ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብግብሪ ጥራይ ዘይኰነስ ብጸጋ ኢና እንድሕን

ብግብሪ ጥራይ ዘይኰነስ ብጸጋ ኢና እንድሕን

ብግብሪ ጥራይ ዘይኰነስ ብጸጋ ኢና እንድሕን

“ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ: ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ: ብእምነት . . . ኢኹም ዝደሐንኩም።”ኤፌሶን 2:8, 9

1. ብዛዕባ ብብሕቲ ዚፍጸም ዕማም ብዚምልከት ክርስትያናት ካብ ካልኦት ሰባት ዚፍለዩ ብኸመይ እዮም፧ ስለምንታይከ፧

 ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባት በቲ ብብሕቶም ዚፍጽምዎ ነገራት ይሕበኑ: መብዛሕትኡ ግዜ እውን ይምክሑ እዮም። ክርስትያናት ግን እተፈልዩ እዮም። ብብሕቶም ዝፈጸምዎ ነገራት: ዋላውን ነቲ ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚተሓሓዝ ንጥፈታት ኣየጕልሑን እዮም። ህዝቢ የሆዋ ብሓፈሻ ብዚፈጸምዎ ነገራት ዚሕጐሱ እኳ እንተዀኑ: ነቲ ብብሕቶም ዝገበርዎ ኣበርክቶ ግን ኣየጕልሑን እዮም። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ: ቅኑዕ ድራኸ ኻብቲ ብብሕቲ እትፍጽሞ ነገራት ንላዕሊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ የስተውዕሉ እዮም። ዝዀነ ይኹን ኣብ መወዳእታ ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረክብ ሰብ: ብብሕቱ ብዝፈጸሞ ነገራት ዘይኰነስ ብእምነትን ብጸጋን እዩ ዚረኸቦ።—ሉቃስ 17:10፣ ዮሃንስ 3:16

2, 3. ጳውሎስ ብምንታይ እዩ እተመክሐ፧ ስለምንታይከ፧

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ጕዳይ እዚ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነበረ። ካብቲ ‘ናይ ስጋኡ ግራጭ’ ንኺገላገል ሰለስተ ሳዕ ምስ ጸለየ: የሆዋ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ: ጸጋይ ይአኽለካ” ኢሉ መለሰሉ። ጳውሎስ ነቲ የሆዋ ዝወሰኖ ውሳነ ብትሕትና ብምቕባል: “ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር: ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ” በለ። ነዚ ኣረኣእያኡ እዚ ንኽንቀድሖ ባህጊ ኺሓድረና ኣለዎ።—2 ቈረንቶስ 12:7-9

3 ጳውሎስ ክርስትያናዊ ግብሪ ኣብ ምግባር ሓለፍ ዝበለ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ዚፍጽሞ ዝነበረ ብኽእለቱ ዘይምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ብትሕትና ድማ “ንኣይ: ካብ ኵሎም ቅዱሳን ለጠቕ ንዝብል: እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ: እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ” በለ። (ኤፌሶን 3:8) ካብዚ ቓላቱ ኸኣ ምኩሕን ተመጻዳቕን ዕቡይን ከም ዘይነበረ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። “ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም።” (ያእቆብ 4:6፣ 1 ጴጥሮስ 5:5) ንሕናኸ ኻብቶም ዝተሓቱ ኣሕዋትና ንታሕቲ ኸም ዝዀንና ብምሕሳብ ኣብነት ጳውሎስ ንስዕብ ዲና፧

“እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ”

4. ሓድሓደ ግዜ ኻልኦት ሰባት ከም ዚበልጹና ጌርና ንኽንወስድ ዜጸግመና ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

4 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ” ብምባል መዓዶም። (ፊልጲ 2:3) ብፍላይ ሓላፍነት ዘሎና እንተ ዄንና: ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ምሓዝ ኬጸግመና ይኽእል ይኸውን። ምናልባት በቲ ኣብዛ ዓለም ሰፊኑ ዘሎ ናይ ውድድር መንፈስ ብእተወሰነ መጠን ስለ እተጸሎና ኢና እንጽገም ንኸውን። ካብ ቍልዕነትና ኣትሒዝና: ኣብ ቤትና ምስ ኣሕዋትና ወይ ኣብ ቤት ትምህርትና ምስ ደቂ ኽፍልና ንኽንወዳደር ንተባባዕ ኔርና ንኸውን። ኣብ ቤት ትምህርትና ብሉጽ ስፖርተኛ ወይ ብሉጽ ተመሃራይ ክንከውን ወትሩ ድፍኢት ይግበረልና ነይሩ ይኸውን። ልክዕ እዩ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ግቡእ ዝዀነ ዓውዲ ዚከኣለና ዘበለ ምግባር ዚነኣድ እዩ። ይኹን እምበር: ክርስትያናት ከምዚ ዚገብሩ ዘየድሊ ቘላሕታ ንኺግበረሎም ዘይኰነስ: ካብቲ ንጥፈታት ምሉእ ብምሉእ ንኺጥቀሙን ምናልባት እውን ንኻልኦት ንኺጠቕሙን ኢሎም እዮም። ወትሩ ብሉጽ ክትከውን ምድላይ ግን ሓደገኛ እዩ። ብኸመይ፧

5. ናይ ውድድር መንፈስ ምቍጽጻር እንተ ዘይተገይሩሉ ናብ ምንታይ እዩ ዚመርሕ፧

5 ናይ ውድድር መንፈስ ኰነ ኣነ እበልጽ ዚብል መንፈስ ምቍጽጻር እንተ ዘይተገይሩሉ: ንሓደ ሰብ ንኻልኦት ከም ዚንዕቕን ዕቡይ ከም ዚኸውንን ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ብኽእለትን ሓለፋታትን ካልኦት ኪቐንእ ይኽእል እዩ። ምሳሌ 28:22 “ክፉእ ዝዓይኑ ሰብ ኪህብትም ይቕልጥፍ: ሽጋር ከም ዚወርዶ ኸኣ ኣይፈልጥን” ትብል። ሕሉፍ ሓሊፉ ዘይተዋህቦ መዝነት ንምሓዝ ብድፍረት ይመጣጠር ይኸውን። ነዚ ምእንቲ ኼመኻኒ ኢሉ ድማ: ኬጕረምርምን ንኻልኦት ኪነቅፍን ይጅምር ይኸውን፣ እዚ ኸኣ ክርስትያናት ኬርሕቕዎ ዘለዎም ባህርያት እዩ። (ያእቆብ 3:14-16) በዚ ዀነ በቲ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዚብልዎ ኣረኣእያ እዩ ዜማዕብል ዘሎ።

6. መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ናይ ውድድር መንፈስ ወይ ካብ ምቅንናእ ንኽንርሕቕ ብኸመይ የጠንቅቐና፧

6 ስለዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት “ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ: ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ” ብምባል ይምዕዶም። (ገላትያ 5:26) ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ሓደ ኸምዚ ዓይነት መንፈስ ዘማዕበለ ክርስትያን ኪዛረብ ከሎ: “ኣነ ናብታ ማሕበር ሓደ ነገር ጽሒፈ አሎኹ: እቲ ኣዉራኦም ኪኸውን ዚደሊ ድዮትሬፌስ ግና ኣይቅበለናን እዩ። ስለዚ: እንተ መጻእኩ: ኣነ ነቲ ንሱ ብእኩይ ዘረባ እናጸረፈና ዚገብሮ ዘሎ ግብሪ ኸዘክሮ እየ” በለ። ሓደ ክርስትያን ከምዚ ኺገብርሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ!—3 ዮሃንስ 9, 10

7. ሓደ ክርስትያን ኣብዚ ናይ ውድድር መንፈስ ዝመልኦ ስራሕ ካብ ምንታይ እዩ ኺርሕቕ ዚደሊ፧

7 ሓደ ክርስትያን ንዅሉ ዓይነት ውድድር ምሉእ ብምሉእ ኬወግዶ ኢልካ ምሕሳብ ዘይከውን እዩ። ንኣብነት: ኣብ ዓለማዊ ስርሑ ምስ ናይ ካልኦት ውልቀ-ሰባት ወይ ትካላት ዚመሳሰል ፍርያት ብምፍራይ ወይ ኣገልግሎታት ብምሃብ ብቝጠባዊ መዳይ ይወዳደር ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እውን ከይተረፈ: ሓደ ክርስትያን ንንግዱ ብኣኽብሮትን ብፍቕርን ብሓልዮትን ኪፍጽሞ ኣለዎ። ዘይሕጋውን ዘይክርስትያናውን ተግባራት ይሓድግ: ብናይ ውድድር መንፈሱ ኣጸቢቑ ዚፍለጥ ከይከውን ድማ ይጥንቀቕ። ኣብ ኵሉ መዳያት ቀዳማይ ምዃን ኣብ ህይወት እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ዘይምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ሓደ ክርስትያን ኣብ ዓለማዊ ዕዮኡ ነዚ ኼንጸባርቕ ካብ ሃለዎ: ኣብ ኣምልኾኡ ግዳ ኽንደይ ኣብዚሑ ነዚ ኼንጸባርቖ ዘይግባእ!

“ብናይ ካልእ ዘይኰነ”

8, 9. (ሀ) ክርስትያን ሽማግለታት ንሓድሕዶም ኪወዳደሩ ዘይብሎም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ቀዳማይ ጴጥሮስ 4:10 ንዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እትምልከት ስለምንታይ እያ፧

8 ክርስትያናት ኣብ ኣምልኾኦም ኪህልዎም ዚግባእ ኣረኣእያ: “ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር: ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ: በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ” ብዚብል መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት ተገሊጹ ኣሎ። (ገላትያ 6:4) ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ሽማግለታት ንሓድሕዶም ዚወዳደሩ ሰባት ዘይምዃኖም ስለ ዚፈልጡ: ከም ሓደ ኣካል ኰይኖም ይተሓባበሩ: ብሓባር ከኣ ይዓዩ። ነፍሲ ወከፎም ንጥቕሚ እታ ጉባኤ ብዚገብርዎ ኣበርክቶ ይሕጐሱ እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ካብ ዚኸፋፍል ውድድር ይርሕቑ: ነታ ጉባኤ ድማ ብሓድነት ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ይዀኑ።

9 ገሊኦም ሽማግለታት ብሰንኪ ዕድመ: ተመክሮ: ወይ ተፈጥሮኣዊ ኽእለት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ኣስለጥቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም: ወይ ዝያዳ ምስትውዓል ይህልዎም ይኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሽማግለታት ኣብ ማሕበር የሆዋ እተፈላለየ ሓላፍነታት ኣለዎም። ገዛእ ርእሶም ምስ ካልኦት ብምውድዳር ዘይኰነስ: ነቲ “ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ: ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ” ዚብል ምኽሪ ይዝክሩ። (1 ጴጥሮስ 4:10) ከም ሓቂ ግን ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ብእተወሰነ ደረጃ እቲ ርጡብ ፍልጠት ስለ እተዋህቦምን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ናይ ምስታፍ ፍሉይ መሰል ስለ ዘለዎምን: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንዅሎም እትምልከት እያ።

10. ቅዱስ ኣገልግሎትና ብየሆዋ ተቐባልነት ዚህልዎ እንታይ ምስ ዚኸውን ጥራይ እዩ፧

10 ቅዱስ ኣገልግሎትና ንርእስና ኻብ ካልኦት ክብ ንምባል ኢልና ዘይኰነስ: ካብ ፍቕርን ተወፋይነትን ተላዒልና ምስ እንገብሮ እዩ ንየሆዋ ዜሐጕሶ። ስለዚ: ነቲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ እንገብሮ ንጥፈታት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ንውሽጣዊ ድራኸ ኻልእ ብልክዕ ኪፈርዶ ኣይክእልን እዩ: የሆዋ ግን ‘ንልቢ ይመዝኖ’ እዩ። (ምሳሌ 24:12፣ 1 ሳሙኤል 16:7) ስለዚ: በብግዜኡ ‘ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝፍጽሞ ግብርታት ንኽፍጽም ዚድርኸኒ እንታይ እዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና።—መዝሙር 24:3, 4፣ ማቴዎስ 5:8

ብዛዕባ ግብርና ኺህልወና ዘለዎ ግቡእ ኣረኣእያ

11. ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ንጥፈታት እንታይ ሕቶታት እዩ ኺለዓል ዚግባእ፧

11 ብየሆዋ ተቐባልነት ንኽንረክብ: ድራኸና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ እንተ ዀይኑ: ብዛዕባ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንፍጽሞ ግብርና ኽሳዕ ክንደይ ኢና ኽንግደስ ዘሎና፧ ኣገልግሎትና ብቕኑዕ ድራኸ ኽሳዕ ዝፈጸምና: ነቲ ዝገበርናዮ ኽንደይ ምዃኑ ጸብጻብ ክንሕዝ ኣድላዪ ድዩ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝገበርናዮ ግብርታት ዚገልጽ ቍጽርታት ቀዳምነት ክንህቦ ወይ ከኣ ጽቡቕ ጸብጻብ ምሃብ ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታትና ቐንዲ ዜገድሰና ነገር ክንገብሮ ስለ ዘይንደሊ: እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶታት ኪለዓል ግቡእ እዩ።

12, 13. (ሀ) ኣገልግሎትና እንምዝግበሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ነቲ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ስብከት ክንርኢ ኸለና እንታይ እዩ ዜሐጕሰና፧

12 እታ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል እትበሃል መጽሓፍ እንታይ ከም እትብል እሞ ኣስተብህል:- “ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕዮ ስብከት ብዛዕባ ዚርአ ምዕባለ ዚገልጽ ጸብጻብ የገድሶም ነበረ። (ማርቆስ 6:30) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ኺፈስስ ከሎ: 120 ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዝነበሩ ይነግረና። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ቝጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ 3,000: ጸኒሑ ኸኣ ናብ 5,000 ዓበየ። . . . (ግብሪ ሃዋርያት 1:15፣ 2:5-11, 41, 47፣ 4:4፣ 6:7) እዚ ወሰኽ እዚ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኽሳዕ ክንደይ ኣተባቢዕዎም ኰን ኪኸውን ኣለዎ!” በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ዚብል ቃላት የሱስ ኪፍጽሙ ኸለዉ: ኣብ መላእ ዓለም እንታይ ከም እተፈጸመ ዚገልጽ ልክዕ ጸብጻብ ኪምዝግቡ ይጽዕሩ። (ማቴዎስ 24:14) ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት ኣብ ዓለም እንታይ ከም እተዓመ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ኣብ ምንታይ መዳይ ሓገዝ ከም ዜድሊ: ዕዮ ስብከት ንምፍጻም ከኣ እንታይ ዓይነትን ክንደይ ዚኣክልን ጽሑፍ ከም ዜድሊ ይሕብር።

13 እምበኣር: ብዛዕባ እቲ ኣብ ስብከት እንገብሮ ንጥፈታት ጸብጻብ ምሃብና: ነቲ ብስራት መንግስቲ ኽንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ብዝያዳ ንኽንፍጽም የኽእለና። ብዘይካዚውን: ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋትና ብዛዕባ ዝዓመምዎ ነገራት ክንሰምዕ ከለና ኣይንተባባዕንዶ ኢና፧ ኣብ መላእ ምድሪ ዘሎ ዕቤትን ምስፋሕን የሐጕሰና: ብዝያዳ ንኽንዓዪ የለዓዕለና: በረኸት የሆዋ ኸም ዘሎና ድማ የረጋግጸልና። ናይ ብሕትና ጸብጻብ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ከም ዝኣተወ ምፍላጥናኸ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜዕግበና! እቲ ጸብጻብና ምስቲ ጠቕላላ ድምር ኪርአ ኸሎ ንእሽቶ እኳ እንተዀነ: የሆዋ ግን ይርእዮ እዩ። (ማርቆስ 12:42, 43) ብዘይ ናትካ ጸብጻብ: እቲ ድምር ዘይተማልአ ኸም ዚኸውን ኣይትረስዕ።

14. ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ብዘይካ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ: እንታይ ካልእ ነገራት እውን እዩ ዚጠቓለል፧

14 ልክዕ እዩ: መብዛሕትኡ ኻብቲ ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ውፉይ ኣገልጋሊ ኣምላኽ መጠን ሓላፍነቱ ንምፍጻም ዚገብሮ ነገራት ኣብቲ ዚህቦ ጸብጻብ ኣይኣቱን እዩ። ንኣብነት: እቲ ጸብጻብና ነቲ ኣዘውቲርና እንገብሮ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ምእካብናን ምስታፍናን: ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት: ነቶም እተሸገሩ ክርስትያናት ብጾት እተዋህበ ሓገዝ: ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብገንዘብ እተገብረ ደገፍ: ከምኡውን ካልእ ነገራት ዜጠቓልል ኣይኰነን። ስለዚ: ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎትና ኣብ ስብከት ዘሎና ቕንኣት ንኸይንክን ንኸይንዝሕትልን ብምሕጋዝ ዝመጸ ኣገዳስነት እኳ እንተ ሃለዎ: ብዛዕባኡ ግን ቅኑዕ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርካብ: ኣብ ጽቡቕ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ጥራይ ከም እተመርኰሰ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን።

“ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእ”

15. ዋላ እኳ ግብሪ ንበይኑ ኼድሕነና ዘይክእል እንተዀነ: ንምንታይ ግን እዩ ኣገዳሲ ዝዀነ፧

15 ዋላ እኳ ግብሪ ንበይኑ ኼድሕነና ዘይክእል እንተዀነ: ኣገዳሲ ምዃኑ ግን ንጹር እዩ። ስለዚ ኸኣ እዮም ክርስትያናት “ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ” ተባሂሎም እተጸውዑ: “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል” ዚብል መተባብዒ እውን እተዋህቦም። (ቲቶስ 2:14፣ እብራውያን 10:24) ያእቆብ ዚበሃል ሓደ ኻልእ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብሓጺሩ “ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ: ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ” በለ።—ያእቆብ 2:26

16. ካብ ግብርና ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እንታይ እዩ፧ ካብ ምንታይ ግን ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧

16 ሰናይ ግብሪ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ: ነዚ ንምግባር ዚድርኸና ነገር ከኣ ብዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ: በብግዜኡ ውሽጣዊ ድራኸና ኽንምርምር ይግብኣና። ዝዀነ ይኹን ሰብ ንውሽጣዊ ድራኸ ኻልእ ኪፈልጥ ስለ ዘይክእል: ንኻልኦት ከይንፈርድ ክንጥንቀቕ ኣሎና። “ንስኻ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧” ዚብል ሕቶ ቐሪቡልና ኣሎ። “ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ” ዚብል መልሲ ድማ ተዋህበና። (ሮሜ 14:4) እቲ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋን እቲ ንሱ ዝሸሞ ፈራዲ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን ኣብ ግብርና ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ውሽጣዊ ድራኸናን ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚታትን ፍቕርናን ተወፋይነትናን ተመርኲሶም ኪፈርዱና እዮም። ክርስትያናት “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር” ዚብል ማዕዳ ተዋሂብዎም ኣሎ። የሆዋን ክርስቶስ የሱስን ጥራይ ከኣ እዮም ክርስትያናት ነዚ ብልክዕ እንተ ገይሮምዎ ኺፈርዱ ዚኽእሉ።—2 ጢሞቴዎስ 2:15፣ 2 ጴጥሮስ 1:10፣ 3:14

17. ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር እናጸዓርና ኸለና: ንያእቆብ 3:17 ክንዝክር ዘሎና ግን ስለምንታይ ኢና፧

17 የሆዋ ኣብቲ ኻባና ዚጽበዮ ነገራት ሚዛናዊ እዩ። ብመሰረት ያእቆብ 3:17 “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ” ካብ እተንጸባርቖ ባህርያት ሓደ “ልእምቲ” ወይ ሚዛናዊት ምዃና ተጠቒሱ ንረክብ። ንየሆዋ ኣብዚ መዳይ እዚ ኽንመስሎስ ጥበባዊ ወይ ብሓቂ ኣሳልጦ ዜምጽእዶ ኸይኰነ፧ እምበኣር: ንርእስና ዀነ ንኻልኦት ኣሕዋትና ሚዛኑ ዘይሓለወን ኪብጻሕ ዘይከኣልን ሸቶ ኣይነውጽእ።

18. ብዛዕባ ግብርናን ጸጋ የሆዋን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምስ ዚህልወና: እንታይ ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧

18 ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንገብሮ ግብርታትን ብዛዕባ ጸጋ የሆዋን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽሳዕ ዝሓዝና: ነቲ ንናይ ሓቂ ኣገልገልቲ የሆዋ መለለዪኦም ዝዀነ ሓጐስ ኪህልወና እዩ። (ኢሳይያስ 65:13, 14) ብብሕትና ኸነበርክቶ እንኽእል መጠን ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ: በቲ የሆዋ ኣብ ህዝቡ ብሓፈሻ ዜውሕዞ ዘሎ በረኸት ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። ወትሩ “ጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና” እናኣቕረብና: ኣምላኽ ዚከኣለና ዘበለ ንኽንገብር ምእንቲ ኺሕግዘና ኽንልምኖ ይግባእ። ድሕሪኡ: ብዘይ ጥርጥር ‘እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ንልብናን ሓሳብናን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።’ (ፊልጲ 4:4-7) እወ: ብግብርና ጥራይ ዘይኰነስ ብጸጋ የሆዋ ኸም እንድሕን ብምፍላጥና: ምጽንናዕን ምትብባዕን ክንረክብ ንኽእል ኢና!

ስለምንታይ እዮም ክርስትያናት:-

ብዛዕባ ብብሕቶም ዝፈጸምዎ ነገራት ዘይምክሑ፧

• ናይ ውድድር መንፈስ ዘየንጸባርቑ፧

• ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንዚፍጽምዎ ንጥፈታት ጸብጻብ ዚህቡ፧

• ንክርስትያናት ብጾቶም ዘይፈርዱ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

“ጸጋይ ይአኽለካ”

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት በቲ ነፍሲ ወከፎም ንጥቕሚ እታ ጉባኤ ዚገብርዎ ኣበርክቶ ይሕጐሱ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ብዘይ ናትካ ጸብጻብ: እቲ ድምር ኣይምተማልአን