ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍሉይ ብዝዀነ መገዲ እተዓወተት

ፍሉይ ብዝዀነ መገዲ እተዓወተት

ፍሉይ ብዝዀነ መገዲ እተዓወተት

ብሰንኪ እምነትካ ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ስድራቤት: ወይ ከኣ መንግስቲ ብዝገበሮ ቐይድታት ምኽንያት ምጽራር የጋጥመካዶ ኣሎ፧ ከምዚ የጋጥመካ እንተልዩ: ኣጆኻ። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመሳሳሊ ፈተናታት ኣጋጢምዎም ብዓወት ተዋጺኦምሉ እዮም። ናይ ሓንቲ ኤርና ሉዶልፍ እትብሃል ኣብነት እስከ ንርአ።

ኤርና ብ1908 ኣብ ሉበክ: ጀርመን እያ ተወሊዳ። ካብ ስድራቤታ ንሳ ጥራይ ንየሆዋ ተገልግል ነበረት። ብ1933 መንግስቲ ሂትለር ስልጣን ምስ ሓዘ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ፈተናታት ኬጋጥሞም ጀመረ። እቶም መሳርሕቲ ኤርና ዝነበሩ ንሂትለር ሰላምታ ኣይትህብን እያ ብምባል ኪኸስዋ ጀመሩ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣባላት ናዚ ኣሰርዋ። ንሸሞንተ ዓመት ኣብ እተፈላለየ ኣብያተ-ማእሰርትን ኣብ ሃምቡርግ-ፉልስብቲል: ሞሪንገን: ሊሽተንበርግ: ከምኡውን ራቫንስበርክ ኣብ ዚርከብ መዳጐኒ ደምበታትን ተኣስረት። ኤርና ኣብ ራቫንስበርክ ተኣሲራ ኸላ ዓወት እትረኽበሉ ኣጋጣሚ ተፈጥረ።

ንፍዕቲ ሰራሕተኛ ገዛ

ፕሮፌሰር ፍሬድሪኽ ሆልጽን ብዓልቲ ቤቱ ኣሊስን ኣብ በርሊን ይነብሩ ነበሩ። ኣባላት ናዚ ኣይነበሩን ነቲ ስነ-ሓሳብ እውን ኣይድግፍዎን እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ሓደ ኣብ እተወሰነ መዳጐኒ ደምበታት ንእተኣስሩ ዚቈጻጸር ብዓል ስልጣን ኤስ.ኤስ. ዘመድ ነበሮም። ስለዚ: እቲ ፕሮፌሰርን ሰበይቱን ሰራሕተኛ ገዛ ምስ ደለዩ ሓንቲ ኻብተን እሱራት መሪጾም ኪወስዱ ፈቐደሎም። ኣብ መጋቢት 1943 ከኣ ኣሊስ ንኽትመርጽ ናብ ራቫንስበርክ ከደት። ንመንከ መረጸት፧ ንኤርና ሉዶልፍ። በዚ ኸኣ ኤርና ምስቶም ብጽቡቕ ዝሓዝዋ ስድራቤት ሆልጽ ክትነብር ጀመረት። እቲ ውግእ ምስ ኣብቅዐ ድማ ምስታ ስድራቤት ብሓባር ናብታ ኣብ ሩባ ዛላ እትርከብ ከተማ ሃላ ገዓዘት። ኣብኡውን ካብቶም ኣብ ምዕራብ ጀርመን ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን ስርዓት ሶሻሊስት ምጽራር ኣጋጠማ። ብ1957 ንኤርና ሓዊስካ እታ ስድራ ብምልእታ ብግዲ ናብ ምብራቕ ጀርመን ገዓዘት። በዚ ኸኣ ኤርና ንኣምልኾኣ ናጽነት ረኸበት።

ከመይ ኢላ እያ ደአ እሞ ፍሉይ ብዝዀነ መገዲ እተዓወተት፧ በቲ ሰናይ ግብራን በቲ ብዛዕባ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሮ ውሕሉል ስብከታን ኣሊስያ ሆልጽ ምስ ሓሙሽተ ደቃ እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ብተወሳኺ ኸኣ 11 ደቂ ደቂ ኣሊስያ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ካብዚኣቶም እቶም ክልተ ኣብ ሰልተርስ: ጀርመን: ኣብ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር የገልግሉ ኣለዉ። ሓንቲ ሱዛና እትበሃል ጓል ኣሊስያ “ኣብነት ኤርና እዩ ንስድራቤትና ናብ ሓቂ ዘምጸኣ” በለት። ኤርና ብምጽናዓ ብዙሕ ተባረኸት። ንስኻኸ፧ እቲ ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እተርእዮ ጽንዓት ተመሳሳሊ ዓስቢ የምጽኣልካ ይኸውን። እወ: ሰናይ ግብርን ውሕሉል ስብከትን ዕዉት ንኽትከውን ይሕግዘካ እዩ። a

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እናተዳለወት ከላ: ኤርና ሉዶልፍ ኣብ 96 ዓመታ ዓሪፋ። ክሳዕ መወዳእታ ተኣማንነታ ሓልያ እያ ሞይታ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኤርና ሉዶልፍ (ኮፍ ኢላ ዘላ) ምስ ኣባላት ስድራቤት ሆልጽ እተሳእለቶ