ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓቀኛታት ሰባት ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኡሉ

ሓቀኛታት ሰባት ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኡሉ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ

ሓቀኛታት ሰባት ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኡሉ

ኣብ መላእ ምድሪ ዚርከቡ ዓበይቲ ዀኑ ንኣሽቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቀኛታት ብምዃኖም ይፍለጡ እዮም። ካብ ሰለስተ ኽፍለ ዓለማት እተረኽበ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ኦሉሶላ እትበሃል ኣብ ናይጂርያ እትነብር ጓል 17 ዓመት መንእሰይ: ካብ ቤት ትምህርታ ናብ ቤታ እናተመልሰት ከላ: ኣብ መገዲ ቦርሳ ረኸበት። ነዚ ድማ ናብቲ ርእሰ መምህራን ወሰደቶ። ንሱውን ኣብታ ቦርሳ 6,200 ናይራ (45 ዶላር ኣመሪካ ዚኸውን) ረኸበ። እቲ ርእሰ መምህራን ነታ ቦርሳ ነቲ ዝጠፍኣቶ መምህር መለሰሉ። እቲ መምህር ድማ በዚ ስለ እተሓጐሰ: ንኦሉሶላ ንትምህርታ ዚኸውን ክፍሊት ኢሉ 1,000 ናይራ (7 ዶላር ኣመሪካ ዚኸውን) ሃባ። ገሊኦም ተመሃሮ ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ነገራት ምስ ሰምዑ ንኦሉሶላ ኣላገጹላ። ድሕሪ እተወሰነ ሰሙናት ሓደ ተመሃራይ ገንዘቡ ምስ ተሰርቆ ጠርዐ: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቶም መምህራን ንዅሎም ተመሃሮ ኺፍትሽዎም መምርሒ ተዋህቦም። እቲ መምህር ንኦሉሶላ “ንስኺ በዚ ደው በሊ። ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀንኪ: ከም ዘይትሰርቂ እፈልጥ እየ” በላ። እቲ ገንዘብ ከኣ ምስቶም ንኦሉሶላ ዜላገጹላ ኽልተ ተመሃሮ ተረኽበ: ከቢድ መቕጻዕቲ ድማ ተቐጽዑ። ድሕርዚ: ኦሉሶላ “ሓንቲ ኻብቶም ፈጺሞም ዘይሰርቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀንኩ ስለ ዝፍለጥ: ኣዝየ ሕጕስቲ እየ: በዚ ኣቢለ ድማ ንየሆዋ ኽብሪ አምጽኣሉ” ኢላ ጸሓፈት።

ማርሰሎ ዚበሃል ወዲ ኣርጀንቲና ሓደ መዓልቲ ኻብ ቤቱ ኺወጽእ ከሎ: ካብቲ ብሕጓ ዚርከብ ኣፍደገኡ ብዙሕ ከይረሓቐ ሓንቲ ሳንጣ ረኸበ። ነታ ሳንጣ ናብ ቤቱ ወሲዱ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ዀይኖም ከፈትዋ። እቲ ዜገርም ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ጥረ ገንዘብ: ክረዲት ካርድ: ከምኡውን ፊርማ እተነብረሉ እተፈላለየ ቸክ: ሓደ ኻብኡ እውን ናይ ሓደ ሚልዮን ፔሶ (300,000 ዶላር ኣመሪካ ዚኸውን) ቸክ ረኸበ። ኣብቲ ኣብኡ ዝጸንሖም ወረቐት ቍጽሪ ተሌፎን ረኸቡ። በዚ ደዊሎም ነቲ ዋና ረኸብዎ: ነታ ሳንጣኡ ምስ ኵሉ ትሕዝቶኣ ኣብቲ ማርሰሎ ዚሰርሓሉ ቦታ ኺመልሱሉ ድማ ቈጸራ ገበሩ። እቲ ዋና ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሐ ኣመና ተሻቒሉ ነበረ። እቲ ንማርሰሎ ኣስራሒኡ ኸኣ ማርሰሎ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀነ: በዚ ኺጭነቕ ከም ዘይብሉ ነገሮ። እቲ ዋና ሳንጣኡ ምስ ረኸበ: ስለቲ ድኻሙ ኢሉ ንማርሰሎ 20 ፔሶ (6 ዶላር ኣመሪካ ዚኸውን) ጥራይ ሃቦ። እቲ ንማርሰሎ ኣስራሒኡ ብሓቀኛነት ማርሰሎ ኣመና ተደኒቑ ብምንባሩ: እቲ እተዋህቦ ዓስቢ ውሒዱ ኢሉ ተቘጥዐ። እዚ ኸኣ ንማርሰሎ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ምዃኑ መጠን ኵሉ ሳዕ ሓቀኛ ዀይኑ ኺመላለስ ከም ዚደሊ ንኺገልጽ ኣጋጣሚ ኸፈተሉ።

እዚ ዚስዕብ ተመክሮ ኸኣ ካብ ኪርጊዝስታን እተረኽበ እዩ። ሪናት ዚበሃል ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ ናይ ሓንቲ ኣብ ጐረቤቱ እትነብር ሰበይቲ ቦርሳ ረኸበ። እታ ቦርሳ 1,100 ሶም (25 ዶላር ኣመሪካ ዚኸውን) ነበራ። ሪናት ነታ ቦርሳ ነታ ዝጠፍኣታ ሰበይቲ ምስ መለሰላ: ነቲ ገንዘብ ቈጸረቶ: ነደ ሪናት ከኣ 200 ሶም ጐዲሉ ኸም ዘሎ ነገረታ። ሪናት ነቲ ገንዘብ ከም ዘይወሰዶ ገለጸ። ድሕሪኡ ሰለስቲኦም ነቲ ዝጐደለ ገንዘብ ኪደልዩ ኸዱ: ኣብ ጥቓ እቲ ነታ ቦርሳ ዝረኸበሉ ቦታ ድማ ረኸብዎ። እታ ሰበይቲ ተገረመት። ብቐዳምነት ነቲ ገንዘባ ስለ ዝመለሱላ: ብኻልኣይ ደረጃ ኸኣ ሪናት ክርስትያናዊ ኣተዓባብያ ብምርካቡ ንዕኡን ነዲኡን ኣመስገነቶም።