። (1 ቈረንቶስ 15:51, 52፣ 2 ቈረንቶስ 5:1-3, 6-8, 10፣ ራእይ 14:13) ጳውሎስ “ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ: ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 6:5) ነቶም እንደገና ሰብኣውያን ፍጡራት ብምዃን ኣብ ምድሪ ዚትንስኡ ደኣኸ ተስፋ ትንሳኤ ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ዜቕርቦም ብኸመይ እዩ፧ ካብ ኣብርሃም ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና።

ትንሳኤን ምስ የሆዋ ዚግበር ዕርክነትን

12, 13. ኣብርሃም ኣብ ትንሳኤ ንኺኣምን እንታይ ሓያል መሰረት እዩ ዝነበሮ፧

12 እቲ “ፍቁር ኣምላኽ” ወይ “ዓርኪ ኣምላኽ” (ትርጕም 1990) እተባህለ ኣብርሃም ሓለፍ ዝበለት እምነት ነበረቶ። (ያእቆብ 2:23) ጳውሎስ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ኪዝርዝር ከሎ: ንእምነት ኣብርሃም ሰለስተ ሳዕ ጠቐሳ። (እብራውያን 11:8, 9, 17) እቲ ንሳልሳይ ግዜ ንእምነት ኣብርሃም ዝጠቐሰሉ ምኽንያት: ንይስሃቅ ወዱ ኺስውኦ ብተኣዛዝነት ተዳልዩ ምንባሩ እዩ። ኣብርሃም እቲ ብይስሃቅ ኣቢሉ ዚመጽእ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ: ብርግጽ ከም ዚመጽእ ካብ የሆዋ መረጋገጺ ረኺቡ ነበረ። ዋላ እውን ይስሃቅ መስዋእቲ ዀይኑ እንተ ዚመውት: “ኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ ሐሲቡ” ነበረ።

13 የሆዋ: እምነት ኣብርሃም ክሳዕ ክንደይ ድልድልቲ ምዃና ምስ ረኣየ: ነቲ መስዋእቲ እቲ ዚትክእ እንስሳ ኣዳለወ። ኰይኑ ግን: ይስሃቅ ዘሕለፎ ተመክሮ ብምሳልያዊ መገዲ ንትንሳኤ ኸም ዜመልክት ጌርካ ተወስደ። ብዛዕባ እዚ ጳውሎስ “ካብኡውን [ኣብርሃም] ብምሳሌ መሊሱ [ንይስሃቅ] ረኸቦ” ኢሉ ገለጸ። (እብራውያን 11:19) ብዘይካዚውን ኣብርሃም ቅድሚ እዚ ነገር እዚ ኣብ ትንሳኤ ንኺኣምን እኹል መሰረት ነበሮ። ከመይሲ: የሆዋ ነቲ ኣብርሃምን ሳራን ንምውላድ ዝነበሮም ክእለት እንደገና ህያው ብምግባር ኣብ ኣጋ እርጋኖም ንይስሃቅ ወዶም ከም ዚወልዱዶ ኣይገበረን እዩ፧—ዘፍጥረት 18:10-14፣ 21:1-3፣ ሮሜ 4:19-21

14. (ሀ) ብመሰረት እብራውያን 11:9, 10 ኣብርሃም እንታይ እዩ ዚጽበ ነይሩ፧ (ለ) ኣብርሃም ኣብ ሓዳስ ዓለም ካብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸት ንምክፋል እንታይ ኪረክብ ኣለዎ፧ (ሐ) ካብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸት ብኸመይ ክንካፈል ንኽእል፧

14 ጳውሎስ ንኣብርሃም ከም ሓደ “ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን: መሰረት ዘለዋ ኸተማ” ዚጽበ ኣብ ምድሪ ጓና ኣብ ድንኳን ዚቕመጥ ሰብ ገይሩ እዩ ገሊጽዎ። (እብራውያን 11:9, 10) እዛ ኸተማ እዚኣ ኸምታ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዝነበራ የሩሳሌም ዝኣመሰለት ቃል ብቓሉ ኸተማ ዘይኰነትስ: ምሳልያዊት ከተማ እያ። ብክርስቶስ የሱስን በቶም 144,000 መጋዝእቱን ዝቘመት ሰማያዊት መንግስቲ እያ። እቶም ሰማያዊ ኽብሮም ዚሕዙ 144,000 “እታ ቅድስቲ ኸተማ: እታ ሓዳስ የሩሳሌም:” ከምኡውን “መርዓት” ክርስቶስ ተባሂሎም እውን ተጸዊዖም እዮም። (ራእይ 21:2) ብ1914 የሆዋ ንየሱስ መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኺነግስ ሸሞ: ኣብ ማእከል ጸላእቱ ኺገዝእ ድማ ኣዘዞ። (መዝሙር 110:1, 2፣ ራእይ 11:15) እቲ “ዓርኪ ኣምላኽ” እተባህለ ኣብርሃም: በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺረክብ: እንደገና ህያው ኪኸውን ኣለዎ። ንሕናውን እንተ ዀንና ኻብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸት ክንካፈል እንተደኣ ዄንና: እንተ ኣባላት እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ዓብዪ ጭፍራ ብምዃን ወይ ምስቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ ብምዃን ናብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ብህይወት ክንኣቱ ኣሎና። (ራእይ 7:9, 14) ንተስፋ ትንሳኤ መሰረት ዚኸውን ነገር ግን እንታይ እዩ፧

ፍቕሪ ኣምላኽ መሰረት ተስፋ ትንሳኤ

15, 16. (ሀ) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ናይ መጀመርታ ትንቢት ንተስፋ ትንሳኤ መሰረት ዘንበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ትንሳኤ ዘሎና እምነት ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኬቕርበና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

15 እቲ ምስቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ጥብቂ ርክብ: እታ ኸም ናይ ኣብርሃም ዝኣመሰለት ድልድልቲ እምነትና: ከምኡውን እቲ ንትእዛዛት ኣምላኽ ዘሎና ተኣዛዝነት: ጻድቃንን ኣዕሩኽ የሆዋን ከም ዝዀንና ዄንና ንኽንርአ የኽእለና። እዚ ኸኣ ካብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትፍጽሞ ነገራት ንኽንጥቀም የኽእለና። እወ: እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዚርከብ ናይ መጀመርታ ትንቢት ንተስፋ ትንሳኤን ምስ ኣምላኽ ንዚግበር ዕርክነትን መሰረት ኣንቢሩ እዩ። እታ ጥቕሲ ርእሲ ሰይጣን ከም ዚጭፍለቕ ጥራይ ዘይኰነስ: ሸዀና ዘርኢ እታ ሰበይቲ ኸም ዚንከስ እውን ትንበ እያ። የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ሙማቱ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ሸዀና ምንካስ እዩ ዜመልክት። ብሳልሰይቲ መዓልቲ ምትንሳኡ ኸኣ ነዚ ጕድኣት እዚ ኣዐርዩ: ኣብቲ “ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ . . . ድያብሎስ” ንዚወሰዶ ወሳኒ ስጕምቲ መገዲ ጸሪጉ እዩ።—እብራውያን 2:14

16 ጳውሎስ “ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና: ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ: ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ” ብምባል የዘኻኽረና። (ሮሜ 5:8) ነዚ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ዘሎና ሞሳ: ብሓቂ ናብ የሱስን ናብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦናን እዩ ብዝያዳ ዜቕርበና።—2 ቈረንቶስ 5:14, 15

17. (ሀ) እዮብ እንታይ ተስፋ ኸም ዘለዎ እዩ ዝገለጸ፧ (ለ) እዮብ 14:15 ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እያ እትገልጽ: እዚኸ እንታይ ስምዒት እዩ ዜሕድረልና፧

17 እቲ ቕድሚ ክርስትና እሙን ዝነበረ እዮብ እውን ትንሳኤ ይጽበ እዩ። ነዚ ሰብ እዚ ሰይጣን ብዙሕ ኣሳቕይዎ እዩ። እዮብ ከምቶም ንትንሳኤ ፈጺሞም ዘይጠቐሱ ናይ ሓሶት ኣዕሩኹ ዘይኰነስ: “ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧” ኢሉ ብምሕታት በዚ ተስፋ እዚ ተጸናንዐ። ነዛ ሕቶ እዚኣ ባዕሉ መልሲ ኺህበላ ኸሎ: “ምብራየይ ክሳዕ ዚመጽእ: ዘመን ሰልፈይ ኵሉ ምተጸቤኹ” በለ። ንየሆዋ ኣምላኽ ድማ “ንስኻ ምጸዋዕካኒ: ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ” በሎ። ቀጺሉውን ብዛዕባ እቲ ፈቃር ፈጣሪና ዘለዎ ስምዒት “ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ” ኢሉ ገለጸ። (እዮብ 14:14, 15) እወ: የሆዋ ነቲ እሙናት ዘበሉ ብትንሳኤ እንደገና ህያዋን ዚዀኑሉ እዋን ብሃንቀውታ እዩ ዚጽበዮ። ዘይፍጹማት ከለና ዘርኣየና ፍቕርን ዘይንበቕዖ ሕያውነትን ከነስተንትነሉ ኸለናስ ብዝያዳ ደይኰንናን ናብኡ እንቐርብ፧—ሮሜ 5:21፣ ያእቆብ 4:8

18, 19. (ሀ) ዳንኤል እንደገና ህያው ንኪኸውን እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

18 እቲ ብመልኣኽ ኣምላኽ “እተፈቶኻ ሰብ” እተባህለ ነብዪ ዳንኤል: ንነዊሕ ዓመታት እሙን ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። (ዳንኤል 10:11, 19) ካብቲ ብ617 ቅ.ኣ.ዘ. እተማረኸሉ እዋን ኣትሒዙ: ክሳዕ እቲ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ማለት ክሳዕ እቲ ብ536 ቅ.ኣ.ዘ. ራእይ ድሕሪ ምቕባሉ ነዊሕ ከይጸንሐ ዝሞተሉ እዋን ንየሆዋ ዝነበሮ ንጽህና ሓልዩ እዩ። (ዳንኤል 1:1፣ 10:1) ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ንቂሮስ ፋርሳዊ: ሓይልታት ዓለም በብተራ ኺሓልፉ እሞ ኣብ መወዳእታኡ እዚ ብዓብዪ ጸበባ ኺዛዘም ከሎ ራእይ ርእዩ እዩ። (ዳንኤል 11:1–12:13) ነቲ ራእይ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኦ ስለ ዘይከኣለ: ነቲ ተላኢኹ ዝመጸ መልኣኽ “ጐይታየ: መወዳእታ እዝስ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ መልኣኽ ከኣ ነዚ ኺምልሰሉ ኸሎ ኣብ “ዘመን መወዳእታ” “እቶም ጠቢባን እዮም ዜስተውዕልዎ” በሎ። ንዳንኤል ግን እንታይ ተስፋ እዩ ነይርዎ፧ እቲ መልኣኽ “ክትዐርፍ: በቲ መወዳእታ መዓልትታት ከኣ ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ” በሎ። (ዳንኤል 12:8-10, 13) ዳንኤል ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ “ብትንሳኤ ጻድቃን” ኪምለስ እዩ።—ሉቃስ 14:14

19 ንሕና ኣብ ምጽንቃቕ እዚ መወዳእታ ዘመን ኢና እንነብር ዘሎና: ካብቲ ኣመንቲ ዝዀንናሉ ብዝያዳ ኸኣ ሕጂ ኢና ናብ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ቀሪብና ዘሎና። ስለዚ: ንርእስና ‘ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣትየስ ምስ ኣብርሃምን እዮብን ዳንኤልን ካልኦት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን እራኸብዶ ዀን እኸውን፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ካብ የሆዋ እንተ ዘይርሒቕናን ትእዛዛቱ እንተ ኣኽቢርናን: ኣብ ሓዳስ ዓለም ዘይንኣትወሉ ምኽንያት የልቦን። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ መን ከም ዚትንስኡ ንምፍላጥ ንተስፋ ትንሳኤ ብዝያዳ ኽንምርምሮ ኢና።

ትዝክሮዶ፧

• ጳውሎስ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ እምነት ከም ዘለዎ ምስ ገለጸ: ከመይ ዝበለ ምላሽ እዩ ዝረኸበ፧

• ተስፋ ትንሳኤ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ዚፈልዮም ስለምንታይ እዩ፧

• ኣብርሃምን እዮብን ዳንኤልን ኣብ ትንሳኤ እምነት ከም ዝነበሮም ብኸመይ ንፈልጥ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ነቲ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ፌሊክስ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ብምትእምማን ሰበኸሉ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃም ኣብ ትንሳኤ እምነት ዘሕደረ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

እዮብ ብተስፋ ትንሳኤ ተጸናንዐ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ዳንኤል ብትንሳኤ ጻድቃን ኪምለስ እዩ