ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድኽነት ዘይብላ ዓለም ቀሪባ!

ድኽነት ዘይብላ ዓለም ቀሪባ!

ድኽነት ዘይብላ ዓለም ቀሪባ!

ከምቲ ኣብ ገበር እዛ መጽሔት እዚኣ ዘሎ ብዛዕባ ገነት ዚገልጽ ስእልታት: ኣብ ድኽነት ንዚነብሩ ሰባት ዜብህግ እዩ። እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ኤድን ተባሂላ እትጽዋዕ ገነት እዮም ዚነብሩ ነይሮም። (ዘፍጥረት 2:7-23) ዋላኳ እታ ሽዑ ዝነበረት ገነት ሕጂ ኣይትሃሉ እምበር: ኣብ መጻኢ ድኽነት ዘይብላ ሓዳስ ዓለም ወይ ገነት ከም እትመጽእ ዘሎ ተስፋ: ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን። የግዳስ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ርግጽ ዝዀነ መብጽዓ እዩ።

ነቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ምድራዊ ህይወቱ ዝኣተዎ መብጽዓ እሞ ዘክር። ሓደ ኻብቶም ምስ የሱስ እተሰቕሉ ዓመጽቲ ኣብቲ ኣምላኽ ጸገማት ደቅሰብ ንምፍታሕ ዘለዎ ኽእለት እምነት ኣርኣየ። ንየሱስ ከኣ “ጐይታይ: ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” በሎ። እዘን ቃላት እዚኣተን: እቲ ገባር እከይ: የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኸም ዚገዝእን ምውታት እውን ከም ዜተንስእን ይኣምን ምንባሩ የርእያ። የሱስ ድማ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን: ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ኢሉ መለሰሉ።—ሉቃስ 23:42, 43

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ገነት ዚነብሩ ኣመልኪቱ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም” ይብል። (ኢሳይያስ 65:21) እወ: “ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”—ሚክያስ 4:4

ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ኣብዚ እዋን እዚ ድኽነት ዘሎ፧ ኣምላኽ ነቶም ብድኽነት እተደቝሱ ሰባት ብኸመይ እዩ ዚሕግዞም፧ ድኽነት ዚጠፍኣሉ እዋን መዓስ እዩ፧

ኣምላኽ ድኽነት ኪህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

እታ ኣዳምን ሄዋንን ዚነብሩላ ዝነበረት ገነት እቲ እኩይ መልኣኽ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ብዘለዓዓሎ ዕልዋ ጠፍአት። ሰይጣን ነቲ ተመን ከም መዛረቢ ገይሩ ብምጥቃም ንሄዋን ካብቲ ፍረ በሊዓ ሕጊ ኣምላኽ ከም እትጥሕስ ገበራ። ካብ ኣምላኽ ተፈልያ ምንባር ዝሓሸ ህይወት ከም ዜምጸኣላ ኣምሲሉ ኣታለላ። ሄዋን ነታ እተኸልከለት ፍረ ኺበልዕ ንኣዳም ምስ ሃበቶ: ካብ ንኣምላኽ ንሰበይቱ ብምስማዕ ንሱውን በልዔ።—ዘፍጥረት 3:1-6፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:14

እዞም ዓለወኛታት ሰብኣይን ሰበይትን ሽዑ ንሽዑ ኻብ ገነት ተባረሩ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብረሃጽ ገጾም ኪነብሩ ጀመሩ። የሆዋ ኽሳዕ ሎሚ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ሓጥኣን ደቅሰብ ኪገዝእ ብምፍቃድ ነቲ ንኣምላኽ ዘይምእዛዝ ዜምጽኦ ሳዕቤን ኣነጺርዎ እዩ። ታሪኽ ከም ዚምስክሮ ደቅሰብ ንምድሪ ገነት ኪገብርዋ ኣይከኣሉን። (ኤርምያስ 10:23) ካብ ኣምላኽ ምዕላው ድኽነትን ካልእ ሕማቕ ሳዕቤናትን ኣምጽአ።—መክብብ 8:9

እንተዀነ ግን: ድኻታት ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ብዘይ ገለ ሓገዝ ኣይተሓድጉን። እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተኣማምን መምርሒ ሒዙሎም ኣሎ።

“ኣይትጨነቑ”

የሱስ ኣብ መንጎኦም ብዙሓት ድኻታት ሰባት ንዚርከብዎ ብዙሕ ህዝቢ ኺዛረብ ከሎ: “ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር: ኣይዘርኣ: ኣይዐጽዳ: ኣብ ማዕከነንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ . . . እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ: እንታይ ንሰቲ: እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ: ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም: ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” በለ።—ማቴዎስ 6:26-33

ሓደ ሰብ ብድኽነቱ ኣመኽንዩ ኺሰርቕ የብሉን። (ምሳሌ 6:30, 31) ንኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት እንተ ሂብዎ: ዜድልዮ ዘበለ ኺማልኣሉ እዩ። ንኣብነት: ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ኽፋል ኣፍሪቃ እትርከብ ለሶቶ ዚነብር ቱኪሶ ዚበሃል ሰብኣይ ዝገበሮ ንርአ። ብ1998 ናይ ወጻኢ ሃገር ሓይልታት ነቲ ኣንጻር መንግስቲ እተላዕለ ናዕቢ ደው ንምባል ናብ ለሶቶ ኣተዉ። ብሰንኪ እቲ ውግእ ድማ ድኳናት ተዘሪፉ: ሰባት ካብ ስራሕ ወጺኦም: ከምኡውን ዋሕዲ ምግቢ ኣጋጢሙ ነበረ።

ቱኪሶ ኣብቲ ኻብ ኵሉ ዝደኸዩ ሰባት ዚነብሩሉ ኣብ ርእሰ ኸተማ ዚርከብ ገዛውቲ እዩ ዚነብር ነይሩ። ህይወቶም ንምትራፍ ኢሎም መብዛሕትኦም ጐረባብቱ ድኳናት ዘሪፎም ነበሩ። ቱኪሶ ናብታ ሓንቲ ኽፍሊ ዚዀነት መንበሪቱ ምስ ተመልሰ: እታ ማሴሶ እትበሃል ምስኡ ተኣኪባ እትነብር ሰበይቲ ዝዘረፈቶ ብዙሕ ምግቢ ኣብ ገዛ ጸንሖ። ካብኡ ቱኪሶ እዚ ምስቲ ሕጊ ኣምላኽ ከይንሰርቕ ዝሃቦ ሕጊ ኸም ዚጻረር ብምግላጽ: “ነዚ ምግቢ እዚ ኻብዚ ገዛ ኣውጽእዮ” በላ። ንሳ እውን ከምቲ ዝበላ ገበረት። እቶም ጐረባብቶም ኣላገጹሎም ካብቲ እተሰርቀ ምግቢ ኸኣ ንርእሶም ወሰዱ።

ቱኪሶ ብመሰረት እቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህሮ ነገር: ከምዚ ዓይነት ኣቕዋም ወሰደ። ሕጊ ኣምላኽ ብምኽባሩኸ ጠምዩዶ፧ ኣይፋሉን። ድሕሪ ቝሩብ ግዜ እቶም ኣብታ ዚእከበላ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜገልግሉ ሽማግለታት: ምግቢ ሒዞምሉ መጹ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ለሶቶ ንዚነብሩ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ንምሕጋዝ ካብ ክልተ ቶን ንላዕሊ ረድኤት ሰዲዶም ነበሩ። ማሴሶ በቲ ቱኪሶ ንኣምላኽ ዘርኣዮ ተኣዛዝነትን በቲ ፍቕራዊ ረድኤት እታ ጉባኤን ተተንከፈት። ንሳውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ኣብ መወዳእታኡ መርዓኦም ሕጋዊ ገይሮም እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ብተኣማንነት ንኣምላኽ የገልግሉ ኣለዉ።

የሆዋ ኣምላኽ ንድኻታት ይሓልየሎም እዩ። (ነታ “ኣምላኽ ንድኻታት ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ) ከም ቱኪሶን ማሴሶን ዝኣመሰሉ ሰባት ብዛዕባኡ ዝያዳ ንኺማሃሩ ፍቕራዊ ምድላው ገይሩ ኣሎ። ኣብ ቃሉ ድማ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ግብራዊ ኪኸውን ዚኽእል ምኽሪ ሂቡ እዩ።

ጠቓሚ ምድላው

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወትሩ ነቲ ኣምላኽ ንድኻታት ዘለዎ ተገዳስነት ንሳቶምውን ኬንጸባርቑ ይፍትኑ እዮም። (ገላትያ 2:10) መብዛሕትኡ እዋን ባህርያዊ ዕንወት ኬጋጥም ከሎ እሞ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪጕድኡ ኸለዉ: ዜድሊ ሓገዝ ንምሃብ ምድላዋት ይግበር እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንዅሎም ሰባት: እንተላይ ንድኻታት ብመንፈስ ብዛዕባ ዜድልዮም ነገራት እዮም ዝያዳ ዚግደሱ። (ማቴዎስ 9:36-38) ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመት በሽሓት ዚቝጸሩ ዝሰልጠኑ ኣገልገልቲ ወለንተኛታት ኰይኖም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሚስዮናውያን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ንኣብነት: ካብ ፊንላንድ ዝኸዱ ሚስዮናውያን ሰብ ሓዳር እዮም ቋንቋ ሴሶቶ ተማሂሮም ንቱኪሶን ንማሴሶን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪዀኑ ዝሓገዝዎም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ሚስዮናዊ ዄንካ ምግልጋል ምሹእ ናብራኻ መስዋእቲ ጌርካ ናብ ድኻ ሃገር ምግዓዝ ይሓትት።

ብህይወት ንምንባር ኢሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣይሰርቁን እዮም። ኣብ ክንዳኡ የሆዋ ኣምላኽ ዜድልዮም ኬማልኣሎም ከም ዚኽእል እምነት ኣለዎም። (እብራውያን 13:5, 6) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንህዝቡ ዜድልዮም ዜማልኣሉ መገዲ: በቶም ንሓድሕዶም ዚተሓላለዩ ኣባላት ዓለምለኻዊት ማሕበር ኣምለኽቱ ገይሩ እዩ።

ካልእ የሆዋ ንድኻታት ዚሕግዘሉ መገዲ ኸኣ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ኺዓዪ ዚኽእል ምኽሪ ብምሃብ እዩ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ዝሰረቐ: ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ: ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዐር እምበር: ደጊምሲ ኣይስረቕ” ኢሉ ይእዝዝ። (ኤፌሶን 4:28) ብዙሓት ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ከም ኣሕምልቲ ምፍራይ ዝኣመሰለ ጉልበት ዚሓትት ዕዮ ብምዕያይ ንባዕሎም ስራሕ ይፈጥሩ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ዝኣመሰለ ሕማቕ ልማዳት ኣወጊዶም ቈጠብቲ ንኪዀኑ ብምምሃር እውን ንድኻታት ይሕግዝ እዩ።—ኤፌሶን 5:18-19

ድኽነት ዘይብላ ዓለም መዓስ እያ እትመጽእ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚበሃላ ሰይጣን ዜመሓድሮ ስርዓት ንነብር ከም ዘለና እዩ ዚሕብር። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ኣብ ቀረባ እዋን የሆዋ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደቅሰብ ንኺፈርድ ኪሰዶ እዩ። ሽዑ እንታይ እዩ ኺፍጸም፧ የሱስ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እተዛረበን ምስላታት “ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ: ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ: ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ: ንሱ ኸኣ: ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን: ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም” በለ።—ማቴዎስ 25:31-33

ኣብዚ ምስላ እዚ ኣባጊዕ እተባህሉ እቶም ንንግስነት ክርስቶስ ዚግዝኡ ሰባት እዮም። ንየሱስ ከም ጓሳኦም ስለ ዚስዕብዎ ኸኣ እዩ ምስ ኣባጊዕ ዘመሳሰሎም። (ዮሃንስ 10:16) እዞም ኣባጊዕ መሰል ሰባት እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ፍጹም ግዝኣት የሱስ ህይወት ኪረኽቡ እዮም። ድኽነት ኣብ ዘይብላ ሓዳስ ዓለም ዜሐጕስ ህይወት ኪነብሩ እዮም። እቶም ብኣጣል እተመሰሉ ንንግስነት የሱስ ዘይግዝኡ ሰባት ግን ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም።—ማቴዎስ 25:46

መንግስቲ ኣምላኽ እከይ ንዘበለ ዅሉ ኸተጥፍኦ እያ። ሽዑ ድኽነት ኣይኪህሉን እዩ። ኣብ ክንዳኡ: ምድሪ ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕርን ሓልዮትን ብዘለዎም ሰባት ክትምላእ እያ። እዚ ኺፍጸም ከም ዚኽእል እቲ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ዓለምለኻዊ ሕውነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መርትዖ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ እውን “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 13:35

[ኣብ ገጽ 6, 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣምላኽ ንድኻታት ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ፈጣሪ ደቅሰብ: “ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም” ከም ዝዀነ ይገልጾ። (መዝሙር 146:7) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ካብ ሚእቲ ንላዕሊ ዚኸውን ጥቕስታት: ኣምላኽ ንድኻታት ከም ዚሓሊ የጕልሕ።

ንኣብነት: ኣብቲ የሆዋ ንጥንታዎት ህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ ሓረስቶት ዝነበሩ እስራኤላውያን ንደረት ግራቶም ፈጺሞም ከይዓጽድዎ ኣዘዞም። ካብ ኣውልዖም ወይ ካብ ግራት ወይኖም ፍረ ምስ ዚእክቡ መሊሶም ነቲ ተረፍ ከይቕርሙ ተኣዚዞም ነበሩ። እዚ ሕግታት እዚ ንስደተኛታትን ዘኽታማትን መበለታትን ሽጉራትን ንምሕጋዝ እተገብረ ፍቕራዊ ምድላው እዩ ነይሩ።—ዘሌዋውያን 19:9, 10፣ ዘዳግም 24:19-21

ብተወሳኺውን ኣምላኽ ንእስራኤላውያን “ንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎም። እንተ ገፋዕካዮም: እሞ ኣባይ እንተ ጠርዑ: ጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ። ኵራይ ይነድድ እሞ: ብሴፍ እቐትለኩም። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታት: ደቅኹም ከኣ ዘኽታማት ይዀኑ” በሎም። (ዘጸኣት 22:22-24) እቲ ዜሕዝን ግን ብዙሓት ሃብታማት እስራኤላውያን ነዚ ሕጊ እዚ ሸለል በልዎ። በዝን ብዝፈጸምዎ ኻልእ ሕማቕ ተግባራትን ድማ የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ብነብያቱ ኣቢሉ ኣጠንቀቖም። (ኢሳይያስ 10:1, 2፣ ኤርምያስ 5:28፣ ኣሞጽ 4:1-3) መወዳእታኡ: መጀመርያ ኣሶራውያን ደሓር ከኣ ባቢሎናውያን ንግዝኣት እስራኤላውያን ከም ዝወሩ ገበረ። በዚ ኸኣ ብዙሓት እስራኤላውያን ተቐትሉ: እቶም ዝተረፉ ድማ ተማሪኾም ናብ ካልእ ዓድታት ተወስዱ።

እቲ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ልክዕ ከም ኣቦኡ ንድኻታት ይሓሊ ነበረ። ብዛዕባ ዕላማ ኣገልግሎቱ ኣመልኪቱ “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ: መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ” በለ። (ሉቃስ 4:18) እዚ ማለት ግን ኣገልግሎቱ ኣብ ድኻታት ጥራይ ዘተኰረ እዩ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ንሃብታማት እውን ብፍቕሪ ሓጊዝዎም እዩ። ኰይኑ ግን: ከምዚ ኺገብር ከሎ ነቲ ንድኻታት ዘለዎ ሓልዮት ወትሩ ይገልጽ ነበረ። ንኣብነት: ንሓደ ሃብታም መራሒ “ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ: ኣብ ሰማያት ከኣ መዝገብ ኪጸንሓካ እዩ: ንዓውን ስዐበኒ” ብምባል መዓዶ።—ሉቃስ 14:1, 12-14፣ 18:18, 22፣ 19:1-10

የሆዋ ኣምላኽን ወዱን ንድኻታት ኣጸቢቖም እዮም ዚሓልዩሎም። (ማርቆስ 12:41-44፣ ያእቆብ 2:1-6) የሆዋ ብዛዕባ ድኻታት ስለ ዚግደስ ከኣ እዩ እቶም ሞይቶም ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ድኻታት ኣብ ዝኽሩ ዘለዉ። እዚኣቶም ኵሎም ኣብታ ድኽነት ዘይብላ ሓዳስ ዓለም ኪትንስኡ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መርኣያ እታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም እዩ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ቱኪሶን ማሴሶን ምስቲ ንቱኪሶ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሓሉ ሚስዮናዊ ዀይኖም እተሳእልዎ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ማሴሶ ኣብ ኣፍደገ ገዝኣ ዀይና: ምስታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሓትላ ሚስዮናዊት እተሳእለቶ