ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ እትፈትዎም ሰባት ተዕልል ዲኻ፧

ምስ እትፈትዎም ሰባት ተዕልል ዲኻ፧

ምስ እትፈትዎም ሰባት ተዕልል ዲኻ፧

ፓሊቲካ እትበሃል ኣብ ፖላንድ እትሕተም ሰሙናዊት መጽሔት “ምስ እንፈትዎም ሰባት እንገብሮ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣዝዩ እናነከየ እዩ ዚኸይድ ዘሎ” በለት። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ሰብ ሓዳር ኣብ መዓልቲ ንሹዱሽተ ደቒቕ ጥራይ ትርጕም ዘለዎ ዕላል ከም ዜዕልሉ ይግመት። ገለ ኽኢላታት: ፍርቂ ኻብቲ ዜጋጥም ምፍልላይን ፍትሕን ብሰንኪ እቲ እናነከየ ዚኸይድ ዘሎ ናይ ምዕላል ልማድ እዩ ይብሉ።

ኣብ መንጎ ወለድን ውሉዳትን ዚግበር ዕላልከ፧ እታ መጽሔት ቀጺላ መብዛሕትኡ እዋን “ኣብ ክንዲ ምዝርራብ ‘ትምህርቲ ኸመይ ነይሩ፧ ኣዕሩኽትኻኸ ደሓን ድዮም፧’ ዝኣመሰለ ሕቶታት ጥራይ እዩ ዚቐርበሎም” ብምባል ትገልጽ። “ከመይ ኢሎም ደኣ እዮም ደቅና ጥብቂ ርክብ ኬማዕብሉ ዚኽእሉ፧” ኢላ ኸኣ ትሓትት።

ጽቡቕ ናይ ምዝርራብ ክእለት ስቕ ኢልካ ኣይርከብን እዩ። ከመይ ጌርና ደኣ ኢና እሞ ነቲ ናይ ምዝርራብ ክእለትና ኸነመሓይሾ እንኽእል፧ እቲ ክርስትያን ወደ መዝሙር ዝነበረ ያእቆብ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ: ንዅራ ደንጓዪ ይኹን” ብምባል ሓደ ኣገዳሲ ዝዀነ ማዕዳ ሂቡና እዩ። (ያእቆብ 1:19) እወ: ዚሃንጽ ዕላል ንምግባር ንሰብ ከይዀለፍና ኸምኡውን ቀልጢፍና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና መደምደምታ ኸይበጻሕና: ጽን ኢልና ኽንሰምዕ ይግባእ። እቲ እትገብሮ ዕላል ምእንቲ ኸይኵለፍ: ነቓፊ ኣይትኹን። ብተወሳኺውን የሱስ ንሰማዕቱ ንምምርማር ዘይኰነስ ኣብ ልቦም ዘሎ ንምውጻእን ነቲ ምስኣቶም ዘለዎ ርክብ ንምድልዳልን ብሜላ ሕቶታት ይሓቶም ነበረ።—ምሳሌ 20:5፣ ማቴዎስ 16:13-17፣ 17:24-27

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ምስቶም እትፈትዎም ሰባት ወትሩ ኣዕልል። በዚ ኸኣ ንነዊሕ ዓመት አረ ንዘለኣለም እውን ከይተረፈ ዚቕጽል ጽቡቕ ርክብ ኪህልወካ ይኽእል።