ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ዳዊትን ባትሴባን ዝሙት ፈጺሞም ክነሶም: ወዶም ኪመውት ከሎ ንሳቶም ዘይሞቱ ስለምንታይ እዮም፧

ሕጊ ሙሴ “ሰብኣይ ምስ ምርዕውቲ ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረኽበ: እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ” ብምባል ይእዝዝ። (ዘዳግም 22:22) የሆዋ ኣምላኽ ንጕዳይ ዳዊትን ባትሴባን ብሰብኣውያን ፈረድቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ንኺርአ እንተ ዚፈቅድ ነይሩ: እዞም ኣበሰኛታት ሰብኣይን ሰበይትን ብሞት ምተቐጽዑ ነይሮም። እቶም ፈረድቲ ልቢ ሰብ ኬንብቡ ስለ ዘይክእሉ: ኣብቲ እቲ ኣበሰኛ ሰብ ዘርኣዮ ጭቡጥ ተግባራት ተመርኲሶም እዮም ፍርዲ ዚህቡ። ዝሙት ምፍጻም ብሞት ዜቕጽዕ ነበረ። እቶም እስራኤላውያን ፈረድቲ ነዚ ኸምዚ ዝዓይነቱ ሓጢኣት ምሕረት ኪገብሩ ስልጣን ኣይነበሮምን።

ብኻልእ መልክዕ ኪርአ ኸሎ: እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ልቢ ሰብ ኬንብብ ስለ ዚኽእል ምሕረት ንምግባር ዜኽእል መሰረት እንተ ርእዩ: ይቕረ ኺብል ይኽእል እዩ። እቲ ጕዳይ ነቲ ቓል ኪዳን መንግስቲ ዝኣተወሉ ዳዊት ዚምልከት ብምንባሩ: የሆዋ ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ባዕሉ ኺርእዮ መረጸ። (2 ሳሙኤል 7:12-16) ‘ፈራድ ኵላ ምድሪ’ ብምዃኑ ኸምዚ ዓይነት ምርጫ ኺገብር መሰል ኣለዎ።—ዘፍጥረት 18:25

የሆዋ ንልቢ ዳዊት ኪምርምር ከሎ እንታይ ኣስተውዓለ፧ መበል 51 መዝሙር ንስምዒት ዳዊት እተንጸባርቕ መዝሙር ኰይና: እቲ ኣብ መእተዊ ዘሎ ጽሑፍ “ድሕሪ ናብ ባትሴባ ምእታዉ ነብዪ ናታን ምስ መጾ: ዝበሎ መዝሙር” ብምባል ይጅምር። መዝሙር 51:1-4 ከምዚ ትብል:- “ዎ ኣምላኽ: ከም ሳህልኻ ምሐረኒ: ከምቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ: ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ። ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ: ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። ብዘረባኻ ጻድቕ: ብፍርድኻውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ: ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ: ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።” ስለዚ: የሆዋ ነዞም ኣበሰኛታት ምሕረት ኪገብረሎም ዝኸኣለ: እቲ ኣብ ልቢ ዳዊት ዝረኣዮ ጣዕሳ: ናይ ሓቂ ነስሓ ኸም ዘርኣየ መርትዖ ስለ ዝዀኖ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ዳዊት ንባዕሉ መሓሪ ሰብ እዩ ነይሩ: የሆዋ ድማ ንኸምዚ ዓይነት ሰብ ምሕረት የርኢ እዩ። (1 ሳሙኤል 24:5-8adj.፣ ማቴዎስ 5:7፣ ያእቆብ 2:13) ስለዚ: ሓጢኣቱ ምስ ተኣመነ: ናታን “እግዚኣብሄር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ: ኣይትመውትን ኢኻ” በሎ።—2 ሳሙኤል 12:13

ዳዊትን ባትሴባን ካብ ሳዕቤን ሓጢኣቶም ምሉእ ብምሉእ ኣየምለጡን። ናታን “በዚ ነገር እዚ [“ንየሆዋ ብርግጽ ስለ ዝነዓቕካዮ:” NW] እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ርግጽ ኪመውት እዩ: በሎ።” ዋላኳ ዳዊት ሾብዓተ መዓልቲ ብጾምን ሓዘንን እንተ ኣሕለፎ: እቲ ቘልዓ ኣዝዩ ተወጽዐ: ኣብ መወዳእታ ድማ ሞተ።—2 ሳሙኤል 12:14-18

ኣብ ዘዳግም 24:16 “ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይሙቱ: ደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱ” ዚብል ትእዛዝ ስለ ዘሎ: ናይቲ ቘልዓ ሙማት ዘይወሓጠሎም ሰባት ኣለዉ። እቲ ጕዳይ ብሰብኣውያን ፈረድቲ ተራእዩ ነይሩ እንተ ዚኸውን ግን እቶም ወለድን እቲ ኣብ ማሕጸን ዝነበረ ቘልዓን ከም ዚሞቱ ኽንርስዕ የብልናን። እቲ ቘልዓ ሙማቱ: ዳዊት እቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘጕሃዮ ኣጸቢቑ ንኺርዳእ ሓጊዝዎ ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ “መገዱ ፍጽምቲ እያ:” ስለዚ: ነቲ ጕዳይ ፍትሓዊ ብዝዀነ መገዲ ኸም ዝሓዞ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—2 ሳሙኤል 22:31

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ናይ ሓቂ ነስሓ ኣርኣየ