ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቤት ትምህርቲ ንየሆዋ ምምስጋን

ኣብ ቤት ትምህርቲ ንየሆዋ ምምስጋን

ኣብ ቤት ትምህርቲ ንየሆዋ ምምስጋን

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብዘረባኦምን በካይዳኦምን ንየሆዋ የመስግኑ ኣለዉ። ገለ ኻብቲ ንቕንኣቶም ዜንጸባርቕ ተመክሮታት እስከ ንርአ።

ኣብ ግሪኽ እትነብር ሓንቲ ጓል ብዛዕባ ብከላ ኣየር ጸብጻብ ከተዳሉ ተመደበት። ኣብ ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንዴክስ ድሕሪ ምውካስ: ኣብ መጽሔት ንቕሑ! ጠቓሚ ሓሳባት ረኸበት: ነዚ ኻበይ ከም ዝረኸበቶ ድማ ኣብ መደምደምታ እቲ ዝጸሓፈቶ ቴማ ገለጸት። መምህራ ኽሳዕ ሽዑ ኻብ ዘንበበቶ ቴማ እቲ ዝበለጸ ምዃኑ ገለጸት። ድሕሪኡ እታ መምህር ነቲ ሓሳባት ኣብ ሰሚናር ተጠቐመትሉ እሞ ጽቡቕ ፍረ ረኸበትሉ። ስለዚ: እታ ጓል ንመምህራ ተወሳኺ ሕታማት ንቕሑ! ኸተበርክተላ ወሰነት: ሓንቲ ኻባታተን ከኣ “መምህራን እንተ ዘይህልዉ እንታይ ምገበርና፧” ዚብል ኣርእስቲ ዘለወን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት ዝሓዘት መጽሔት እያ ነይራ። እታ መምህር ጸኒሓ ንመጽሔት ንቕሑ! ኣብ ክፍሊ ወደሰታ: ገሊኦም ተመሃሮ ድማ ነዛ መጽሔት እዚኣ ኽትወሃቦም ሓተቱ። እቶም ተመሃሮ ኻልእ ሕታማት እውን ምእንቲ ኼንብቡ: እታ ሓብቲ እተፈላለየ ቕዳሓት ናብ ቤት ትምህርታ ኽትወስድ ኣድለያ።

ኣብታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ በኒን: ሓንቲ ጐርዞ ክርስትያን ፍልይ ዝበለ ጸቕጢ ኣጋጠማ። ወለዲ ተመሃሮ ብሓባር ኰይኖም: ንደቆም ንመርመራ ንኼዳልዉዎም ኢሎም ግላዊ መምህራን ኪቘጽሩሎም ደለዩ። እቶም ግላዊ መምህራን ግን ነቲ ትምህርቲ ንምሃብ ቀዳም ቀዳም ንግሆ መረጹ። እታ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ “ቀዳም ንግሆ ምልእቲ ጉባኤና ንስብከት እትኸደላ እዋን እያ። ካብ ምሉእ ሰሙን እታ ዝፈትዋ እዋን እያ: ብዝዀነ ይኹን ከኣ ኣይቅይራን እየ!” በለት። እቲ ብዘይ ኣደ ዜዕብያ ኣቦኣ እውን ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀነ: ምስቲ ሓሳባታ ተሰማምዐ: ነቲ መደብ ኬቐይሮ ድማ ጸዓረ። እንተዀነ ግን: ኵሎም ኣበይዎ። እታ ጓል ብዘይ ግላዊ መምህር መርመራ ኽትፍተን ወሰነት። ኣብ ክንዳኡ: ምስ ጉባኤኣ ናብ ስብከት ትኸይድ ነበረት። ደቂ ኽፍላ ምስክርነታን ኣምላኻን ንኽትሓድግ ይደፋፍእዋን የላግጹላን ነበሩ። ኣብቲ መርመራ ኸም እትተርፍ ርግጸኛታት ነበሩ። እቲ ዜገርም ግን: እቶም ግላዊ መምህር እተቘጽረሎም ተመሃሮ ኺተርፉ ኸለዉ: እታ ጓል ግን ሓለፈት። በዚ ድማ እቲ ላግጺ ኣቋረጸ። ሕጂ እቶም ተመሃሮ “ንኣምላኽኪ ኽትሓድግዮ የብልክን” ይብልዋ ኣለዉ።

ኣብ ሪፓብሊክ ቸክ ሓንቲ ጓል 12 ዓመት: ብዛዕባ ሓደ መጽሓፍ ጸብጻብ ክትጽሕፍ ዕዮ ተዋህባ። ኣዲኣ ኸኣ ብዛዕባ እታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘርእስታ መጽሓፍ ክትጽሕፍ ኣተባብዓታ። እታ ጓል ነቲ ጸብጻባ ኽትጅምሮ ከላ: “እንታይ ይመስለኩም፧ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ሰባት እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ መን እዩ፧” ኢላ ሓተተት። ንየሱስን ኣብ ምድሪ ንዘሕለፎ ህይወትን ንትምህርትታቱን ገለጸት። ድሕሪኡ ነታ “ይቕረ ምባል ዚገልጽ ትምህርቲ” ዘርእስታ ምዕራፍ ኣቕረበታ። መምህራ ኸኣ “ካብቲ ንስኺ ዘቕረብክዮ ጸብጻባት እዚ እቲ ዝበለጸ እዩ!” በለታ: ተሓጒሳ ድማ ቅዳሕ እታ መጽሓፍ ወሰደት። ገሊኦም መማህርታ እውን ቅዳሕ እታ ጽሕፍቲ ደለዩ። ንጽብሒቱ: እታ ጓል 18 ቅዳሕ እዛ መጽሓፍ ዓደለት።

ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ንየሆዋ ኣብ ቤት ትምህርቶም ብምምስጋን ዓብዪ ሓጐስ ይረኽቡ ኣለዉ። ኵላትና ነቲ ቕንኣቶም ክንቀድሖ ኣሎና።