ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ነቶም ኣብኡ ተስፋ ዚገብሩ ይሕልዎም

የሆዋ ነቶም ኣብኡ ተስፋ ዚገብሩ ይሕልዎም

የሆዋ ነቶም ኣብኡ ተስፋ ዚገብሩ ይሕልዎም

“ሳህልኻን ሓቅኻን ኣዘውቲረን ይሐልዋኒ።”መዝሙር 40:11

1. ንጉስ ዳዊት ካብ የሆዋ እንታይ እዩ ዝለመነ፧ እቲ ለመናኡኸ ብኸመይ እዩ ፍጻሜኡ ረኺቡ ዘሎ፧

 እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ንየሆዋ ‘ተዓጊሱ ስለ እተጸበዮ’ ወይ ኣብኡ ተስፋ ስለ ዝገበረ: “ንሱውን ናባይ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዔ” ኢሉ ንኺዛረብ ተደረኸ። (መዝሙር 40:1) ዳዊት: የሆዋ ነቶም ዜፍቅሮም ብኸመይ ከም ዚሕልዎም ብዓይኑ ርእዩ እዩ። ስለዚ ድማ የሆዋ ኣዘውቲሩ ንኺሕልዎ ኺልምኖ ኸኣለ። (መዝሙር 40:11) ዳዊት ካብ መንጎ እቶም “ዚሓይሽ ትንሳኤ” ኺረኽቡ መብጽዓ እተኣትወሎም እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ስለ ዝዀነ: ኣብዚ እዋን እዚ ዓስቡ ንኺረክብ እናተጸበየ ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ተመዝጊቡ ኣሎ። (እብራውያን 11:32-35) ስለዚ: ብዛዕባ መጻኢኡ ኻብ ኵሉ ብዝበለጸ መገዲ እተረጋገጸ ተስፋ እዩ ዘለዎ። ስሙ ኣብታ “መጽሓፍ መዘከርታ” የሆዋ ተጻሒፉ እዩ።—ሚልክያስ 3:16

2. የሆዋ ኺሕልወካ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ቕዱሳት ጽሑፋት ዜረድኣና ብኸመይ እዩ፧

2 እቶም ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ተመዝጊቦም ዚርከቡ እሙናት: የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ዝነበሩ እኳ እንተዀኑ: ምስቲ የሱስ “ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ” ብምባል ዝመሃሮ ትምህርቲ ብምስምማዕ ተመላሊሶም እዮም። (ዮሃንስ 12:25) እምበኣር: የሆዋ ኺሕልወካ ኺበሃል ከሎ: ስቓይ ወይ መስጐጕቲ ኣይበጽሓካን ማለት አይኰነን። የግዳስ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ኣቕዋም ሒዝካ ምእንቲ ኽትመላለስ: ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቝባ ትረክብ ማለት እዩ።

3. የሆዋ ንክርስቶስ የሱስ ከም ዝሓለዎ እንታይ መርትዖ ኣሎና፧ እዚኸ እንታይ ፍረ ኣፍረየ፧

3 የሱስ ንባዕሉ እኳ ኣደዳ ኸቢድ መስጐጕትን ጸርፍን ኰይኑ እዩ: ጸላእቱ እውን ኣብ መወዳእታ ብዜዋርድን ብዜስካሕክሕን መገዲ ኸም ዚቕተል ገይሮም እዮም። ኰይኑ ግን: እዚ ምስቲ ኣምላኽ ነቲ መሲህ ከም ዚሕልዎ ዝኣተዎ መብጽዓ ዚጋጮ ኣይኰነን። (ኢሳይያስ 42:1-6) የሱስ ድሕርቲ ሕማቕ ኣማውታኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ትንሳኤ ምርካቡ: የሆዋ ኸምቲ ንኣውያት ዳዊት ዝሰምዖ ንኣውያት የሱስ እውን ከም ዝሰምዖ የረጋግጽ። ስለዚ ድማ የሆዋ ንየሱስ ንጽህናኡ ምእንቲ ኺሕሉ ብርታዐ ሃቦ። (ማቴዎስ 26:39) የሱስ በዚ ኸምዚ ስለ እተሓለወ ኸኣ: ዘይትመውት ህይወት ሒዙ ኣብ ሰማይ ተንስአ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣብቲ በጃ ዚኣምኑ ሰባት ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ መገዲ ተኸፍተሎም።

4. ንቕቡኣት ክርስትያናትን ‘ንኻልኦት ኣባጊዕን’ እንታይ መብጽዓ እዩ ተኣትዩሎም፧

4 የሆዋ ኸምቲ ብግዜ ዳዊትን የሱስን ዝነበሮ: ሕጂውን ንኺሕልወና ድሌትን ክእለትን ከም ዘለዎ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። (ያእቆብ 1:17) እቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ብተዛማዲ ሒደት ዝዀኑ ቕቡኣት ኣሕዋት የሱስ: ኣብቲ የሆዋ “ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተአርኒቡልኩም ዘሎ ርስቲ: . . . ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም አሎኹም” ብምባል ዝኣተወሎም መብጽዓ ኺተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም። (1 ጴጥሮስ 1:4, 5) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣምላኽ ኪውከሉ ይኽእሉ እዮም፣ ከመይሲ: በቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣቢሉ “ኣቱም ቅዱሳኑ ዅሉኹም: ንእግዚኣብሄር ኣፍቅርዎ። እግዚኣብሄር ንእሙናት ይሕልዎም” ዚብል መብጽዓ ኣትዩሎም ኣሎ።—ዮሃንስ 10:16፣ መዝሙር 31:23

ብመንፈሳዊ መገዲ ይሕለዉ

5, 6. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ: ተሓልዮም ኪበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቶም ቅቡኣት ምስ የሆዋ እንታይ ርክብ እዩ ዘለዎም፧ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎምከ፧

5 ኣብዚ ግዜና የሆዋ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ መገዲ ንምሕላው ምድላዋት ገይሩ ኣሎ። ካብ መስጐጕቲ ወይ ካብቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጸገማትን ዜሕዝን ፍጻመታትን እኳ እንተ ዘየዕቈቦም: ምስኡ ዘለዎም ጥብቂ ርክብ ንኺሕልዉ ግን ሓገዝን ምትብባዕን ብተኣማንነት ሂብዎም እዩ። ነዚ ርክብ እዚ ኣብቲ ኣምላኽ በጃ ብምሃብ ዝገበሮ ፍቕራዊ ምድላው ዘለዎም እምነት እዮም ሃኒጾምዎ። ገለ ኻብዞም እሙናት ክርስትያናት እዚኣቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንምግዛእ ብመንፈስ ኣምላኽ እተቐብኡ እዮም። መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ብምዃኖም ጸዲቖም እዮም: እተን “ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና: ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና። ኣብኡ ምድሓንና: ማለት ሕድገት ሓጢኣት: ዘሎና” ዚብላ ቓላት ድማ ኣባታቶም ይውዕላ እየን።—ቈሎሴ 1:13, 14

6 ካልኦት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ እሙናት ክርስትያናት ከኣ: ካብቲ ኣምላኽ በጃ ብምሃብ ዝገበሮ ምድላው ከም ዚጥቀሙ ርግጸኛታት እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር: ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” ዚብል ነንብብ። (ማርቆስ 10:45) እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ግዜኡ ምስ ኣኸለ ነቲ “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ምእንቲ ኺረኽቡ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበዩ ዘለዉ። (ሮሜ 8:21) ክሳዕ ሽዑ ግን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ብሕታዊ ርክብ ኣኽቢሮም ይሕዙ: ነዚ ርክቦም ኬደልድሉ ድማ ልባዊ ጻዕሪ ይገብሩ።

7. ሎሚ የሆዋ ንመንፈሳውነት ህዝቡ ዚሕሉ በየናይ መገድታት እዩ፧

7 ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንህዝቡ ኣብ መንፈሳዊ ቕልስ ዚሕግዘሉ መገዲ: ቀጻሊ ስልጠና ዚረኽቡሉ ምድላው ብምግባር እዩ። እዚ ኸኣ ወትሩ ብዛዕባ ሓቂ ብዝያዳ ልክዕ ዝዀነ ፍልጠት ንኺድልቡ የኽእሎም። የሆዋ ብቓሉን ብማሕበሩን ብመንፈስ ቅዱሱን ኣቢሉ እውን ቀጻሊ መምርሒ ይህብ እዩ። ኣብ መላእ ምድሪ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ሓንቲ ኣህጉራዊት ስድራቤት እዮም። እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ነቶም ኣገልገልቲ የሆዋ ሃገሮም ወይ ማሕበራዊ ደረጃኦም ብዘየገድስ ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ነገራት: ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከኣ ብስጋ ዜድልዮም ነገራት የማልእ።—ማቴዎስ 24:45

8. የሆዋ ኣብ እሙናቱ እንታይ ምትእምማን እዩ ዘለዎ፧ እንታይ መረጋገጺኸ እዩ ዝሃቦም፧

8 ከምቲ የሆዋ ንየሱስ ካብቲ ጸላእቱ ዚፍንዉዎ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ዘየዕቈቦ: ንክርስትያናት እውን በዚ መዳይ እዚ ኣየዕቍቦምን እዩ። እዚ ግን ከቶ ኣምላኽ ከም ዝጐሃየ ዜመልክት ኣይኰነን። የግዳስ: ኣብቲ ዓብዪ ጕዳይ ኣብ ጐድኑ ኸም ዚቘሙ ምትእምማን ከም ዘለዎ ዜጕልሕ እዩ። (እዮብ 1:8-12፣ ምሳሌ 27:11) የሆዋ ነቶም እሙናቱ ኸቶ ኣይኪሓድጎምን እዩ: የሆዋ “ፍርዲ ይፈቱ: ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን: ንዘለኣለም ይሕለዉ።”—መዝሙር 37:28

ብሳህልን ሓቅን ይሕለዉ

9, 10. (ሀ) ሓቅነት የሆዋ ንህዝቡ ዚሕልዎም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንእሙናቱ ብሳህሉ ኸም ዚሕልዎም መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕብረና ብኸመይ እዩ፧

9 ኣብታ ዳዊት ኣብ መበል 40 መዝሙር ዝመዝገባ ጸሎቱ: የሆዋ ብሳህልን ብሓቅን ኪሕልዎ ለመነ። የሆዋ ዘለዎ ሓቅነትን ንጽድቂ ዘለዎ ፍቕርን: ስርዓታቱ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ንኺገልጽ ይድርኾ እዩ። እቶም በዚ ስርዓታት እዚ ዚመላለሱ: ብብዙሕ መዳያት ካብቲ እቶም ነዚ ዕሽሽ ዚብልዎ ሰባት ዜጋጥሞም ጭንቀትን ፍርህን ጸገማትን ይሕለዉ እዮም። ንኣብነት: ሓሽሽ ካብ ምውሳድ: መስተ ኻብ ምብዛሕ: ካብ ፍኑው ጾታዊ ርክብ: ከምኡውን ካብ ዓመጻ ዝመልኦ ናብራ እንተ ርሒቕና: ንርእስና ዀነ ንእነፍቅሮም ሰባት ካብ ብዙሕ ጸገማት ነድሕኖም ኢና። እቶም ከም ዳዊት ኣብ እተወሰነ እዋን ካብቲ መገዲ ሓቅነት የሆዋ ዚርሕቁ እውን: ኣምላኽ ነቶም ዚንስሑ ‘ኸውሊ’ ኸም ዚኸውን መረጋገጺ ተዋሂብዎም ኣሎ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት “ካብ ጸበባ ትሕልወኒ” ብምባል ብእልልታ ኺዛረቡ ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 32:7) እዝስ ከመይ ዝበለ መግለጺ ሳህሊ ኣምላኽ ኰን እዩ!

10 ካልእ መግለጺ ሳህሊ ኣምላኽ ከኣ: ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ኻብዛ ድሕሪ ሓጺር እዋን እትጠፍእ እክይቲ ዓለም እተፈልዩ ኪዀኑ ዝሃቦ መጠንቀቕታ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ዚብል ነንብብ:- “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ: ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን።” ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ምስ እንሰምዕን ምስኡ ተሰማሚዕና ስጕምቲ ምስ እንወስድን: እታ ጥቕሲ ቐጺላ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ስለ እትብል: ንህይወትና ንዘለኣለም ክንሕልዋ ንኽእል ኢና።—1 ዮሃንስ 2:15-17

ብናይ ምሕሳብ ክእለትን ብምስትውዓልን ብጥበብን ይሕለዉ

11, 12. ናይ ምሕሳብ ክእለትን ምስትውዓልን ጥበብን ብኸመይ ከም ዚሕልወና ግለጽ።

11 ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ነቶም ሞገስ ኣምላኽ ኪረኽቡ ዚደልዩ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ “ምኽሪ [“ናይ ምሕሳብ ክእለት:” NW] ኽትሕልወካ: ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ” ኢሉ ጸሓፈሎም። “ንጥበብ ኣጥርያ: . . . ኣይትሕደጋ: ንሳ ኸኣ ክትሕልወካ: ኣፍቅራ: ንሳውን ከተዕቍበካ እያ” ኢሉ እውን ተማሕጸኖም።—ምሳሌ 2:11፣ 4:5, 6

12 ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እንመሃሮ ነገር እንተደኣ ኣስተንቲንናሉ: ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለትና ኢና እንጥቀመሉ ዘሎና። ከምዚ እንተደኣ ጌርና: ዝያዳ ምስትውዓል ንኸነማዕብል እሞ ነቲ ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ብግቡእ ንኽንሰርዕ የኽእለና። መብዛሕትኡ ጸገማት ዚፍጠር ሰባት ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ንዘይግባእ ነገራት ቀዳምነት ኪህቡ ኸለዉ ምዃኑ: ምናልባት ካብ ኣብ ርእስና ዝበጽሓና ነገራት ንፈልጥ ኢና። ናይ ሰይጣን ዓለም ስጋዊ ሃብትን ተፈላጥነትን ስልጣንን ከተቕርበልና ኸላ: የሆዋ ግን ነቲ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ መንፈሳዊ ነገራት ክንስዕብ እዩ ዜተባብዓና። ነቲ የሆዋ ዜተባብዖ ነገራት ካብቲ ሰይጣን ዜቕርቦ ንላዕሊ ቐዳምነት ዘይወሃብ እንተ ዀይኑ: ምብትታን ስድራቤት: ምፍራስ ዕርክነት: ከምኡውን ምህሳስ መንፈሳዊ ሸቶታት የስዕብ። ብሰሪ እዚ ኸኣ ሓደ ሰብ ነቲ የሱስ “ንሰብ: ብዘላ ዓለም ረቢሑ: ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ: እንታይ ይጠቕሞ፧” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ኣብ ርእሱ ኺፍጸም ከሎ ይርእዮ። (ማርቆስ 8:36) ጥበብ ግን ነቲ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ንኽንስዕብ ተኽእለና።—ማቴዎስ 6:33

ፈታው ርእስኻ ምዃን ዘለዎ ሓደጋ

13, 14. ፈታው ርእሱ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ከምኡ ምግባር ጥበባዊ ዘይኰነኸ ስለምንታይ እዩ፧

13 ሰባት ብተፈጥሮኦም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ይግደሱ እዮም። ብሕታዊ ባህግን ድሌትን ኣብ ህይወት ቀዳማይ ቦታ እንተ ተዋሂቡዎ ግን: ሽግር እዩ ዜምጽእ። ስለዚ: የሆዋ ነቲ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ምእንቲ ኽንሕልዎ: ፈተውቲ ርእስና ኸይንኸውን መምርሒ ይህበና። ፈታው ርእሱ ኺበሃል ከሎ ብባህጉን ብድሌቱን ጥራይ ዚግደስ ሰብ ማለት እዩ። እዚ ነዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ዚገልጾምዶ ኸይኰነ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት . . . ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም” ኢሉ ምንባዩ ኺትኰረሉ ዚግባእ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2

14 ክርስትያናት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንብጻዮም ዚሓይሽ ንኺጥምቱን ከም ነፍሶም ገይሮም ንኼፍቅርዎን እተዋህቦም ትእዛዝ: ጥበብ ዝሓዘለ ምዃኑ ይግንዘብዎ እዮም። (ሉቃስ 10:27፣ ፊልጲ 2:4) ሰባት ብሓፈሻ ነዚ ግብራዊ ኪኸውን ከም ዘይክእል ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ጽቡቕ ሓዳር: ሓጐስ ዝመልኦ ስድራቤት: ከምኡውን ዜሐጕስ ዕርክነት ንኺህልወና ናይ ግድን ኣድላዪ እዩ። እምበኣር: ሓደ ናይ ሓቂ ኣገልጋሊ የሆዋ ነቲ ብተፈጥሮኡ ብዛዕባ ርእሱ ዘለዎ ተገዳስነት ኣብ ህይወቱ ዝለዓለ ቦታ ብምሃብ ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ነገራት ከም ዚዕብልሎ ኺገብር የብሉን። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነቲ ዜምልኾ የሆዋ ኣምላኽ ዚደልዮ ዘበለ ቐዳምነት ይህብ።

15, 16. (ሀ) ፈታው ርእስኻ ምዃን ናብ ምንታይ ኪመርሕ ይኽእል፧ በዚ ዝመጸኸ እንመን ኪጥቀሱ ይከኣል፧ (ለ) ሓደ ሰብ ቀልጢፉ ንኻልኦት ምስ ዚፈርድ: ከም ሓቂ እንታይ እዩ ዚገብር ዘሎ፧

15 ፈታው ርእስኻ ምዃን ናብ ምምጽዳቕ ኪመርሕ ይኽእል እዩ። እዚውን ብግዴኡ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ኸም ዚህልወካ ወይ ተዳፋሪ ኸም እትኸውን ይገብር። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣታ እትፈርድ ሰብ: ዝዀንካ እንተ ዀንካ: ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ: በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዅንን አሎኻ እሞ: ምኽንያት የብልካን” ይብል። (ሮሜ 2:1፣ 14:4, 10) እቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ንርእሶም ኣመና ጻድቃን ገይሮም ይርእዩ ብምንባሮም: ንየሱስን ንሰዓብቱን ይነቕፍዎም ነበሩ። ከምዚ ብምግባሮም ግን ንርእሶም እዮም ፈሪዶም። ጕድለቶም ኪርእዩ ዘይክእሉ ብምንባሮም: ንርእሶም እዮም ኰኒኖም።

16 እቲ ፈለማ ሰዓቢ የሱስ ዝነበረ: ደሓር ግን ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ: ንኻልኦት ዚፈርድ ሰብ ኰይኑ ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ቢታንያ: ማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር ንየሱስ ብቕዱይ ቅብኢ ምስ ቀብኣቶ: ይሁዳ ኣምሪሩ ተቓወማ። “እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሀብ፧” ብምባል ምረቱ ገለጸ። እቲ ጸብጻብ ግን ቀጺሉ “እዚ ዝበለ: ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር: ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ: ካብቲ ኣብኡ ዝአተወውን የልዕል ነበረ” ብምባል ይገልጽ። (ዮሃንስ 12:1-6) ንሕናውን ከም ይሁዳ ወይ ከምቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዘይኰነስ: ንኻልኦት ቀልጢፍና ኣይንፍረድ: ከመይሲ: ከምዚ እንተ ጌርና: ተገልቢጥና ንርእስና ኢና እንዅንን።

17. ትምክሕቲ ወይ ሕሉፍ ርእሰ-ምትእምማን እንታይ ሓደጋ ኸም ዘለዎ ግለጽ።

17 እቲ ዜሕዝን ግን ገሊኦም ቀዳሞት ክርስትያናት ከም ይሁዳ ሰረቕቲ እኳ እንተ ዘይነበሩ: ተጀሃርትን ምኩሓትን ኰኑ። ያእቆብ ብዛዕባኦም “ብምጅሃርኩም ትምክሑ አሎኹም” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ” በለ። (ያእቆብ 4:16) ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዛዕባ ዝገበርናዮ ወይ ብዛዕባ እተዋህበና ፍሉይ ሓላፍነታት ምስ እንጀሃር: ንርእስና ኢና መሊስና እንጐድእ። (ምሳሌ 14:16) ነቲ ንርእሱ ኣመና ኻብ ምእማኑ እተላዕለ “ኵሎም እኳ ብኣኻ እንተ ተዐንቀፉ: ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየ: . . . ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነውን: ከቶ ኣይክሕደካን እየ” ኢሉ እተጃህረ ሃዋርያ ጴጥሮስ እንታይ ከም ዜጋጠሞ ንፈልጥ ኢና። ከም ሓቂ ብርእስና እንምክሓሉ ዋላ ሓንቲ ነገር የብልናን። ኵሉ እቲ ዘሎና ነገራት ሳላ ሳህሊ የሆዋ ዝረኸብናዮ እዩ። ነዚ ምዝካርና ብርእስና ንኸይንምካሕ ይሕግዘና።—ማቴዎስ 26:33-35, 69-75

18. የሆዋ ብዛዕባ ትዕቢት ከመይ ይስምዖ፧

18 “ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ: ንውድቀት ከኣ ኵርዓት” ተባሂሉ ተነጊሩና እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዚኸውን፧ የሆዋ “ትዕቢትን ትምክሕትን . . . እጸልእ” ብምባል ይምልሰልና። (ምሳሌ 8:13፣ 16:18) የሆዋ ነቲ “ዕቡይ ልቢ ንጉስ ኣሶርን: ንድርቅና እተን ኵርዓት ኣዒንቱን” እንተ ተቘጥዖ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (ኢሳይያስ 10:12) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ቀጺዕዎ እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ናይ ሰይጣን ዓለም ብምልእታ ምስቶም ዚርኣዩ ዀነ ዘይረኣዩ ዕቡያትን ተጀሃርትን መራሕታ: ፍርዳ ኽትቅበል እያ። እምበኣር: ንሕና ነቲ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዚደልዩ ተጻረርቲ የሆዋ ዘርእይዎ ባህሪ ኸቶ ኣይነንጸባርቆ!

19. ህዝቢ ኣምላኽ ሓበን ዚስምዖም ግን ከኣ ትሑታት ዚዀኑ በየናይ መዳይ እዮም፧

19 ናይ ሓቂ ክርስትያናት: ኣገልገልቲ የሆዋ ብምዃኖም ኪሕበኑ ኣለዎም። (ኤርምያስ 9:24) ብተወሳኺውን: ትሑታት ኪዀኑ ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” እዮም። (ሮሜ 3:23) ስለዚ: ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ዘሎና ሓላፍነት ሓሊና ንምምልላስ: ከምቲ “ክርስቶስ የሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን . . . መጸ” ኢሉ እተዛረበ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ።—1 ጢሞቴዎስ 1:15

20. ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ዚሕልዎም ብኸመይ እዩ፧ ኣብ መጻኢኸ ብኸመይ ኪሕልዎም እዩ፧

20 ህዝቢ የሆዋ ነቲ ኣምላኽ ዚደልዮ ቐዳምነት ምእንቲ ኺህቡ ኢሎም ንብሕታዊ ድሌቶም ካልኣይ ቦታ ስለ ዚህብዎ: የሆዋ ኣብ መጻኢውን ብመንፈሳዊ ኸም ዚሕልዎም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ዓብዪ ጸበባ ምስ መጸ: የሆዋ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ ጥራይ ዘይኰነስ ብኣካላዊ እውን ከም ዚሕልዎም ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ምስ ኣተዉ: “እንሆ: ኣምላኽና እዚ እዩ: ተጸቤናዮ: ኬድሕነና ኸኣ እዩ: እቲ እተጸበናዮ እግዚኣብሄር እዚ እዩ: ብምድሓኑ ንተሐጐስ ባህውን ይበለና” ኢሎም ኪጭድሩ እዮም።—ኢሳይያስ 25:9

ትዝክሮዶ፧

• ንጉስ ዳዊትን የሱስ ክርስቶስን እተሓለዉ ብኸመይ እዮም፧

• ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ብኸመይ እዮም ተሓልዮም፧

• ፈተውቲ ርእስና ኸይንኸውን ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ሓበን ዚስምዓና ግን ከኣ ትሑታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንዳዊትን ንየሱስን ዝሓለዎም ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ ዚሕለዉ ብኸመይ እዮም፧

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ንየሆዋ ብምግልጋልና ንሕበን እኳ እንተ ዀንና: ወትሩ ትሑታት ክንከውን ኣሎና