ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቶም ደቀ መዛሙርቲ: እቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ: ስለምንታይ እዮም “መልኣኹ ዀን ይኸውን” ዝበሉ፧—ግብሪ ሃዋርያት 12:15

ምናልባት: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንጴጥሮስ ዚውክል መልኣኽ ኣብ ደገ ደው ከም ዝበለ ገይሮም ብጌጋ ተረዲኦምዎ ይዀኑ። ነቲ ኣብ ዙርያ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት እስከ ንርአ።

እቲ ንያእቆብ ዘቕተለ ሄሮድስ እዩ ንጴጥሮስ እውን ዘእሰሮ። ስለዚ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሱውን ዚቕተል እንተ መሰሎም ዜገርም ኣይኰነን። ጴጥሮስ ብመቝሕ ተኣሲሩ በበርባዕተ ዀይኖም ዚሕልውዎ ኣርባዕተ መደብ ዓቀይቲ ድማ ተገብረሉ። ካብኡ ሓደ ለይቲ መልኣኽ መጺኡ ብተኣምራዊ መገዲ ኻብቲ ቤት-ማእሰርቲ ኣውጽኦ። እንታይ ከም እተገብረ ጸኒሑ ምስ ተረድኦ “እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ: ካብ ኢድ ሄሮድስ . . . ከም ዘድሐነኒ: ብሓቂ ሕጂ ፈለጥኩ” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 12:1-11

ጴጥሮስ ሽዑ ሽዑ ናብ ቤት ማርያም ኣደ እቲ ማርቆስ ዚበሃል ዮሃንስ ከደ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ተኣኪቦም ነበሩ። ነቲ ማዕጾ ደገ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ: ሮዳ እትበሃል ሓንቲ ግዝእቲ ኽትከፍት ከደት። ንሳ ኸኣ ድምጺ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት: ነቲ ማዕጾ ኸይከፈተት ነቶም ካልኦት ንምንጋር ጐይያ ናብ ቤት ኣተወት። መጀመርያ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ጴጥሮስ ባዕሉ መጺኡ ኢሎም ኣይኣመኑን። ኣብ ክንዳኡ “መልኣኹ ዀን ይኸውን” ኢሎም ጌጋ ምርዳእ ሓዙ።—ግብሪ ሃዋርያት 12:12-15

ኰይኑ ግን: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ጴጥሮስ ድሮ ተቐቲሉስ እቲ መንፈሱ እዩ መጺኡ ኢሎም ድዮም ሓሲቦም፧ እዚ ፈጺሙ ዘይመስል እዩ። ከመይሲ: ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ብምባል ብዛዕባ ምዉታት ዚዛረቦ ሓቂ ይፈልጡ ነበሩ። (መክብብ 9:5, 10) እቶም ደቀ መዛሙርቲ “መልኣኹ ዀን ይኸውን” ኪብሉ ኸለዉ እሞ ደኣ እንታይ ማለቶም እዩ ነይሩ፧

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: መላእኽቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ብብሕቲ ኸም ዚሕግዙ: ካብ ታሪኽ ይፈልጡ እዮም። ንኣብነት: ያእቆብ “እቲ ኻብ ኵሉ ኽፉእ ዘድሐነኒ መልኣኽ” ብምባል ተዛሪቡ እዩ። (ዘፍጥረት 48:16) የሱስ ከኣ ንሰዓብቱ ኣብ ማእከሎም ንሓደ ቘልዓ ደው ኣቢሉ: “ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ: እብለኩም አሎኹ” በለ።—ማቴዎስ 18:10

ያንግስ ሊተራል ትራንስሌሽን ኦቭ ዘ ሆሊ ባይብል ነታ ኣጄሎስ (“መልኣኽ”) እትብል ቃል “መልእኽተኛ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ኣይሁዳውያን ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ናቱ መልኣኽ ወይ ከኣ “ሓላዊ መልኣኽ” ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ ነይሮም። ርግጽ እዩ: ከምዚ ዚብል ትምህርቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ኣይተጻሕፈን። እንተዀነ ግን: እቶም ደቀ መዛሙርቲ “መልኣኹ ዀን ይኸውን” ኪብሉ ኸለዉ ንጴጥሮስ ዚውክል መልኣኽ ኣብ ኣፍደገ ደው ኢሉ ዝነበረ መሲልዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።