ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መሰረት ኢኻ እትሃንጽ ዘለኻ፧

ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መሰረት ኢኻ እትሃንጽ ዘለኻ፧

ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መሰረት ኢኻ እትሃንጽ ዘለኻ፧

ሓደ ህንጻ ድልዱል ኰይኑ ንኺነብር ብቐንዱ ኣብ ጽንዓት እቲ መሰረት እተመርኰሰ እዩ። ሓድሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ ብምሳልያዊ መገዲ ይጥቀመሉ እዩ።

ንኣብነት: ነብዪ ኢሳይያስ ንየሆዋ ኣምላኽ “ንምድሪ ኸኣ ዝሰረተ” ብምባል ይገልጾ። (ኢሳይያስ 51:13) እዚ መሰረት እዚ ነቲ ምድሪ እትገብሮ ምንቅስቃስ ዚቈጻጸርን ኣብቲ ዘላቶ ጸኒዓ ኸም እትነብር ዚገብራን ዘይለዋወጥ ሕግታት ኣምላኽ የጠቓልል። (መዝሙር 104:5) እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ተሰሪትሉ ዘሎ “መሰረት“ እውን ይዛረብ እዩ። እዚ ኸኣ ፍትሕን ሕግን ስርዓትን እዩ። ብሰንኪ ምጕዳል ፍትሒ: ብልሽውና: ከምኡውን ዓመጽ እዚ “መሰረታት እንድሕሪ ፈሪሱ” ወይ ከኣ ተጣሒሱ: ኣብ ማሕበራዊ ስርዓት ዓብዪ ውድቀት እዩ ዜጋጥም።—መዝሙር 11:2-6፣ ምሳሌ 29:4

እዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ ኣብ ብሕታዊ ህይወትና እውን ዚውዕል እዩ። የሱስ ነቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ውሩይ ስብከቱ ኺዛዝም ከሎ ኸምዚ በለ:- “ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ: ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ: ውሒዝ ወሐዘ: ንፋስውን ነፈሰ: ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ: ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ: ውሒዝ ወሐዘ: ንፋስውን ነፈሰ: ነታ ቤት ደፍእዋ: ወደቐት: ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።”—ማቴዎስ 7:24-27

ንህይወትካ ኣብ ከመይ ዝበለ መሰረት ኢኻ ሰሪትካያ ዘለኻ፧ ኣብቲ ብቐሊሉ ኺዓኑ ዚኽእል: ልክዕ ከምቲ ዘይጽኑዕ ሑጻ ዝዀነ ንኣምላኽ ኣፍልጦ ዘይህብ ሰብኣዊ ፍልስፍና ድዩ፧ ወይስ ኣብቲ ነቲ ሕጂ ዜጋጥመካ ዘሎ ምሳልያዊ ናይ ህይወት ማዕበል ንኽትዋጽኣሉ ዜኽእለካ: ንቓላት የሱስ እዙዝ ኣብ ምዃን እተመርኰሰ ድልዱል ከውሒ ኢኻ ሰሪትካያ፧