ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት” ምሉእ ብምሉእ ተጠቒመላ

“ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት” ምሉእ ብምሉእ ተጠቒመላ

ታሪኽ ህይወት

“ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት” ምሉእ ብምሉእ ተጠቒመላ

ተድ ባኪንግሃም ዘዘንተዎ

ብሕማም ፖልዮ ኣብ እተጠቓዕኩሉ እዋን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኻብ ዝኸውን ሽዱሽተ ዓመት: ካብ ዝምርዖ ድማ ሽዱሽተ ወርሒ እየ ገይረ ነይረ። እዋኑ 1950 እዩ ነይሩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 24 ዓመት ነበርኩ። ኣብ ሆስፒታል ዝጸናሕኩለን ትሽዓተ ወርሒ ብዛዕባ ህይወተይ ብዙሕ ንኺሓስብ ኣኽኢሉኒ እዩ። ምስዚ ሓድሽ ስንክልናይ እዚ ኣብ መጻኢ ኣነን ብዓልቲ ቤተይ ጆይስን እንታይ ኢና ኽንከውን፧

ብ1938 እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዋላ ሓንቲ ተገዳስነት ዘይነበሮ ኣቦይ: ጋቨርንመንት (መንግስቲ) ዘርእስታ መጽሓፍ ኣምጽአ። a ምናልባት ነታ መጽሓፍ እቲኣ ንኺውንና ዝደረኾ: እቲ ፖለቲካዊ ናዕብን ዜንጸላሉ ዝነበረ ውግእን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣነ ኽሳዕ ዝፈልጦ: ነታ መጽሓፍ ፈጺሙ ኣንቢብዋ ኣይፈልጥን: እታ ሃይማኖታዊት ዝነበረት ኣደይ ግን ኣንበበታ። ብኡንብኡ ድማ ስጕምቲ ወሰደት። ካብ ኣቦይ ምጽራር እናኣጋጠማ ኽነሱ: ንቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ሓዲጋ እምንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት: ክሳዕ እቲ ዝሞተትሉ 1990 ከኣ እምንቲ ዀይና ጸንዐት።

ኣደይ ናብቲ ኣብ ኢፕሰም: ደቡብ ለንደን ዚርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወሰደትኒ: ኣብኡ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ተኻፈልኩ። እታ ጉባኤ ኣብ ሓደ መኽዘን ዝነበረ ህንጻ እያ እትእከብ ነይራ: ኣብኡ ኸኣ ቅዳሕ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ንዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜመሓድር ዝነበረ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ዘቕረቦ ዝርርብ ሰማዕና። እዚ ድማ ውሽጠይ ተንከፈኒ።

ለንደን ብነፈርቲ ኣብ እትድብደበሉ ዝነበረ እዋን: ኣብታ ኸተማ ምንባር ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ስለዚ: ብ1940 ኣቦይ ናብታ ኻብ ለንደን ብሸነኽ ምዕራብ 45 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ መይደንሄድ እትበሃል ዝሓሸት ቦታ ኣግዓዘና። እቶም ኣብኡ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ዝነበሩ 30 ኣባላት ምንጪ ምትብባዕ ስለ ዝዀኑና: እዚ ብዙሕ እዩ ጠቒሙና። ብ1917 እተጠምቀ ብመንፈስ ብሱል ዝነበረ ፍረድ ስሚዝ ዚበሃል ሓው: ብብሕቲ ተገዳስነት ኣርኣየኒ: ንፉዕ ሰባኺ ንክኸውን ድማ ኣሰልጠነኒ። ካብቲ ኣብነቱን ፍቕራዊ ሓገዙን ከኣ ብዙሕ ተጠቐምኩ።

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእታው

ብ1941 ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰንኩ: ኣብ ወርሒ መጋቢት ቍሪ ኣብ ዝነበረትላ መዓልቲ ኣብ ርባ ተምስ ተጠመቕኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ጂም ዚበሃል ምዕባየይ ሓወይ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ ዀይኑ የገልግል ነበረ። ምስ ማጅ እትበሃል ብዓልቲ ቤቱ ሓቢሩ ኣብ ምሉእ ብሪጣንያ ናይ ወረዳን ናይ ኣውራጃን ተዓዛቢ ዀይኑ ድሕሪ ምግልጋል: ሎሚ ኣብ በርሚንግሃም ይነብር ኣሎ። ሮቢና እትበሃል ምንኣሰይ ሓብተይን ፍራንክ ዚበሃል ብዓል ቤታን ከኣ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግሉ ኣለዉ።

ኣብቲ ግዜ እቲ: ንሓደ ኽዳውንቲ ዜፍሪ ትካል ናይ ሕሳብ ተጸባጻቢ ዀይነ እዓዪ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ: ናይታ ትካል ዓዳጊ ብምዃን ዝሓሸ ዕዮ ኺህበኒ ምዃኑ ገለጸለይ። እንተዀነ ግን: ኣብነት ሓወይ ክስዕብ እሓስብ ስለ ዝነበርኩ: ብትሕትና ምኽንያተይ ብምግላጽ ነቲ ኣስራሒየይ ዘቕረበለይ ሓሳብ ነጸግክዎ። እቲ ዜገርም ድማ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጠቓሚ ክርስትያናዊ ንጥፈት ክጽመድ ብምሕሳበይ ጽቡቕ ገይሩ ነኣደኒ። ስለዚ: ብ1944 ኣብ ኖርዛምፕተን ኣውራጃዊ ኣኼባ ድሕሪ ምግባርና: ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ ዀንኩ።

ፈለማ ናብታ ኣብ ኣውራጃ ዴቨን እትርከብ ከተማ ኤክስተር ተመደብኩ። እታ ኸተማ እቲኣ ኻብቲ ብግዜ ውግእ ዝወረዳ ደብዳብ በብቕሩብ ትህነጽ እያ ነይራ። ምስ ፍራንክ ሚድልተን ሩት ሚድልተን ዚበሃሉ ኽልተ ሕያዎት ፓይነራት ከኣ ተዳበልኩ። ሽዑ ወዲ 18 ዓመት እየ ነይረ: ክዳን ምሕጻብን ምግቢ ምኽሻንን እውን ብዙሕ ኣይፈልጥን ነበርኩ። በብቕሩብ ክእለተይ ምስ ኣማዕበልኩ ግን እናተመሓየሽኩ ኸድኩ።

ሓደ ኻብ 1920ታት ኣትሒዙ ኺምስክር ዝጸንሐ ቪክቶር ገርድ ዚበሃል ወዲ 50 ዓመት ኣየርላንዳዊ ሰብኣይ ከኣ መገላግልተይ ነበረ። ንሱውን ንግዜይ ግቡእ መደብ ንኸውጽእ: ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቐ ንኽፈትዎ: ከምኡውን እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ንኽርዳእ መሃረኒ። ኣብዘን ብዙሕ ትምህርቲ ዝረኸብኩለን ዓመታት: ቪክቶር ብጽንዓቱ ዘርእዮ ዝነበረ ኣብነት ብዙሕ እዩ ጠቒሙኒ።

ሕቶ ገለልትነት

እቲ ውግእ ይዛዘም እኳ እንተ ነበረ: እቶም ሰበ-ስልጣን ግን ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዚዀኑ መንእሰያት የድልይዎም ነበሩ። ብ1943 ኣብቲ ኣብ መይደንሄድ ዚርከብ ቤት ፍርዲ ቐሪበ ነይረ: ኣብኡ ኸኣ ኣገልጋሊ ወንጌል ብምዃነይ ካብ ውትህድርና ናጻ ክኸውን ከም ዚግባእ ገለጽኩ። እቲ ዘቕረብክዎ ምሕጽንታ ተቐባልነት እኳ እንተ ዘይረኸበ: ናብ ኤክስተር ከይደ ኸገልግል ወሰንኩ። ስለዚ: ኣብ ኤክስተር ኣብ ዚርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ተጸዋዕኩ። እቲ ዳኛ ንሹድሽተ ወርሒ ኣብ ከቢድ ሸቕሊ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ክእሰር ኪፈርደኒ ኸሎ: ካብዚ ንላዕሊ ኼንውሖ ዘይምኽኣሉ እውን ከም ዘጕሃዮ ነገረኒ። ንሽዱሽተ ወርሒ ተኣሲረ ድሕሪ ምጽናሕ: እንደገና ተወሳኺ ኣርባዕተ ወርሒ ተኣሰርኩ።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣነ በይነይ ጥራይ ናይ የሆዋ ምስክር ብምንባረይ: እቶም ሓለውቲ: ጀሆቫ ኢሎም ይጽውዑኒ ነበሩ። ስምና በብተራ ኣብ ዚጽውዓሉ እዋን ኣቤት ክብል ከለኹ ፍሉይ ስምዒት እኳ ይስምዓኒ እንተ ነበረ: ስም ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ኺጽዋዕ ምስማዕ ግን ረብሓ ነይርዎ። ካልኦት እሱራት ከም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ብዘሎኒ ኣቕዋም ተኣሲረ ኸም ዘለኹ ንኺፈልጡ ይሕግዝ ነበረ። ጸኒሑ ኖርማን ካስትሮ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ መጸ: መጸውዕየይ ድማ ተቐየረ። ንኽልቴና ሙሴን ኣሮንን ኢሎም ኪጽውዑና ጀመሩ።

ካብ ኤክስተር ናብ ብሪስቶል: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብቲ ኣብ ዊንቸስተር ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ገዓዝኩ። ኣብኡ ዝነበረ ዅነታት ጽቡቕ ኣይነበረን: እንተዀነ ግን በዚ ንዋዘ ነበርና። ኣነን ኖርማንን ኣብ ዊንቸስተር ኣብ ዝነበርናሉ እዋን በዓል ዝኽሪ ኸነብዕል ብምኽኣልና ተሓጒስና ኢና። ሽዑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኺበጽሓና ዝመጸ ፍራንሲስ ኩክ: ጽቡቕ ዝርርብ ሃበና።

ድሕሪ ውግእ ኣብ ዝነበረ ዓመታት እተራእየ ለውጥታት

ብ1946 ኣብ ብሪስቶል ኣብ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ “ለት ጎድ ቢ ትሩ” ዘርእስታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር እትሕግዝ ጽሕፍቲ ወጸት። ኣብኡ ምስ ሓንቲ ኣብ ደቨን ፓይነር ኰይና እተገልግል ዝነበረት ጆይስ ሙር እትበሃል ምጭውቲ መንእሰይ ተራኸብና። ምሕዝነትና እናደልደለ ኸደ: ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ከኣ ኣብታ ኻብ 1947 ኣትሒዘ ዚነብረላ ዝነበርኩ ኸተማ ቲቨርተን ተመርዓና። ንኽራይ ገዛ ኣብ ሰሰሙን 15 ሽሊንግ (1.10 ዶላር ኣመሪካ) እናኸፈልና ኽንነብር ጀመርና። ሽዑ ዜሐጕስ ህይወት ኢና ኣሕሊፍና።

ኣብታ እተመርዓናላ ናይ መጀመርታ ዓመት: ናብታ ኣብ ደቡብ እትርከብ ወደብ ዘለዋ ኸተማ ብሪክስሃም ገዓዝና። ኣብኣ ነዊሕ ከይጸናሕና ግን: ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምስታፍ ናብ ለንደን ክኸይድ ከለኹ ብሕማም ፖልዮ ተታሓዝኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ውኖይ ኣጥፋእኩ። ኣቐዲመ ኸም ዝገለጽክዎ ንትሽዓተ ወርሒ ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽናሕ ወጻእኩ። የማነይቲ ኢደይን ክልቲአን ኣእጋረይን ብዙሕ ተጐድኣ: ክሳዕ ሕጂውን ከምኡ ኢለን እየን ዘለዋ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ብምርኩስ ክንቀሳቐስ ነበረኒ። እታ ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤተይ ብፍላይ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገሎት ስለ ዝቐጸለት: ወትሩ እተሐጕስ ብጸይትን ምንጪ ምትብባዕን እያ ነይራ። ድሕርዚ ግን እንታይ ኢና እንገብሮ፧ ኢድ የሆዋ ሓጻር ዘይምዃና ርእየ እየ።

ንዓመታኡ ኣብ ዊምበልደን: ለንደን ኣብ እተገብረ ኣኼባ ተሳተፍና። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዘይምርኩስ እየ ዝንቀሳቐስ ነይረ። ኣብኡ ኸኣ ምስቲ ነቲ ኣብ ብሪጣንያ ዚርከብ ዕዮ ዜመሓድር ዝነበረ ፒርስ ህዩስ ተራኸብና። ሰላም ድሕሪ ምባሉ “ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኽትከውን ንደልየካ ኢና!” በለኒ። ካብዚ ዚበልጽ ምትብባዕ ፈጺመ ኣይምረኸብኩን። ንምዃኑ ነዚ ዝበቅዕ ድየ፧ ኣነን ጆይስን ነዚ ሓሰብናሉ: ንሰሙናት ድሕሪ ምልምማድን ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ብምግባርናን: ናብቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ዘገልግለሉ ደቡባዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ ተጐዓዝና። ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 25 ዓመት እየ ነይረ: ነቲ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜርእዩኒ ዝነበሩ ሞሳን ሕያውነትን ትዕግስትን ግን ኣይርስዖን እየ።

ካብቲ ኣነን ጆይስን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ዘገልገልናሉ እተፈላለየ ዓውድታት: ንጉባኤታት እንገብሮ ዝነበርና ምብጻሕ ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ዜቀራርብ ኰይኑ ኢና ረኺብናዮ። ማኪና ስለ ዘይነበረትና: ብባቡር ወይ ብኣውቶቡስ ንጐዓዝ ነበርና። ነቲ ሕማመይ ዘስዓበለይ ቀይድታት ገና እለምዶ እኳ እንተ ነበርኩ: ክሳዕ 1957 ግን ኣብዚ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት ኣጋጣሚ ብሓጐስ ተጸሚድና ኢና። ብሓቂ ዜዕግብ ህይወት እዩ ነይሩ: ብ1957 ግን ተወሳኺ ዕዮ ቐረበልና።

ሚስዮናውያን ኴንና ዝፈጸምናዮ ኣገልግሎት

ኣብ መበል 30 ኽፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንሳተፍ ጻውዒት ምስ ቀረበልና ብዙሕ ኢና ተሓጒስና። ነቲ ስንክልናይ ተጻዊረ እመላለስ ብምንባረይ: ኣነን ጆይስን ተሓጒስና ነቲ ጻውዒት ተቐበልናዮ። ፍቓዱ ኽንገብር እንተ ጽዒርና: የሆዋ ወትሩ ሓይሊ ኸም ዚህበና ኻብ ተመክሮ ርኢናዮ ኢና። ኣብቲ ኣብ ደቡብ ላንሲን: ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ ባህ ዜብል ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተዋህበና ሓሙሽተ ወርሒ ዚውስድ ጽዑቕ ስልጠና በሪሩ ሓለፈ። ኣብኡ ዝነበርና ተመሃሮ መብዛሕትና ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዄንና እነገልግል ሰብ ሓዳር ኢና ኔርና። ሚስዮናውያን ኴንና ናብ ወጻኢ ኽንከይድ ፍቓደኛታት ዝዀንና እንተሊና ሕቶ ምስ ቀረበ: ተመዝገብና። ናበይከ ኸድና፧ ናብታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ኡጋንዳ!

ኣብ ኡጋንዳ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚዓይዎ ዕዮ ተኣጊዱ ብምንባሩ: ኣብታ ሃገር ዓለማዊ ስራሕ ሒዘ ክቕመጥ ምኽሪ ተዋህበኒ። ብመርከብን ብባቡርን ነዊሕ ጕዕዞ ድሕሪ ምግባርና: ኣብ ካምፓላ: ኡጋንዳ በጻሕና። እቶም ሰበ-ስልጣን ብምምጻእና ኣይተሓጐሱን: ንሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ክንጸንሕ ድማ ፈቐዱልና። ድሕሪኡ ኻብታ ዓዲ ኽንወጽእ ኣዘዙና። ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ብእተዋህበና መምርሒ መሰረት ናብ ሰሜናዊ ሮደዥያ (ሕጂ ዛምብያ) ኸድና። ኣብኡ ኸኣ ምስቶም ኣብ ጊልዓድ ደቂ ኽፍልና ዝነበሩ ፍራንክ ልዊስን ካሪ ልዊስን ከምኡውን ሄዝ ሆስኪንስን ሃሪየት ሆስኪንስን ምርኻብና ኣሐጐሰና። ነዊሕ ከይጸናሕና ኻብኡ ናብ ደቡባዊ ሮደዥያ (ሕጂ ዚምባብወ) ተመደብና።

ናብኡ ብባቡር ተጓዓዝና: ኣብ ቡላዋዮ ቕድሚ ምብጻሕና ኸኣ ነቲ ዜደንቕ መንጫዕጫዕታ ቪክቶርያ ንመጀመርታ ግዜ ረኣናዮ። ምስቶም ንመጀመርታ ግዜ ኣብታ ዓዲ ዝሰፈሩ እንዳ ማክላኪ ዚበሃሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንእተወሰነ እዋን ጸናሕና። ኣብቲ ዚቕጽል 16 ዓመት ምሳታቶም ኣጸቢቕና ምፍላጥና ዜሐጕስ እዩ ነይሩ።

ምስቲ ዜጋጥመና ዝነበረ ለውጢ ተዋሃሂድና ምንባር

ምስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዅነታት ንኽለማመድ ንኽልተ ሰሙን ዚኣክል ስልጠና ምስ ተዋህበኒ: ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዀይነ ተመዘዝኩ። ኣብ ጫካታት ኣፍሪቃ ንኽትሰብኽ ማይ: ምግቢ: መደቀሲ: ክዳውንቲ: ፊልም መርኣዪት ፕሮጀክተር: ኤለክትሪክ እተመንጩ ጀነሬተር: ዓብዪ ፊልም ዚረኣየሉ ዓለባ: ከምኡውን ካልእ ዜድሊ ነገራት ሒዝካ ኽትዘውር ኣሎካ። እዚ ዅሉ ኣብ ሓንቲ ነቲ ጐዳጕዲ ዝመልኦ መገዲ እትጻወር ድልድልቲ ማኪና ንጽዕኖ ነበርና።

ኣነ ምስቶም ኣፍሪቃውያን ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ኸገልግል ከለኹ: ጆይስ ከኣ ነተን ደቀን ሒዘን ምሳና ሓቢረን ዚጐዓዛ ኣንስቶም ትሕግዘን ነበረት። ኣብቲ ጣሻ ዝበዝሖ ጐላጕል ኣፍሪቃ ብእግርኻ ምጕዓዝ: ብፍላይ መዓልቲ ኺድህር ከሎ ኣድካሚ እዩ። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣየር ነቲ ስንክልናይ ንኽጻወሮ ዝቐለለ ኸም ዝገብረለይ ኣስተውዓልኩ: ነዚ ድማ አመስግነሉ እየ።

እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ ድኻታት እዮም። ብዙሓት ብባህልን ማሪታዊ ፍርህን ብድርብ መውስቦን እተጠላለፉ እኳ እንተ ነበሩ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ግን ዓሚቝ ኣኽብሮት ነበሮም። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ኣብ ትሕቲ ዓብዪ ኦም ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ይግበር ነበረ: ምሸት ከኣ በቲ ኣብኡ እተንጠልጠለ ብዘይቲ ዚሰርሕ ፋኑስ ገይሮም የብርሁ ነበሩ። ነቲ ዜደንቕ ፍጥረት ዝዀነ ኸዋኽብቲ ጫሕ ኢሉ እናረኣና ቓል ኣምላኽ ከነጽንዕ ከለና: ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ይሓድረና ነበረ።

ኣብ ኣፍሪቃ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዘዳለወቶ ፊልምታት ዘርኣናሉ እዋን: ዘይርሳዕ ተዘክሮ እዩ ሓዲጉልና። ሓንቲ ጉባኤ 30 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይህልዉዋ ይዀኑ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ግን መብዛሕትኡ ግዜ 1,000 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ተኣከብቲ ኢና እንጽበ።

ኣብ ትሮፒክ ብዙሕ ሳዕ ክትሓምም ትኽእል እኳ እንተ ዀንካ: ወትሩ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺህልወካ ይግባእ። ኣነን ጆይስን ሕማምና እናተጻወርና ብኸመይ ከም እንመላለስ ተማሂርና ኢና። ኣነ ብተደጋጋሚ ዓሶ ሒዛትኒ እያ። ንጆይስ ድማ ኣሜባ የጥቅዓ ነበረ።

ጸኒሑ ኣብቲ ኣብ ሳሊስበሪ (ሕጂ ሃራረ) ዝነበረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከነገልግል ተመደብና። ኣብኡ ኸኣ ምስ ከም እኒ ለስተር ዴቪ ኸምኡውን ጆርጅ ብራድሊን ሩቢ ብራድሊን ዝኣመሰሉ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣገልገልና። እቲ መንግስቲ ንኸመራዑ ስልጣን ስለ ዝሃበኒ: ስነ-ስርዓት መርዓ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትና ኽፍጽም ከኣልኩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ጉባኤታት ዚርከብ ክርስትያናዊ መርዓ ኣደልደሎ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ካልእ መዝነት እውን ተዋህበኒ። ነተን ኣብታ ሃገር ዚርከባ ናይ ባንቱ ቛንቋታት ዘይጥቀማ ጉባኤታት ክበጽሕ ተመደብኩ። ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣነን ጆይስን ነሕዋትና በዚ መገዲ እዚ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦም ብምኽኣልና ባህ በለና: በቲ መንፈሳዊ ዕቤቶም ድማ ተሓጐስና። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቶም ኣብ ቦትስዋናን ሞዛምቢክን ዚርከቡ ኣሕዋት እውን ንበጽሖም ነበርና።

እንደገና ገዓዝና

ኣብ ደቡባዊ ኽፋል ኣፍሪቃ ሓያሎ ዜሐጕስ ዓመታት ድሕሪ ምሕላፍ: ብ1975 ናብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሰራልዮን ተመደብና። ኣብቲ ሓድሽ ዞባ ኣገልግሎትና ንምፍጻም ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምስ ኣተና: ነዊሕ ከይጸንሐ ዓሶ ስለ ዘጥቅዓትኒ: ኣመና ደኸመኩ: ናብ ለንደን ከይደ ድማ ክሕከም ነበረኒ። ኣብኡ እንደገና ናብ ኣፍሪቃ ኸይምለስ ምኽሪ ተዋህበኒ። ኣነን ጆይስን በዚ እኳ እንተ ጐሃና: ኣብ ለንደን ዚርከቡ ስድራ ቤትኤል ግን ጽቡቕ ገይሮም ተቐበሉና። እቶም ኣብ ጉባኤታት ለንደን ዝነበሩ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትና ኸኣ ኣብቲ ዝለመድናዮ ቦታታት ከም ዘሎና ዀይኑ ኸም ዚስምዓና ገበሩ። ጥዕናይ እናተመሓየሸ ምስ ከደ: ንኽፍሊ ሸመታ ኽቈጻጸር ሓላፍነት ተዋህበኒ። ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ዓመታት ብዙሕ ናይ ምስፋሕ ዕዮ ስለ እተገብረ: እዚ መዝነት እዚ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ 1990ታት እታ ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤተይ ጆይስ ብናይ መትኒ ሕማም ተታሕዘት: ብ1994 ከኣ ሞተት። ምስቲ ዘጋጠመና እተፈላለየ ዅነታት ተወሃሂዳ እትመላለስ ፈቃርን እምንትን ሰበይቲ እያ ነይራ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓዘን ንምጻሩ: ንጹር መንፈሳዊ ኣረኣእያ ምሓዝን ወትሩ ኣብ መጻኢ ምትኳርን ኣገዳሲ ዀይኑ እየ ረኺበዮ። ጽቡቕ ቲኦክራሲያዊ መደብ: እንተላይ ናይ ስብከት መደብ ንኺህልወኒ ብጸሎት ምልማነይ: ሓሳበይ ትሑዝ ንኺገብሮ ሓጊዙኒ።—ምሳሌ 3:5, 6

ኣብ ቤትኤል ምግልጋል ፍሉይ መሰልን ጽቡቕ ህይወትን እዩ። ምስ ብዙሓት መንእሰያት እዓዪ: ብዙሕ ሓጐስ ድማ እረክብ እየ። ሓደ ኻብቲ በረኸት: እቶም ናብ ለንደን ዝመጹ በጻሕቲ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ አገልግለሉ ኻብ ዝነበርኩ ኸባቢ ዝመጹ ፍቑራት ፈተውተይ የጋጥሙኒ እዮም: እቲ ዜሐጕስ ተዘክሮታት ከኣ ቅጅል ይብለኒ። እዚ ዅሉ “ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት” ምሉእ ብምሉእ ንኽጥቀመላ: “ነታ እትመጽእ” ከኣ ብምትእምማንን ብተስፋን ንኽጽበያ የኽእለኒ።—1 ጢሞቴዎስ 4:8

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብ1928 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት: ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብ1946 ምስ ኣደይ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1950 ምስ ጆይስ ኣብ እተመርዓናላ መዓልቲ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1953 ኣብቲ ኣብ ብሪስቶል እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ደቡባዊ ሮዴዥያ: ሕጂ ዚምባብወ: ንእተገለለት ጕጅለ (ላዕሊ) ኸምኡውን ንሓንቲ ጉባኤ (ጸጋም) ከገልግል ከለኹ