ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ሓዳር ዘይምስምማዕ ምስ ዚፍጠር

ኣብ ሓዳር ዘይምስምማዕ ምስ ዚፍጠር

ኣብ ሓዳር ዘይምስምማዕ ምስ ዚፍጠር

ላ ሓደ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ: ኣብ ሓዳር ብዜጋጥም ግጭት ኣይሕጐስን እዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ወትሩ ዜጋጥም ነገር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ነቲ ሓደ ዜሕርቖ ነገር ብምዝራቡ እዩ እቲ ግጭት ዚጅመር። በዚ ኸኣ ዓውዓው ይብሉ: ኪቝጥዑ ይጅምሩ: ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ንሓድሕዶም ብነገር ኪወጋግኡ ይጅምሩ። ድሕሪኡ: ክልቲኦም ብምዅራዮም ስለ ዘይዘራረቡ: ጸጥታ ይሰፍን። ድሕሪ ግዜ: ቍጥዓ ይንኪ: ይቕረታ ድማ ይተሓታተቱ። እንተ ወሓደ ኽሳዕ ካልእ ግጭት ዚፍጠር ከኣ ሰላም ይሰፍን።

ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ምጕንፋጥ ኣብ መደባት ተለቪዥን ኣብ ዚቐርብ ሓያሎ ዋዛታትን ዛንታታትን ይርአ እዩ: ከም ሓቂ ግን እዚ መስሓቕ ኣይኰነን። ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምስላ “ብዕሽነት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ዚቘርጽ ሰይፊ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 12:18 ትርጕም 1990) እወ: ተሪር ዘረባ ድሕሪ እቲ ባእሲ ንነዊሕ እዋን ዚጸንሕ ስምዒታዊ በሰላ ኺገድፍ ይኽእል እዩ። ቈየቛ ናብ ዓመጻ እውን ኪመርሕ ይኽእል እዩ።—ዘጸኣት 21:18

ሰብ ዘይፍጹም ብምዃኑ: ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ጸገማት ሓድሓደ ግዜ ኺውገድ ኣይከኣልን እዩ። (ዘፍጥረት 3:16፣ 1 ቈረንቶስ 7:28) ይኹን እምበር: ብተደጋጋሚ ዜጋጥም ክብድ ዝበለ ምጕንፋጥ ከም ንቡር ጌርካ ኺርአ የብሉን። ወግሐ ጸብሐ ምቍያቕ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ፍትሕ ከም ዚመርሕ ክኢላታት ይሕብሩ። ስለዚ: ንስኻን ብዓልቲ ቤትካን ንዚፍጠር ዘይምስምማዕ ብሰላማዊ መገዲ ኽትፈትሕዎ ኽትክእሉ ኣለኩም። a

ነቲ ዅነታት ምግምጋሙ

ሓዳርካ ዘይምስምማዕ ዝበዝሖ እንተ ዀይኑ: እቲ ዜጋጭወኩም ምኽንያታት ምምስሳል እንተ ሃልይዎ ኽትፈልጥ ጽዓር። ንስኻን ብዓልቲ ቤትካን ኣብ ሓደ ጕዳይ ምስ ዘይትሰማምዑ እንታይ እዩ ዜጋጥም፧ እቲ ምይይጥ ብቕልጡፍ መገዱ ብምስሓት ናብ ምዝልላፍን ምክሳስን የምርሕ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ፈለማ: ንስኻ ንባዕልኻ ነቲ ጸገም ብኸመይ ኣበርክቶ ትገብር ከም ዘለኻ ብቕንዕና መርምር። ብቐሊሉ ትቝጣዕ ዲኻ፧ ብተፈጥሮኻ ተኻታዒ ዲኻ፧ ብዓልቲ ቤትካ ብዛዕባ እዚ እንታይ ትብል፧ ንስኻን ብዓልቲ ቤትካን ብዛዕባ ተኻታዒ ምዃን እተፈላለየ ኣረኣእያ ኺህልወኩም ስለ ዚኽእል: እዛ ናይ መወዳእታ ሕቶ እዚኣ ኣገዳሲት እያ።

ንኣብነት: ብዓልቲ ቤትካ ስቕ በሃሊት ክትከውን ከላ: ንስኻ ግን ግልጽን ስምዒትካ ብንጹር እትገልጽን ትኸውን። ብዛዕባ ኣዘራርባኻ “ኣብ ስድራቤትና ዅላትና በዚ ኸምዚ ኢና ሓሳብና እንገልጽ። እዚ ምክታዕ ኣይኰነን” ትብል ትኸውን። ምናልባት እውን ንዓኻ እዚ ምክታዕ ኣይመስለካን ይኸውን። እቲ ንስኻ ብግልጺ ምዝራብ ጌርካ ዝረኣኻዮ ነገር: ብዓልቲ ቤትካ ግን ከም ጐዳእን ናብ ባእሲ ዚመርሕን ክትዕ ገይራ ትርእዮ ትኸውን። ንስኻን ብዓልቲ ቤትካን ሓሳብኩም እተመሓላልፉሉ እተፈላለየ ኣገባባት ምህላዉ ምፍላጥኩም ጥራይ: ንዘይምርድዳእ ኬወግዶ ይኽእል እዩ።

ምክታዕ ኪበሃል ከሎ ኸኣ ወትሩ ዓውዓው ምባል ጥራይ ከም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። ጳውሎስ ንክርስትያናት “ታዕታዕን ጸርፍን . . . ኻባኻትኩም ይርሐቕ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ኤፌሶን 4:31) “ታዕታዕ” ዓውዓው ንምባል ከተመልክት ከላ: ‘ጸርፊ’ ግን ንትሕዝቶ እቲ ዘረባ እያ እተመልክት። በዚ መዳይ እዚ ኺርአ ኸሎ: ብሕሹዅሹዅ እተዛረብናዮ ቓላት እውን ዜሕርቕን ዜሕስርን እንተ ዀይኑ: ምስ ክትዕ ኪምደብ ይከኣል እዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው: ምስ ብዓልቲ ቤትካ ዚፍጠር ዘይምስምማዕ ብኸመይ ከም እትሕዞ እንደገና መርምር። ተኻታዒ ዲኻ፧ ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: ነዛ ሕቶ እዚኣ ዚኸውን ግቡእ መልሲ ብዓብዪኡ ኣብቲ ብዓልቲ ቤትካ ዘለዋ ኣረኣእያ እዩ ዚምርኰስ። ብዓልቲ ቤትካ ንንእሽቶ ነገር ኣኽቢዳ ኸም እትርኢ ጌርካ ብምውሳድ: ነቲ እትዛረበካ ነገር ዕሽሽ ኣብ ክንዲ እትብሎ: ንርእስኻ ብዓይኒ ብዓልቲ ቤትካ ጌርካ ርኣያ: ኣብቲ ዜድሊ ዘበለ ኸኣ ምትዕርራይ ግበር። ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረንቶስ 10:24

“ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ”

ካልእ ንዘይምስምማዕ እትፈትሓሉ መገዲ ኣብቲ የሱስ “ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት እተመርኰሰ እዩ። (ሉቃስ 8:18) የሱስ ኣብዚ ብዛዕባ ኣብ ሓዳር ዚህሉ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ይዛረብ ከም ዘይነበረ ዚከሓድ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: እቲ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ሓዳር እውን ኪውዕል ይኽእል እዩ። ንብዓልቲ ቤትካ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ እትሰምዓ፧ ንምዃኑ ትሰምዓ ዲኻ፧ ወይስ ገና ጸገማታ ኸይተረድኣካ ኸሎ: ቀሊል መፍትሒ ብምሃብ ኢኻ ዘረባኣ እትዀልፋ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ” ይብል። (ምሳሌ 18:13) ዘይምስምማዕ ምስ ዚፍጠር: ንስኻን ብዓልቲ ቤትካን ነቲ ጕዳይ ክትዘራረቡሉን ሓደ ነቲ ሓደ ብዚግባእ ኪሰምዖን ኣለዎ።

ነረኣእያ ብዓልቲ ቤትካ ኣፍኲስካ ኣብ ክንዲ ምርኣይ: ‘ድንጋጸ’ ኸተርኢ ጽዓር። (1 ጴጥሮስ 3:8) እዛ ቓል እዚኣ ኣብቲ በዅሪ ግሪኽ: ስቓይ እቲ ሰብ ከም ዚስምዓካ ተመልክት። ብዓልቲ ቤትካ ብሓደ ጕዳይ እንተ ተጨኒቓ: ንስኻውን ተኻፋሊ ስምዒታ ኽትከውን ኣሎካ። ነቲ ጕዳይ ብዓይና ጌርካ ኽትርእዮ ጽዓር።

እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ይስሃቅ ከምኡ እዩ ገይሩ። ርብቃ ሰበይቱ ብዛዕባ እቲ ንያእቆብ ወዳ ዚምልከት ናይ ስድራቤት ጕዳይ ኣመና ረቢሽዋ ምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ንይስሃቅ ከኣ “ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት ህይወተይ ደኸመት። ያእቆብ ድማ ካብ ኣዋልድ ሔት: ካብ ኣዋልድ እዛ ሃገር እዚኣ: ከምዚኣተን ዘመሰለት ሰበይቲ ዜእቱ እንተ ዀይኑስ: ስለምንታይ ኣነ ብህይወት እነብር፧” በለቶ።—ዘፍጥረት 27:46

ርብቃ ኻብ ጭንቀት እተላዕለ ነቲ ጕዳይ ኣጋኒናቶ ኽትከውን ትኽእል እያ። ንምዃኑ ህይወታ ደኺማ ድያ ነይራ፧ ወዳ ኻብ ኣዋልድ ሔት ሰበይቲ እንተ ዜእቱ: ክትመውት ምመረጸትዶ፧ ምናልባት እዚ ሓቂ ኣይከውንን ይኸውን። ይስሃቅ ግን: ንስምዒት ርብቃ ኣፍኲሱ ኣይረኣዮን። ኣብ ክንዳኡስ: እቲ ዘጨነቓ ነገር መሰረት ከም ዘለዎ ብምስትውዓል: ስጕምቲ ወሰደ። (ዘፍጥረት 28:1) ብዓልቲ ቤትካ ብሓደ ጕዳይ ኣብ እትጭነቐሉ እዋን ተመሳሳሊ ነገር ግበር። ነቲ ጕዳይ ከም ዘይጠቅም ነገር ዕሽሽ ኢልካ ኣብ ክንዲ እትርእዮ: ንብዓልቲ ቤትካ ስምዓያ: ኣረኣእያኣ ኣኽብረላ: ብለውሃት ድማ ስጕምቲ ውሰድ።

ምስማዕን ምስትውዓልን

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓደ ምስላ “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ” ይብል። (ምሳሌ 19:11) ዘይምስምማዕ ኣብ ዚፍጠረሉ እዋን: ነቲ ብዓልቲ ቤትካ እተዛረበቶ ነፍሲ ወከፍ ሕማቕ ቃል: ከይሓሰብካ ምምላስ ቀሊል እዩ። እዚ ግን ነቲ ኽትዕ መሊሱ ጥራይ እዩ ዜጋድዶ። ስለዚ: ንብዓልቲ ቤትካ ኽትሰምዓ ኸለኻ: ነቲ ዘውስኣቶ ቓላት ጥራይ ክትሰምዕ ዘይኰነስ: ነቲ ቓላት ንኸተውስእ ዝደረኻ ስምዒት እውን ክትርድኦ ጽዓር። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትውዓል ነቲ ዜሕርቐካ ነገራት ሰጊርካ: ኣብ ሱር እቲ ጸገም ንኸተተኵር ይሕግዘካ።

ንኣብነት: ብዓልቲ ቤትካ “ምሳይ እኮ ፈጺምካ ግዜ ኣይተሕልፍን ኢኻ!” ትብለካ ንበል። በዚ ተቘጢዕካ: መርትዖታት ብምቕራብ ጌጋ ምዃኑ ኸተእምን ትጽዕር ትኸውን። “ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እኳ ምሉእ መዓልቲ ምሳኺ ደይኰንኩን ዝወዓልኩ!” ኢልካ ትምልስ ትኸውን። ብምስትውዓል እንተ ሰሚዕካያ ግን: ሰበይትኻ ምስኣ ዝያዳ ደቓይቕ ወይ ሰዓታት ንኸተሕልፍ ኣይኰነትን እትሓተካ ዘላ። የግዳስ: ዕሽሽ እተባህለትን ፍቕርኻ ዘይትገልጸላን ዘለኻ ዀይኑ ስለ እተሰምዓ: ፍቕርኻ ኸተረጋግጸላ ትሓተካ ትህሉ ትኸውን።

ሰበይቲ እንተ ዄንኪ እውን: ብዓል ቤትኪ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝዓደግክዮ ነገር ከም ዘተሓሳሰቦ ገለጸልኪ ንበል። በቲ ዝሰምዖ ደንጽይዎ: “ክንድዚ ዚኣክል ገንዘብ ከመይ ጌርኪ ኣጥፊእክዮ፧” ይብለኪ። ንስኺውን ብዛዕባ እቲ ንስድራቤት ዜድሊ ወጻኢታት መርትዖ ብምቕራብ ወይ ነቲ ዝዓደግክዮ ነገራት ምስቲ ንሱ ዝዓደጎ ብምውድዳር መልሲ ኽትህቢ ትድረኺ ትዀኒ። ብምስትውዓል እንተ ሓሲብክሉ ግን: ብዓል ቤትኪ ብዛዕባ ኣቕራሽን ሰናቲምን ይዛረብ ከም ዘየሎ ኽትርድኢ ትኽእሊ ኢኺ። የግዳስ: ዓበይቲ ነገራት ክትዕድጊ ኸለኺ: ውሳነ ኣብ ምግባር ዕሽሽ ስለ እተባህለ ሓሪቑ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ልክዕ እዩ: ንመሕለፍ ግዜን ንዚዕደግ ነገራትን ብዚምልከት ነፍሲ ወከፍ ሓዳር ብእተፈላለየ መገዲ እያ ውሳነ እትገብር። እቲ ቝም ነገር ግን ዘይምስምማዕ ኣብ ዚፍጠረሉ እዋን ምስትውዓል ንዅራ ደንጓዪ ይገብር: ነቲ ናይ ሓቂ ጕዳይ ንኸትርድኦ ድማ የኽእል። ብኡንብኡ ኸይሓሰብካ ምላሽ ኣብ ክንዲ ምሃብ: ነቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ “ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ: ንዅራ ደንጓዪ ይኹን” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ስዓብ።—ያእቆብ 1:19

ንብዓልቲ ቤትካ ኽትዛረባ ኸለኻ: እትዛረበሉ ኣገባብ ወይ ቃና ድምጽኻ ኣገዳስነት ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ “መልሓስ እቶም ጠቢባን . . . ጥዕና እዩ” ይብል። (ምሳሌ 12:18) ንስኻን ብዓልቲ ቤትካን ብሓደ ነገር ምስ ዘይትሰማምዑ: ቃላትካ ዚጐድእ ድዩ ወይስ ጥዕና ዜምጽእ፧ ዕንቅፋት ዚኸውን ድዩ ወይስ ንኽትሰማምዑ መገዲ ዚጸርግ፧ ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: ብቝጥዓ ወይ ከይሓሰብካ ዚወሃብ ምላሽ ባእሲ ጥራይ እዩ ዜልዕል።—ምሳሌ 29:22

እቲ ዘይምስምማዕ እናተጋደደ ኸይዱ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ እንተ በጺሑ: ካብቲ ጕዳይ ወጻኢ ንኸይትዛረብ ጻዕሪ ግበር። ኣብቲ ጠንቂ ደኣ እምበር: ኣብ ሰብ ከይተተኵር ጽዓር። እንታይ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ደኣ እምበር: መን ቅኑዕ ከም ዝዀነ ኸተነጽር ኣይትፈትን። ቃላትካ ነቲ ኽትዕ ከየጋድዶ ተጠንቀቕ። መጽሓፍ ቅዱስ “ተሪር ቃል . . . ኵራ የልዕል” ይብል። (ምሳሌ 15:1) እወ: እትዛረቦ ነገራትን እትዛረበሉ ኣገባብን: ንብዓልቲ ቤትካ ኸም እትተሓባበረካ ወይ ከም እትገራጨወካ ኺገብራ ይኽእል እዩ።

ነቲ ዘይምስምማዕ ንኽትፈትሖ ደኣ ጸዓር እምበር ንኽትስዕር ሸቶ ኣይትግበር

ዘይምስምማዕ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን: ሸቶና ንኽንፈትሖ ደኣ እምበር ንኽንስዕር ኢልና ኪኸውን የብሉን። ብኸመይ ኢኻ ፍታሕ ከተምጽእ እትኽእል፧ እቲ ርጉጽ መገዲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓት ኣብ ግብሪ ምውዓል እዩ። ብፍላይ ሰብኡት ኣብዚ ተበግሶ ኺውስዱ ይግባእ። ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ወይ ጸገም ዘለኩም ኣረኣእያ ርግጸኛታት ኴንኩም ቅድሚ ምዝራብኩም: ንምንታይ ፈለማ በረኣእያ የሆዋ ዘይትርእይዎ፧ ናብኡ ጸልዩ: ነቲ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ዚሕልዎ ሰላም ኣምላኽ ክትረኽቡ ድማ ጽዓሩ። (ኤፌሶን 6:18፣ ፊልጲ 4:6, 7) ነፍሲ ወከፍኩም ንብጻዩ ድማ እምበር ንርእሱ ዚሕሾ ጥራይ ኣይትጠምቱ።—ፊልጲ 2:4

ንሓደ ሕማቕ ኵነታት መብዛሕትኡ እዋን ከም ዚጋደድ ካብ ዚገብሮ ነገራት: ንሓሳባትካ ብቕሬታን ብሓርቖትን ምምላእ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ብቓል ኣምላኽ ተመሪሕካ ምትዕርራይ ክትገብር ፍቓደኛ ምዃን: ናብ ሰላምን ስኒትን በረኸት የሆዋን እዩ ዚመርሕ። (2 ቈረንቶስ 13:11) ስለዚ: በታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ተመላለሱ: ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ድማ ኣንጸባርቑ እሞ ምስቶም “ሰላም ዚገብሩ” ረብሓታት ክትረኽቡ ኢኹም።—ያእቆብ 3:17, 18

ከም ሓቂ: ዘይምስምማዕ ኪፍጠር ከሎ ዅሎም ሰባት ናይ ብሕቲ ምርጫኦም እውን ከይተረፈ መስዋእቲ ብምግባር ብሰላም ኪፈትሕዎ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 6:7) እወ: ነቲ “ኵራ: ምንጽርጻር: ክፍኣት: ጸርፊ: ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። ንስኻትኩም: ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም: . . . ሓድሽ ሰብ [ልበሱ]” ዚብል ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ።—ቈሎሴ 3:8-10

ሓድሓደ ግዜ ጸኒሑ ዜጣዕሰካ ነገራት ምዝራብካ ዘይተርፍ እዩ። (ያእቆብ 3:8) ከምዚ ኼጋጥም ከሎ: ንብዓልቲ ቤትካ ይቕረታ ሕተታ። ነዚ ኸተጥፍኦ ወትሩ ተጋደል። ምስ ግዜ ኸኣ ንስኻን ብዓልቲ ቤትካን ኣብቲ ንዘይምስምማዕ እትፈትሑሉ መገዲ ዓብዪ ምምሕያሽ ክትርእዩ ኢኹም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሰብኡት ከም ዝዀነት ጌርካ እኳ እንተ ተጻሕፈት: እቲ ስርዓታት ግን ነንስቲ እውን ዚምልከት እዩ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ክትዕ ንምውጋድ ዚሕግዝ ሰለስተ ስጕምትታት

• ንብዓልቲ ቤትካ ስምዓያ ምሳሌ 10:19

• ነረኣእያኣ ኣኽብረላ። ፊልጲ 2:4

• ብፍቕራዊ መገዲ ስጕምቲ ውሰድ። 1 ቈረንቶስ 13:4-7

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት

ንብዓልቲ ቤትካ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሕቶታት ሕተታ: ነቲ እትህቦ መልሲ ኸኣ ከይኰለፍካ ስምዓያ። ድሕሪኡ ንሳውን ተመሳሳሊ ኽትገብር ትኽእል እያ።

• ተኻታዒ ድየ፧

• ሓሳብኪ ኽትገልጽለይ ከለኺ እሰምዓኪ ድየ: ወይስ ዘረባኺ ኸይወዳእኪ ብኡንብኡ እዀልፈኪ እየ፧

• ዘረባይ ተሪር ወይ ቍጥዓ ዝሓዘለ ድዩ፧

• ነቲ ሓሳብ ንሓሳብ እንለዋወጠሉ ኣገባብ ንምምሕያሽ: ብፍላይ ከኣ ዘይምስምማዕ ኣብ ዚፍጠረሉ እዋን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ብምስትውዓል ትሰምዕ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

“ዕሽሽ ኢልካኒ ፍቕርኻውን ኣይትገልጸልይን ኣለኻ”

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

“ምሳይ እኮ ፈጺምካ ግዜ ኣይተሕልፍን ኢኻ!”

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

“ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እኳ ምሉእ መዓልቲ ምሳኺ ደይኰንኩን ዝወዓልኩ!”