ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ማሪ ጥንታዊት ንግስቲ ምድረ-በዳ

ማሪ ጥንታዊት ንግስቲ ምድረ-በዳ

ማሪ ጥንታዊት ንግስቲ ምድረ-በዳ

ረንሳዊ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ኣንድሬ ፓሮ “በቲ ዘጓነፈና ጽቡቕ ዕድል ምስ ብጾተይ ክንድሰት ድሕሪ ምምሳይና: በታ ምሸት እቲኣ ብሓጐስ ሰኺረ እየ ናብ መደቀስየይ ከይደ” በለ። ኣብ ጥሪ 1934 ፓሮን መሳርሕቱን ኣብ ተል ሃሪሪ ዚበሃል ኣብ ጥቓ ኤፍራጥስ ከባቢ ኸተማ ኣቡ ከማል: ሶርያ: ዚርከብ ቦታ: “ላምጊ-ማሪ: ንጉስ ማሪ: ሊቀ ኻህናት ኢንሊል” ዚብል ጽሑፍ ዘለዎ ሓወልቲ ዅዒቶም ኣውጽኡ። በዚ ርኽበት እዚ ኸኣ ኣዝዮም ተሓጐሱ።

ከተማ ማሪ ኣብ መወዳእታኡ ተረኽበት! እዚ ርኽበት እዚ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣገዳስነት ኣለዎ፧

ስለምንታይ እያ እተገድሰና፧

ማሪ እትበሃል ከተማ ኸም ዝነበረት ኣብ ጥንታዊ ጽሑፋት እኳ እንተ ተጠቕሰ: እቲ ብሓቂ ዝነበረትሉ ቦታ ግን ንነዊሕ እዋን ኣይተፈልጠን ነይሩ። ብመሰረት ሱመርያውያን ጸሓፍቲ: ማሪ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ልዕሊ ምሉእ መሶጶታምያ ናይ ዚገዝኡ ዝነበሩ ስርወ-ንግስነት መቐመጢት እያ ነይራ። ኣብ ገማግም ኤፍራጥስ እተደኰነት ብምዃና: ኣብ መራኸቢ መስመር እቲ ምስ ኣሶር: መሶጶታምያ: ኣናቶልያ: ከምኡውን ምስ ገማግም መዲተራነያን ዚግበር ዝነበረ ንግዲ እያ ነይራ። ኣብ መሶጶታምያ ዘይርከብ ዝነበረ ኸም እኒ ዕንጨይቲ: ብረት: ከምኡውን እምኒ ዝኣመሰለ ኣቝሑ በታ ኸተማ ይሓልፍ ነበረ። እቲ ኻብዚ ዚርከብ ዝነበረ ቐረጽ ከኣ ንማሪ ኣሀብተማ: ኣብቲ ኸባቢ ዓብላሊት ከም እትኸውን ድማ ገበራ። ሶርያ ብሳርጎን ብዓል ኣካድ ምስ ተወረረት ግን እዚ ዓብላልነት እዚ ኣብቅዐ።

ድሕሪ ወረራ ሳርጎን ን300 ዓመት ዚኸውን: ማሪ ብኣዘዝቲ ወተሃደራት ተመሓደረት። ኣብ ትሕቲኦም ከኣ እታ ኸተማ እተወሰነ ብልጽግና ረኸበት። እቲ ዚምሪ-ሊም ዚበሃል ናይ መወዳእታ ገዛኢኣ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን ግን: ተንቈልቍል እያ ነይራ። ዚምሪ-ሊም ብተኸታታሊ ወተሃደራዊ ወራራት: ውዕላት: ከምኡውን መውስቦታት ብምግባር ንግዝኣቱ ኼጽንዕ ፈተነ። ኰይኑ ግን: ኣብ 1760 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ሃሙራቢ ንጉስ ባቢሎን ነታ ኸተማ ወረራን ኣዕነዋን: ነቲ ፓሮ “ሓደ ኻብቲ ኣብ ጥንታዊት ዓለም ኣዝዩ ምዕቡል ስልጣነ” ኢሉ ዝጸውዖ ነገር ድማ መወዳእታ ገበረሉ።

ዓሳክር ሃሙራቢ ንማሪ ኼዕንዉዋ ኸለዉ: ከይተረድኦም ነዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ተመራመረቲ ስነ-ጥንትን ጸሓፍቲ ታሪኽን ዚጠቅም ነገር እዮም ገይሮም። ነቲ ብጭቃ እተሰርሐ ዘይበሰለ ሕጡብ ኬዕንዉዎ ኸለዉ: ንገሊኡ ህንጻታት ክሳዕ ሓሙሽተ ሜተር ብዚኸውን ዑና ገይሮም ቀቢሮምዎ እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ውሽጡ እተቐብረ ነገራት ብንውሓት ግዜ ንኸይዓኑ ሓገዙ። ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ዑናታት ኣብያተ-መቕደስን ኣብያተ-መንግስትን ረኺቦም እዮም። ኣብኡ ኸኣ ብዛዕባ ጥንታዊ ስልጣነ ዜረድእ ሓያሎ ኢደ-ስርሓትን በሽሓት ዚቝጸር ጽሑፋትን ረኺቦም ኣለዉ።

ዑናታት ማሪ ንዓና ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ ኣብርሃም ብህይወት ዝነበረሉ እዋን እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኣብርሃም ካብ ማይ ኣይሂ 352 ዓመት ጸኒሑ ብ2018 ቅ.ኣ.ዘ. እዩ ተወሊዱ። ካብ ኖህ ድማ ዓስራይ ወለዶ እዩ ነይሩ። ብትእዛዝ ኣምላኽ ነታ ዝዓበየላ ኸተማ ኡር ሓዲጉ ናብ ካራን ከደ። ብ1943 ቅ.ኣ.ዘ. ወዲ 75 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ካብ ካራን ወጺኡ ናብ ምድሪ ከነኣን ኪጐዓዝ ጀመረ። ፓውሎ ማቲያ ዚበሃል ኢጣልያዊ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ: “ኣብርሃም ካብ ኡር ናብ የሩሳሌም [ኣብ ከነኣን እትርከብ] እተጓዕዘሉ እዋን ኣብቲ ማሪ ስልጣነ ዝረኸበትሉ እዋን እዩ ነይሩ” በለ። እምበኣር: ርኽበት ማሪ ነቲ ንኣምላኽ እሙን ኣገልጋሊ ዝነበረ ኣብርሃም ዚነብረላ ዝነበረት ዓለም በእምሮና ንኽንስእላ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። aዘፍጥረት 11:10-12:4

እቲ ዑናታት እንታይ እዩ ዚገልጸልና፧

ኣብ ማሪ ልክዕ ከም ኣብ ካልእ ክፋል ሞሶጶታምያ: ሃይማኖት ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ወድሰብ ነማልኽቲ ኼገልግል ግዴታ ኸም ዘለዎ ጌርካ ይውሰድ ነበረ። ሓደ ሰብ ዝዀነ ይኹን ኣገዳሲ ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ: ፍቓድ ኣማልኽቲ ኺፈልጥ ይደሊ ነይሩ። ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ኣሰር ሽዱሽተ ኣብያተ-መቕደስ ረኺቦም ኣለዉ። ገለ ኻብዚ ድማ ቤተ መቕደስ ኣናብስ (ገሊኦም ቤተ መቕደስ ዳጋን ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዳጎን ይብልዎ): ቤተ መቕደስ እታ ናይ ምፍራይ ኣምላኽ እትበሃል ኢሽታር: ከምኡውን ቤተ መቕደስ እቲ ኣምላኽ ጸሓይ ዚበሃል ሻማሽ ይርከቦ። እዚ ኣብያተ-መቕደስ እዚ ኣብ ፈለማ መስዋእትን ጸሎትን ዚቐርበሉ ምስሊ ኣማልኽቲ ዝሓዘ ነበረ። ምእመናን ከኣ ፍሽኽ ኢሎም ኪጽልዩ ኸለዉ ዜርኢ ምስሊ ገዛእ ርእሶም ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ዚርከብ መንበር የንብርዎ: እዚ ድማ እቲ ምስሎም ነቲ ኣምልኾኦም ከም ዜናውሖ ብምእማን እዮም ዚገብርዎ። ፓሮ “እቲ ምስልታት ከምቲ ሕጂ ካቶሊክ ሽምዓ ዚውልዕዎ ዀይኑ: ካብኡ ብዝበለጸ ደረጃ እውን ነቲ ኣማኒ ዚትክእ ጌርካ ይውሰድ ነበረ” በለ።

ካብቲ ኣብ ተል ሃሪሪ እተረኽበ ዑናታት ልዕሊ ዅሉ ዜደንቕ ነገር: ብስም እቲ ኣብ መወዳእታ ዚነብረሉ ዝነበረ ንጉስ ዚምሪ-ሊም ዚፍለጥ ኣሰር እቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ቤተ-መንግስቲ እዩ። ልዊ-እዩግ ቪንሰን ዚበሃል ፈረንሳዊ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ: ነቲ ቤተ-መንግስቲ እቲ “ዕንቊ ጥንታዊ ምብራቓዊ ስነ-ህንጻ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። እዚ ኽልተ ሄክታርን ፈረቓን ኣቢሉ ዚሽፍን ቤተ-መንግስቲ: 300 ኽፍልታትን ኣጸዳትን ዝሓቘፈ እዩ። ጥንቲ እውን እንተዀነ: እዚ ቤተ-መንግስቲ እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዚርከብ ዜደንቕ ነገራት ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ዦርዥ ሩ ኣብታ ኣንሽየንት ኢራክ ዘርእስታ መጽሓፉ ብዛዕባ እቲ ቤተ-መንግስቲ “ኣዝዩ ፍሉጥ ካብ ምንባሩ እተላዕለ: እቲ ኣብ ገማግም ሶርያ ዝነበረ ንጉስ ኡጋሪት: ወዱ ‘ንቤት ዚምሪ-ሊም’ ኪበጽሕ ኢሉ 600 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ናብ ውሽጢ ሃገር ኪጐዓዝ ንምስዳድ ሰጋእ መጋእ ኣይበለን” ኢሉ ጸሓፈ።

በጻሕቲ ናብ ሓደ ሰፊሕ ኣጸድ ቅድሚ ምእታዎም: ብየማነ ጸጋሙ ግምቢ ብዘለዎ ሓደ መእተዊ ኣቢሎም እዮም ናብቲ ዕርዲ ዚኣትዉ። ኣብቲ ኣብ በሪኽ መድረኽ እተነብረ ዝፋን ከኣ እቲ ዚምሪ-ሊም ዚበሃል ናይ መወዳእታ ንጉስ ማሪ ተቐሚጡ: ወተሃደራውን ንግዳውን ዲፕሎማስያውን ፍርዳውን ጕዳያት ይፍጽም: በጻሕትን ኣምባሳደራትን ድማ ይቕበል ነበረ። ነጋይሽ ዚኸውን እኹል መቐበሊ ነበረ: እቶም ኣጋይሽ ድማ ኣብቲ እቲ ንጉስ ዜዳልዎ ብሉጽ ድግስ ብልዕን መስተን ይረኽቡ ነበሩ። ገለ ኻብቲ ሽዑ ዚቐርብ ዝነበረ ምግቢ እተቐልወ: እተጠብሰ: ወይ እተቐቀለ ስጋ ብዕራይ: በጊዕ: ሰስሓ: ዓሳ: ደርሆ ምስ ብጻዕዳ ሽጕርቲ እተሰርሐ ስጎን እተፈላለየ ዓይነት ኣሕምልትን ጅብናን ነበረ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሓድሽ: ዝነቐጸ: ወይ ሽኮር እተሓወሶ ፍረታት ከምኡውን ብእተፈላለየ ቕርጽታት እተሰንከተ ምቁር ሕብስቲ ይቐርብ ነበረ። ነቶም ኣጋይሽ ጽምኦም ንምርዋይ ቢራ ወይ ወይኒ ይቐርበሎም ነበረ።

ኣብቲ ቤተ-መንግስቲ ንጽሬት ዜድሊ ምድላዋት እውን ተገይሩ ነይሩ። እተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎ ጋብላን ኮፍ መበሊ ዘይብሉ ሽቓቕን ተረኺቡ እዩ። እቲ ባይታን ታሕተዋይ ክፍሊ እቲ መናድቕን ብቕጥራን እተለቕለቐ እዩ ነይሩ። ረሳሕ ማይ ብሕጡብ ብእተሰርሐ መትረብ ኣቢሉ ይወጽእ ነበረ። እቲ ብካይላ ተሰሪሑ ብቕጥራን እተለቕለቐ ትቦታት ከኣ ድሕሪ 3,500 ዓመት እውን ኬገልግል ይኽእል እዩ። ሰለስተ ኣንስቲ ንጉስ ከቢድ ሕማም ምስ ሓመማ: ሓያል መምርሒ እዩ ተዋሂቡ። ከቢድ ሕማም ዝሓመመት ሰበይቲ ንበይና ትዕጾ ነበረት። “ዋላ ሓደ ኻብ መስተዪኣ ኺሰቲ: ካብ መኣዳ ኺበልዕ: ወይ ኣብ መንበራ ኪቕመጥ ኣይግባእን።”

ካብቲ መዛግብቲ እንታይ ንመሃር፧

ፓሮን መሳርሕቱን ብቛንቋ ኣካድኛ እተጻሕፎ 20,000 ዚኸውን ጽላት ረኺቦም እዮም። እዚ ኸኣ ደብዳበታት ከምኡውን ንምምሕዳርን ቍጠባን ዚምልከት ጽሑፋት ዝሓዘ እዩ። ካብዚ መዛግብቲ እዚ ሓደ ሲሶ ዚኸውን ጥራይ እዩ ተሓቲሙ ንህዝቢ ተዘርጊሑ። ይኹን እምበር: እዚ ንርእሱ 28 ጥራዛት ይሕዝ። እዚ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ ዣን-ክሎድ ማርገሮን ዚበሃል ዳይረክተር ተልእኾ ስነ-ጥንታዊ ምርምር ማሪ: “ቅድሚ መዛግብቲ ማሪ ምርካብና: ብዛዕባ እቲ ኣብ መጀመርታ ኻልኣይ መዋእለ-ሽሕ ዝነበረ ታሪኽን ትካላትን መዓልታዊ ህይወትን መሶጶታምያ ዀነ ሶርያ ዳርጋ ምንም ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። ሳላዚ ግን ኣብቲ ታሪኽ ጐዲሉ ንዝነበረ ሃጓፋት ኣማሊእና ኽንጽሕፎ ኽኢልና” በለ። ከምቲ ፓሮ ዝበሎ: እዚ መዛግብቲ እዚ “ኣብ መንጎ እቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ህዝብን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተጠቒሱ ዚርከብ ዘመነ ኣበውን ዜገርም ምምስሳል ከም ዝነበረ እዩ ዚገልጽ።”

እቲ ኣብ ማሪ እተረኽበ ጽላታት ንገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥቕስታት እውን የብርሆ እዩ። ንኣብነት: እቲ ጽላታት ነንስትን ነንስቲ ወሰንን ጸላኢኻ ምውሳድ “ኣብቲ ግዜ እቲ ነገስታት ዜዘውትርዎ” ዝነበሩ ምዃኑ ይገልጽ። እቲ ኸዳዕ ኣሒቶፌል ንኣቤሴሎም ወዲ ንጉስ ዳዊት: ናብተን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኡ ንኺኣቱ ዝሃቦ ምኽሪ እምበኣር ባዕሉ ዝመሃዞ ሓሳብ ኣይነበረን።—2 ሳሙኤል 16:21, 22

ካብ 1933 ኣትሒዙ ኣብ ተል ሃሪሪ ዚርከብ ቅርስታት ንምውጻእ 41 ሳዕ ወፈራ ተገይሩ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ግን ካብቲ ማሪ ሰፊራትሉ ዝነበረት 110 ሄክታር ዚኸውን ስፍሓት: 8 ሄክታር ጥራይ እዩ ተመርሚሩ። ኣብ መጻኢ እውን ኣብታ ጥንታዊት ንግስቲ ምድረ-በዳ ዝዀነት ማሪ ብዙሕ ዜደንቕ ርኽበታት ከም ዚህሉ ትጽቢት ይግበረሉ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ዓነወት ናብ ባቢሎን እተወስዱ ኣይሁድ: ብጥቓ ዑናታት ማሪ ሓሊፎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ወሽመጥ ፋርስ

ኡር

መሶጶታምያ

ኤፍራጥስ

ማሪ

ኣሶር

ካራን

ኣናቶልያ

ከነኣን

የሩሳሌም

ባሕሪ መዲተራነያን (ዓብዪ ባሕሪ)

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ሰነድ እዚ ላህዱን-ሊም: ንጉስ ማሪ በቲ ዝፈጸሞ ዕዮ ህንጸት ተነየተ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ምስሊ ላምጊ-ማሪ ምስ ተረኽበ: ማሪ ኣበይ ከም ዝነበረት ርጉጽ መርትዖ ዀነ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ምስሊ ሓንቲ ኣንስተይቲ ኣምላኽ ቈይሙሉ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዚርከብ መድረኽ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኢቢህ—ኢል ዚበሃል ኣብ ማሪ ስልጣን ዝነበሮ ሰብ ኪጽሊ ኸሎ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ዘይበሰለ ብጭቃ እተሰርሐ ሕጡብ ዚርከቦ ዑናታት ማሪ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዚርከብ መሕጸቢ ነብሲ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ንማሪ ዝወረራ ናራም-ሲን ዓወቱ ዝገለጸላ እምኒ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዑናታት እቲ ቤተ-መንግስቲ 20,000 ዚኸውን ጽላት ተረኽበ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Mission archéologique française de Tell Hariri - Mari (Syrie)

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Document: Musée du Louvre, Paris; statue: © Mission archéologique française de Tell Hariri - Mari (Syrie)

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Statue: Musée du Louvre, Paris; podium and bathroom: © Mission archéologique française de Tell Hariri - Mari (Syrie)

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Victory stele: Musée du Louvre, Paris; palace ruins: © Mission archéologique française de Tell Hariri - Mari (Syrie)