ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብቲ ፈለማ ክርስትና ሰሲኑሉ ዝነበረ ቦታ ዚግበር ዘሎ ዕዮ ስብከት

ኣብቲ ፈለማ ክርስትና ሰሲኑሉ ዝነበረ ቦታ ዚግበር ዘሎ ዕዮ ስብከት

ኣብቲ ፈለማ ክርስትና ሰሲኑሉ ዝነበረ ቦታ ዚግበር ዘሎ ዕዮ ስብከት

እታ ቡት እትመስል ኣብ መዲተራነያን እትርከብ ሃገረ ጣልያን: በቲ ሃይማኖታውን ባህላውን ፍጻመታታ ኣቢላ ኣብ ታሪኽ ዓለም ጽልዋ ኣሕዲራ እያ። በቲ እተፈላለየ ገጸ-ምድራ: በቲ ፍሉጥ ስነ-ጥበባታ: ከምኡውን በቲ ምቁር ምግብታታ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ በጻሕቲ ትስሕብ እያ። እዛ ሃገር እዚኣ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝስስነላ እውን እያ።

ናይ ሓቂ ክርስትና ኣብታ ሽዑ ርእሰ ኸተማ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ሮሜ ዝበጽሐ: ብጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. ክርስትና እተቐበሉ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ካብ የሩሳሌም ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ 59 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ሃዋርያ ጳውሎስ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኢጣልያ ኸደ። ኣብታ ጱተዮሉስ እትበሃል ወደብ ከኣ ናይ እምነት “ኣሕዋት” ረኸበ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:5-11፣ 28:11-16

ከምቲ የሱስን ሃዋርያትን ኣቐዲሞም ዝገለጽዎ: ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ቅድሚ ምውዳኡ ኸሓድቲ ዘበሉ በብቝሩብ ካብ ናይ ሓቂ ክርስትና ረሓቑ። እንተዀነ ግን: መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ቕድሚ ምምጻኡ: ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም: እንተላይ ኣብ ኢጣልያ: ይሰብኩ ኣለዉ።—ማቴዎስ 13:36-43፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30፣ 2 ተሰሎንቄ 2:3-8፣ 2 ጴጥሮስ 2:1-3

ተስፋ ዜቝርጽ ጅመራ

ብ1891 እቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚበሃሉ) ዜመሓድር ዝነበረ ቻርለስ ቴዝ ራስል: ናብ ገሊአን ከተማታት ኢጣልያ ንመጀመርታ ግዜ ምብጻሕ ገበረ። እቲ ኣብኡ ዝፈጸሞ ኣገልግሎቱ ብዙሕ ተስፋ ዘይብሉ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ: “ኣብ ኢጣልያ ፍረ ንኽንረክብ ተስፋ ዚህበና ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይረኣናን” በለ። ኣብ ጽድያ 1910 ሓው ራስል ናብ ኢጣልያ ተመልሰ: ኣብ ማእከል ሮማ ኣብ ዚርከብ ጂምናዝዩም ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዝርርብ ኣቕረበ። እንታይ ፍረኸ ረኸበ፧ “ብሓፈሻኡ: እቲ ኣኼባ ዜሕዝን እዩ ነይሩ” በለ።

ንእተወሰነ ዓመታት ኣብ ኢጣልያ እተገብረ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ፍረ ኣየፍረየን። ሓደ ኻብቲ እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት መስጐጕቲ ይወርዶም ብምንባሩ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ: ኣብታ ሃገር ካብ 150 ዚበዝሑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይነበሩን። መብዛሕትኦም ከኣ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዚነብሩ ኣዝማዶም ወይ ፈተውቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝፈለጡ እዮም።

ዜደንቕ ወሰኽ

ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም: ብዙሓት ሚስዮናውያን ናብ ኢጣልያ ተላእኩ። እንተዀነ ግን: ኣብ መዛግብቲ መንግስቲ ዚርከብ ደብዳበታት ከም ዚሕብሮ: ኣብ ቫቲካን ልዑል ስልጣን ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ነቲ መንግስቲ ነዞም ሚስዮናውያን እዚኣቶም ኪሰጎም ሓተትዎ። በዚ ምኽንያት እዚ መብዛሕትኦም ሚስዮናውያን ካብታ ሃገር ኪወጹ ተገደዱ።

ብዙሕ ዕንቅፋታት እናኣጋጠመ ኽነሱ: ብዙሓት ኣብ ኢጣልያ ዚርከቡ ሰባት ናብቲ ንኣምልኾ የሆዋ ዜመልከት “ከረን” ወሓዙ። (ኢሳይያስ 2:2-4) እቲ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተራእየ ወሰኽ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። ኣብ 2004 ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ 233,527 በጽሐ: እዚ ኸኣ 1 ን248 ተቐማጦ ማለት እዩ። ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ እውን 433,242 ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም። ኣብታ ዓመት እቲኣ 3,049 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምሹእ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ይእከባ ነበራ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብፍላይ ኣብ እተወሰነ ኽፋል እቶም ተቐማጦ ብዙሕ ወሰኽ ተረኺቡ እዩ።

ብሓያሎ ቛንቋታት ዚግበር ስብከት

ብዙሓት ሰባት ስራሕ ወይ ዝሓሸ መነባብሮ ንኺረኽቡ ኢሎም ወይ ገሊኦም ካብ ዜሕዝን ኵነታት ንኼምልጡ ኢሎም ካብ ኣፍሪቃ: እስያ: ከምኡውን ካብ ምብራቕ ኣውሮጳ ናብ ኢጣልያ ይስደዱ እዮም። እዞም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብኸመይ እዮም ብመንፈስ ዚሕገዙ፧

ኣብ ኢጣልያ ዚነብሩ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ሲንሃላ: በንጋልኛ: ታጋሎግ: ቻይናኛ: ኣልባንኛ: ኣምሓርኛ: ዓረብኛ: ፑንጃቢ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ ቛንቋታት ተማሂሮም እዮም። ካብ 2001 ኣትሒዙ: ነዞም ወለንተኛታት እዚኣቶም ብናይ ወጻኢ ቛንቋታት ምእንቲ ኺምስክሩ: እተፈላለየ ኮርስ ተዋህቦም። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት: 3,711 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ17 ቋንቋታት ኣብ እተዳለወ 79 ኮርሳት ተሳተፉ። እዚ ኸኣ ብ25 ቋንቋታት ኣኼባታት ዚምርሓለን 146 ጉባኤታትን 274 ጕጅለታትን ንምቛምን ንምድልዳልን ሓገዘ። በዚ ኸምዚ ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ ብስራት ሰሚዖም: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ዜደንቕ ፍረ እዩ ዜምጽእ ዘሎ።

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንጆርጅ ዚበሃል ቋንቋ ማልያላም ዚዛረብ ወዲ ህንዲ ኣዘራረቦ። ጆርጅ ኣብ ስራሕ ብዙሕ ጸገማት እኳ እንተ ነበሮ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምር ተሰማምዐ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ጂል ዚበሃል ቋንቋ ፑንጃብኛ ዚዛረብ ዓርኪ ጆርጅ: ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከደ: ምስኡ እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ። ጂል ከኣ ዴቪድ ንዚበሃል ቋንቋ ተሉጉ ዚዛረብ ሰብ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣፋለጦ። ዴቪድ ነዊሕ ከይጸንሐ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። ሶኒን ሹባሽን ዚበሃሉ ኽልተ ኻልኦት ህንዳውያን ምስ ዴቪድ ይነብሩ ነበሩ። ክልቲኦም ከኣ ኣብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሳተፉ ጀመሩ።

ድሕሪ ሒደት ሰሙናት: ሓደ ዳሊፕ ዚበሃል ቋንቋ ማራቲ ዚዛረብ ሰብ ናብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደዊሉ: “ኣነ ዓርኪ ጆርጅ እየ። መጽሓፍ ቅዱስ ክትምህሩኒ ትኽእሉዶ፧” ኢሉ ሓተቶም። ሱሚት ዚበሃል ቋንቋ ታሚል ዚዛረብ ሰብ እውን መጸ። ካልእ ዓርኪ ጆርጅ ከኣ ደዊሉ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ሓተተ። ድሕሪኡ ጆርጅ ንሓደ ማክስ ዚበሃል መንእሰይ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሒዝዎ መጸ። እዚውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ሓተተ። ኣብዚ እዋን እዚ ንሽዱሽተ ኻብዚኣቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሎም ከሎ: ነርባዕተ ኸኣ ንኺምርሓሎም ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ኣብቲ መጽናዕቲ ብቛንቋታት ሂንዲ: ማልያላም: ማራቲ: ተሉጉ: ታሚል: ኡርዱ: ፑንጃቢ እተዳለወ ጽሑፋት ዚጥቀሙ እኳ እንተዀኑ: ብሓፈሻኡ ግን ብእንግሊዝኛ እዩ ዚምራሕ።

ጽሙማን ነቲ ብስራት “ይሰምዑ” ኣለዉ

ኣብ ኢጣልያ ልዕሊ 90,000 ጽሙማን ኣለዉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መፋርቕ 1970ታት ኣትሒዞም ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ንኺምህርዎም ፍሉይ ቈላሕታ ኺገብሩሎም ጀመሩ። ኣብ መጀመርታ: ገሊኦም ጽሙማን ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንገሊኦም ኣብቲ ዓውዲ እቲ ንኺሕግዙ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ኣገልገልቲ ነቲ ናይ ጥልያንኛ ናይ ምልክት ቋንቋ መሃርዎም። ድሕርዚ: ብዙሓት ጽሙማን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኬርእዩ ጀመሩ። ኣብዚ ግዜና ልዕሊ 1,400 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ናይ ጥልያንኛ ናይ ምልክት ቋንቋ ዚጥቀማ ኣኼባታት ይእከቡ ኣለዉ። ዓሰርተው ሓሙሽተ ጉባኤታትን 52 ጕጅለታትን በዚ ቛንቋ እዚ ይጥቀማ ኣለዋ።

ፈለማ: ንጽሙማን ዚግበር ዝነበረ ስብከት: ኣብ ጻዕሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት እዩ ዚምርኰስ ነይሩ። ኣብ 1978 ግን ኣብ ኢጣልያ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽሙማን ዚኸውን ኣውራጃዊ ኣኼባታት ኣዳለወ። ኣብ ግንቦት እታ ዓመት እቲኣ: ኣብቲ ቐጺሉ ኣብ ሚላን ዚግበር ኣህጉራዊ ኣኼባ ንጽሙማን እውን ምድላው ኪግበረሎም ምዃኑ ምልክታ ተነግረ። ንጽሙማን ዚኸውን ናይ መጀመርታ ናይ ወረዳ ኣኼባ ኣብ ለካቲት 1979 ኣብቲ ኣብ ሚላን ዚርከብ መአከቢ ኣደራሽ ተገብረ።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንብዙሓት ወንጌላውያን ናይ ምልክት ቋንቋ ንኺመልክዎ ብምትብባዕ: ነቶም ጽሙማን ብመንፈስ ንምዕንጋል ጽቡቕ ቈላሕታ ገበረሎም። ካብ 1995 ኣትሒዙ ፍሉያት ፓይነራት (ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን) ንጽሙማን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎት ንምስልጣንን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምውዳብን ናብ ገሊአን ጕጅለታት ተላኢኾም እዮም። ሰለስተ ዓበይቲ ኣኼባታት ዚግበረሉ መአከቢ ኣደራሻት ነቲ ትምህርቲ ንምክትታል ዜኽእል ምዕቡል ቪድዮታት ኣለዎ። ንጽሙማን መንፈሳዊ ምግቢ ንምብጻሕ ተባሂሉ ኸኣ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ዝሓዘ ቪድዮ ካሴታት ይዳሎ ኣሎ።

ገሊኦም ነዚ ዚዕዘቡ ሰባት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ጽሙማን ብመንፈስ ዜድልዮም ነገራት ከም ዚሓልዩ ኣስተብሂሎም እዮም። ፓሮለ ኤ ሴንዪ እትበሃል ብማሕበር ጽሙማን ኢጣልያ እትሕተም መጽሔት: ካብ ሓደ ኣቡን ካቶሊክ እተላእከላ ደብዳበ ጠቒሳ ኸምዚ በለት:- “ጽሙም ቀጻሊ ቘላሕታ ስለ ዜድልዮ: ጽሙም ምዃን ኣጸጋሚ እዩ። ንኣብነት: ብዘይ ገለ ጸገም ናብ ቤተ-ክርስትያን ኪኸይድ ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ንዅሉ እቲ ኣብኡ ዚንበብ: ዚዝረብ: ወይ ዚዝመር ነገራት ንኺርዳእ ግን ተርጓሚ የድልዮ።” እታ መጽሔት ኣስዕብ ኣቢላ “ቤተ-ክርስትያን ንስንክልና ኸም ዘይተዳለወትሉ እቲ ኣቡን ተኣሚኑ: ብዙሓት ጽሙማን ካብ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ንላዕሊ ኣብ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ኽንክን ከም ዚግበረሎም እውን ሓቢሩ” በለት።

እቲ ብስራት ንእሱራት ተሰብከ

ሓደ ሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ ሓራ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ እወ: ቃል ኣምላኽ ነቶም ዚቕበልዎን ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎን ‘ሓራ ኼውጽኦም’ ይኽእል እዩ። እቲ የሱስ “ንምሩኻት” ዝነገሮም መልእኽቲ: ካብ ሓጢኣትን ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ሓራ ኸም ዚወጹ ገይሩ እዩ። (ዮሃንስ 8:32፣ ሉቃስ 4:16-19) ኣብ ኢጣልያ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብምስባኽ: ጽቡቕ ፍረ ይርከብ ኣሎ። ዳርጋ 400 ዝዀኑ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመንፈሳዊ ሓገዝ ንምሃብ ናብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ምብጻሕ ንኺገብሩ ብመንግስቲ ፍቓድ ተዋሂቡዎም እዩ። ካብ ካቶሊክ ቀጺልካ: ከምዚ ዓይነት ፍቓድ ኪወሃቦም ዝሓተቱን ዝረኸቡን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም።

መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትጽቢት ብዘይተገብረሉ መገዲ ኺዝርጋሕ ይኽእል እዩ። ገለ እሱራት ንመተኣስርቶም ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚህብዎ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግርዎም እዮም። ስለዚ ድማ ገሊኦም እሱራት ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኪመጾም ይሓቱ። ወይ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ዝጀመሩ ኣባላት ስድራቤቶም: ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ምብጻሕ ኪግበረሎም ኪሓቱ የተባብዕዎም ይዀኑ። ገሊኦም ሰብ ብምቕታሎም ወይ ካልእ ከቢድ ገበን ብምፍጻሞም ዕድመ ይፍታሕ እተፈርዶም ሰባት: ተነሲሖምን ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ለውጢ ገይሮምን እዮም። እዚ ኸኣ ርእሶም ንየሆዋ ንኺውፍዩን ንኺጥመቑን መገዲ ይጸርገሎም።

ኣብ ሓያሎ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዝርርባት ንምሃብ: በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ንምብዓል: ከምኡውን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ቪድዮ ንምርኣይ ምድላዋት ተገይሩ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓያሎ እሱራት ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ይእከቡ እዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንእሱራት ምእንቲ ኺጠቕሙ ኢሎም: ነቲ ንእሱራት ሓጋዚ ዀይኑ ዚረኽብዎ መጽሔታት ብብዝሒ ዓዲሎም እዮም። ሓንቲ ኻብዘን መጽሔታት እዚኣተን እታ ኣብ ናይ 8 ግንቦት 2001 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “እሱራት ኪእረሙ ይኽእሉዶ፧” ዚብል ኣርእስቲ ነበራ። ናይ 8 ሚያዝያ 2003 ሕታም (እንግሊዝኛ) እውን “ኣብ ስድራቤት ሓሽሽ ዚወስድ ምስ ዚህሉ እንታይ ትገብር፧” ዚብል ኣርእስቲ ነበራ። በሽሓት ዚቝጸር ቅዳሓት ንእሱራት ተበርኪቱሎም እዩ። ሳላዚ ድማ በማእታት ንዚቝጸሩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሎም ተጀመረ። ገሊኦም ሓለውቲ እሱራት እውን ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኣርእዮም እዮም።

ሓደ ኮስታንቲኖስ ዝስሙ እሱር ካብ ሰበ-ስልጣን ፍሉይ ፍቓድ ድሕሪ ምርካቡ: 138 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣከብቲ ኣብ እተረኽቡሉ ኣብቲ ኣብ ሳን ሪሞ ዚርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተጠሚቑ እዩ። ኮስታንቲኖስ ድሕሪ ጥምቀቱ “ብዙሕ ፍቕሪ እየ ርእየ” በለ። እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ “ነዚ ነገር እዚ ተሓጒስና ኢና ፈቒድናሉ። ንእሱራት ብማሕበራውን ብብሕታውን ብመንፈሳውን ቀልጢፎም ከም ዚእረሙ ኺገብሮም ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ኪሕሰበሉ ኣለዎ” ኸም ዝበለ እታ ኣብቲ ዓዲ እትሕተም ጋዜጣ ሓበረት። ንኮንስታንቲኖ ሰበይቱን ጓሉን ድማ እቲ ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወቱ ዝጸለወሉ መገዲ ኣገሪሙወን እዩ። “እቲ ዝገበሮ ለውጢ የሐብነና እዩ። ሰላማዊ ዀይኑ: ብዝያዳ ድማ ይሓልየልና ኣሎ። ሕጂ ኸም ብሓድሽ ኣብኡ ምትእምማንን ኣኽብሮትን ሓዲሩና” በላ። ንሳተን እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዓን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪእከባን ጀሚረን ኣለዋ።

ብስርቂ: ብዘረፋ: ሓሽሽ ብምንጋድ: ከምኡውን ብቕትለት እተኣስረ: ሰርጆ: ክሳዕ 2024 ኪእሰር እዩ ተፈሪድዎ። እዚ ሰብ እዚ ንሰለስተ ዓመት ቅዱሳት ጽሑፋት ድሕሪ ምምርማሩን ህይወቱ ድሕሪ ምቕያሩን: ኪጥመቕ ወሰነ። ካብቶም ኣብቲ ኣብ ደሴት ኤልባ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ፖርቶ ኣዙሮ ተኣሲሮም ከለዉ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኖም እተጠምቁ: እዚ መበል 15 እዩ። እተወሰኑ መተኣስርቱ ኣብ እተረኽብዎ ኣጋጣሚ ኣብቲ ንስፖርታዊ ንጥፈታት ዚኸውን ክፋል እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ እተዳለወ ጋብላ እዩ ተጠሚቑ።

ን20 ዓመት ተፈሪድዎ እተኣስረ ሊዮናርዶ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ፓርማ ዚርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺጥመቕ ፍሉይ ፍቓድ ረኸበ። ኣብቲ በቲ ኣብታ ዓዲ እትርከብ ጋዜጣ እተገብረሉ ቓለ-መጠይቕ “ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ዝወሰነ: ኻብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጸሉ መገዲ ንኺረክብ ኢሉ ዘይኰነስ: ብመንፈስ ዜድልዮ ዝነበረ ንምምላእ ምዃኑ ንጹር ኪገብር” ከም ዚደሊ ሓበረ። ሊዮናርዶ ባዕሉ “ህይወተይ ጌጋታት ዝመልኣ እያ ነይራ: ደጊም ግን ናብቲ ዓይነት ህይወት እቲ ኣይክምለስን እየ። ይኹን እምበር: ብሓንሳእ ኣይኰንኩን ተቐዪረ። ብሕጂውን ብቕንዕና ኽመላለስ ኣሎኒ” በለ።

ብቕትለት እተኣስረ ሳልቫቶረ ኣብቲ ልዑል ሓለዋ ዚግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ስፖለቶ እዩ ዚርከብ። ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ እተገብረ ጥምቀቱ ንብዙሓት ኣደኒቑ እዩ። እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ “ንጥቕሚ እሱራትን ኵሉ ሕብረተሰብን ተባሂሉ: ናብ ጽቡቕ ባህሪ ዚመርሕ ማሕበራዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ምርጫ ኺተባባዕ ኣለዎ” በለ። ሳላ እቲ ሳልቫቶረ ዝገበሮ ለውጥታት: ሕጂ ብዓልቲ ቤቱን ጓሉን ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይእከባ ኣለዋ። ሓደ ሳልቫቶረ ዝመስከረሉ እሱር ከኣ ርእሱ ንየሆዋ ወፍዩ ተጠምቀ።

ኢጣልያ ሓንቲ ኻብቲ ፈለማ ክርስትና ዘስፋሕፍሓላ ቦታ እያ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:10፣ ሮሜ 1:7) ኣብዚ ብቐውዒ ተመሲሉ ዘሎ እዋን እዚ: ኣብቲ ጳውሎስን ብጾቱ ክርስትያናትን ነቲ ብስራት ንምስባኽ ዝጸዓሩሉ ቦታታት መንፈሳዊ ዕቤትን ወሰኽን ይርአ ኣሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 23:11፣ 28:14-16

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኢጣልያ

ሮማ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቢቶንቶ ዚርከብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዚግበረሉ መአከብን ኣብ ሮማ እትርከብ ናይ ምልክት ቋንቋ እትጥቀም ጉባኤን

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

እሱራት በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ‘ሓራ ይወጹ’ ኣለዉ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ፈለማ ክርስትና ሰሲኑሉ ዝነበረ ቦታ መንፈሳዊ ዕቤት ይርአ ኣሎ