ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስራሕ በረኸት ድዩ ወይስ መርገም፧

ስራሕ በረኸት ድዩ ወይስ መርገም፧

ስራሕ በረኸት ድዩ ወይስ መርገም፧

“ንሰብሲ . . . ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባል . . . ዚሐይሽ የብሉን።”—መክብብ 2:24

ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ: ሓደ ሲሶ ሰራሕተኛታት “ድሕሪ ስራሕ ሓይለይ ጽንቅቕ እዩ ዚብል” ብምባል የማርሩ። ከምዚ ምባሎም ዜገርም ኣይኰነን: ከመይሲ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና እዋን ሰባት ይጭነቑ: ነዊሕ ሰዓታት ሰሪሖም ኬብቅዑ: ንገዛኦም ተወሳኺ ስራሕ ሒዞም ይኸዱ። ኰይኑ ግን ኣስራሕቶም ምንም ኣየመስግንዎምን እዮም።

ምህርቲ ብብዝሒ ዚፈርየሉ ኣሰራርሓታት ስለ እተኣታተወ: ብዙሓት ሰራሕተኛታት ዚሰርሕዎ ስራሕ ኣብ ግምት ዚኣቱ ዀይኑ ኣይስምዖምን። እቲ ሓድሽ ሓሳባቶምን ምህዞታቶምን ይጭፍለቕ: እዚ ድማ ብዛዕባ ዕዮ ንዘለዎም ኣመለኻኽታ ይጸልዎ። ዕዮኻ ተገዲስካን ብውሕልነትን ምዕያይ ብቐሊሉ ይተርፍ። እዝን ወድዝን ከኣ ሰብ ንስርሑ ኸም ዚጸልኦ ይገብር ይኸውን።

ኣረኣእያና ምምርማር

ርግጽ እዩ: ንዅነታትና ዅሉ ሳዕ ክንቅይሮ ኣይንኽእልን ኢና። እንተዀነ ግን: ኣብ ኣረኣእያና ለውጢ ኽንገብር ከም እንኽእል ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ብዛዕባ ስራሕ ኣሉታዊ ኣረኣእያ እንተደኣ ኣሎካ: ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ዘለዎ ኣረኣእያን ስርዓታትን መርምር። (መክብብ 5:18) ብዙሓት ሰባት ከምዚ ምግባሮም ካብ ስርሖም እተወሰነ ዕግበትን ሓጐስን ከም ዚረኽቡ ገይርዎም እዩ።

ኣምላኽ እቲ ዝለዓለ ሰራሕተኛ እዩ። ኣምላኽ ሰራሕተኛ እዩ። ምናልባት ከምኡ ጌርና ኣይንሓስቦን ንኸውን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣብ መጀመርታ በዚ ተግባራቱ እዩ ርእሱ ኣፋሊጡና። ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ የሆዋ ሰማይን ምድርን ከም ዝፈጠረ ብምግላጽ እዩ ዚጅምር። (ዘፍጥረት 1:1) ኣምላኽ ኪፈጥር ከሎ ኸም ነዳፊ: ኣመሓዳሪ: መሃንድስ: ስነ-ጥበባዊ: መራጺ ኣድላዪ ናውቲ: ተቘጻጻሪ ፕሮጀክት: ቀማሚ: ናይ ስነ-ህይወት ምሁር: ናይ ስነ-እንስሳ ምሁር: ፕሮግራም ዜውጽእ: ከምኡውን ፈላጥ ቋንቋ ዀይኑ ኺዓዪ ነበሮ።—ምሳሌ 8:12፣ 22-31

ከመይ ዝበለ ዕዮኸ ዓየየ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ጽቡቕ:” “ብዙሕ ጽቡቕ” ከም ዝዀነ ይገልጽ። (ዘፍጥረት 1:4, 31) ብርግጽ: ፍጥረታት “ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ” እዮም: ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኸነወድሶ ይግባእ።—መዝሙር 19:1፣ 148:1

ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንሰማይን ምድርን ከምኡውን ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ድሕሪ ምፍጣሩ ተግባሩ ኣየብቀዐን። እቲ ወዲ የሆዋ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር” በለ። (ዮሃንስ 5:17) እወ: የሆዋ ንፍጡራቱ ዜድልዮም ስለ ዜማልኣሎም ከምኡውን ንእሙናት ኣገልገልቱ ስለ ዚባልሆም ወይ ዜድሕኖም: ዕዮኡ ይቕጽል ኣሎ። (ነህምያ 9:6፣ መዝሙር 36:6፣ 145:15, 16) ነቶም “መዓይይቲ ኣምላኽ” እተባህሉ ሰባት እውን እተወሰነ ንጥፈታት ኣብ ምፍጻም ይጥቀመሎም እዩ።—1 ቈረንቶስ 3:9

ስራሕ በረኸት ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ስራሕ መርገም ከም ዝዀነ ደይኰነን ዚዛረብ፧ ኣብ ዘፍጥረት 3:17-19 ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ካብኡ ብምዕላዎም ብርቱዕ ዕዮ ኣሰኪሙ ኸም ዝቐጽዖም እተገልጸ ይመስል ይኸውን። ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኪረግሞም ከሎ: ንኣዳም “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ: እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ” በሎ። ኣብዚ ግን ብሓፈሻኡ ስራሕ ድዩ ተረጊሙ፧

ኣይፋልን። የግዳስ: ኣዳምን ሄዋንን ዘይእሙናት ብምዃኖም: እቲ ገነት ኤድን ናይ ምስፋሕ ዕዮ ተረፈ። ምድሪ ድማ ተረግመት። ንህይወት ዜድሊ ነገራት ብጻዕርን ብረሃጽ ገጽን ዚርከብ ኰነ።—ሮሜ 8:20, 21

መጽሓፍ ቅዱስ ስራሕ መርገም ዘይኰነስ ኣኽቢርካ ኺርአ ዘለዎ በረኸት ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ። ኣብ ላዕሊ ኸም እተጠቕሰ ኣምላኽ ባዕሉ ትጉህ ሰራሕተኛ እዩ። የሆዋ ንደቅሰብ ብመልክዑ ድሕሪ ምፍጣር: ነቶም ካልኦት ምድራውያን ፍጥረታቱ ምእንቲ ኺገዝኡ ኢሉ ኽእለትን ስልጣንን ሃቦም። (ዘፍጥረት 1:26, 28፣ 2:15) ኣምላኽ ነዚ መዝነት እዚ ዝሃበ: ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:19 ተጻሒፉ ዘሎ መርገም ቅድሚ ምዝራቡ እዩ። ስራሕ መርገም እንተ ዚኸውን ነይሩ: የሆዋ ንሰባት ኪሰርሑ ፈጺሙ ኣይመተባብዖምን። ኖህን ስድራቤቱን ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዀነ ድሕሪኡ ብዙሕ ዚዓይዎ ዕዮ ነበሮም። ክርስትና ምስ ተመስረተ እውን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንኺዓዩ እዩ ምሕጽንታ ቐሪቡሎም።—1 ተሰሎንቄ 4:11-12

እንተዀነ ግን: ኣብዚ ሎሚ እዋን ስራሕ ጾር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጭንቀት: ሓደጋ: ምስልካይ: ጓሂ: ውድድር: ቅጥፈት: ከምኡውን ምጕዳል ፍትሒ ገለ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ “እሾዅን ተዀርባን” እዩ። ኰይኑ ግን ስራሕ ንባዕሉ መርገም ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መክብብ 3:13 ንስራሕን ንጻማኡን ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ።—ነታ “ኣብ ስራሕ ንዜጋጥመካ ውጥረት ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ብስራሕካ ኣቢልካ ንኣምላኽ ከተኽብሮ ትኽእል ኢኻ። ጽፉፍን ብሉጽን ዕዮ ወትሩ እዩ ዚነኣድ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ጽፈት ኣገዳሲ መዳይ ስራሕ ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ። ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ዕዮኡ ብሉጽ እዩ። ንዓናውን ተውህቦን ክእለትን ሂቡና እዩ: ነዚ ድማ ብጽቡቕ ክንጥቀመሉ እዩ ዚደሊ። ንኣብነት: ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እቲ ማሕደር ኣብ እተሰርሓሉ እዋን: የሆዋ ንኸም በሳልኤልን ኦሆልያብን ዝኣመሰሉ ሰባት ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን ብምሃብ ፍሉይ ዝዀነ ስነ-ጥበባዊ ዕዮ ኸም ዚዓዩ ገይርዎም እዩ። (ዘጸኣት 31:1-11) እዚ ኸኣ: ኣምላኽ ኣብቲ ኣሰራርሓን ንድፍን ካልእ ዝርዝር ጕዳያትን ፍሉይ ተገዳስነት ከም ዘርኣየ እዩ ዜመልክት።

እዚ ብዛዕባ ኽእለትናን ዕዮናን ኣብ ዘሎና ኣረኣእያ ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ። ከመይሲ: ከም ቀሊል ነገር ዘይኰነስ ከም ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት ጌርና ንኽንርእዮ ይሕግዘና። ስለዚ: ንክርስትያናት “እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም: ካብ ልቢ ግበርዎ” ብምባል ዕዮኦም ኣብ ዚዓዪሉ እዋን ልክዕ ኣምላኽ ይርእዮም ከም ዝነበረ ዀይኑ ንኺስምዖም እዮም ተማዒዶም። (ቈሎሴ 3:23) ኣገልግልቲ ኣምላኽ ስርሖም ብጽቡቕ ኪፍጽሙ ኣለዎም። ከምዚ ምግባሮም ከኣ መሳርሕቶም ኰኑ ኻልኦት ሰባት ብትምህርቲ ክርስትና ኸም ዚማረኹ ይገብሮም።—ነታ “ኣብ ስራሕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር ኣብ ስራሕና ጽፉፋትን ትጉሃትን ምዃንና ወይ ዘይምዃንና ንርእስና ኽንምርምር ኣሎና። ኣምላኽ ስራሕና እንሰርሓሉ ኣገባብ የሐጕሶ ድዩ፧ ንዓናኸ የዕግበና ድዩ፧ ንኣምላኽ ዘየሐጕሶን ንዓና ዘየዕግበናን እንተ ዀይኑ: ከነመሓይሾ ንኽእል ኢና።—ምሳሌ 10:4፣ 22:29

ሚዛንካ ሓሉ። ኣብ ስራሕ ትጉህ ምዃን ዚነኣድ እኳ እንተዀነ: ኣብ ህይወት ኰነ ኣብ ስራሕ ዕግበት ንምርካብ ዜኽእል ካልእ ቀንዲ ረቛሒ ኣሎ። እዚ ኸኣ መንፈሳውነት እዩ። እቲ ጻዕራምን ሃብታምን ኣዝዩ ምሹእ ናብራ ዝነበሮን ንጉስ ሰሎሞን “እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” ኢሉ ደምደመ።—መክብብ 12:13

ስለዚ እምበኣር ኣብ ኵሉ እንገብሮ ዘበለ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይንረስዕ። ምስ ፍቓዱ ዚሰማማዕ ዲና እንገብር ዘሎና ወይስ ዚጻረር፧ ንዕኡ ኸነሐጕስ ዲና እንጽዕር ወይስ ንርእስና፧ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይንገብር እንተደኣ ዄንና: ውዒሉ ሓዲሩ ናይ ተስፋ ምቑራጽን ጽምዋን ባዶነትን ስምዒት ኪስምዓና እዩ።

እስቲቨን በርግላስ: ነቶም ብሰንኪ ኣመና ስራሕ ሓይሎም ዚጽንቀቖም ኣካየድቲ ስራሕ ‘ኣብ ህይወቶም ብውዕዉዕ ስምዒት ዚዓዩሉ ዕላማ ንኺረኽቡ’ ርእይቶኡ ሂቡ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ ነቲ ትርጕም ዘለዎ ስራሕ ክንሰርሕ ዜኽእለና ኽእለት ዝሃበና ኻብ ምግልጋል ዚበልጽ ዕላማ ኣይርከብን እዩ። ንፈጣሪ ዜሐጕስ ዕዮ ምዕያይ ፈጺሙ ኣይኬጕህየናን እዩ። የሱስ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ኺፍጽም ከሎ: ልክዕ ከም ምግቢ ዜዐንግልን ዜዕግብን መንፈስ ዜሐድስን ገይሩ እዩ ዚወስዶ ነይሩ። (ዮሃንስ 4:34፣ 5:36) ብተወሳኺውን እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ሰራሕተኛ ዝዀነ ‘መዓይይቱ’ ኽንከውን ከም ዝዓደመና ኣይንረስዕ።—1 ቈረንቶስ 3:9

ንኣምላኽ ምምላኽን ብመንፈስ ምዕባይን ንተወሳኺ ዜዕግብ ስራሕን ሓላፍነትን የዕጥቐና። ኣብ ስራሕ ጸቕጥታትን ግጭታትን የጋጥመና: ከምኡውን ካባና ብዙሕ ትጽቢት ይግበር እዩ። ስለዚ: ካብ ካልኦት ዝሓሽና ኣስራሕቲ ወይ ሰራሕተኛታት ንምዃን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ድልድልቲ እምነትን ዓሚቝ መንፈሳውነትን የድልየና እዩ። ብኻልእ ወገን ከኣ እቲ ኣብዛ ፍርሂ ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ዜጋጥም ጸገማት ኣበየናይ መዳይ እምነትና ኸነደልድል ከም ዚግብኣና ንኽንፈልጥ የኽእለና።—1 ቈረንቶስ 16:13, 14

ስራሕ: በረኸት ዚዀነሉ እዋን

እቶም ሕጂ ንኣምላኽ ብትግሃት ዜገልግሉ ሰባት ነቲ ምድሪ ገነት እትዀነሉን ብዜዕግብ ስራሕ እትመልኣሉን እዋን ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዎ። እቲ ንየሆዋ ዜገልግል ዝነበረ ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዚህሉ ህይወት ኣመልኪቱ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። . . . ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ: ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም” በለ።—ኢሳይያስ 65:21-23

ሽዑ ስራሕ ምስራሕሲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ ኪኸውን! ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝዀነ ተማሂርካ ምስኡ ተሰማሚዕካ ብምንባር: ካብ መንጎ እቶም ብሩኻት የሆዋን ‘ብዅሉ ጻዕርኻ ጽቡቕ እትርእይን’ ክትከውን ንምነየልካ።—መክብብ 3:13

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣምላኽ እቲ ዝለዓለ ሰራሕተኛ እዩ:- ዘፍጥረት 1:1, 4, 31፣ ዮሃንስ 5:17

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ስራሕ በረኸት ኪኸውን ይኽእል እዩ:- ዘፍጥረት 1:28፣ 2:15፣ 1 ተሰሎንቄ 4:11

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ብስራሕካ ኣቢልካ ንኣምላኽ ከተኽብሮ ትኽእል ኢኻ:- ዘጸኣት 31:1-11፣ ቈሎሴ 3:23

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ሚዛንካ ሓሉ:- መክብብ 12:13፣ 1 ቈረንቶስ 3:9

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣብ ስራሕ ንዜጋጥመካ ውጥረት ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ኣብ ስራሕ ዜጋጥም ውጥረት ሓደ ኻብቲ ብሰንኪ ስራሕ ዚመጽእ ሓደጋ ኸም ዝዀነ ሰብ ሞያ ሕክምና ይገልጹ። ከመይሲ: ከምዚ ዝኣመሰለ ውጥረት ነድሪ ኸስዐ: ናይ መንፈስ ጭንቀት: ኣረ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ርእሰ-ቕትለት የስዕብ እዩ። ጃፓናውያን ነዚ ካሮሺ ይብልዎ። እዚ ኸኣ “ካብ እምብዛ ስራሕ ዚመጽእ ሞት” ዚብል ትርጕም ኣለዎ።

ምስ ስራሕ እተተሓሓዘ እተፈላለየ ረቛሒታት ውጥረት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ገለ ኻብዚ ኸኣ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወይ ኣብ ናይ ስራሕ ኵነታት ዚግብር ለውጢ: ምስ ሓለቓኻ ዘይምስምማዕ: ምስ ዘሎካ ሓላፍነት ወይ ስራሕ ተተሓሒዙ ዚግበር ለውጢ: ጡረታ ምውጻእ: ከምኡውን ካብ ስራሕ ምስጓግ ኪጥቀስ ይከኣል። ገሊኦም ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውጥረት ንምምላጥ ኢሎም ስርሖም ወይ ከኣ ከባቢኦም ይቕይሩ። ገሊኣቶም ድማ ነዚ ኸምዚ ዓይነት ውጥረት ዓቢጦም ኪሓልፉ ይጽዕሩ: እንተዀነ ግን ኣብ ናብራኦም መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ኣብ ስድራቤቶም የርእይዎ። ገለ ሰባት ድማ ከም ናይ መንፈስ ጭንቀትን ተስፋ ምቑራጽን ዝኣመሰለ ስምዒታዊ ስቓይ የጋጥሞም።

ክርስትያናት ኣብ ስራሕ ንዜጋጥሞም ውጥረት ኪዋጽኡሉ ዜኽእሎም ሓገዝ ኣለዎም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚ ዓይነት ኣጸጋሚ ዅነታት ንመንፈሳውነትናን ንስምዒትናን ከይተንከፈ ንኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ብዙሕ ስርዓታት ይርከብ። ንኣብነት: የሱስ “ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ: ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይአኽላ” በለ። እዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ናይ ሎሚ ሽግር እምበር: ኣብ ናይ ጽባሕ ንኸይነተኵር እዩ ዚምዕድ። በዚ ድማ ነቲ ሽግር ኣጋኒንና ብምርኣይ ዝገደደ ኸይንጭነቕ ይገብረና።—ማቴዎስ 6:25-34

ክርስትያናት ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ እምበር ኣብ ርእሶም ኪውከሉ የብሎምን። ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝዀነ ውጥረት ዘጋጠመና ዀይኑ ምስ ዚስምዓና: ኣምላኽ ንልብና ብሰላምን ብሓጐስን ይመልኦ: ነቲ ጸገም ክንዋጽኣሉ ዜኽእለና ጥበብ ከኣ ይህበና። ጳውሎስ “ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ” ኢሉ ጸሓፈ።—ኤፌሶን 6:10፣ ፊልጲ 4:7

ዜጨንቕ ኵነታት ጽቡቕ ውጽኢት እውን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ፈተናታት ናብ የሆዋ ኸም እንጽጋዕን: ንዕኡ ኸም እንደልዮን: ኣብኡ ድማ ከም እንእመን እዩ ዚገብረና። ክርስትያናዊ ባህርያት ከነማዕብልን ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ጸኒዕና ኽንቅጽልን ይሕግዘና። ጳውሎስ “ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር: እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና: በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን: እቲ ምፍታንውን ተስፋ” ብምባል ይምዕደና።—ሮሜ 5:3, 4

ስለዚ እምበኣር ውጥረት: ተስፋ ምቑራጽን ጓህን ኣብ ክንዲ ዜስዕብ ብመንፈስ ንምድልዳል ዚሕግዝ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣብ ስራሕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም

ኣረኣእያን ጠባይን ሓደ ክርስትያን ንመሳርሕቱ ዀነ ንኻልኦት ሰባት ትምህርቲ ክርስትና ኸም ዚቕበሉ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንቲቶስ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ነቶም ተቘጺሮም ዚሰርሑ ዝነበሩ “ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎ: ብዅሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር: መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ: [ንኣሕሉቘም] ዚግዝኡ: ዳርግዳርጋ ዘይመልሱ: ብዅሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ: ምዐዶም” ኢሉ ጸሓፈ።—ቲቶስ 2:9, 10

ንኣብነት: ሓደ ነጋዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝለኣኻ ደብዳበ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰባት ንምቝጻር ክትሕግዙኒ እየ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ። ቅኑዓትን ሓቀኛታትን እሙናትን ከም ዝዀኑ: ፈጺሞም ከኣ ከም ዘየታልሉኒ ስለ ዝፈልጥ እየ ንዓታቶም ክቘጽር ደልየ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እየ ዝኣምን። በጃኹም ሓግዙኒ” ኢሉ ጸሓፈ።

ካይል እትበሃል ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ሓደ ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ተቐባሊት ጋሻ ዀይና እያ እትሰርሕ። ሓደ መዓልቲ ምስ ሓንቲ መሳርሕታ ዘይምርድዳእ ተፈጥረ እሞ እታ መሳርሕታ ኣብ ቅድሚ ተማሃሮ ጸረፈታ። ካይል ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ “ስም የሆዋ ንኸየጽርፍ ክጥንቀቕ ነበረኒ” ትብል። ንዚቕጽል ሓሙሽተ መዓልቲ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትጥቐመሉ ኸም እትኽእል ሓሰበትሉ። እታ ሓንቲ ኣብ ሮሜ 12:18 እትርከብ “ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” እትብል እያ። ናብ መሳርሕታ ብኢ-መይል ጽሒፋ ነቲ እተፈጥረ ዘይምርድዳእ ይቕረታ ሓተተታ። ድሕሪ ስራሕ ክልቲአን ተራኺበን ኪዘራረባ እሞ ነቲ ጸገም ኪፈትሖኦ ድማ ሓተተታ። ምስ ተዘራረባ እታ መሳርሕታ ለስለሰት: ከይል መስተውዓሊት ምዃና ድማ ኣመነት። “እዚ ኣብ ሃይማኖትኪ እተመሃርክዮ ኪኸውን ኣለዎ” ኸኣ በለታ። ከይል “ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተጠቒምና ፈጺምና ኣይንጋገን ኢና” በለት።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ሰራሕተኛታት ዚሰርሕዎ ስራሕ ኣብ ግምት ዚኣቱ ዀይኑ ኣይስምዖምን

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

Japan Information Center, Consulate General of Japan in NY

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

Globe: NASA photo