ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ስራሕ ዘሎ እተፈላለየ ኣረኣእያ

ብዛዕባ ስራሕ ዘሎ እተፈላለየ ኣረኣእያ

ብዛዕባ ስራሕ ዘሎ እተፈላለየ ኣረኣእያ

“ኣየ ስራሕ! ብሕጂውን ዝዕየ ኸም ዘሎና ምፍላጥ ደረት ዘይብሉ ሓጐስ እዩ ዜምጽእ።” —ካትሪን ማንስፊልድ እትበሃል ደራሲት (1888-1923)

ንስኻኸ ኸምዚ ናይዛ ሰበይቲ ዓይነት ኣረኣእያ ድዩ ዘሎካ፧ ብዛዕባ ስራሕ እንታይ ይስምዓካ፧ ምናልባት ቀዳመ-ሰናብቲ ኽሳዕ ዚመጽእ ክትገብሮ ዘሎካ ነዊሕን መሰልከይን ነገር ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧ ወይስ ወልፊ እዩ ዀይኑካ ዘሎ፧

ብዙሓት ሰባት ኣብ መዓልቲ መብዛሕትኡ ግዜኦም ኣብ ስራሕ እዮም ዜውዕልዎ። እንሰርሖ ዓይነት ስራሕ: ኣበይን ብኸመይን ከም እንነብር ይውስን እዩ። ብዙሓት ሰባት ካብ ንእስነቶም ክሳዕ እቲ ጡረታ ዚወጹሉ እዋን ኣብ ሓደ ሞያ እዮም ዜተኵሩ። ገሌና ኻብ ስራሕና ብዙሕ ዕግበት ንረክብ ኢና። ገሊኦም ግን ንሓደ ስራሕ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ በቲ ዜምጽኦ ኣታዊ ወይ ዝና እዩ። ሓድሓደ ሰባት ከኣ ንስራሕ ከም መሕለፍ ግዜ: ኣረ ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ከም መባኸኒ ግዜ ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ።

ንኺነብሩ ኢሎም ዚሰርሑ ኣለዉ: ንኺሰርሑ ኢሎም ዚነብሩ ኸኣ ኣለዉ። ገለ ሰባት ድማ ኣብ ስርሖም ከለዉ ወይ ብሰንኪ ስርሖም ዚሞቱ ኣለዉ። ንኣብነት: ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ውዱብ ሕቡራት መንግስትታት ዜውጽኦ ጸብጻብ: ካብቶም “ብሰንኪ ውግእ ወይ ከኣ ካብቶም ብሰንኪ ሓሽሽን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ብድምር” ዚጕድኡን ዚሞቱን ሰባት ንላዕሊ: እቶም ብሰንኪ ስርሖም ዚጕድኡን ዚሞቱን ይበዝሑ። ነዚ ኣመልኪታ ድማ እታ ኣብ ለንደን እትሕተም ዘ ጋርድያን እትበሃል ጋዜጣ “ካብ ክልተ ሚልዮን ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት ዓመት ዓመት ምስ ስርሖም ብእተተሓሓዘ ሓደጋ ወይ ሕማም ይሞቱ። . . . ንዶሮናን ከሚካላትን ብርቱዕ ድምጽን ጸርግን ስለ ዚቃልዑ: መንሽሮ: ሕማም ልቢ: ከምኡውን ወቕዒ የምጽኣሎም” በለት። ጕልበት ሕጻናት ምምዝማዝን ኣገዲድካ ዚግበር ስራሕን ገለ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕማቕ ተርእዮታት እዩ።

ናይ ስነ-ኣእምሮ ተማራማሪ ዝዀነ ስቲቨን በርግላስ ኣመና ብስራሕ ትሑዝ ምዃን ኣካላውን ስምዒታውን ሓይሊ ኸም ዚጽንቅቕ ገለጸ። ሓደ ህርኩት ሰራሕተኛ ኣብ ላዕለዋይ ጠርዚ ሞያኡ ምስ በጽሐ: “ኬምልጠሉ ዀነ ኣእምሮኣዊ ዕግበት ኪረኽበሉ ኣብ ዘይክእል ስራሕ ከም እተቐርቀረ ስለ ዚስምዖ: ክቱር ፍርሂ: ዓቕሊ ጽበት: ተስፋ ምቝራጽ: ወይ ከኣ ጭንቀት የስዕበሉ” ብምባል ይገልጽ።

ኣብ መንጎ ትግሃትን ወልፊ ስራሕን ዘሎ ፍልልይ

ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሰባት ንነዊሕ ሰዓታት ለፋዕ ስለ ዚብሉ: ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ስራሕ ትጉሃትን ውሉፋትን ዘሎ ፍልልይ ምፍላጡ ጠቓሚ እዩ። መብዛሕትኦም ብስራሕ ውሉፋት ዝዀኑ ሰባት ንዕዮኦም ካብ ሓደገኛን ዜስግእን ዓለም መምለጢ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣብ ስርሖም ትጉሃት ዝዀኑ ግን ንዕዮኦም ኣድላዪን ዜሐጕስን ሓላፍነት ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ብስራሕ ውሉፋት ዝዀኑ ሰባት ስርሖም ንብምሉኡ ህይወቶም ኪቈጻጸሮ ይፈቕዱሉ። ትጉሃት ግን ዕዮኦም መዓስ ደው ኬብሉ ኸም ዘለዎም: ኣእምሮኦም መዓስ ከም ዜዕርፉ ይፈልጡ: ከምኡውን ኣብ ኣገዳሲ ማሕበራዊ ንጥፈታት ይሳተፉ። ብስራሕ ውሉፋት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብምስራሕ ዕግበት ኪረኽቡን ኪነቓቕሑን ከለዉ: ኣብ ስርሖም ትጉሃት ዝዀኑ ግን ከምዚ ኣይስምዖምን።

ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕብረተሰብ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ምስራሕ ስለ ዜተባብዕ: ኣብ መንጎ ትጉህ ምዃንን ውሉፍ ምዃንን ዘሎ ፍልልይ ንጹር ኣይኰነን። ሰባት ሞደምን ሞባይልን ስለ ዚህልዎም ኣብ ገዝኦም እውን ከይተረፈ ዕዮኦም ይቕጽሉ እዮም። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ሰዓትን ምስራሕ ስለ ዚከኣል ገለ ሰባት ነብሶም ክሳዕ ዚጐድኡ እዮም ዚሰርሑ።

ገሊኦም ሰባት ንኸምዚ ዓይነት ዘይጥዑይ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ይርእይዎ፧ እቶም ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዚሰርሑን ኣመና ዚጭነቑን ሰባት መንፈሳዊ ነገራት ምስ ስርሖም ብምትሕንፋጽ ሃይማኖቶምን ስርሖምን ብሓደ ኺጠምሩ ኸም ዚፍትኑ ብዛዕባ ሕብረተሰብ መጽናዕቲ ዜካይዱ ተመራመርቲ ይገልጹ። ሳን ፍራንሲስኮ ኤግዛሚነር ነዚ ብዚምልከት “መንፈሳውነትን ዕዮን ብሓደ ምጽማድ ልሙድ ተርእዮ እዩ ዚኸውን ዘሎ” በለ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብዛዕባ እተን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዚርከባ ብቴክኖሎጂ ዝማዕበላ ኸባቢታት ዝወጸ ሓደ ጸብጻብ: “ኣብ ስራሕ ዚርከብ ናይ ማካይን ደው መበሊ ቦታታት ብሰንኪ ምንካይ ሰራሕተኛታት ጥርሑ ኪኸውን ከሎ: ምሸት ምሸት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚካየደሉ ቦታታት ዚርከብ ናይ ማካይን ደው መበሊ ግን መሊኡ ይርአ” በለ። እዚ ዝዀነ ይኹን ትርጕም ይወሃቦ ብዘየገድስ: ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ብዛዕባ ስራሕ ዘለዎም ኣረኣእያ ኣወንታዊ ጽልዋ ኸም ዜሕድርን ሚዛናዊ ናብራ ንምንባር ከም ዚሕግዝን ፈሊጦም እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ኺህልወና ዚሕግዝ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ስራሕ ዜጋጥመና ጸገማት ንምፍታሕ ዚሕግዝ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣሎዶ፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽትህበሉ እያ።