ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብፍልጠት ኣምላኽ ዝደልደላ ስድራቤታት

ብፍልጠት ኣምላኽ ዝደልደላ ስድራቤታት

‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’

ብፍልጠት ኣምላኽ ዝደልደላ ስድራቤታት

ኣብ ኣርጀንቲና ዚነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መንጎኦም ጽልእን ዘይምቅዳውን ብምንባሩ ነቲ ገዝኦም ብመንደቕ ኣብ ክልተ መቐልዎ። ነዚ ድማ “መንደቕ በርሊን” ብምባል ይጽውዕዎ ነበሩ።

እቲ ዜሕዝን ከኣ እዚ ዅነታት ኣብዞም ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ዘጋጠመ ተርእዮ ዘይምዃኑ እዩ። ሓያሎ ስድራቤታት ብባእስን ጥልመትን ክቱር ጽልእን ይሕመሳ እየን። ስድራቤት: ኣምላኽ ባዕሉ ዘቘሞ ምድላው ብምዃኑ: እዚ ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ። (ዘፍጥረት 1:27, 28፣ 2:23, 24) እዚ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እዚ ዓሚቝ ፍቕሪ ዚርኣየሉ ቦታ እዩ። (ሩት 1:9) ኣባላት ስድራቤት ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ሓላፍነት ብዚግባእ ብምፍጻም: ንየሆዋ ኽብሪ ኼምጽኡ: ንሓድሕዶም ከኣ ምንጪ በረኸት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። a

ንስድራቤት ዘቘሞ ኣምላኽ ብምዃኑ: ነቲ ብዛዕባ ኣካይዳ ስድራቤት ዘሎና ምርዳእ እውን ንሱ ንኪቐርጾ ኽንፈቕደሉ ኣሎና። ቃሉ: ብፍላይ ከኣ ጸገማት ኬጋጥም ከሎ: ብኸመይ ዕውታት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብር ግብራዊ ምኽሪ ሒዙ ይርከብ። መጽሓፍ ቅዱስ ሰብኡት ብዛዕባ ዘለዎም ተራ ኺገልጽ ከሎ: “ሰብኡትውን ከምኡ: ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ” ይብል። ሰብኣይ ነዚ ሓላፍነት እዚ ኼማልእ ከሎ: እታ ሰበይቲ እውን ባህ ኢልዋ ‘ንሰብኣያ ትፈርሆ’ ወይ ብመሰረት ትርጕም 1990 “ተኽብሮ።”—ኤፌሶን 5:25-29, 33

ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ወለድን ውሉዳትን ዘሎ ርክብ ኣመልኪቱ “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም” ብምባል ጸሓፈ። (ኤፌሶን 6:4) እዚ ድማ ብግዲኡ: ውሉዳት ንወለዶም ብቐሊሉ ኸም ዚእዘዙ ስለ ዚገብሮም: ኣብ ስድራቤት ምቅርራብ ይሰፍን።—ኤፌሶን 6:1

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ነጥብታት መጽሓፍ ቅዱስ ንናብራ ስድራቤት ኣመልኪቱ ዚህቦ ጥዑይ ምኽሪ ዜጕልሕ እዩ። ሓያሎ ሰባት ስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም: ኣብ ቤቶም ሰላም ረኺቦም እዮም። ንኣብነት: እቶም ኣብ መእተዊ ተጠቒሶም ዘለው ደቂ ኣርጀንቲና ሰብኣይን ሰበይትን እስከ ንርአ። ንሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ኣጽንዑ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓዳር ኣመልኪቱ ዚህቦ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ጀመሩ። ኢሂን ምሂን ንኺበሃሃሉ: እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ንኺድንግጸሉ: ከምኡውን ይቕረ በሃልቲ ንኪዀኑ ኣበርቲዖም ጸዓሩ። (ምሳሌ 15:22፣ 1 ጴጥሮስ 3:7፣ 4:8) ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኪዀኑ እንተ ተፈቲኖም: ሓርቖቶም ኪቋጻጸሩን ናብ ኣምላኽ ኪጽግዑን ተማህሩ። (ቈሎሴ 3:19) ብድሕርዚ እቲ “መንደቕ በርሊን” ፈረሰ።

ኣምላኽ ንስድራቤት የደልድላ

ሓንቲ ስድራቤት ስርዓታት ኣምላኽ እትፈልጦን ኣብ ግብሪ እተውዕሎን እንተ ዀይና: ጸቕጢ እናኣጋጠማ ኽነሱ ድልድልቲ ኽትከውን ትኽእል እያ። ኣብዚ ግዜና ኣብ ስድራቤት ሓያል መጥቃዕቲ ኺወርድ ምዃኑ ብትንቢት ስለ እተነግረ: እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ጳውሎስ ነዚ ሕጂ ዜጋጥም ዘሎ ናይ ስነ-ምግባርን ናይ ሕብረተሰብን ውድቀት ተነብዩ ነይሩ እዩ። ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ሰባት ብሓፈሻ: እንተላይ እቶም “መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም” ርኹሳት: “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም” እኳ ዘይብሎም: ንወለዶም ዘይእዘዙ ኪዀኑ ምዃኖም ገለጸ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ንኣምላኽ ከተሐጕሶ ኢልካ እትገብሮ ጻዕሪ: ካብዚ ኸምዚ እተጠቕሰ ዝኣመሰለ ሕማቕ ጽልዋታት ይሰትር እዩ። ሓያሎ ስድራቤታት ነቲ ዜጋጥመን ጸገማት ንኺዋጽኣሉ: መንፈሳዊ ፍታሕ ኣድላይ ኰይኑ ረኺበናኦ እየን። ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎም እንተ ደልዮም: ልዕሊ ዅሉ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኼውዕሉን ነቲ “እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ: ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ” ዚብል ኬስተውዕሉሉን ኣለዎም። (መዝሙር 127:1) ኣብ ስድራቤት ሓጐስ ኪርከብ ዚኽእል: ንኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ብምሃብ እዩ።—ኤፌሶን 3:14, 15

ኣብ ሃዋይ ዚነብር ደነስ እዚ ሓቂ ምዃኑ ርእይዎ እዩ። ዋላኳ ክርስትያን እየ በሃሊ እንተ ነበረ: ኣገባብ ኣነባብራኡ ግን ጸርፍን ባእስን ዝመልኦ ነበረ። ኣብ ሰራዊት ድሕሪ ምግልጋሉ እሞ ኸኣ ተባኣስን ጽልኢ ዝመልኦን ኰነ። ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ድማ ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “ኵሉ ግዜ እበኣስ ነበርኩ። ዘጋጠመ እንተ ኣጋጠመኒ ኣይግድሰንን: ሞት እንተ ዀነውን ኣይፈርህን ነበርኩ። እቲ ጸርፍን ባእስን እውን ቀጸለ። እታ ናይ የሆዋ ምስክር ሰበይተይ: መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዕ ተተባብዓኒ ነበረት።”

ደነስ ነቲ ሰበይቱ እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ ተቓወሞ። ይኹን እምበር: ክርስትያናዊ ኣካይዳኣ ነቲ ኣሉታዊ ኣረኣእያኡ ኣለስለሶ። ብድሕርዚ ምስ ሰበይቱን ደቁን ኰይኑ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪኸይድ ጀመረ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ጀመረ: ጽቡቕ ዕቤት ድማ ገበረ። ነቲ 28 ዓመት ዝገበረ ሽጋራ ናይ ምትካኽ ልማዱ ገደፎ: ምስቶም ነዚ ሕጂ ኺገድፎ ዚጽዕረሉ ዘሎ ልማዳት ዚፍጽሙ ሰባት ዘለዎ ርክብ እውን ኣቋረጸ። ደነስ ንየሆዋ ብምምስጋን ከምዚ በለ:- “ናብራ ስድራቤተይ ኣዝዩ ተመሓየሸ። ናብ ኣኼባታትን ኣገልግሎትን ብሓደ ንኸይድ ኣሎና። ቍጥዓይ ክቈጻጸር ከም ዘሎኒ ስለ እተመሃርኩን ምጽራፍ ስለ ዝገደፍክዎን: ሕጂ እቶም ክልተ ደቀይ ኣይፈርሁንን እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ምይይጥ ብምግባር ንሕጐስ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እንተ ዘይፈልጥ ነይረ: ብቐሊሉ እሓርቕ ብምንባረይ: ሎሚ ብህይወት ኣይምሃለኹን ነይረ።”

ስድራቤታት ፍቓድ የሆዋ ንምፍጻም ኣበርቲዐን እንተደኣ ጽዒረን: ሓጐስ ኪረኽባ ይኽእላ እየን። ተመክሮታት ከም ዚሕብሮ: ኣብ መንጎ ስድራ ሓደ ሰብ ንበይኑ እውን እንተዀነ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወቱ ዜውዕሎ እንተ ዀይኑ: ናብራ ስድራቤቱ ዝሓሸ እዩ ዚኸውን። ክርስትያናዊት ስድራቤት ምህናጽ: ክእለትን ግዜን ዚሓትት ከቢድ ስራሕ እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ኣባላት ስድራቤት ዚገብርዎ ጻዕሪ ዓስቦም ከም ዚህቦም ምሉእ ውሕስነት ኣለዎም። ነቲ ‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’ ዚብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኬቃልሑ ይኽእሉ እዮም።—መዝሙር 121:2

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 2005 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግንቦት/ሰነ ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብኡ [ካብ ኣምላኽ] [ይ]ስመ።”ኤፌሶን 3:15

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]

የሆዋ ንስድራቤት ኣኽቢሩ ይርእዮ

“ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ . . . በሎም።”—ዘፍጥረት 1:28

“ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ . . . ሰብ ብጹእ እዩ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን [እያ]።”—መዝሙር 128:1, 3