ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ልቦና ዚውሕድ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ልቦና ዚውሕድ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ልቦና ዚውሕድ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ደ ኻብቶም ተዓዘብቲ “ኣታ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ከምዚ ኺገብር እኮ የብሉን” በለ። ሓደ ኻልእ ድማ ርእሱ እናነቕነቐ “ልቦና እንተ ዚህልዎ ነይሩ: ከምዚ ኣይምገበረን” በለ። ምስዚ ዚመሳሰል ሓሳባት ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ንምዃኑ ግን “ልቦና” እንታይ እዩ፧

እታ “ልቦና” እትብል ቃል ብመሰረት ልሳነ ኣግዓዚ ዘእም ግርማ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት ትግርኛ “ቀልቢ፥ ኣእምሮ፥ ፍልጠት፥ ምስትውዓል” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ነቲ ሓደ ሰብ ብምስትውዓል ንኼመዛዝንን ንኺውስንን ዘለዎ ኽእለት ድማ ተመልክት። ስለዚ ድማ ልቦና ኺበሃል ከሎ ንናይ ምሕሳብ ክእለትና ኽንጥቀመሉ ኣሎና ማለት እዩ። ብዙሓት ሰባት ግን ካልኦት ኪሓስቡሎም እዮም ዚደልዩ። ኣብ መራኸቢ ብዙሓን: ኣብ መዛኑኦም: ወይ ኣብ ህቡብ ዝዀነ ኣረኣእያ ተመርኲሶም ከኣ ውሳነ ይገብሩ።

ኣብ ዓለም ልቦና ዘለዎ ሰብ ይውሕድ ስለ ዘሎ: ሓደ ሰብኣይ ‘ከም ሓቂ ልቦና ኣመና ይውሕድ እዩ ዘሎ’ በለ። ብኸመይ ኢና ልቦና ኸነጥሪ እንኽእል፧ እዚኸ እንታይ ረብሓታት ኣለዎ፧

ብኸመይ ኢና እነጥርዮ፧

ጽቡቕ ምምዝዛን ወይ ልቦና ንምጥራይ ግዜ ዚወስድ እኳ እንተዀነ: ብዙሕ ምስ እትሓስብን ብቐጻሊ ጻዕሪ ምስ እትገብርን ግን ኪብጻሕ ይከኣል እዩ። ልቦና ንኸነጥሪ ዜኽእለና ሰለስተ ረቛሒታት እስከ ንርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ: ዚህቦ ምኽሪ ድማ ስዓብ። መጽሓፍ ቅዱስ ብብሉጽ ቋንቋን ብንጹር ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ስለ እተጻሕፈ: ጥበብን ልቦናን ንኸነጥሪ ዚሕግዘና ብሉጽ መጽሓፍ እዩ። (ኤፌሶን 1:8) ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ሓቂ ዘበለ: ርዝነት ዘለዎ ዘበለ: ቅኑዕ ዘበለ: ንጹህ ዘበለ: ተፈታዊ ዘበለ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ: ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ: ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ: ብእኡ ሕሰቡ” ኢሉ ተላበዎም። (ፊልጲ 4:8) ነዚ ማዕዳ እዚ ወትሩ ንስዕቦ እንተደኣ ዄንና: መመዛዘንትን ብልህታትን ኢና እንኸውን።

ካብ ተመክሮ ተምሃር። ሓደ ስዊዘርላንዳዊ ገጣሚ ንልቦና ምስ ኣብ ህይወት ዚርከብ ተመክሮ ኼተሓሕዞ ኸሎ “ልቦና . . . ብተመክሮን ኣርሒቕካ ብምርኣይን ይቐውም” በለ። እወ: “ገርሂ [“ተመክሮ ዘይብሉ:” NW] ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን: ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን።” (ምሳሌ 14:15) ልቦና ብምዕዛብን ብስልጠናን ብተመክሮን ኪምዕብል ይኽእል እዩ። እንገብሮ ነገራት ምስ ግዜ ኸነመሓይሽ ንኽእል ኢና። ካብ ጌጋታትና ንኽንመሃር ግን ትሕትና ኽትህልወና ኣለዋ። እቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ሰባት ዚንጸባረቕ ዘሎ ጃህራን ትዕቢትን ድርቅናን ልቦና ኸም ዚጐድሎም እዩ ዚሕብር።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ። ኣዕሩኽና ብጥበብን ብልቦናን ንኽንመላለስ ይሕግዙና ወይ ዕንቅፋት ይዀኑና እዮም። ምሳሌ 13:20 “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ትብል። እቶም ንኣምላኽ ዘይእዘዝዎን ቃሉ ዕሽሽ ዚብሉን ሰባት ዘለዎም ኣረኣእያ ወይ ሓሳባት ክንቅበል የብልናን። ምሳሌ 17:12 ነዚ ኽትገልጾ ኸላ “ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዚጓነፈካስ: ኰራኵራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽትጓነፈካ ይሐይሽ” ትብል።

እንታይ ረብሓ እዩ ዘለዎ፧

ልቦና ምጥራይ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ንህይወትና ባህ ዜብል ይገብራ: ግዜ እውን ይቝጥበልና። ከይሓሰብካ ዚግበር ነገራት ካብ ዜስዕቦ ጓሂ ይሰትረና። እቶም ልቦና ዚውሕዶም ሰባት: ህይወት ትኸብዶም እያ። መጽሓፍ ቅዱስ “ዓሻ . . . ጻዕሩ የድክሞ” ይብል። (መክብብ 10:15) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ኵሉ ሳዕ ዚጽዕሩን ዚደኽሙን እኳ እንተዀኑ: ዚረብሕ ነገር ግን ኣይፍጽሙን።

መጽሓፍ ቅዱስ ንጽሬት: ምርድዳእ: ትግሃት: ድኽነት ምጻር: ከምኡውን ንሓያሎ ኻልእ መዳይ ህይወት ብዚምልከት ኣኺሉ ዚተርፍ ማዕዳ ይህብ እዩ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነቲ ጥበብ ኬንጸባርቑ ዚሕግዞም ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብዘውዓልዎ መጠን ኣሳልጦ ኸም ዚረኽቡ ይምስክሩ እዮም።

ልቦና ዝርዝር መምርሒታት ወይ ሕግታት ካብ ምስዓብ ንላዕሊ ንኽንገብር የኽእለና። ሓላፍነትና ንኽንፍጽም ይሕግዘና። ይኹን እምበር: ልቦና ስለ ዘሎና ፍልጠት ካብ ምድላብ ከነቋርጽ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ምሳሌ 1:5 “እቲ ጠቢብ . . . ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ” ትብል። በቲ ዝኣከብናዮ ሓበሬታ ተጠቒምና ኣብ ግቡእ መደምደምታ ብኸመይ ከም እንበጽሕ እውን ክንመሃር ኣሎና። እዚ ኸኣ ‘ብጥበብ ንኽንመላለስ’ ይሕግዘና።—ምሳሌ 28:26

ዓቕምኻ ምፍላጥ ምስ ልቦና ኣጸቢቑ ይተሓሓዝ እዩ። ብዙሕ ሓላፍነት ክንስከም እኳ እንተ ደለና: ከነመዛዝንን ዓቕምና ኽንፈልጥን ኣሎና። ልክዕ እዩ: ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዕዮ ጐይታ . . . ዕዙዛት” ክንከውን ይነግረና እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:58) ነዚ ማዕዳ እዚ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸለና ግን ነቲ “ካብ ምዉት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሐይሽ” ዚብል ኣብ መክብብ 9:4 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት እውን ብምስዓብ ሚዛንና ኽንሕሉ ኣሎና። ንየሆዋ ኸነገልግል ከለና: ንጥዕናና ንጥንቀቕ እንተደኣ ዄንና: ንዝነውሐ ግዜ ኽንነብርን ንጡፋት ክንከውንን የኽእለና እዩ። ልቦና ሚዛናውያን ንኽንከውን: ሓጐስና ኸየጥፋእና ድማ ኣድላዪ ነገራት ንኽንፍጽም የኽእለና። እወ: ልቦና ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያሎ ጥዑይ ማዕዳ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ልቦና ብምዕዛብን ብስልጠናን ብተመክሮን ኪጥረ ይከኣል