ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትንሳኤ ዜደንቕ ተስፋ

ትንሳኤ ዜደንቕ ተስፋ

ትንሳኤ ዜደንቕ ተስፋ

እምነት ትንሳኤ ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ እዩ ዚርከብ። ኣብቲ ናይ እስላም ቅዱስ መጽሓፍ ዝዀነ ቝርኣን ብዛዕባ ትንሳኤ እትገልጽ ምልእቲ ምዕራፍ ኣላ። ሱራህ 75 ብኸፊል ከምዚ ትብል:- “ብመዓልቲ ትንሳኤ እምሕል . . . ወድሰብ ነዕጽምቱ ኽንገጣጥሞ ዘይንኽእል ድዩ ዚመስሎ፧ . . . ‘መዓልቲ ትንሳኤ መዓስ እዩ፧’ ኢሉ ይሓትት። ንሱዶ (ብተመሳሳሊ) ንምዉታት ህይወት ኪህብ ሓይሊ የብሉን እዩ፧”—ሱራህ 75:1-6, 40

ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ድማ “ዞሮኣስተርነት ኣብ መወዳእታ እከይ ከም ዚሰዓር: ሓፈሻዊ ትንሳኤ ኸም ዚህሉ: ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኸም ዚወሃብ: ጽድቂ ዚሰፍነላ ዝጸረየት ምድሪ ኸም እትመጽእ ይኣምን” ይብል።

ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ ነታ ትንሳኤ እትብል ቃል “ኣብ መወዳእታ እቶም ምዉታት ኣካላቶም ሒዞም ከም ዚትንስኡን እንደገና ህያዋን ኰይኖም ኣብ ምድሪ ኸም ዚነብሩን ዚገልጽ እምነት” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። እዚ መወከሲ ጽሑፍ እዚ እቲ ወድሰብ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶ ዚብል ናብ ኣይሁድነት እተኣታተወ እምነት ሕቶታት ከም ዝፈጠረ ገለጸ። “ብመሰረቱ እቲ ንትንሳኤን ንዘይትመውት ነፍስን ዚምልከት ክልተ እምነታት ይጋጮ እዩ” ድማ በለ።

ሂንዱነት ከኣ ሓደ ሰብ ዳግም ከም ዚውለድ እዩ ዚምህር። እዚ ሓቂ ኪኸውን እንተ ዀይኑ: ሰብ ድሕሪ ሞት ህያው ኰይና እትቕጽል ነፍሲ ኽትህልዎ ኣለዋ። እቲ ባሃጋቫድ ጊታ ዚበሃል ቅዱስ መጽሓፍ ሂንዱ “እታ ንዅሉ ኣካላትና እትመልኦ ነገር ኣይትጠፍእን እያ። ነታ ዘይትሓልፍ ነፍሲ ኼጥፍኣ ዚኽእል የልቦን” ይብል።

ቡድህና ዘይትመውት ነፍሲ ኣላ ኢሉ ስለ ዘይኣምን ካብ ሂንዱነት እተፈልየ እዩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ግዜና ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ዚርከቡ ሓያሎ ሰዓብቲ እምነት ቡድህና: ዘይትመውት ነፍሲ ናብ ካልእ ከም እትሰግር ይኣምኑ እዮም። a

ብዛዕባ ትምህርቲ ትንሳኤ ዘሎ ምድንጋር

ህዝበ-ክርስትያን ኣብ እትገብሮ ስነ-ስርዓት ቀብሪ: መብዛሕትኡ ግዜ ነፍሲ ድሕሪ ሞት ክሳዕ ትንሳኤ ብህይወት እትቕጽል ነገር ጌርካ እያ እትግለጽ። ንኣብነት: ኣቕሽሽቲ ቤተ-ክርስትያን እንግሊዝ መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ቓላት እዚ ይደግምዎ እዮም:- “እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ብዓብዪ ምሕረቱ ንነፍሲ እዚ ፍቑር ሓውና ኺወስዳ ኻብ ፈቐደ: ንሕናውን ንስጋኡ ኣብ ምድሪ ቐቢርናዮ ኣሎና፣ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢልና እንረኽቦ እተረጋገጸ ተስፋ ትንሳኤ ዘለኣለማዊ ህይወት ሒዝና መሬት ናብ መሬት: ሓሙዅሽቲ ናብ ሓሙዅሽቲ: ሓመድ ናብ ሓመድ መሊስናዮ ኣሎና።”—ዘ ቡክ ኦቭ ኮመን ፕረየር።

እዚ ጸሎት እዚ ንሓደ ሰብ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ትንሳኤ ድዩ ወይ ዘይትመውት ነፍሲ እዩ ዚምህር፧’ ዚብል ሕቶ ኼበግሰሉ ይኽእል እዩ። ፈረንሳዊ ፕሮተስታንት ፕሮፌሰር ኦስካር ኩልማን ብዛዕባ እዚ ዝሃቦ ሓሳባት ግን ኣስተብህለሉ። ኣብታ ኢሞርታሊቲ ኦቭ ዘ ሶል ኦር ረዘረክሽን ኦቭ ዘ ደድ፧ ዘርእስታ መጽሓፉ ኸምዚ በለ:- “ኣብ መንጎ እቲ ክርስትያናት ዚጽበይዎ ትንሳኤ ምዉታትን ግሪኻውያን ዚኣምኑሉ ነፍሲ ኣይትመውትን እያ ዚብል እምነትን ዓብዪ ፍልልይ እዩ ዘሎ። . . . ክርስትና ጸኒሑ ኣብዚ ኽልቲኡ እምነታት እዚ ምትእስሳር እኳ እንተ ገበረ ኸምኡውን ኣብዚ ግዜ እዚ ሓደ ተራ ክርስትያን ነዚ ምሉእ ብምሉእ ዚሓዋውሶ እኳ እንተዀነ: ኣነን መብዛሕትኦም ምሁራትን ዝረኸብናዮ ሓቂ ግን ክሓብእ ኣይደልን እየ። . . . ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ሓድሽ ኪዳን ምሉእ ብምሉእ ብናይ ትንሳኤ እምነት እተዓብለለ እዩ። . . . ኣምላኽ ንሓደ ናይ ብሓቂ ዝሞተ ሰብ ከም ብሓድሽ ብምፍጣር እዩ እንደገና ህያው ዚገብሮ።”

ስለዚ: ሰባት ብሓፈሻኡ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን ዚምልከት ሓሳባት እንተ ኣደናገሮም ዜደንቕ ኣይኰነን። ነዚ ምድንጋር እዚ ንምፍታሕ: ነቲ ፈጣሪ ወድሰብ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ሓቂ ንምግላጽ እተጠቕመሉ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምር ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ብርክት ዝበለ ትንሳኤ ኸም እተገብረ ይገልጸልና። ካብዚ ጸብጻባት እዚ ነርባዕተ ብምውሳድ እንታይ ከም ዚገልጸልና ንመርምር።

“ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም”

ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ: እምነት ዘለወን “ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም” በለ። (እብራውያን 11:35) ሓንቲ ኻብዘን ኣንስቲ እዚኣተን ኣብታ ኣብ ገማግም መዲተራነያን እትርከብ ሰራጵታ ናይ ሲዶን እትነብር ዝነበረት እያ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኤልያስ ንዚበሃል ነብዪ ኣምላኽ ከም ጋሻ እተቐበለት መበለት እያ ነይራ: ክቱር ጥሜት ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ ምግቢ ሂባቶ እያ። እቲ ዜሕዝን ግን ወዲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ሓሚሙ ሞተ። ኤልያስ ድማ ብኡንብኡ ናብታ ዚነብረላ ደርቢ ወሰዶ: ንየሆዋ ድማ ንህይወት እቲ ወዲ ኺመልሳ ለመኖ። ድሕርዚ ተኣምር ተፈጸመ: እቲ ቘልዓ ድማ “ህያው ኰነ።” ኤልያስ ነቲ ቘልዓ ናብ ኣዲኡ ወሲዱ “ርአዪ: ወድኺ ሐውዩ” በላ። ንሳኸ እንታይ በለት፧ ተሓጒሳ “ንስኻ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከም ዝዀንካ: ቃል እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍካ ሓቂ ኸም ዝዀነ: ሕጂ ፈለጥኩ” በለቶ።—1 ነገስት 17:22-24

ካብ ሰራጵታ ብሸነኽ ደቡብ 100 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ቦታ: ነቲ ንኤልያስ ዝተክአ ነብዪ ኤልሳእ ዚከናኸንዎ ዝነበሩ ለጋሳት ሰብኣይን ሰበይትን ነበሩ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ኣብታ ሹኔም እትበሃል ከተማኣ ምርእይቲ ነበረት። ንሳን ብዓል ቤታን ንኤልሳእ ኣብ ደርቢ ቤቶም መዕረፊ ኼዳልዉሉ ወሰኑ። እታ ሰበይቲ ወዲ ምስ ወለደት: እቲ መኻን ብምዃና ዝነበሮም ጓሂ ብሓጐስ ተተክአ። እቲ ቘልዓ ምስ ዓበየ: ምስቶም ዓጻዶ ዀይኑ ናብቲ ኣቦኡ ዚዓየሉ ግራት ይኸይድ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ድንገተኛ ነገር ኣጋጠሞም። እቲ ቘልዓ ርእሰይ ርእሰይ በለ። ሓደ ኻብቶም ጊልያ ኸኣ ብኡንብኡ ነቲ ቘልዓ ናብ ቤት ወሰዶ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ብርኪ ኣዲኡ ኾፍ በለ: ጸኒሑ ድማ ሞተ። እታ እትገብሮ ዝሓርበታ ኣደ: ሓገዝ ደልያ ናብ ኤልሳእ ከደት። ምስ ጊልያኣ ዀይና ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገጻ ናብቲ ኤልሳእ ዝነበረሉ ኸረን ቀርሜሎስ ተጓዕዘት።

እቲ ነብዪ ኸኣ ገሓዚ ንዚበሃል ጊልያኡ ቐቅድሚኡ ናብቲ ቘልዓ ለኣኾ: ንሱውን እቲ ቘልዓ ኸም ዝሞተ ኣረጋገጸ። ኤልሳእን እታ ሰበይትን ናብ ሹኔም ምስ በጽሑ እንታይ ኰነ፧ ኣብ 2 ነገስት 4:32-37 ዚርከብ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ኤልሳእ ናብታ ቤት ምስ አተወ ድማ: እንሆ: እቲ ቘልዓ ሞይቱ: ኣብ ዓራቱ ተጋዲሙ ጸንሖ። ናብታ ቤት አትዩ ኸኣ: ድሕሪ ኽልቲኦም ነቲ ማዕጾ ሸጐሮ: ኣብ እግዚኣብሄር ከኣ ለመነ። ደዪቡ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ በጥ በለ: ኣፉ ኸኣ ኣብ ኣፉ: ዓይኑ ኣብ ዓይኑ: ኢዱውን ኣብ ኢዱ ገበረ እሞ: ኣብ ልዕሊኡ ተዘርገሔ። ስጋ እቲ ቘልዓ ኸኣ ሞቐ። መሊሱ ድማ ኣብታ ቤት ሓንሳእ ናብዚ ሓንሳእ ናብቲ ኣቢሉ ተዛወረ: ከም ብሓድሽ ደዪቡ ኸኣ: ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ። እቲ ቘልዓ ድማ ሾብዓተ ሳዕ እንጥሾ በለ እሞ እቲ ቘልዓ ኣዒንቱ ቛሕ ኣበለ። ሽዑ ኤልሳእ ንገሓዚ ጸዊዑ: ነታ ሹናማዊት ጸውዓያ: በሎ። ጸውዓ ኸኣ። ናብኡ ምስ አተወት ድማ: ወድኺ ውሰዲ: በላ። አትያ ኸኣ ኣብ እግሩ ወዲቓ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት: ወዳ ሒዛ ድማ ወጸት።”

እታ ኣብ ሹኔም እትነብር ዝነበረት ሰበይቲ: ከምታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት: እቲ እተፈጸመ ነገር ብሓይሊ ኣምላኽ ምዃኑ ፈሊጣ ነይራ እያ። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ኣምላኽ ንውሉዳተን እንደገና ህያው ብምግባሩ ዓብዪ ሓጐስ እየን ረኺበን።

ብግዜ የሱስ እተፈጸመ ትንሳኤ

ድሕርዚ 900 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ካብ ሹኔም ብሸነኽ ሰሜን ብዙሕ ኣብ ዘይትርሕቕ ናይን እትበሃል ቝሸት ትንሳኤ ተፈጺሙ እዩ። የሱስ ክርስቶስን ደቀ መዛሙርቱን ካብ ቅፍርናሆም ተጓዒዞም ኣብ ጥቓ ደገ ናይን ምስ በጽሑ: ናብ ቀብሪ ዚኸዱ ዝነበሩ ሰባት ተጓነፍዎም። የሱስ ንሓንቲ ሓደ ወዳ ዝሰኣነት መበለት ምስ ረኣያ: ኣይትብከዪ በላ። እቲ ሓኪም ዝነበረ ሉቃስ ድሕርዚ የሱስ እንታይ ከም ዝገበረ ኺገልጽ ከሎ: “ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ: እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፤ ኣታ ጐበዝ: ተንስእ: እብለካ አሎኹ: በሎ። እቲ ምዉት ተንሲኡ ተቐመጠ: ምዝራብውን ጀመረ: ነዲኡ ድማ ሀባ” በለ። (ሉቃስ 7:14, 15) እቶም ነዚ ተኣምር እዚ ዝረኣዩ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። ወረ እዚ ትንሳኤ እዚ ንደቡብ ገጹ ኽሳዕ ይሁዳን ጐደቦታታን ተሰምዐ። ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ መጥመቕ እኳ ብዛዕባ እዚ ሰሚዖም ንዮሃንስ ነገርዎ። ንሱ ድማ ንየሱስ ረኺቦም: እቲ ትጽቢት ዚግበረሉ ዝነበረ መሲህ እንተ ዀይኑ ኺሓትዎ ለኣኾም። የሱስ ከኣ “ዕዉራት ይርእዩ: ሓንካሳት ይኸዱ: ለምጻማት ይነጽሁ: ጸማማት ይሰምዑ: ምዉታት ይትንስኡ አለዉ: ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኽ አሎ እሞ: ኪዱ: እዚ ዝርኤኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ” በሎም።—ሉቃስ 7:22

ካብቲ የሱስ ዝፈጸሞ ትንሳኤ: እቲ ንኣልኣዛር ዓርኩ ብምትንሳእ ዝፈጸሞ ተኣምር እዩ ዝያዳ ዅሉ ዚፍለጥ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መንጎ እቲ ኣልኣዛር ዝሞተሉን የሱስ ናብታ ዓዲ ዝበጽሓሉን እዋን ስፍሕ ዝበለ ግዜ ሓሊፉ ነበረ። ኣብ መወዳእታኡ የሱስ ኣብ ቢታንያ ምስ ኣተወ: ኣልኣዛር ካብ ዚመውት ራብዕቲ ገይሩ ነበረ። የሱስ ነቲ ንመቓብር ከዲኑ ዝነበረ እምኒ ኺለዓል ምስ ኣዘዘ: ማርታ “ጐይታይ: ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ: ፈጺሙ ጨንዩ እዩ” በለቶ። (ዮሃንስ 11:39) ይኹን እምበር: ስጋ ኣልኣዛር ምምሽማሹ ነቲ ትንሳኤ ኣይዓገቶን። የሱስ ምስ ጸውዖ: “እቲ ምዉት ብግኑዙ: ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጕኑ ኸሎ ወጸ።” እቲ ጸላእቲ የሱስ ብድሕሪኡ ዝገበርዎ ነገራት: ኣልኣዛር ብርግጽ እንደገና ህያው ከም ዝዀነ እዩ ዜረጋግጽ።—ዮሃንስ 11:43, 44፣ 12:1, 9-11

ካብዚ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚገልጽ ኣርባዕተ ጸብጻብ: ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና እንበጽሕ፧ ነፍሲ ወከፍ እዞም ካብ ሞት ዝተንስኡ ውልቀ-ሰባት: ከይተቐየሩ እዮም እንደገና ህያዋን ኰይኖም። እቶም ናይ ቀረባ ኣዝማዶም እውን ከይተረፉ ኣለልዮምዎም እዮም። ዋላ ሓደ ኻብቶም ዝተንስኡ ሰባት: ኣብቲ ዝሞቱሉ እዋን ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገራት ኣይተዛረቡን። ናብ ካልእ ዓለም ኬድና እውን ኣይበሉን። ኵላቶም ጽቡቕ ጥዕና ረኺቦም እዮም ተንሲኦም። ከምቲ የሱስ ዝኣመቶ: ደቂሶም ጸኒሖም ከም ዝተንስኡ እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 11:11) ይኹን እምበር: ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ዅላቶም ሞይቶም እዮም።

ምስቶም እነፍቅሮም እንደገና ናይ ምርኻብ ዜደንቕ ተስፋ

እቲ ኦወን ዚበሃል ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ቘልዓ ብድንገተኛ መገዲ ድሕሪ ሙማቱ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኣቦኡ ናብ እንዳ ጐረቤቱ ኸደ። ኣብኡ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ዘዳለዉዎ ህዝባዊ ዝርርብ ዚገልጽ ወረቐት ዕድመ ኣብ ሰደቓ ረኸበ። እቲ “ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧” ዚብል ኣርእስቲ ኸኣ ሰሓቦ። እዛ ሕቶ እዚኣ እያ እትርብሾ ነይራ። ነቲ ዝርርብ ሰምዐ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ረኸበ። ምዉታት ከም ዘይሳቐዩ ፈለጠ። ኵሎም ምዉታት: እንተላይ ኦወን: ኣብ ሲኦል ብሓዊ ይሳቐዩ ኸም ዘየለዉ: ወይ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ መላእኽቲ ኪዀኑ ኸም ዘይወሰዶም: የግዳስ ብትንሳኤ ኽሳዕ ዚትንስኡ ኣብ መቓብር ከም ዚጸንሑ ተማህረ።—መክብብ 9:5, 10፣ ህዝቅኤል 18:4

ካብ መንጎ ስድራቤትካ ሰብዶ ብድንገት ሞይቱካ እዩ፧ ልክዕ ከም ኣቦ ኦወን: እቲ ሰብ እቲ ኣበይ ከም ዘሎን እንደገና ንኽትርእዮ ኣጋጣሚ እንተልዩካን ክትፈልጥ ትደሊ ዲኻ፧ ብዛዕባ እዚ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚምህሮ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምርምሮ ነተባብዓካ። ምናልባት ‘ትንሳኤ ዚፍጸም መዓስ እዩ፧ መንከ እዩ ኻብኡ ዚጥቀም፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ነዝን ንኻልእ ሕቶታትን መልሲ ንምርካብ: ነዚ ዚስዕብ ዓንቀጻት ግዳ ኣንብቦ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ማንካይንድስ ሰርች ፎር ጎድ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 150-4 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኤልያስ ንየሆዋ ህይወት እቲ ቘልዓ ኺመልሳ ለመኖ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንወዲ እታ ሹናማዊት ሰበይቲ ንምትንሳእ ንኤልሳእ ተጠቕመሉ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንወዲ እታ ኣብ ናይን እትቕመጥ መበለት ኣተንስኦ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ቤተሰብ ምስቶም ዜፍቅርዎም ብትንሳኤ ኺራኸቡ እዮም