ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መገድታት የሆዋ ምፍላጡ

መገድታት የሆዋ ምፍላጡ

መገድታት የሆዋ ምፍላጡ

“መገድኻ ኣፍልጠኒ።”ዘጸኣት 33:13

1, 2. (ሀ) ሙሴ: ሓደ ግብጻዊ ንሓደ እብራዊ ኼጋፍዖ ምስ ረኣየ: ስጕምቲ ዝወሰደ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሙሴ ነገልግሎት የሆዋ ዚምሽእ ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ኪመሃር ነበሮ፧

 ሙሴ ኣብ ቤት ፈርኦን እዩ ዓብዩ: ግብጻውያን ገዛእቲ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ጥበብ እውን ተማሂሩ እዩ። ይኹን እምበር: ግብጻዊ ዘይምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ካብ እብራውያን እዩ ተወሊዱ። ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ: እቶም ደቂ እስራኤል ኣሕዋቱ ኸመይ ከም ዘለዉ ኺምርምር ወጸ። ሓደ ግብጻዊ ንሓደ እብራዊ ኼጋፍዖ ምስ ረኣየ: ስቕ ኢሉ ኣይሓለፈን። ነቲ ግብጻዊ ቐተሎ። ሙሴ ምስ ህዝቢ የሆዋ ወገነ: ኣምላኽ ነሕዋቱ ምድሓን ንኼምጽኣሎም ይጥቀመሉ ዘሎ ድማ መሰሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:21-25፣ እብራውያን 11:24, 25) እዚ ነገር እዚ ኣብ ቤት ፈርኦን ምስ ተፈልጠ: ንሙሴ ኸም ዓለወኛ ገይሮም ረኣይዎ: ንሱውን ህይወቱ ንኼድሕን ኪሃድም ነበሮ። (ዘጸኣት 2:11-15) ኣምላኽ ንሙሴ ኺጥቀመሉ እንተደኣ ዀይኑ: ንመገድታት የሆዋ ብዝያዳ ኺፈልጦ ነበሮ። ሙሴ ነዚ ትምህርቲ እዚ ዚቕበል ሰብ ድዩ ነይሩ፧—መዝሙር 25:9

2 ኣብ ዚቕጽል 40 ዓመት: ሙሴ ጓሳ ዀይኑ ኣብ ዓዲ ጓና ተቐመጠ። እቶም እብራውያን ኣሕዋቱ ኣኽቢሮም ስለ ዘይረኣይዎ: ኣብ ክንዲ ዚምረር: ነቲ ኣምላኽ ዝፈቐዶ ነገር ተቐበሎ። ንሓያሎ ዓመታት ዋላ ሓንቲ ተፈላጥነት እኳ እንተ ዘይነበሮ: የሆዋ ንኪቐርጾ ግን ፈቐደ። ጸኒሑ “ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ትሕትና ዝመልኦ ሰብ ነበረ” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ: ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ደኣሉ እምበር ንርእሱ ኣይኰነን ዜኽብር ነይሩ። (ዘሁልቍ 12:3 ትርጕም 1990) የሆዋ ንሙሴ ሓለፍ ብዝበለ መገዲ ተጠቒሙሉ እዩ። ንሕናውን ትሕትና እንተ ደሊና: የሆዋ ኺባርኸና እዩ።—ጸፎንያስ 2:3

መዝነት ተዋህቦ

3, 4. (ሀ) የሆዋ ንሙሴ እንታይ መዝነት እዩ ዝሃቦ፧ (ለ) ንሙሴ እንታይ ደገፍ እዩ እተዳለወሉ፧

3 ሓደ መዓልቲ ንየሆዋ ወኪሉ ዝመጸ መልኣኽ ንሙሴ ኣብቲ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲና ዚርከብ ከረን ሆሬብ ኣዘራረቦ። ከምዚ ድማ በሎ:- “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ: ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ: እቲ ብሰሪ መጨነቕቶም ዜእውይዎ ኸኣ ሰሚዔ አሎኹ። ስለዚ ኻብ ኢድ ግብጻውያን ከድሕኖም ወሪደ አሎኹ: ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ: . . . ከደይቦም እየ።” (ዘጸኣት 3:2, 7, 8) ኣብዚ ኣምላኽ ንሙሴ ሓደ ዕዮ ኣዳለወሉ፣ ኰይኑ ግን: እዚ ዕዮ እዚ ምስ መገዲ የሆዋ ብምስምማዕ እዩ ኺፍጸም ነይርዎ።

4 መልኣኽ የሆዋ ቐጺሉ “ሕጂ ንዓ: ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸተውጽኦም: ናብ ፈርኦን ክልእከካ እየ” በሎ። ሙሴ ተወላወለ። ብቕዓት ዘለዎ ዀይኑ ኣይተሰምዖን: ከም ሓቂ እውን ብርእሱ ብቕዓት ኣይነበሮን። የሆዋ ግን “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ” ኢሉ ኣረጋገጸሉ። (ዘጸኣት 3:10-12) የሆዋ ንሙሴ ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ከም እተላእከ ንምእማን ዜገልግል ትእምርቲ ኺገብር ሓይሊ ሃቦ። ኣሮን ሓዉ ኣፈኛኡ ምእንቲ ኪኸውን ምስኡ ኪኸይድ ነበሮ። የሆዋ ኸኣ እንታይ ኪብሉን እንታይ ኪገብሩን ከም ዘለዎም ኪምህሮም ምዃኑ ነገሮም። (ዘጸኣት 4:1-17) ሙሴ ነዚ መዝነቱ እዚ ብተኣማንነት ይፍጽም ደዀን ይኸውን፧

5. እስራኤላውያን ዝነበሮም ኣረኣእያ ንሙሴ ዚብድሆ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

5 ዓበይቲ እስራኤል ፈለማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣመንዎም። (ዘጸኣት 4:29-31) ነዊሕ ከይጸንሑ ግን “እቶም መዕየይቲ ደቂ እስራኤል” ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን “ጨናና ኣኽፋእኩም” ኢሎም ከሰስዎም። (ዘጸኣት 5:19-21፣ 6:9) እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ንምውጻእ ኣብ ዚጓዓዙሉ እዋን: ሰረገላታት ግብጺ ኺስዕብዎም ብምርኣዮም ፈርሁ። ብቕድሚኦም ቀይሕ ባሕሪ: ብድሕሪኦም ከኣ ሰረገላታት ውግእ ብምንባሩ: ኣብ መቐራቕሮ ዝኣተዉ ዀይኑ ተሰምዖም: ንሙሴ ኸኣ በዚ ተሓታቲ ገበርዎ። ንስኻ እንተ ትኸውን: እንታይ ምገበርካ፧ እስራኤላውያን ጀላቡ እኳ እንተ ዘይነበሮም: ሙሴ ብትእዛዝ የሆዋ ነቶም ህዝቢ ኣቓሑኦም ጠቕሊሎም ኪነቕሉ ነገሮም። ድሕሪኡ ኣምላኽ ንቐይሕ ባሕሪ ገልሆ: እስራኤላውያን ምእንቲ ኺሓልፉ ድማ ነቲ ባሕሪ ኣንቀጾ።—ዘጸኣት 14:1-22

ካብ ሓርነት ንላዕሊ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳይ

6. የሆዋ ንሙሴ ኺምዝዞ ኸሎ እንታይ እዩ ዘጕልሐ፧

6 የሆዋ ንሙሴ ኺምዝዞ ኸሎ: ኣገዳስነት እቲ መለኮታዊ ስም ኣጕሊሑሉ ነይሩ። እቲ ስም እትን እቲ ንሱ ዝወከሎን ብኣኽብሮት ኪርአ ነበሮ። ሙሴ ንየሆዋ ብዛዕባ ስሙ ምስ ሓተቶ: “ከምቲ ክዀኖ ዘሎኒ ክኸውን እየ” ኢሉ መለሰሉ። ብተወሳኺውን ሙሴ ንደቂ እስራኤል “የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም: ኣምላኽ ኣብርሃም: ኣምላኽ ይስሃቅ: ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለኣኸኒ” ኢሉ ኺነግሮም ነበሮ። የሆዋ ኣስዕብ ኣቢሉ “እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ: ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ” በለ። (ዘጸኣት 3:13-15 NW) ሕጂውን እንተዀነ: ኣምላኽ ኣብቶም ኣብ መላእ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ ዚፍለጠሉ ስም: የሆዋ ዚብል እዩ።—ኢሳይያስ 12:4, 5 NW፣ 43:10-12 NW

7. ፈርኦን ዕቡይ እኳ እንተ ነበረ: ኣምላኽ ንሙሴ እንታይ ኪገብር እዩ ዝነገሮ፧

7 ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ብምቕራብ መልእኽቶም ብስም የሆዋ ኣቕረቡሉ። ፈርኦን ግን ብትዕቢት “እቲ ቓሉ ሰሚዔ ንእስራኤል ዝሐድግሲ: እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥ: ንእስራኤል ከኣ ኣይሐድግ” በለ። (ዘጸኣት 5:1, 2) ፈርኦን ተሪር ዝልቡን መታለልን ኰነ: የሆዋ ግን ንሙሴ ብተደጋጋሚ መልእኽቲ ኼብጽሓሉ ኣዘዞ። (ዘጸኣት 7:14-16, 20-23፣ 8:1, 2, 20) ፈርኦን ሓሪቑ ኸም ዝነበረ ሙሴ ኣስተውዒሉ ነይሩ። ምስኡ ኻብ ምፍጣጥ ጽቡቕ ፍረ ይርከብ ደዀን ይኸውን፧ እስራኤላውያን ሓራ ኺወጹ ተሃንጥዮም እዮም ነይሮም። ፈርኦን ከኣ ነቓጽ እዩ ነይሩ። ንስኻ እንተ ትኸውን: እንታይ ምገበርካ፧

8. የሆዋ ነቲ ንፈርኦን ዚምልከት ጕዳይ ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ረብሓ እዩ ኣምጺኡ፧ እዚ ፍጻመታት እዚኸ ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧

8 ሙሴ “እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል በሎ: ንህዝበይ ኬገልግሉኒ: ይኺዱ ሕደጎም” ብምባል ንፈርኦን እንደገና ኻልእ መልእኽቲ ኣብጸሓሉ። ብተወሳኺውን ኣምላኽ ንፈርኦን “ሕጂ ኸኣ ንስኻን ህዝብኻን ካብ ምድሪ ክትጸንቱስ: ኢደይ ዘርጊሔ ብፌራ ምወቓዕኩኻ ነይረ። ግናኸ ሓይለይ ከርእየካ: ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ: ብእኡ ምኽንያት ኣንበርኩኻ” በሎ። (ዘጸኣት 9:13-16) የሆዋ ኣብቲ ተሪር ዝልቡ ፈርኦን ብዜውርዶ ፍርዲ ኣቢሉ ንዅሎም ዚቃወምዎ ዘበሉ እንታይ ከም ዜጋጥሞም መጠንቀቕታ ኺህብ ዕላማ ገበረ። እዚ ኸኣ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ጸኒሑ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ዝጸውዖ ሰይጣን ድያብሎስ እውን የጠቓልል። (ዮሃንስ 14:30፣ ሮሜ 9:17-24) ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግረ: ስም የሆዋ ኣብ መላእ ዓለም ተፈልጠ። ብዓቕሉ ኸኣ ንእስራኤላውያንን ነቲ ምስኦም ኣብ ኣምልኾ ዝሓበረ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝብን ኣድሓነ። (ዘጸኣት 9:20, 21፣ 12:37, 38) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ስም ኣምላኽ ኪእወጅ ስለ ዝጸንሐ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓበሩ።

ንኣሸገርቲ ሰባት ዝሓዘሉ መገዲ

9. እቶም ሙሴ ዚመርሖም ዝነበሩ ህዝቢ ንየሆዋ ኣኽብሮት ከም ዘይብሎም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

9 እብራውያን ንመለኮታዊ ስም ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ሙሴ ኺዛረቦም ከሎ ነዚ ስም እዚ ይጥቀመሉ ነበረ። እንተዀነ ግን: ነቲ በዚ ስም እዚ ዚጽዋዕ ኣምላኽ ወትሩ ግቡእ ኣኽብሮት ኣየርእዩን እዮም ነይሮም። የሆዋ ንእስራኤላውያን ብተኣምራት ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: ዚስተ ማይ ብቕልጡፍ ኪረኽቡ ብዘይምኽኣሎም: ንሙሴ ኣጕረምረሙሉ። ድሕሪኡ ኸኣ ብዛዕባ ምግቦም ኣጕረምረሙ። ሙሴ እቲ ምጕርምራሞም ኣብኡን ኣብ ኣሮንን ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ የሆዋ ምዃኑ እውን ኣጠንቀቖም። (ዘጸኣት 15:22-24፣ 16:2-12) የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ ከረን ሲና ብልዕለ-ባህርያዊ ትርኢት ኣሰንዩ እቲ ሕጊ ሃቦም። እቶም ህዝቢ ግን እተዋህቦም ትእዛዝ ብምጥሓስ ንኣምልኾ ዚኸውን ወርቂ ምራኽ ሰርሑ: “ንእግዚኣብሄር በዓል” ከም ዝዀነ ገይሮም ድማ ኣቕረብዎ።—ዘጸኣት 32:1-9

10. ኣብ ዘጸኣት 33:13 ተመዝጊቡ ዚርከብ ሙሴ ዘቕረቦ ለመና: ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ዜገድሶም ስለምንታይ እዩ፧

10 ሙሴ ነቶም የሆዋ ባዕሉ ተሪር ክሳድ ኢሉ ዝገለጾም ህዝቢ ብኸመይ እዩ ኺሕግዞም ነይርዎ፧ ሙሴ ንየሆዋ “እምበኣርሲ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ: ምእንቲ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ ክረክብ: በጃኻ መገድኻ ኣፍልጠኒ” ኢሉ ለመኖ። (ዘጸኣት 33:13) ክርስትያን ሽማግለታት ካብ እስራኤላውያን ብዝያዳ ትሕትና ንዘለዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ዚጓስዩ። እንተዀነ ግን: ንሳቶምውን ብተመሳሳሊ “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: መገድታትካ ምሀረኒ” ኢሎም ይጽልዩ እዮም። (መዝሙር 25:4) መገድታት የሆዋ ምፍላጦም: ንዜጋጥሞም ኵነታት ምስ ቃል ኣምላኽን ባህርያቱን ተሰማሚዖም ንኺሕዝዎ የኽእሎም።

የሆዋ ኻብ ህዝቡ ዚጽበዮ ነገር

11. የሆዋ ንሙሴ እንታይ ስርዓታት እዩ ዝሃቦ፧ እዚ ንዓና ዜገድሰናኸ ስለምንታይ እዩ፧

11 የሆዋ ኻብ ህዝቡ ዚጽበዮ ነገር ኣብ ከረን ሲና ብቓል ተነጊሩ ነይሩ። ሙሴ ጸኒሑ ዓሰርተ ትእዛዛት እተጻሕፈለን ክልተ ጽላት ተቐበለ። ካብቲ ኸረን ኪወርድ ከሎ: እስራኤላውያን ምራኽ ኬምልኹ ረኣዮም እሞ: ብሕርቃን ነቲ ጽላት ደርብዩ ሰበሮ። የሆዋ ኣብቲ ሙሴ ዝጸረቦ ጽላት እምኒ እንደገና ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ቀረጸን። (ዘጸኣት 32:19፣ 34:1) እዘን ትእዛዛት እዚኣተን ካብቲ መጀመርታ እተዋህባሉ ግዜ ኣትሒዘን ኣይተቐየራን። ሙሴ ምስተን ትእዛዛት ተሰማሚዑ ኺመላለስ ነበሮ። ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ባህርያት ከም ዘለዎ ንሙሴ ንጹር ገበረሉ: በዚ ኣቢሉ ኸኣ ሙሴ ንየሆዋ ዚውክል ብምዃኑ ብኸመይ ኪመላለስ ከም ዘለዎ ኣርኣዮ። ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እኳ እንተ ዘይኰኑ: የሆዋ ንሙሴ ዝነገሮ ሓያሎ መሰረታዊ ስርዓታት ግን ኣይተቐየረን: ንዅሎም ንየሆዋ ዜምልኹ ሰባት ከኣ ይምልከቶም እዩ። (ሮሜ 6:14፣ 13:8-10) ገለ ኻብዚ እስከ ንርአ።

12. የሆዋ ንዕኡ በይኑ ተወፋይነት ምድላዩ ንእስራኤላውያን ብኸመይ ኪጸልዎም ነይርዎ፧

12 ንየሆዋ በይኑ ውፉይ ኩን። የሆዋ ንዕኡ በይኑ ተወፋይነት ከም ዚደሊ ኺገልጽ ከሎ ህዝቢ እስራኤል ሰሚዖምዎ እዮም። (ዘጸኣት 20:2-5) እስራኤላውያን: የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ዚሕብር ኣኺሉ ዚተርፍ መርትዖታት ርእዮም እዮም። (ዘዳግም 4:33-35) ካልኦት ኣህዛብ ዚገብርዎ ብዘየገድስ: የሆዋ ኣብ መንጎ ህዝቡ ኣምልኾ ጣኦት ወይ ሓተታ መናፍስቲ ምስ ዚርኢ ዕሽሽ ኢሉ ኸም ዘይሓልፎ ንጹር ገበረ። እቲ ንዕኡ ዘለዎም ተወፋይነት ንማለቱ ኺግበር የብሉን። ኵላቶም ንየሆዋ ብዅሉ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ብዅሉ ሓይሎምን ኬፍቅርዎ ነበሮም። (ዘዳግም 6:5, 6) እዚ ኸኣ ነዘራርባኦም: ኣካይዳኦም: ኰታስ ንዅሉ መዳይ ህይወቶም ዚሓቍፍ ነበረ። (ዘሌዋውያን 20:27፣ ዘሌዋውያን 24:15, 16፣ 26:1) የሱስ ክርስቶስ እውን የሆዋ ንዕኡ በይኑ ውፉያት ክንከውን ከም ዚደልየና ንጹር ገበረ።—ማርቆስ 12:28-30፣ ሉቃስ 4:8

13. እስራኤላውያን ንኣምላኽ ብጥብቂ ኺእዘዝዎ ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧ ንዓናኸ ንኽንእዘዝ ኪድርኸና ዘለዎ እንታይ እዩ፧ (መክብብ 12:13)

13 ትእዛዛት የሆዋ ብጥብቂ ሓሉ። ህዝቢ እስራኤል ምስ የሆዋ ኺዳን ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ብጥብቂ ኺእዘዝዎ ኸም ዝመሓሉ ኺዘኻኸሩ ኣድልይዎም ነይሩ። ሰፊሕ ናይ ብሕቲ ናጽነት ተዋሂብዎም ነይሩ: ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ትእዛዛት ግን ብጥብቂ ኺሕልዉዎ ነበሮም። ከምዚ ምግባሮም ንኣምላኽ ፍቕሪ ኸም ዘለዎም የርኢ: ኵሉ እቲ የሆዋ ኺማላእ ዚደልዮ ብቕዓታት ንጽቡቖም ብምንባሩ ኸኣ ንሳቶምን ዘርኦምን ይጥቀሙ።—ዘጸኣት 19:5-8፣ ዘዳግም 5:27-33፣ 11:22, 23

14. ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘጕለሓሎም ብኸመይ እዩ፧

14 ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ሃብ። ህዝቢ እስራኤል ግዜኦም ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ንኼማልኡ ኢሎም: ንመንፈሳዊ ንጥፈታቶም ዕሽሽ ኪብልዎ ኣይነበሮምን። ህይወት እስራኤላዊ ዓለማዊ ነገራት ንምስዓብ ምሉእ ብምሉእ እተወፈየት ክትከውን ኣይነበራን። የሆዋ ኣብ ሰሰሙን ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ዚተሓሓዝ ንጥፈታት ጥራይ ዚውዕል እተቐደሰ ግዜ ፈለየ። (ዘጸኣት 35:1-3፣ ዘሁልቍ 15:32-36) ኣብ ዓዓመት ንእተፈልየ ቕዱስ ኣኼባታት ዚኸውን ተወሳኺ ግዜ ተመዲቡ ነበረ። (ዘሌዋውያን 23:4-44) እዚ ኸኣ ንግብርታት ሓይሉ ንኼዘንትዉ: መገድታቱ ንኺዝክሩ: ከምኡውን ስለቲ ዅሉ ሰናዩ ንኼመስግንዎ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ነበረ። እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ዘለዎም ተወፋይነት ምስ ዚገልጹ: ንኣምላኽ ዘለዎም ፍርሃትን ፍቕርን ይዓቢ: ብመገድታቱ ንኺመላለሱ ድማ ይሕግዞም። (ዘዳግም 10:12, 13) እቲ ኣብዚ መምርሒታት ዚርከብ ጠቓሚ መሰረታዊ ስርዓታት: ሎሚውን ነገልገልቲ የሆዋ ይጠቕሞም እዩ።—እብራውያን 10:24, 25

ባህርያት የሆዋ ኽንርድኦን ከነማስወሉን ኣሎና

15. (ሀ) ሙሴ ንባህርያት ኣምላኽ ምርዳኡን ምምሳዉን ዝጠቐሞ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ባህሪ የሆዋ ኣዕሚቝና ንኽንሓስብ እንታይ ሕቶታት ኪሕግዘና ይኽእል፧

15 ሙሴ ንባህርያት የሆዋ ምርዳኡን ምምሳዉን: ነቲ ህዝቢ ብኸመይ ኪሕዞ ኸም ዘለዎ ንኺፈልጥ ሓጊዝዎ እዩ። ኣብ ዘጸኣት 34:5-7 ኣምላኽ ብቕድሚ ሙሴ ኸም ዝሓለፈ እሞ “እግዚኣብሄር: እግዚኣብሄር መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን: ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ: ዓመጽን ምትሕልላፍ ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል: ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ: ሓጢኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ኣብ ደቂደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዚቐጽዕ” ኢሉ ኸም ዝኣወጀ ትገልጽ። ነዘን ቃላት እዚኣተን እሞ ኣስተንትነለን። ንርእስኻ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተት:- ‘ነፍሲ ወከፍ ባህሪ እንታይ ትርጕም ኣለዋ፧ የሆዋ ብኸመይ እዩ ኣንጸባሪቕዋ፧ ክርስትያን ሽማግለታት ነዛ ባህሪ እዚኣ ብኸመይ ኬንጸባርቕዋ ይኽእሉ፧ ነፍሲ ወከፍና ንእንገብሮ ነገር ብኸመይ ክትጸልዎ ይግባእ፧’ ሕጂ እምበኣር ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

16. ንምሕረት ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእ ብኸመይ ከነዕምቖ ንኽእል፧ ከምዚ ኽንገብር ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

16 የሆዋ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ” እዩ። እቲ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስቱ መወከሲ ጽሑፍ (እንግሊዝኛ) እንተ ሃልዩካ: ኣብ ትሕቲ “ምሕረት” (“Mercy”) ዚብል ኬድካ ንምንታይ ዘይተንብብ፧ ወይ ከኣ በቲ ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንደክስ ወይ በቲ ዎችታወር ላይብረሪ (ሲዲ-ሮም) ጌርካ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምርምር ግበር። a ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ መሐበሪ ጌርካ ንምሕረት ዚምልከት ጥቕስታት ርኸብ። ከምዚ እንተ ጌርካ: የሆዋ ዘንጸባረቓ ምሕረት: ንመቕጻዕቲ ምንካይ ጥራይ ዘይኰነትስ: ንድንጋጸ እውን ከም እተመልክት ክትረክብ ኢኻ። ብዘይካዚ ኣምላኽ ንህዝቡ መስተርሆ ዜምጽኣሎም ስጕምቲ ንኺወስድ ትድርኾ እያ። ነዚ መርትዖ ኻብ ዚዀነና ነገራት ሓደ ኸኣ: ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ኣብቲ ናብ ምድሪ ተስፋ ዝገበርዎ ነዊሕ ጕዕዞ ብስጋ ዀነ ብመንፈስ ዜድልዮም ዘበለ ምምላኡ እዩ። (ዘዳግም 1:30-33፣ 8:4) ጌጋታት ኪገብሩ ኸለዉ: ብምሕረቱ ይቕረ ይብለሎም ነበረ። ንህዝቡ ምሕረት ኣርኣዮም። እምበኣር ሕጂ ዘለዉ ኣገልገልቱ ግዳ ኽንደይ ኣብዚሖም ንሓድሕዶም ኪደናገጹ ዘይግባእ!—ማቴዎስ 9:13፣ 18:21-35

17. ጸጋ የሆዋ ምርዳእና ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኸነደንፍዕ ብኸመይ ይሕግዘና፧

17 ምሕረት የሆዋ ብጸጋ እተሰነየ እዩ። ነታ “ጸጋ” እትብል ቃል እንታይ ትርጕም ምሃብካያ፧ ነዚ ድማ ምስቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ጸጋ የሆዋ ዚዛረቦ ነገር ኣወዳድሮ። የሆዋ ዜርእዮ “ጸጋ:” ነቶም ኣብ መንጎ ህዝቡ ዚርከቡ ጽጉማት ምሕላይ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (ዘጸኣት 22:26, 27 NW) ኣብ ዝዀነት ትኹን ሃገር ዚነብሩ ጓኖት ወይውን ካልኦት ሰባት ውጹዓት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ንህዝቡ ኣድልዎ ዘይብሎምን ሕያዎትን ኪዀኑ ኺምህሮም ከሎ: ኣብ ግብጺ ጓኖት ምንባሮም ኣዘኻኸሮም። (ዘዳግም 24:17-22) ሎሚ ዘለና ህዝቢ ኣምላኽከ ኸመይ ኢና፧ ጸገውቲ እንተ ዄንና: ሓድነት ይህልወና: ንኻልኦት ከኣ ናብ ኣምልኾ የሆዋ ንስሕቦም።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ ራእይ 7:9, 10

18. ካብቲ እስራኤላውያን ምስ ካልኦት ኣህዛብ ኣብ ዘለዎም ርክብ ቀይዲ ንኺገብሩሉ የሆዋ ዝሃቦም መምርሒ እንታይ ንመሃር፧

18 እንተዀነ ግን: እቲ እስራኤላውያን ንኻልኦት ኣህዛብ ዝነበሮም ሓልዮት: ካብቲ ንየሆዋን ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታቱን ዘላቶም ፍቕሪ ኺበልጽ የብሉን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እስራኤላውያን ብመገድታት እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ከይመላለሱን ነቲ ሃይማኖታዊ ልምድታቶም ኰነ ርኹስ ኣነባብራኦም ከይቀድሑን ተነግሮም። (ዘጸኣት 34:11-16፣ ዘዳግም 7:1-4) እዚ ንዓናውን ዚምልከት እዩ። ከምቲ የሆዋ ኣምላኽና ቕዱስ ዝዀነ: ንሕናውን ቅዱሳት ክንከውን ኣሎና።—1 ጴጥሮስ 1:15, 16

19. ህዝቢ የሆዋ ነቲ ኣምላኾም ብዛዕባ ሓጢኣት ዘለዎ ኣረኣእያ ምርዳኦም ብኸመይ እዩ ዚሕግዞም፧

19 የሆዋ ንሙሴ መገድታቱ ኺርድኦ ስለ ዝደለዮ: ሓጢኣት ዕሽሽ ዘይብል እኳ እንተዀነ: ንዅራ ደንጓዪ ምዃኑ ግን ንጹር ገበረሉ። ንሰባትውን ኬማልእዎ ዚደልዮም ብቕዓታት ንኺፈልጡን ምስኡ ተሰማሚዖም ንኺመላለሱን ግዜ ይህቦም እዩ። ኣብ ዚንስሑሉ እዋን: ሓጢኣቶም ይቕረ ዚብሎ እኳ እንተዀነ: ነቶም ከቢድ በደል ዝፈጸሙን ኪቕጽዑ ዚግብኦምን ሰባት ግን ከይቐጽዐ ኣይሓድጎምን እዩ። እቶም ናይ መጻኢ ወለዶ: በቲ እስራኤላውያን ዚገብርዎ ነገራት እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ከም ዚጽለዉ ንሙሴ ኣጠንቀቖ። ህዝቢ ኣምላኽ ንመገድታት የሆዋ ምርዳኦምን ምምሳዎምን: በቲ ባዕሎም ዜምጽእዎ ሽግር ንኣምላኽ ተሓታቲ ንኸይገብርዎ ወይ ደንጕዩና ንኸይብሉ ይሕግዞም።

20. ምስ ክርስትያናት ብጾትናን ምስቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባትን ብዚግባእ ንኽንመላለስ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (መዝሙር 86:11)

20 ብዛዕባ የሆዋን መገድታቱን ዘሎካ ፍልጠት ከተስፍሕ እንተደኣ ደሊኻ: መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ ምርምር ካብ ምግባርን ካብ ምስትንታንን ኣይትሰልኪ። ነቲ እተፈላለየ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ ተጠንቂቕካ መርምሮ። ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እትመስሎን ንናብራ ህይወትካ ምስ ዕላማኡ ብኸመይ ከም እተሰማምዖን ብጸሎት ሕሰበሉ። እዚ ኸኣ ካብ መፈንጠራ ንኸተምልጥ: ምስ ክርስትያናት ብጾትካ ብዚግባእ ንኽትመላለስ: ከምኡውን ካልኦት ነቲ ዜደንቕ ኣምላኽና ኸም ዚፈልጥዎን ከም ዜፍቅርዎን ንኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኵሉ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ።

እንታይ ተማሂርካ፧

• ንሙሴ ትሕትና እተድልዮ ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧ ንዓናኸ ኣዝያ ኣድላዪት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

• ሙሴ ንፈርኦን ብተደጋጋሚ ቓል የሆዋ ኼብጽሓሉ ብምኻዱ እንታይ ጽቡቕ ነገር እዩ ተዓሚሙ፧

• ሙሴ እተማህሮ: ንዓናውን ዚምልከተና እንታይ ዜደንቕ መሰረታዊ ስርዓታት እዩ፧

• ነቲ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ዘሎና ምርዳእ ከመይ ጌርና ኸነስፍሕ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ሙሴ ንፈርኦን ብተኣማንነት ቃል የሆዋ ነገሮ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ኺማላእ ዚደልዮ ብቕዓታት ንሙሴ ገለጸሉ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ንባህርያት የሆዋ ኣስተንትነሉ