ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሰናይ ግብሪ ኣይትሰልኪ

ንሰናይ ግብሪ ኣይትሰልኪ

ንሰናይ ግብሪ ኣይትሰልኪ

ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ” ብምባል መዓደ። (1 ጴጥሮስ 2:12) እታ “ኣጸብቑ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ንሓደ “ውቁብ: ልዑል: ክቡር: ብሉጽ” ዝዀነ ነገር እያ እተመልክት። ኣብዚ እዋን እዚ ኻብ ሰባት ኣኽቢርካ ዚርአ ጠባይ ክትረክብ ትጽቢት ኣይግበርን እዩ። ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምዕዶ ጴጥሮስ ይስዕብዎ እዮም። አረ ኣብ መላእ ዓለም እውን በቲ ሰናይ ኣኻይዳኦም እዮም ዚፍለጡ።

ብፍላይ ኣብዚ ጭንቀት ዝመልኦ “ክፉእ ዘመን” እዚ: ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ዓይነት ኣኻይዳ ምህላዉ: ኪትኰረሉ ዚግባእ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ፈተናታት ክፍሊ መዓልታዊ ህይወትና እዩ: ኣብ ክርስትያናዊ ናብራ ድማ ምጽራር ንቡር እዩ። ብተወሳኺ: ገሊኡ ፈተናታት ሓጺር ኪኸውን ከሎ: ገሊኡ ግን ቀጻልን እናገደደ ዚኸይድን ኪኸውን ይኽእል። ይኹን እምበር: ጳውሎስ “እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” ብምባል ይምዕድ። (ገላትያ 6:9) መሪር ፈተናታትን ክቱር ጽልእን እናኣጋጠመካ ኽነስኻ: ከመይ ጌርካ ኢኻ ኸይሰልከኻ ሰናይ ክትገብር እትኽእል፧

ሰናይ ንምግባር ኪሕግዘና ዚኽእል ነገራት

“ልዑል: ክቡር: ብሉጽ” ምዃን ኪበሃል ከሎ: ኵነታት ልቢ ወይ ድማ ውሽጣዊ እንታይነት ሰብ ዚሕብር እዩ። ስለዚ: ፈተናታትን ጸገማትን እናኣጋጠመካ ኽነሱ ብሰናይ ኣኻይዳ ምምልላስ: ሃንደበት ብዜጋጥም ድፍኢት ዘይኰነስ: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ብምውዓል ዜፍርዮ ፍረ እዩ። በዚ መዳይ እዚ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ርአ።

ንኣረኣእያ ክርስቶስ ስዓብ። ትሕትና እንተ ሃልያትና: ንዚወርደና ግፍዒ ኽንጻወሮ ንኽእል። ዕቡይ ሰብ ግን ነቲ ዚወርዶ ግፍዒ ኺጻወሮ ኣይክእልን እዩ። የሱስ “ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ።” (ፊልጲ 2:5, 8) ንዕኡ እንተደኣ መሲልናዮ ኣብቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ‘ኣይክንሕለልን ከምኡውን ኣይክንደክምን’ ኢና። (እብራውያን 12:2, 3) ምስቶም ኣብታ ጉባኤኻ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ብምትሕብባር ትሕትና ዝመልኦ ተኣዛዝነት ኣርኢ። (እብራውያን 13:17) ጥቕሚ ኻልኦት ሰባት ብምቕዳም: ‘ካብ ርእስኻ ኣብሊጽካ’ ንምርኣይ ጽዓር።—ፊልጲ 2:3, 4

የሆዋ ኸም ዜፍቅረካ ኣይትረስዕ። የሆዋ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ክንኣምን ኣለና። (እብራውያን 11:6) ብሓቂ ይሓልየልና እዩ: ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ከኣ እዩ ዚደሊ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) ካብታ ፍቕሩ ዋላ ሓደ ኺፈልየና ዚኽእል ከም ዘየለ ምፍላጥና: ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ንኽንጸንዕ የኽእለና።—ሮሜ 8:38, 39

ኣብ የሆዋ ተወከል። ሓደ ፈተና መዛዘሚ ዘይብሉ ወይ ከኣ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ኣብ ዚዀነሉ እዋን: ኣብ የሆዋ ምውካል ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ‘ካብ ዓቕምና ንንየው ክንፍተን’ ከም ዘይሓድገናን “መውጽኢ” ኸም ዚገብረልናን ምሉእ ትውክልቲ ኺህልወና ይግባእ። (1 ቈረንቶስ 10:13) ንህይወት ዜስግእ ፈተና እውን እንተዀነ: ኣብ የሆዋ እንተደኣ ተወኪልና ኽንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና።—2 ቈረንቶስ 1:8, 9

ጸሎት ኣዘውትር። ልባዊ ጸሎት ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። (ሮሜ 12:12) ሓደ ኻብቲ ናብ የሆዋ ኽንቀርብ እንኽእለሉ መገዲ: ልባዊ ጸሎት እዩ። (ያእቆብ 4:8) ‘ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ: ከም ዚሰምዓና:’ ካብ ብሕታዊ ተመክሮ ርኢና ኢና። (1 ዮሃንስ 5:14) የሆዋ ንጽህናና ንኺፍተን እንተ ፈቒዱ: ንኽንዋጽኣሉ ብጸሎት ሓገዝ ክንሓትት ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 22:41-43) ጸሎት በይንና ኸም ዘይኰንናን የሆዋ ኣብ ጐድንና ስለ ዝዀነ ወትሩ ዕዉታት ከም እንኸውንን እዩ ዚምህረና።—ሮሜ 8:31, 37

‘ምስጋናን ክብርን’ ዜምጽእ ሰናይ ግብሪ

ኵሎም ክርስትያናት ሓሓሊፎም ‘ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ይጕህዩ’ እዮም። ኰይኑ ግን: ‘ንሰናይ ግብሪ ኽንስልኪ’ ኣይግብኣናን። ክትጭነቕ ከለኻ: ተኣማንነትካ “ምስጋናን ስብሓትን ክብርን” ከም ዜምጽእ ብምፍላጥ ጽናዕ። (1 ጴጥሮስ 1:6, 7) ነቲ የሆዋ ንኺሃንጸካ ኢሉ ዝገበሮ መንፈሳዊ ምድላው ምሉእ ብምሉእ ተጠቐመሉ። ብብሕቲ ሓገዝ እንተ ደሊኻ ድማ ናብቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ: ከም ጓሶትን መምህራንን መኸርትን ኰይኖም ዜገልግሉ ኺድ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ክርስትያናዊ ኣኼባታት “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ” ኪሕግዘካ ስለ ዚኽእል: ካብኡ ፈጺምካ ኣይተብኵር። (እብራውያን 10:24) ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ንናይ ብሕቲ መጽናዕትን መደብ ምስ እተውጽእ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ከኣ ኣዘውቲርካ ምስ እትሳተፍ: ንቑሕ ንኽትከውንን ብመንፈስ ንኽትድልድልን ኪሕግዘካ እዩ።—መዝሙር 1:1-3፣ ማቴዎስ 24:14

ንፍቕርን ሓልዮትን የሆዋ ዝያዳ እናስተማቐርካዮ ብዝኸድካ መጠን: እቲ ‘ሰናይ ንምግባር ዘሎካ ቕንኢ’ እናዓበየ ኪኸይድ እዩ። (ቲቶስ 2:14) ‘እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ከም ዚድሕን’ ኣይትረስዕ። (ማቴዎስ 24:13) እወ: ‘ሰናይ ግብሪ ንምግባር’ ቆራጽነት ግበር።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሆዋ ‘ኻብ ዓቕምና ንንየው ክንፍተን’ ከም ዘይሓድገናን “መውጽኢ” ኸም ዚገብረልናን ምሉእ ትውክልቲ ኺህልወና ይግባእ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ብቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ትሑዝ ምዃን: ንዜጋጥመና ፈተናታት ድሉው ይገብረና