ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቅሰብ ንድኽነት ኬጥፍኡ ይኽእሉ ድዮም፧

ደቅሰብ ንድኽነት ኬጥፍኡ ይኽእሉ ድዮም፧

ደቅሰብ ንድኽነት ኬጥፍኡ ይኽእሉ ድዮም፧

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ድኽነት ከይጠዓሙ እዮም ዚዓብዩ። ጾሞም ወይ ብቝሪ እናተበልዑ ኣይሓድሩን። እንተዀነ ግን: ድኻታት ዝዀኑ ሰባት ስለ ዜደንግጽዎም ንዓታቶም ንምሕጋዝ ይጽዕሩ።

ይኹን እምበር: ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድ: ምጥልቕላቕ ማይ: ድርቂ: ወይ ካልእ ጸገማት ሰባት ብድኽነት ይሳቐዩ እዮም። እዚ ሓቅታት እዚ ኸኣ ነቶም ሓሪሶም ዚበልዑ ሓረስቶት ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዜጨንቕ ነገር እዩ። ገሊኣቶም መረበቶም ገዲፎም ናብ ዓበይቲ ኸተማታት ኪግዕዙ ወይ ድማ ከም ስደተኛታት ኰይኖም ኣብ ካልእ ዓዲ ኺነብሩ ይግደዱ። ገሊኦም ኣብ ገጠራት ዚነብሩ ኸኣ ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ኢሎም ንኸተማ ይኣትዉ።

ኣብ ከተማታት ዚነብር ብዝሒ ቝጽሪ ህዝቢ እናወሰኸ ምኻዱ ንምስፍሕፋሕ ድኽነት እቲ ቐንዲ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ። ዘርኢ ንምዝራእ ዜኽእል ንእሽቶ መሬት ጥራይ እዩ ዘሎ: እዚ እውን እንተ ተረኺቡ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ስራሕ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ካብ ምሒር ዓቕሊ ጽበት እተላዕለ ብዙሓት ዓመጽቲ ይዀኑ። ነበርቲ ኸተማ ዋላኳ ሓገዝ ንምርካብ እንተ ሓተቱ: ሰብኣውያን መንግስትታት ነዚ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ድኽነት ኬወግዳኦ ኣይከኣላን። ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ብምምርኳስ እታ ኣብ ለንደን እትሕተም ዘ ኢንዲፐንደንት ኣብ ናይ ሕዳር 2003 ሕታማ “ኣብ ዓለምና ቝጽሪ ዝጠመዩ ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ኣብዚ ሎሚ ግዜ ብግምት 842 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት እተመጣጠነ ምግቢ ኣይረኽቡን እዮም። ኣብ ዓዓመት 5 ሚልዮን ተወሰኽቲ ሰባት ይጠምዩ ብምህላዎም: እዚ ቝጽሪ እዚ ኸኣ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ” በለት።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ድኽነት ካብ ዝደቘሶም ሰባት ሓሓሊፉ ደብዳበ ይበጽሖ እዩ። ንኣብነት: ካብ ሓንቲ ብሉምፋውንቴን እትበሃል ከተማ ሓደ ሰብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣነ ስራሕ የብለይን: ስለዚ ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኽበሉ እዋን እሰርቕ እየ። ከምዚ እንተ ዘይገይረ: ንመዓልትታት እንበልዖ ኣይንረክብን: ብዛዕባ እቲ ኽቱር ቍሪ እሞ ኸኣ ኣይዝረብን እዩ። ፈጺምካ ስራሕ ዚበሃል የልቦን። ብዙሓት ሰባት ስራሕን ዚብላዕ ነገርን ንምርካብ ኰለል ኪብሉ እዮም ዚውዕሉ። ኣብ እንዳ ጕሓፍ እኳ ኸይተረፈ ምግቢ ዚደልዩ ሰባት እውን እፈልጥ እየ። ገሊኣቶም ከኣ ርእሰ-ቕትለት ይፍጽሙ። ከማይ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ድማ እተጨነቑን ተስፋ ዝቘረጹን እዮም። ንመጻኢ ዋላ ሓንቲ ተስፋ ዘሎ ኣይመስልን እዩ። እቲ ኸም እንበልዕን እንኽደንን ገይሩ ዝፈጠረና ኣምላኽ ነዚ ኣይርእዮን ድዩ፧”

ነቲ እዚ ሰብኣይ ዘበገሶ ሕቶ ዜጸናንዕ መልሲ ኣለዎ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ከም እንርእዮ እዚ መልሲ እዚ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚርከብ።