ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ዕጉስ ኩን’

‘ዕጉስ ኩን’

‘ዕጉስ ኩን’

“ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ: . . . ዕጉስ ኪኸውን እምበር: ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ።”2 ጢሞቴዎስ 2:24

1. ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ክንጽመድ ከለና: ተሪር ዘረባ ዚዛረቡ ሰባት ሓሓሊፎም ዜጋጥሙና ስለምንታይ እዩ፧

 ንዓኻ ወይ ነቲ ዝቘምካሉ ዕላማ ዘይፈትዉ ሰባት እንተ ዜጋጥሙኻ እንታይ ምገበርካ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ሰባት “ተጻረፍቲ: . . . ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት” ኪዀኑ ምዃኖም ተነበየ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5, 12) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ወይ ኣብ ካልእ ንጥፈታት የጓንፉኻ ይዀኑ።

2. ተሪር ዘረባ ንዚዛረቡና ሰባት ብጥበብ ንኽንምልሰሎም ዚሕግዘና እንታይ ጥቕስታት እዩ፧

2 እንተዀነ ግን: ተሪር ዘረባ ዚዛረብ ዘበለ ዅሉ: ቅኑዕ ዘበለ ነገር ኣይፈቱን እዩ ማለት ኣይኰነን። ሰባት ከበድቲ ጸገማት ምስ ዜጋጥሞም ወይ ምስ ዚበሳጨዉ: ምስቲ ኣብ ጥቓኦም ዝረኸብዎ ዘበለ ገንጨርጨር ይብሉ እዮም። (መክብብ 7:7) ብዙሓት ከምዚ ዚገብሩ: ተሪር ዘረባ ኣብ ዚዝረበሉ ኣከባቢ ስለ ዚነብሩን ስለ ዚሰርሑን እዮም። እዚ ግን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ብኣና ብክርስትያናት ተቐባልነት ከም ዚህልዎ ኣይገብሮን እዩ። የግዳስ: ካልኦት ሰባት ንምንታይ ተሪር ዘረባ ኸም ዚዛረቡ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ከምዚ ኼጋጥመና ኸሎ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዘሎና፧ ምሳሌ 19:11 “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ” ትብል። ሮሜ 12:17, 18 ከኣ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ኢላ ትምዕድ።

3. ኣብቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ሰላማዊ ምዃን ዚጠቓለል ብኸመይ እዩ፧

3 ብሓቂ ሰላማውያን እንተ ዄንና: ኣብቲ መንፈስና ወይ ባህሪና ይርአ እዩ። ኣብቲ እንብሎ ዀነ እንገብሮ: ምናልባት እውን ኣብ ገጽናን ኣብ ቃና ድምጽናን ይንጸባረቕ እዩ። (ምሳሌ 17:27) የሱስ ንሃዋርያቱ ኺሰብኩ ኺልእኮም ከሎ: “ናብ ቤት ምስ አቶኹም: ሰላም በሉ። እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና: ሰላምኩም ይሕደራ። ዘይትበቅዕ እንተ ዀነት ግና: ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ” ኢሉ መኸሮም። (ማቴዎስ 10:12, 13) እቲ እነብጽሖ መልእኽቲ: ወንጌል ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ ብስራት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ “ወንጌል ሰላም:” “ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ:” ከምኡውን “ወንጌል መንግስቲ” ኢሉ ይጽውዖ። (ኤፌሶን 6:15፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:24፣ ማቴዎስ 24:14) ዕላማና ንእምነት ካልኦት ሰባት ንምንቃፍ ወይ ብዛዕባ ኣረኣእያኦም ንኽንከራኸር ዘይኰነስ: ካብ ቃል ኣምላኽ ብስራት ንኽንነግሮም እዩ።

4. ሓደ ሰብ ምኽንያት መምጽኢኻ ገና ኸይገለጽካሉ ኸለኻ “ኣይደልን እየ” እንተ ዚብለካ: እንታይ ምበልካ፧

4 ሓደ ብዓል ቤት ዋላ ሓንቲ ኸይሰምዐ ቐልጢፉ “ኣይደልን እየ” ይብለካ ይኸውን። ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት “ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ሓጻር ጥቕሲ ኼንብበልካ እየ ደልየ ነይረ” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ነዚ ኣይኣብን ይኸውን። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ከኣ “ብዛዕባ እቲ ምጕዳል ፍትሒ ዘይህልወሉን ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶም ዚፋቐሩሉን እዋን እየ ኽነግረካ መጺአ” ኽትብል ትኽእል ኢኻ። እቲ ብዓል ቤት ዝያዳ ኺፈልጥ ከም ዚደሊ ቐልጢፉ እንተ ዘይገሊጹልካ: “ሕጂ ግን ዚጥዕመካ ኣይትመስልን ኢኻ” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዚህቦ ምላሽ ሰላማዊ ዋላ እንተ ዘይኰነ: ‘ኣይበቅዕን’ እዩ ኢልና ኽንድምድም ይግብኣና ድዩ፧ እቲ ዚወሃብ መልሲ ብዘየገድስ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ንዅሉ ለዋህ: . . . ዕጉስ” ክትከውን ዝሃበካ ምኽሪ ዘክሮ።—2 ጢሞቴዎስ 2:24

ገፋዒ ግን ከኣ ዝሰሓተ

5, 6. ሳውል ንሰዓብቲ የሱስ እንታይ ይገብሮም ነበረ፧ ከምዚ ዚገብር ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ሓደ ሳውል ዚበሃል ሰብኣይ በቲ ተሪር ዘረባኡን ተጓናጺ ብምዃኑን ይፍለጥ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ “ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 9:1, 2) ጸኒሑ ግን “ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን” ምንባሩ ተኣመነ። (1 ጢሞቴዎስ 1:13) ገሊኦም ኣዝማዱ ክርስትያናት ኰይኖም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ብዛዕባ እቲ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ባዕሉ ኺገልጽ ከሎ ግን “ናብተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ክሳዕ ዝሰጎም: ኣዝየ ተሀንደድክዎም” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 23:16፣ 26:11፣ ሮሜ 16:7, 11) ሳውል ከምዚ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስኡ ኸም እተኻትዑ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን።

6 ሳውል ከምዚ ዚገብር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ “ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን . . . ዝገበርክዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 1:13) ‘ሕጊ ኣቦታት ኣጸቢቑ’ እተማህረ ፈሪሳዊ እዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:3) እቲ ገማልኤል ዚበሃል መምህሩ ሰፊሕ ኣረኣእያ እኳ እንተ ነበሮ: እቲ ሳውል ዚቐርቦ ዝነበረ ቀያፋ ዚበሃል ሊቀ ኻህናት ግን ጥሩፍ ነበረ። ቀያፋ ኣብቲ ንየሱስ ክርስቶስ ንምቕታል እተገብረ ውዲት ቀንዲ መራሒ ነበረ። (ማቴዎስ 26:3, 4, 63-66፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:34-39) ድሕርዚውን ቀያፋ ንሃዋርያት የሱስ ከም ዚግረፉ ገበረ: ብስም የሱስ ከይሰብኩ ድማ ኣምሪሩ ኸልከሎም። ነቲ ሓያል ስምዒታት እተራእየሉን ኣብ መወዳእታ እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ እተቐትለሉን ሳንሄድሪን ወይ መጋባእያ ኣይሁድ እውን ንሱ እዩ መሪሕዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:27, 28, 40፣ 7:1-60) ሳውል: እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ኪቕተል ከሎ ረኣየ: ቀያፋ ድማ ንሰዓብቲ የሱስ ካብ ደማስቆ ንኺኣስሮም ንሳውል ስልጣን ሃቦ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:1፣ 9:1, 2) ሳውል በዚ ዅሉ ስለ እተጸልወ: እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ነገር ንኣምላኽ ዘለዎ ቕንኢ ዜርኢ ይመስሎ ነበረ: ከም ልክዕ ግን ናይ ሓቂ እምነት ትጐድሎ እያ ነይራ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:3-5) በዚ ምኽንያት እዚ: የሱስ እቲ ናይ ሓቂ መሲህ ምዃኑ ኣይፈልጥን ነበረ። እንተዀነ ግን: ናብ ደማስቆ ኣብ እትወስድ መገዲ እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ ብተኣምር ምስ ተዛረቦ ጌጋኡ ተረድኦ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:3-6

7. ሳውል ኣብቲ ናብ ደማስቆ ዚወስድ መገዲ ምስ የሱስ ብምርኻቡ እንታይ እዩ ዀይኑ፧

7 ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሃናንያ ዚበሃል ወደ መዝሙር ንሳውል ኪምስክረሉ ተላእከ። ንስኻኸ ናብ ሳውል ኬድካ ኽትምስክረሉ ምተሃንጠኻዶ፧ ሃናንያ መጀመርታ እኳ እንተ ፈርሀ: ንሳውል ግን ብሕያውነት ተዛረቦ። ሳውል በቲ ኣብታ ናብ ደማስቆ እትወስድ መገዲ ብተኣምር ምስ የሱስ ብምርኻቡ: ኣረኣእያኡ ቐዪሩ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:10-22) ድሕርዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ ተጸውዐ: ቀናእ ክርስትያን ሚስዮናዊ ድማ ኰነ።

ለዋህ ግን ከኣ ተባዕ

8. የሱስ ነቲ ኣቦኡ ንገበርቲ ኽፉእ ዘለዎ ኣረኣእያ ዘንጸባረቐ ብኸመይ እዩ፧

8 የሱስ ምስ ሰባት ኣብ ዝነበሮ ርክብ ለዋህ ግን ከኣ ተባዕ ብምንባሩ: ቀናእ ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 11:29) ነቲ እኩያት ካብ ክፉእ መገዶም ኪምለሱ ዚምሕጸን ሰማያዊ ኣቦኡ ይመስሎ ነበረ። (ኢሳይያስ 55:6, 7) የሱስ ምስ ሓጥኣን ኣብ ዝነበሮ ርክብ: ኪመሓየሹ ኸለዉ የስተውዕል ነበረ: ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ከኣ ኣተባብዖም። (ሉቃስ 7:37-50፣ 19:2-10) ብደጋዊ ትርኢት ርእዩ ንሰባት ኣብ ክንዲ ዚፈርድ: ናብ ነስሓ ምእንቲ ኺስሕቦም ኢሉ ንሕያውነትን ተጻዋርነትን ዓቕልን ኣምላኽ ቀድሖ። (ሮሜ 2:4) የሆዋ: ኵሉ ሰብ ኪንሳሕን ኪድሕንን እዩ ዚደሊ።—1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4

9. ካብቲ ኢሳይያስ 42:1-4 ኣብ የሱስ እተፈጸመትሉ መገዲ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

9 እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝነበረ ማቴዎስ: ነቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ናይ የሆዋ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ዚገልጽ ትንቢት ጠቒሱ: “እንሆ: ዝሐሬኽዎ ጊልያይ: ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ: ኣብኡ መንፈሰይ ከሕድር እየ: ንሱ ድማ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። ኣይከራኸርን: ኣይጭድርን: ኣብ ኣደባባይውን ሓደ እኳ ድምጹ ኣይኪሰምዕን እዩ። ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ: ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን: ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ። ኣህዛብ ከኣ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም” በለ። (ማቴዎስ 12:17-21፣ ኢሳይያስ 42:1-4) የሱስ ምስዚ ትንቢታዊ ቓላት ብምስምማዕ: ዓው ዓው ኢሉ ኣይተኸራኸረን። ጸቕጢ ኺወርዶ ኸሎ እውን እንተዀነ: ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብዚምስጥ መገዲ: ሓቂ ተዛረበ።—ዮሃንስ 7:32, 40, 45, 46

10, 11. (ሀ) ፈሪሳውያን ካብቶም ቀንዲ ተጻረርቲ የሱስ እኳ እንተ ነበሩ: ንሱ ግን ንገሊኦም ዝመስከረሎም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ንተጻረርቱ እንታይ ዓይነት መልሲ እዩ ሓሓሊፉ ዚህቦም ዝነበረ፧ እንታይ ግን እዩ ዘይገበረ፧

10 የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ምስ ብዙሓት ፈሪሳውያን ተዘራሪቡ እዩ። ገሊኦም ብዘረባ ኺጠልፍዎ እኳ እንተ ጸዓሩ: ኵላቶም ሕማቕ ሓሳብ ኣለዎም ኢሉ ግን ኣይደምደመን። ስምኦን ዚበሃል ናይ ምንቃፍ መንፈስ ዝነበሮ ፈሪሳዊ: ንየሱስ ብቐረባ ኺፈልጦ ስለ ዝደለየ: ምስኡ ኺበልዕ ዓደሞ። የሱስ ነቲ ዕድመ ተቐበለ: ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ መስከረሎም። (ሉቃስ 7:36-50) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: ኒቆዲሞስ ዝስሙ ምርኡይ ፈሪሳዊ ጸልማት ተጐልቢቡ ናብ የሱስ መጸ። ብለይቲ ብምምጻኡ የሱስ ኣይወቐሶን። ኣብ ክንዳኡስ: ንኒቆዲሞስ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ነቶም ዚኣምኑ ምእንቲ ኺድሕኑ ወዱ ብምስዳድ ዘርኣያ ፍቕሪ መስከረሉ። ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ምድላው ኪእዘዝ ከም ዘለዎ እውን ብሕያውነት ሓበሮ። (ዮሃንስ 3:1-21) ኣብ ካልእ እዋን ገለ ፈሪሳውያን ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዝመጾም ጽቡቕ ወረ ኼቈናጽብዎ ኸለዉ: ኒቆዲሞስ ግን ተማጐተሉ።—ዮሃንስ 7:46-51

11 የሱስ ንግብዝና እቶም ኪጠልፍዎ ዚጽዕሩ ዝነበሩ ሰባት ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ ተጻረርቱ ፍረ ናብ ዘይብሉ ኽትዕ ከእትዉዎ ኣይፈቐደን። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ግን መሰረታዊ ስርዓት ብምጥቃስ: ምስላ ብምጥቃም: ወይ ጥቕሲ ብምጥቃስ ሓጺርን ሓያልን መልሲ ይህብ ነበረ። (ማቴዎስ 12:38-42፣ 15:1-9፣ 16:1-4) እቲ ዚህቦ መልሲ ዋላ ሓንቲ ፍረ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ከኣ ፈጺሙ ኣይምልሰሎምን ነበረ።—ማርቆስ 15:2-5፣ ሉቃስ 22:67-70

12. ሰባት ንየሱስ ኪጭድሩሉ ኸለዉ እውን ከይተረፈ ብኸመይ እዩ ኺሕግዞም ዝኸኣለ፧

12 ሓድሓደ ግዜ: ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ርኹሳት መናፍስቲ ዝኣተዉ ሰባት ንየሱስ ይጭድሩሉ ነበሩ። ከምዚ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን: ርእሱ ይገትእ: እፎይታ ንኼምጽኣሎም ድማ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ይጥቀመሉ ነበረ። (ማርቆስ 1:23-28፣ 5:2-8, 15) ኣብ ኣገልግሎት ከለና ገሊኦም ሰባት ብሕርቃን ዓው ኢሎም እንተ ተዛሪቦምና: ንሕናውን ርእስና ኽንገትእ ኣሎና: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከኣ ብሕያውነትን ብሜላን ክንሕዞ ኽንጽዕር ኣሎና።—ቈሎሴ 4:6

ኣብ ውሽጢ ስድራቤት

13. ሓድሓደ ግዜ ሰባት ንሓደ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬጽንዕ ዝጀመረ ኣባል ስድራቤቶም ዚጻረርዎ ስለምንታይ እዮም፧

13 ሰዓብቲ የሱስ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ዕጉሳት ኪዀኑ ኣለዎም። ልቡ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ እተተንከፈ ሰብ: ስድራቤቱ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ምላሽ ኪህቡ እዩ ዚደልዮም። ከምቲ የሱስ ዝበሎ ግን: ኣባላት ስድራቤት ጸላእቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ማቴዎስ 10:32-37፣ ዮሃንስ 15:20, 21) ከምዚ ዚዀነሉ እተፈላለየ ምኽንያታት ኣሎ። ንኣብነት: ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኛታት: ሓላፍነት ዚስምዓና: ከምኡውን ሰብ እነኽብር ክንከውን ኪሕግዘና ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንፈጣሪና ልዕሊ ዅሉ ኽንርእዮ ኸም ዚግብኣና ግን ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ። (መክብብ 12:1, 13፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ሓደ ኣባል ስድራቤት ብሰንኪ እቲ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ኣብታ ስድራቤት ዘለዎ ጽልዋ ዝነከየ ዀይኑ ስለ ዚስምዖ: ኪሓርቕ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ: ነቲ የሱስ ርእሱ ብምግታእ ዝሓደጎ ኣብነት ምስዓብናስ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!—1 ጴጥሮስ 2:21-23፣ 3:1, 2

14-16. ገሊኦም ኣቐዲሞም ንኣባላት ስድራቤቶም ዚጻረሩ ዝነበሩ ሰባት ለውጢ ዝገበሩ ስለምንታይ እዮም፧

14 ኣብዚ እዋን እዚ ንየሆዋ ዜገልግሉ ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያናት: መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ለውጢ ብምግባሮም ኣብ ሓዳሮም ወይ ኣብ ስድራቤቶም ምጽራር ኣጋጢምዎም እዩ። እቶም ተጻረርቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሉታዊ ሓሳባት ሰሚዖም ይዀኑ: ስለዚ ድማ ኣብ ቤቶም ዘይድለ ጽልዋ ኸይመጽእ ፈሪሆም ይዀኑ። ኣረኣእያኦም ንኪቕይሩ ዝሓገዞም ግን እንታይ እዩ፧ ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ሰናይ ኣብነት ዓብዪ ረቛሒ ዀይኑ እዩ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ኣማኒ ጸኒዑ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዓሎ: ማለት ነቲ ናይ ስድራቤት ሓላፍነቱ እናተሰከመ: ንዚዝረቦ ሕማቕ ዘረባ ድማ እናተዓገሰ ኣዘውቲሩ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካቡን ኣብ ኣገልግሎት ብምስታፉን: እቲ ኻብ ስድራቤት ዚመጽእ ዝነበረ ምጽራር ይንኪ እዩ።—1 ጴጥሮስ 2:12

15 ሓደ ተጻራሪ ብጽልኢ ወይ ትዕቢት ተደሪኹ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚወሃቦ ዝዀነ ይኹን መግለጺ ምስማዕ ይኣቢ ይኸውን። ንኣብነት: ሓደ ሃገራዊ እየ ዚብል ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ሰብኣይ ከምኡ እዩ ነይሩ። ሓደ እዋን ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ ኸላ: ንዅሉ ኽዳውንቱ ጠርኒፉ ናብ ካልእ ቤት ገዓዘ። ካልእ እዋን ከኣ ሽጉጥ ሒዙ ርእሱ ኸም ዚቐትል እናኣፈራርሀ ኻብ ቤት ወጸ። እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ሕማቕ ተግባራት ብሰንኪ ሃይማኖታ ምዃኑ ይዛረብ ነበረ። ንሳ ግን ጸኒዓ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኣውዓለት። ናይ የሆዋ ምስክር ካብ እትኸውን 20 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ንሱውን ምስኣ ሓበረ። ኣብ ኣልባንያ እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ: ጓላ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዓ ምስ ተጠምቀት: ተቘጥዐታ። ንመጽሓፍ ቅዱሳ ኸኣ 12 ሳዕ ኣጥፍአትላ። ሓደ መዓልቲ ነቲ ጓላ ኣብ ሰደቓ ዝገደፈቶ ሓድሽ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጸለት። በጋጣሚ ኸኣ ኣብ ማቴዎስ 10:36 እያ ገንጺላ: እቲ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሒዛቶ ዘላ ሓሳብ ንዓኣ ኸም ዚምልከት እውን ኣስተውዓለት። ኰይኑ ግን: ጓላ ሕማቕ ከየጋጥማ ትሻቐል ስለ ዝነበረት: እታ ጓላ ምስ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይና ናብቲ ኣብ ኢጣልያ ዚግበር ዓብዪ ኣኼባ ኽትከይድ ከላ: ኣሰንያታ ናብታ ዚጐዓዙላ መርከብ ከደት። እታ ኣደ ንፍቕርን ምትሕቝቛፍን ፍሽኽታን ሰሓቕን እቶም ብሓባር ዚኸዱ ሰባት ምስ ረኣየት: ስምዒታ ኪቕየር ጀመረ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት: መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ተሰማምዐት። ሎሚ ነቶም ቀደም ዚጻረሩ ዝነበሩ ሰባት ክትሕግዝ ትጽዕር ኣላ።

16 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሓደ ሰብኣይ: ሰበይቱ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትቀርብ ከላ ካራ ተዓጢቑ መጺኡ ሕማቕ ክሲ ኸሰሳ። ንሳ ግን ብህድኣት “ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቲኻ: ብዓይንኻ ዘይትርኢ” በለቶ። ከምቲ ዝበለቶ ገበረ: ድሕሪ ግዜ ኸኣ ክርስትያን ሽማግለ ዀነ።

17. ኣብ ክርስትያናዊት ስድራቤት ሓድሓደ ግዜ ወጥሪ እንተ ተፈጢሩ፧ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ እዩ ኺሕግዝ ዚኽእል፧

17 ዋላ እውን ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤትኩም ክርስትያን እንተ ዀነ: ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ኣብ መንጎ ስድራቤት ወጥሪ ዚፍጠረሉን ተሪር ቃላት እትዘራረበሉን እዋን ኣሎ። ኣብ ጥንታዊት ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሐቕ” ዚብል ማዕዳ ኸም እተዋህቦም ከነስተብህለሉ ይግባእ። (ኤፌሶን 4:31) እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት በቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ሃዋሁ: ብናይ ገዛእ ርእሶም ዘይፍጽምና: ከምኡውን ኣብ ገሊኡ መዳያት በቲ ናይ ቀደም ናብራ ህይወቶም ከም እተጸልዉ ፍሉጥ እዩ። ለውጢ ንኺገብሩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ ነይሩ፧ ‘በቲ ናይ ኣእምሮኦም መንፈስ ኪሕደሱ’ ነበሮም። (ኤፌሶን 4:23) ቃል ኣምላኽ ኬጽንዑ: ንህይወቶም ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኼስተንትኑ: ምስ ክርስትያናት ብጾቶም ኪቀራረቡ: ከምኡውን ካብ ልቢ ኺጽልዩ ኸለዉ: ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ብዝያዳ ይፈሪ ነበረ። ‘ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለሎም: ንሓድሕዶም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኰይኖም: ይቕረ ንኺበሃሃሉ’ ይመሃሩ ነበሩ። (ኤፌሶን 4:32) ካልኦት ዚገብርዎ ብዘየገድስ: ዕጉሳትን ሕያዎትን ደንገጽትን ይቕረ በሃልትን ክንከውን ኣሎና። እወ: ‘ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ክንፈዲ የብልናን።’ (ሮሜ 12:17, 18) ንኣምላኽ ብምምሳል እውን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸነርኢ ኣሎና።—1 ዮሃንስ 4:8

ንዅሎም ክርስትያናት ዚኸውን ምኽሪ

18. እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:24 ዚርከብ ማዕዳ ነቲ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረ ሽማግለ ኣድላዪ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ ንዅሎም ክርስትያናት ብኸመይ ኪጠቕሞም ይኽእል፧

18 “ዕጉስ” ብዛዕባ ምዃን እተዋህበ ምኽሪ ንዅሎም ክርስትያናት ዚኸውን እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:24) ብቐዳምነት ግን ነቲ ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ጢሞቴዎስ እዩ ተዋሂቡዎ። ገሊኦም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት ኣረኣእያኦም ኪገልጹ ኸለዉ ተረርቲ እዮም ነይሮም: ጌጋ ሰረተ-እምነት እውን ይምህሩ ነበሩ። ዕላማ ሕጊ ሙሴ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይተረድእዎ: ኣድላዪነት እምነትን ፍቕርን ሰናይ ሕልናን ኣይተገንዘብዎን። ፍረ ነገር ትምህርትታት የሱስን ኣገዳስነት ኣምልኾን ብምስሓቶም: ብቓላት ኪካትዑ ኸለዉ ብሰንኪ ትዕቢት ይበኣሱ ነበሩ። ጢሞቴዎስ ነዚ ዅነታት እዚ ንምፍታሕ: ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኣጽኒዑ ኺሕዝ ግን ከኣ ምስ ኣሕዋቱ ኣብ ዘለዎ ርክብ ለዋህ ኪኸውን ነበሮ። ከምዞም ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት: እተን መጓሰ ናቱ ዘይምዃነንን ክርስትያናዊ ፍቕርን ሓድነትን ብዜደንፍዕ መገዲ ኺሕዘን ከም ዘለዎን ይፈልጥ ነበረ።—ኤፌሶን 4:1-3፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:3-11፣ 5:1, 2፣ 6:3-5

19. ኵላትና ‘ትሕትና ኽንደሊ’ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

19 ኣምላኽ ንህዝቡ “ትሕትና ድለዩ” ብምባል እዩ ዚምሕጸኖም። (ጸፎንያስ 2:3) እታ “ትሕትና” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: ሓደ ሰብ ንዜጋጥሞ ጕድኣት ከይተመረረን ሕነ ኸይፈደየን ብዓቕሊ ኺጸውር ከም ዚኽእል ተመልክት። ሃየ እምበኣር ንሕናውን ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተዀነ ዕጉሳት ምእንቲ ኽንከውንን ንየሆዋ ብዚግባእ ምእንቲ ኽንውከሎን: ንኺሕግዘና ኣበርቲዕና ንለምኖ።

እንታይ ተማሂርካ፧

• ሓደ ሰብ ተሪር ዘረባ ምስ ዚዛረበካ: እንታይ ጥቕስታት ኪሕግዘካ ይኽእል፧

• ሳውል ገፋዒ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

• የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ንዅሎም ሰባት ብዚግባእ ንኽንምልሰሎም ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

• ኣብ ቤትና በዘራርባና ዕጉሳት ወይ ልሳንና እንገትእ ምስ እንኸውን: እንታይ ረብሓታት ክንረክብ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሃናንያ ብዛዕባ ሳውል ሕማቕ ሰሚዑ እኳ እንተ ነበረ: ብሕያውነት ኣዘራረቦ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ክርስትያን ሓላፍነቱ ብተኣማንነት እንተ ፈጺሙ: ነቲ ኻብ ስድራቤት ዚመጽእ ምጽራር ኪንክዮ ይኽእል

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ፍቕርን ሓድነትን የደንፍዑ