ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድኹም ክነሰይ ብርቱዕ እየ

ድኹም ክነሰይ ብርቱዕ እየ

ታሪኽ ህይወት

ድኹም ክነሰይ ብርቱዕ እየ

ሊዮፖልት ኢንግላይትነር ዘዘንተዎ

እቲ መኰነን ኤስ.ኤስ. ሽጉጡ መዘዘ እሞ ኣብ መትልሐይ ገይሩ “ንሙማት ተዳሊኻ ዲኻ፧ ንስኻ ምንም ዘይትረብሕ ከንቱ ስለ ዝዀንካ ሕጂ ኽርሽነካ እየ” በለ። ድምጸይ ክቈጻጸር እናፈተንኩ “እወ: ድልው እየ” በልኩ። ነፍሰይ እስር ኣቢለ: ኣዒንተይ ዓሚተ: ክሳዕ ዝትኵስ ተጸበኽዎ: ግን ኣይተኰሰን። “ንሙማት እኳ ዘይትበቅዕ ደንቈሮ ኢኻ!” ኢሉ ጨደረ እሞ ነታ ሽጉጥ ካብ መትልሐይ ኣልገሳ። ከመይ ኢለ እየ ግን ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ዅነታት ዝኣተኹ፧

ብ23 ሓምለ 1905 ኣብታ ኣብ ኣኽራን ኦስትርያ እትርከብ ከተማ ኣይገን-ፎግልሃብ እየ ተወሊደ: በዅሪ ገዛ ኸኣ እየ። ኣቦይ ዕንጸይቲ ኣብ ዚቈራረጸሉ ቦታ ይሰርሕ ነበረ: ኣደይ ከኣ ጓል ሓደ ሓረስታይ እያ። ወለደይ ድኻታት ግን ከኣ ጻዕራማት እዮም ነይሮም። ኣብታ ጥቓ ሶልዝበርግ እትርከብ: ብውቁብ ቀላያትን ብኣዝዩ ማራኺ ዝዀነ ኣኽራናትን እተኸበት ባት ኢሽል እትበሃል ከተማ ዓበኹ።

ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ዓንዲ-ሕቘይ ጠዋይ ስለ ዝነበረን ስድራይ ከኣ ድኻታት ብምንባሮምን: ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ብዛዕባ ምጕዳል ፍትሒ አስተማስል ነበርኩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሕቘይ ዘሎኒ ሽግር ትኽ ኢለ ጠጠው ክብል ዳርጋ ፈጺመ ኣይክእል እየ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምውስዋስ ኣካላት ንኽሳተፍ ዘይፍቀደለይ ስለ ዝነበረ: ኣደዳ ላግጺ መማህርተይ ኰንኩ።

ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ዘብቅዓሉ እዋን 14 ዓመት ኣይመላእኩን ነይረ። እንተዀነ ግን: ካብ ድኽነት ንምምላጥ ስራሕ ክደሊ ጀመርኩ። ብሰንኪ እቲ መዓልታዊ ዝነበረኒ ጥሜትን እቲ ንሚልዮናት ዝቐተለ ናይ ስጳኛ ኢንፍልወንዛ ዝገበረለይ ረስንን ማህመንኩ። መብዛሕትኦም ሓረስቶት ስራሕ ኪቘጽሩኒ ምስ ዝሓቶም “ከማኻ ዝበለ ድኹም ደኣ እንታይ ክገብረልና ኢሉ” ይብሉኒ ነበሩ። ይኹን እምበር: ሓደ ሕያዋይ ሓረስታይ ቈጸረኒ።

ብዛዕባ ፍቅሪ ኣምላኽ ተመሃርኩ

ዋላኳ ኣደይ ውፍይቲ ካቶሊክ እንተ ነበረት: ኣቦይ ግን ብሃይማኖት ዝመጸ ስፍሕ ዝበለ ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበሮ ሳሕቲ እየ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸይድ ነይረ። ኣነ ግን እቲ ኣብ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ምስልታት ንኣምልኾ ምጥቃም: ሕርኽርኽ ይብለኒ ነበረ።

ኣብ ጥቅምቲ 1931 ሓደ ዓርከይ በቶም ሽዑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ዚግበር ኣኼባ ምስኡ ሓቢረ ክኸይድ ሓተተኒ። ኣብቲ ኣኼባ ንኸም ‘ምስልታት ንኣምልኾ ምጥቃም ንኣምላኽ የሐጕሶ ድዩ፧ (ዘጸኣት 20:4, 5) ሲኦል መሳቐዪ ቦታ ድዩ፧ (መክብብ 9:5) ምውታት ኪትንስኡ ድዮም፧ (ዮሃንስ 5:28, 29)’ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ሕቶታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ተዋህበኒ።

ኣምላኽ ዋላ ነቲ ብስሙ ኸም ዚግበር ዚንገረሉ ደም ዜፋስስ ውግእ ከም ዘይድግፎ ምስ ፈለጥኩ ኣዝዩ ገረመኒ። “ኣምላኽ ፍቕሪ” ምዃኑን የሆዋ ዚብል ዓብዪ ስም ከም ዘለዎን ፈለጥኩ። (1 ዮሃንስ 4:8፣ መዝሙር 83:18) ደቅሰብ ሳላ መንግስቲ የሆዋ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ንኺነብሩ ተስፋ ኸም ዘለዎም ምፍላጠይ ድማ ኣሐጐሰኒ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንገለ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብታ ሰማያዊት መንግስቱ ምስ የሱስ ኰይኖም ንኼገልግሉ ዝኣተወሎም ዜደንቕ መብጽዓ እውን ተመሃርኩ። ብዘሎኒ ዅሉ ነታ መንግስቲ ኽድግፍ ተዳለኹ። ስለዚ: ብግንቦት 1932 ተጠሚቐ ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ። ኣብታ ሽዑ ዝነበረት እምነት ካቶሊክ እትስዕብ ኦስትርያ: ሃይማኖታዊ ተጻዋርነት ስለ ዘይነበረ: ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ትብዓት ዚሓትት ነበረ።

ተናዓቕኩን ተሰጐጕኩን

ካብ ቤተ-ክርስትያን ምስ ተሰናበትኩ: ወለደይ ኣዝዮም ሰንበዱ: እቲ ኻህን ከኣ ኣብ መስበኽያ ዀይኑ ነቲ ወረ ነዝሖ። ጐረባብትና ንዓይ ዘለዎም ንዕቀት ንምግላጽ ኣብ ቅድመይ ኰይኖም ናብ መሬት ጡፍ ይብሉ ነበሩ። ይኹን እምበር: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ንምዃን ስለ ዝመደብኩ: ካብ ጥሪ 1934 ጀሚረ ፓይነር ኰንኩ።

ብሰንኪ እቲ ናዚ ኣብ ኣውራጃና ዜሕድሮ ዝነበረ ሓያል ጽልዋ: ፓለቲካዊ ውጥረት ተጋደደ። ኣብ ሩባ ኢንስ ኣብ ዚርከብ ሽንጭሮ ስቲሪያን ፓይነር ኰይነ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበረ እዋን ኣባላት ፓሊስ እግር እግረይ ይከታተሉኒ ስለ ዝነበሩ: ‘ጠቢብ ከም ተመን’ ክኸውን ነበረኒ። (ማቴዎስ 10:16) ካብ 1934 ኣትሒዙ ኽሳዕ 1938 ኣብ ዝነበረ እዋን: መስጐጕቲ መዓልታዊ እዩ ዘጋጥመኒ ነይሩ። ዋላኳ ስራሕ እንተ ዘይነበረኒ: ብምኽንያት ናይ ስብከት ዕዮይ ግን እቲ ስራሕ ንዘይብሎም ዚወሃብ ዝነበረ ገንዘብ ተኸላእኩ: ከምኡውን ብዙሕ ሳዕ ንሓጺር እዋን ኣርባዕተ ሳዕ ከኣ ንነዊሕ እዋን ማእሰርቲ ተፈረደኒ።

ወተሃደራት ሂትለር ንኦስትርያ ተቘጻጸርዋ

ኣብ መጋቢት 1938 ወተሃደራት ሂትለር ናብ ኦስትርያ ኣተዉ። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልቲ ኻብ 90,000 ንላዕሊ ሰባት: ካብቶም ዓበይቲ ዘበሉ 2 ሚእታዊት ዚዀኑ ማለት እዩ: ነገዛዝኣ ናዚ ተቓዊምኩም ብዚብል ክሲ ተኣሲሮም ናብ ኣብያተ-ማእሰርትን መዳጐኒ ደምበታትን ተወስዱ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ነቲ ዚመጽእ ዝነበረ ተዳልዮም ይጽበዩ ነበሩ። ኣብ ክረምቲ 1937 እተወሰኑ ኣባላት ጉባኤይ ብብሽክለታ 350 ኪሎ ሜትር ተጓዒዞም ኣብቲ ኣብ ፕራግ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተኣከቡ። ኣብኡ ኸኣ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ኣሕዋትና ዝወርዶም ዝነበረ ግፍዒ ሰምዑ። እቲ ስደት ቀጺሉ ናባና ኸም ዚመጽእ ርግጽ እዩ ነይሩ።

ወተሃደራት ሂትለር ኣብ ኦስትርያ ኻብ ዝኣተዉላ ዕለት ጀሚሩ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣኼባታትን ዕዮ ስብከትን ብሕቡእ ኪግበር ነበሮ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብዶብ ስዊዘርላንድ ብስውር ይኣቱ እኳ እንተ ነበረ: ንዅላትና ዚኣክል ግን ኣይነበረን። ስለዚ: ኣብ ቭየና ዝነበሩ ኣሕዋት ተሓቢኦም ጽሑፋት የዳልዉ ነበሩ። ኣነ ኸኣ ናብ እንዳ ኣሕዋት አበጻጽሕ ነበርኩ።

ኣብ መዳጐኒ ደምበ ተዳጐንኩ

ብ4 ሚያዝያ 1939 ኣብ ባት ኢሽል ንበዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ተኣኪብና ኸለና ጌስታፖ ንዓይን ንኻልኦት ሰለስተ ኣሕዋትን ኣሰሩና። ኣብ ሊንጽ ናብ ዚርከብ ቀንዲ መደበር ፖሊስ ብማኪና ተወሰድና። ሽዑ መዓልቲ ንፈለማ ግዜ እየ ኣብ ማኪና ተሰቒለ: ኰይኑ ግን ተጨኒቐ ስለ ዝነበርኩ ምንም ኣየሐጕሰንን። ኣብ ሊንጽ ብዜስካሕክሕ መገዲ መርመሩኒ ኣነ ግን ካብ እምነተይ ፈልከት ኣይበልኩን። ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ላዕለዋይ ኣውራጃ ኦስትርያ ቐረብኩ። ከይተጸበኽዎ ኸኣ ካብቲ እተኸሰስኩሉ ኽሲ ናጻ ዀንኩ: እንተዀነ ግን: እቲ ፈተና ገና ኣየብቀዐን። እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እቶም ሰለስተ ኣሕዋት ናብ መዳጐኒ ደምበ ተወስዱ: ክሳዕ ሞት ከኣ እሙናት ኰኑ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸናሕኩ እሞ ደሓር ብ5 ጥቅምቲ 1939 ኣብ ጀርመን ኣብ ቡከንዋልድ ናብ ዚርከብ መዳጐኒ ደምበ ኸም ዝኸይድ ተነግረኒ። ንዓና ንእሱራት ተባሂላ ሓንቲ ፍልይቲ ባቡር ኣብ መደበር ባቡር ሊንጽ ትጽበየና ነበረት። እቲ ባጎኒታት ንኽልተ ሰብ ዚኸውን ክፍልታት ነበሮ። ዶ/ር ሃይንሪኽ ግላይስነር ዚበሃል ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ላዕለዋይ ኦስትርያ ነበር ምሳይ ኣብታ ኽፍሊ ነበረ።

ምስ ዶ/ር ግላይስነር ባህ ዜብል ምይይጥ ጀመርኩ። ብዅነታተይ ኣዝዩ ተገረመ። ንሱ ኣመሓዳሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ኣብ ኣውራጃኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተፈላላየ ሕጋዊ ጸገማት የጋጥሞም ምንባሩ ኣጕሃዮ። ተጣዒሱ ኸኣ “ሚስተር ኢንግላይትነር ነቲ እተገብረ ጌጋ ሕጂ ኸዐርዮ ኣይክእልን እየ: እንተዀነ ግን: ይቕረታ ኽሓትት እደሊ። መንግስትና ብምጕዳል ፍትሒ ተሓታቲ እዩ። ሓገዝ ኣብ እትደልየሉ ዝዀነ ይኹን እዋን ብእተኻእለኒ መጠን ክሕግዘካ ፍቓደኛ እየ” በለኒ። እቲ ውግእ ምስ ኣብቅዐ እንደገና ተራኸብና። ነቶም ኣደዳ መጥቃዕቲ ናዚ ዝዀኑ ሰባት ካብ መንግስቲ ዚወሃብ ናይ ጡረታ ገንዘብ ንኽረክብ ሓጊዙኒ።

“ክርሽነካ እየ”

ብ9 ጥቅምቲ 1939 ናብቲ ኣብ ቡከንዋልድ ዚርከብ መዳጐኒ ደምበ በጻሕኩ። ድሕሪዚ ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ሓላዊ: ኻብቶም ሓደስቲ እሱራት ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነ ስለ እተነግሮ: ዕላማ መጥቃዕቱ ዀንኩ። ብዘይ ርሕራሐ ቐጥቀጠኒ። በዚ ግን ካብ ኣቕዋመይ ፈልከት ከም ዘይብል ምስ ተረድኦ “ኢንግላይትነር: ሕጂ ኽርሽነካ እየ። ቅድሚኡ ግን ንወለድኻ ብደብዳበ ተሰናበት” በለኒ። ንወለደይ ዜጸናንዕ ቃላት ንምጽሓፍ ጅምር አብል እሞ ዅርናዕ የማናይ ኢደይ ሃሪሙ የጫሕግረኒ። ካብኡ “ከመይ ዝበልዎ ደንቈሮ እዩ በጃኹም! ክልተ መስመር እኳ ትኽ ኣቢሉ ኺጽሕፍ ኣይኽእልን እዩ። እዚ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምንባብ ኣየብኰሮን” ብምባል ኣባጨወለይ።

ካብኡ ኣብ መእተዊ ኸም ዘዘንተኽዎ ሽጉጡ ኣብ መትልሐይ ብምግባር ኣፈራርሃኒ። ደሓር ኣብ ሓንቲ ብሰባት እተጨቕጨቐት ንእሽቶ ኽፍሊ ብሓይሊ ኣእተወኒ። ምሉእ ለይቲ ጠጠው ኢለ ሓደርኩ። ግን ከኣ ኣካላተይ የቐንዝወኒ ስለ ዝነበረ: ቦታ እንተ ዝረክብ እውን ክድቅስ ኣይምኸኣልኩን ነይረ። እቶም ምሳይ ኣብታ ኽፍሊ ዝነበሩ ዜጸናንዕ ቃላት ኣብ ክንዲ ምሃብ “ንዘይጠቅም ሃይማኖት ኢልካ ሙማት ዕሽነት እዩ” በሉኒ። ዶ/ር ግላይስነር ኣብታ ጥቓና ዝነበረት ክፍሊ ነበረ። እንታይ ከም እተገብረ ምስ ሰምዐ “እቲ ኣብ ክርስትያናት ዝወርድ ዝነበረ ኸቢድ መስጐጕቲ: እንደገና ተመልሰ” በለ።

ዋላ እኳ ኣብ ሰናብቲ ነዕርፍ እንተ ነበርና: ኣብ ክረምቲ 1940 ግን ኵላትና እሱራት: ሰንበት እምኒ ኣብ ምፍሓር ክንሰርሕ ተኣዘዝና። እዚ ድማ ንገሊኣቶም “ሕማቕ ጠባይ ዘርኣዩ” እሱራት ንምቕጻዕ ተባሂሉ እተገብረ ነበረ። ዓበይቲ ኣእማን ካብቲ ዚፋሓረሉ ቦታ ናብቲ ደምበ ተሰኪምና ኽንወስድ ተኣዘዝና። ክልተ እሱራት ሓደ ገዚፍ እምኒ ኼሰክሙኒ ኺፍትኑ ኸለው: ካብ ክብደት እቲ እምኒ እተላዕለ ዳርጋ ወዲቐ ነይረ። ካብኡ ግን ኣርተር ሮድል ዚበሃል ኣዝዩ ዚፍራህ ዝነበረ ላገርፉህረር (ተቘጻጻሪ እቲ ደምበ) ናባይ መጸ። ነቲ እምኒ ንምስካም ዝገብሮ ዝነበርኩ ጻዕሪ ርእዩ: “ነዚ እምኒ እዚ ተሰኪምካ ኣብቲ ደምበ ፈጺምካ ኣይትበጽሕን ኢኻ። ቀልጢፍካ ኣቐምጦ!” በለኒ። እታ ተሓጒሰ እተኣዘዝክዋ ትእዛዝ እዚኣ ነበረት። ካብኡ ሮድል ናብ ሓንቲ ንእስ ዝበለት እምኒ እናመልከተ “ነቲኣ እምኒ ኣልዒልካ ናብቲ ደምበ ኣብጽሓያ። ንሳ ትፈኵስ” በለኒ። ናብቲ ንዓና ዚቘጻጸረና ዝነበረ ምልስ ኢሉ ኸኣ “እዞም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ደምበ ይመለሱ። ንሎሚ ዝኣክል ሰሪሖም እዮም” በሎ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድሕሪ ስራሕ ምስቶም መንፈሳውያን ስድራቤተይ ምርኻብ የሐጕሰኒ ነበረ። መንፈሳዊ ምግቢ ንምብጻሕ ምድላዋት ገበርና። ሓደ ሓው ኣብ ንእሽቶ ወረቐት ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ይጽሕፍ እሞ ንኻልኦት የመሓላልፍ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ብሕቡእ ኣትዩ በብመጽሓፍ ተመቓቐለ። ንዓይ መጽሓፍ እዮብ እያ በጺሓትኒ ነይራ: ንሰለስተ ወርሒ ኸኣ ኣብ ካልሰይ ሓባእክዋ። ዛንታ እዮብ ድማ ንኽጸንዕ ሓጊዙኒ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ብ7 መጋቢት 1941 ምስ ብዙሓት ካልኦት እሱራት ኣብ ናይደርሃገን ናብ ዚርከብ መዳጐኒ ደምበ ተወሰድኩ። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዅነታተይ እናተጋደደ ኸደ። ሓደ መዓልቲ ኣነን ካልኦት ክልተ ኣሕዋትን መሳርሒታት ኣብ ሳጹን ክንጥርንፍ ተኣዘዝና። ምስ ወዳእና ምስ ካልኦት እሱራት ናብቲ ደምበ ንምለስ ነበርና። ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ኤስ.ኤስ. ድሒረ ምስ ረኣየኒ: ነዲሩ መጺኡ ብጭካነ ነዲሑ ኸቢድ ጕድኣት ኣውረደለይ። እቲ ቓንዛ ኣዝዩ ዜሳቒ እኳ እንተ ነበረ: ንጽብሒቱ ግን ናብ ስራሕ ከድኩ።

ሃንደበት ተፈታሕኩ

ኣብ ሚያዝያ 1943 ኣብ ናይደርሃገን ዝነበርና ብምሉእና ናብ ካልእ ገዓዝና። ኣነ ድማ ናብቲ ብዙሓት እሱራት እተቐትልሉ ኣብ ራቨንስብራክ ዚርከብ መዳጐኒ ደምበ ተመሓላለፍኩ። ካብኡ ኣብ ሰነ 1943 ሃንደበት ካብቲ መዳጐኒ ደምበ ንኽወጽእ ዕድል ተዋህበኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንኽወጽእ እምነተይ ክኽሕድ ዘይኰነስ: ምሉእ ህይወተይ ኣብ ሕርሻ ኽሽቅል ክሰማማዕ ነበረኒ። ካብቲ ኣብቲ ደምበ ዝነበረ ዜስካሕክሕ ኵነታት ንምምላጥ በዚ ተሰማማዕኩ። ናይ መወዳእታ ምርመራ ኽገብር ናብ ዶክተር እቲ ደምበ ኸድኩ። እቲ ዶክተር ምስ ረኣየኒ ተገሪሙ “ንስኻ ደኣ ናይ የሆዋ ምስክርዶ ኣይኰንካን፧” በለኒ። ኣነ ኸኣ “ሓቅኻ ዶክተር” በልክዎ። “ከምኡ እንተ ዀይኑ እሞ ኽትወጽእ ኣይግባኣካን እዩ። ምዃን ካብ ከምዚ ኸማኻ ዓይነት ድርባይ ሰብ እኳ ንገላገል” በለኒ።

እቲ እተዛረቦ ዘረባ እተጋነነ ኣይነበረን። ከመይሲ ዅነታት ጥዕናይ ናይ ሓቂ ዜስግእ እዩ ነይሩ። ቈርበተይ ብቑማል ተበሊዑ: ካብ ኣመና ማህረምቲ እተላዕለ ሓንቲ እዝነይ ጸሚማ: ብምሉኡ ኣካላተይ ከኣ ምጕሊ ብዝሓዘ ቝስሊ ተወሪሱ ነበረ። ድሕሪ እቲ ን46 ወርሒ ዝቐጸለ ማህረምትን ጥሜትን ሸቕልን 28 ኪሎ ግራም ጥራይ እየ ዝምዘን ነይረ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከለኹ ኸኣ እየ ብ15 ሓምለ 1943 ካብ ራቨንስብራክ ዝወጻእኩ።

ብዘይ ሓላዊ ወተሃደር ብባቡር ናብ ዓደይ ተመለስኩ። ኣብ ሊንጽ ናብ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ጌስታፖ ድማ ከድኩ። ሓደ መኰንን ጌስታፖ ናጻ ኸም ዝዀንኩ ዚገልጽ ወረቐት ሃበኒ እሞ “እቲ ምስጢራዊ ንጥፈታትካ ንኽትቅጽል ኢልና ንሰደካ ዘሎና እንተ መሲሉካ: ፈጺምካ ተጋጊኻ ኢኻ። ክትሰብኽ ከለኻ እንተ ረኺብናካ ወይለኻ!” ኢሉ ኣጠንቀቐኒ።

መወዳእታኡ ናብ ገዛይ ተመለስኩ። ኣደይ ካብታ መጀመርያ እተኣሰርኩላ ዕለት 4 ሚያዝያ 1939 ኣትሒዛ ኣብ ክፍለይ ንዝነበረ ነገር ምንም ኣይቀያየረቶን። መጽሓፍ ቅዱሰይ እኳ ኣብታ ጥቓ ዓራተይ ዝነበረት ጣውላ ኸምታ ገንጺለ ዝገደፍክዋ ጸንሓትኒ። ተንበርኪኸ ልባዊ ጸሎት ምስጋና ኣቕረብኩ።

ኣብ ሓደ ኣብ ጎቦ ዝነበረ ሕርሻ ንኽሰርሕ ተመደብኩ። እቲ ሓረስታይ ናይ ንእስነት ዓርከይ ነበረ። ኪኸፍለኒ እኳ እንተ ዘይነበሮ: ሒደት ደሞዝ ግን ይኸፍለኒ ነበረ። ቅድሚ እቲ ውግእ ምጅማሩ እዚ ዓርከይ እዚ ኣብ ቤቱ እተወሰነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ክሓብእ ፈቒዱለይ ነይሩ። እቲ ሽዑ እተኣከበ ሒደት ጽሑፋት ብመንፈሳዊ መዳይ ንኽብርትዕ ሓገዘኒ። ኵሉ ድሌተይ ተማልአ: ስለዚ እቲ ውግእ ክሳዕ ዚዛዘም ኣብቲ ሕርሻ ኽጸንሕ ወሰንኩ።

ኣብ ኣኽራን ተሓባእኩ

ይኹን እምበር: እተን ናጽነት ዝረኸብኩለን መዓልታት ሓጸራ። ኣብ መፋርቕ ነሓሰ 1943 ናብ ናይ ወተሃደራት ዶክተር ከይደ ናይ ሕክምና ምርመራ ኽገብር ተኣዘዝኩ። እቲ ዶክተር ከኣ መጀመርያ ኣብ ሕቘይ ሽግር ስለ ዘሎኒ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ዘይበቅዕ ጸሓፈ። ድሕሪ ሰሙን እቲ ዶክተር ባዕሉ “ኣብ ግንባር ከይዱ ንምውጋእ ብቑዕ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ንቕሩብ እዋን ካብቲ ሰራዊት ተሓባእኩ: ኰይኑ ግን ኣብ 17 ሚያዝያ 1945 እቲ ውግእ ቅድሚ ምብቃዑ ተረኸብኩ። ኣብ ግምባር ከይደ ኸገልግል ከኣ ተኣዘዝኩ።

ሒደት ክዳውንትን ምግብን ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስን ሒዘ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝነበረ ኣኽራን ተሓባእኩ። ፈለማ ኣብ ደገ እድቅስ ነበርኩ ደሓር ግን ኵነታት ኣየር እናኸፍአ ኸደ: ምስኡ ኸኣ ቍመቱ ፍርቂ ሜተር ዝዀነ ዅምራ በረድ ወረደ። ምሉእ ነብሰይ ድማ ኣጠልቀየኒ። ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ዳርጋ ኣብ 1,200 ሜተር ብራኸ እትርከብ ኣብቲ ኸረን ዝነበረት ሓንቲ ጎጆ ኣተኹ እሞ በቲ ኣብኡ ዝረኸብክዎ እተጐሃሃረ ሓዊ ነብሰይን ክዳውንተይን ኣንቀጽኩ። ኣዝየ ደኺመ ስለ ዝነበርኩ ኣብቲ ጥቓ እቲ ሓዊ ኣብ ዝነበረ ርቦ ደቀስኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግን ብርቱዕ ቃንዛ ኣበራበረኒ። ለከ ሓዊ እየ ዝነድድ ነይረ! ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ኣብ መሬት ተንከባለልኩ። ዝባነይ ብምሉኡ ማይ መዓጐ።

ዋላ እውን ክትሓዝ እኽእል እንተ ነበርኩ: ኣጋ ወጋሕታ ናብታ ሕርሻ ተመለስኩ። ሰበይቲ እቲ ሓረስታይ ግን ስለ ዝፈርሀት: ብብርቱዕ እድለ ኸም ዘለኹ ነጊራ መለሰትኒ። ስለዚ: ናብ እንዳ ወለደይ ከድኩ። ንሳቶምውን ፈለማ ንኸእትዉኒ ፈርሁ: ደሓር ግን ኣብ መኽዘን ሓሰር ኣደቀሱኒ: ኣደይ ከኣ ንቝስለይ ሓጸበትለይ። ክልተ መዓልቲ ኣብኡ ድሕሪ ምጽንሐይ: ንወለደይ ስለ ዘጨነቖም እንደገና ናብቲ ኣኽራን ክሕባእ ከድኩ።

ኣብ 5 ግንቦት 1945 ብርቱዕ ድምጺ ኣበራበረኒ። ቅንዕ ኢለ ነፈርቲ ጥሙራት ሓይልታት ትሕት ኢለን ክነፍራ ኸለዋ ረኣኹ። ሽዑ ስርዓት ሂትለር ከም እተገምጠለ ተረድኣኒ። መንፈስ የሆዋ ነቲ ንምእማኑ ዜጸግም ከቢድ ፈተና ንኽዋጽኣሉ ኣበርትዑኒ እዩ። ሓቅነት እቲ ኣብ መዝሙር 55:22 ዘሎ ቓላት ኣረጋጊጸ እየ: ከመይሲ ኣብ እዋን መከራይ ኣጸናኒዑኒ እዩ። ‘ጾረይ ናብ የሆዋ ደርብየ’ እየ: ንሱ ኸኣ ብስጋ ድኹም ክነሰይ “ብርባርባ ድነ ሞት” ጸኒዐ ንክኸይድ ሓገዘኒ።—መዝሙር 23:4

ሓይሊ የሆዋ “ብድኻም እዩ ዚፍጸም”

እቲ ውግእ ምስ ኣብቅዐ: ቀስ ብቐስ ኵነታት ናብ ቀደሙ ተመልሰ። ፈለማ ኣብቲ ናይ ዓርከይ ሕርሻ ተቘጺረ ኽሽቅል ጀመርኩ። ኣብ ሚያዝያ 1946 ሰራዊት ሕ.መ.ኣ. ምስ ኣተወ: ካብቲ ምሉእ ህይወተይ ኣብ ሕርሻ ንኽሽቅል ኣትየዮ ዝነበርኩ ግዴታ ናጻ ዀንኩ።

ድሕሪ እቲ ውግእ ኣብ ባት ኢሽልን ከባቢኡን ዚርከቡ ክርስትያን ኣሕዋት ኣዘውቲሮም ኣኼባታት ኪገብሩ ጀመሩ። ብእተሓደሰ ሓይሊ እውን ኪሰብኩ ጀመሩ። ኣብ ሓደ ፋብሪካ ለይቲ ለይቲ ሓላዊ ዀይነ ብምስራሕ ፓይነር ኰይነ ምግልጋለይ ቀጸልኩ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ከተማ ሰይንት ቮልፍጋንግ ክቕመጥ ጀመርኩ። ብ1949 ከኣ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሓዳራ ውላድ ንዘላታ ቴሬዚያ ኩርጽ ተመርዓኹ። ክሳዕ እቲ ብ1981 ዝሞተትሉ እዋን ምስታ ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤተይ ን32 ዓመት ሓቢርና ነበርና። ካብ ሸውዓተ ዓመት ንላዕሊ ንዚኸውን እዋን ኣለኹዋ።

ድሕሪ ሞት ቴሬዚያ ኸም ብሓድሽ ፓይነር ኰይነ ምግልጋለይ ንኽጸናናዕ ሓጊዙኒ እዩ። ሕጂ ኣብ ባት ኢሽል እትርከብ ጉባኤይ ሽማግለን ፓይነርን ኰይነ አገልግል ኣለኹ። ብብሽክለታ ስንኩላን ስለ ዝንቀሳቐስ: ኣብ ባት ኢሽል ኣብ ዚርከብ መናፈሻን ኣብ ኣፍደገ ገዛይን ኰይነ ንሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረት ጽሑፋት እዕድል: ከምኡውን ብዛዕባ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ እነግሮም። እቲ ዝገብሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምይይጥ ዓብዪ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣለይ።

ንድሕሪት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ: እቲ ዘሕለፍክዎ ዜስካሕክሕ ኵነታት ኣየመርረንን እዩ። ልክዕ እዩ: ብሰንኪ እቲ ፈተናታት ተስፋ ዝቘረጽኩሉ እዋናት ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎኒ ናይ ማሕርሮ ርክብ ነዚ ጽንኩር እዋን ንኽዋጽኣሉ ሓጊዙኒ እዩ። ሓቅነት እቲ ጐይታ ንጳውሎስ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም” ዝበሎ ኣብ ህይወተይ ርእየዮ እየ። ሕጂ ዳርጋ 100 ዓመት ገይረ ኣለኹ: ኣነውን ልክዕ ከም ጳውሎስ “ምስ ዝደክም: ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ: ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም: ብጸርፊ: ብሓሳር: ብምስጓጒ: ብጸበባ እሕጐስ እየ” ክብል እኽእል እየ።—2 ቈረንቶስ 12:10

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሚያዝያ 1939 ብጌስታፖ ምስ ተተሓዝኩ

ኣብ ግንቦት 1939 እተሳእለ ነቲ እተኸሰስኩሉ ኽሲ ዝሓዘ ሰነድ ጌስታፖ

[ምንጪ ስእሊ]

Both images: Privatarchiv; B. Rammerstorfer

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ኸባቢ ኣብ ዝነበረ ኣኽራን ተሓባእኩ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Foto Hofer, Bad Ischl, Austria