ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት: ንየሆዋ ኣመስግንዎ!

ኣቱም መንእሰያት: ንየሆዋ ኣመስግንዎ!

ኣቱም መንእሰያት: ንየሆዋ ኣመስግንዎ!

‘ኣቱም ኣጕባዝን ጐራዙትን: ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ አመስግንዎ።’መዝሙር 148:7, 12

1, 2. (ሀ) ሓያሎ መንእሰያት ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ቀይድታት እዮም ኣጸቢቖም ዚግደሱ፧ (ለ) መንእሰያት በቲ ወለዶም ዚገብሩሎም ቀይድታት ኪማረሩ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧

 መንእሰያት ዘበሉ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይፍቀደሎም ነገራት ኣጸቢቑ የገድሶም እዩ። መብዛሕትኦም ንኣሽቱ በይኖም ጽርግያ ኺሰግሩ: ምሸት ኬምስዩ: ወይ ማኪና ምዝዋር ኪጅምሩ ዚኽእሉ ደቂ ኽንደይ ምስ ኣኸሉ ምዃኖም ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ሓድሓደ ግዜ: ሓደ ብዕድመ ንእሽቶ ሰብ መብዛሕትኡ ዜቕርቦ ሕቶታት: “ክሳዕ እትዓቢ ጽናሕ” ብዚብል መልሲ ኸም ዚዕገት ኰይኑ ይስምዖ እዩ።

2 መንእሰያት ዘበልኩም መቸም: ወለድኹም ከምዚ ዝኣመሰለ ቐይድታት ንጥቕምኹም ኢሎም ከም ዚገብርዎ ትፈልጡ ኢኹም። ንወለድኹም ክትእዘዙ ኸለኹም የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዚሕጐስ እውን ትፈልጡ ኢኹም። (ቈሎሴ 3:20) እንተዀነ ግን: ብሰንኪ እዚ ዅሉ ቐይድታት እዚ ናይ ብሓቂ ንህይወት ዘይተስተማቕርዋ ዘለኹም ኰይኑዶ ይስምዓኩም፧ ኵሉ እቲ ዜገድሰኩም ነገራት ክሳዕ እትዓብዩ ትኽልከሉ ዲኹም፧ እዚ ኸቶ ዘይመስል እዩ! ካብ ዝዀነ ይኹን ክትፍጽምዎ እትኽእሉ ዕዮታት ዚበልጽ: ሓደ ፍሉይ ዕዮ ኣሎ። ኣቱም መንእሰያት: ኣብዚ ዕዮ እዚ ኽትሓብሩ ይፍቀደልኩም ድዩ፧ ይፍቀደልኩም ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ልዑል ኣምላኽ ባዕሉ ኣብዚ ኽትጽመዱ ዓዲምኩም ኣሎ።

3. የሆዋ ንመንእሰያት ኣብ ምንታይ ፍሉይ ዕዮ ኺሳተፉ እዩ ዚዕድሞም ዘሎ፧ ቀጺልና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ዕዮ ኢና እንዛረብ ዘሎና፧ ነቲ ኣብታ ቐንዲ ጥቕስና ዘሎ “ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ አመስግንዎ: . . . ኣጕባዝን ጐራዙትን: ዓበይቲ ምስ ናእሽቱ” ዚብል ቃላት እሞ ኣስተብህሉሉ። (መዝሙር 148:7, 12) ንየሆዋ ናይ ምውዳስ ዓብዪ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱልኩም ዘሎ። መንእሰይ እንተደኣ ዄንካ: ኣብቲ ዕዮ እቲ ንምስታፍ ሃንቀውታዶ ኣሎካ፧ ብዙሓት ብሃንቀውታ እዮም ኣብኡ ዚሳተፉ። ንምንታይ ከምኡ ኺስምዓና ኸም ዘለዎ ንምግንዛብ: ሰለስተ ሕቶታት እስከ ንመርምር። ቀዳማይ: ስለምንታይ ኢኻ ንየሆዋ ኸተመስግኖ ዘሎካ፧ ካልኣይ: ብኸመይ ኢኻ ብዚግባእ ከተመስግኖ እትኽእል፧ ሳልሳይ: ንየሆዋ ኸተመስግኖ እትጅምረሉ እዋን ካብ መዓስ ኣትሒዙ እዩ፧

ንየሆዋ እተመስግኖ ስለምንታይ ኢኻ፧

4, 5. (ሀ) ብመሰረት መበል 148 መዝሙር: ኣብ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ኵነታት ኢና ዘሎና፧ (ለ) ኪዛረቡን ኪሓስቡን ዘይክእሉ ፍጥረታት ንየሆዋ ኼመስግንዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

4 ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ እነመስግነሉ ቐንዲ ምኽንያት: ፈጣሪ ብምዃኑ እዩ። መበል 148 መዝሙር ኣብዚ ሓቂ እዚ ንኸነተኵር ትሕግዘና። ሕስብ እሞ ኣብሎ: ብዙሓት ሰባት ብስኒት ጽቡቕ መዝሙር ኪዝምሩ እንተ ዚጸንሑኻ: ከመይ ምተሰምዓካ፧ እቲ ቓላት እቲ መዝሙር ሓቂ ምዃኑ እትፈልጦ ኸምኡውን ኣገዳስን ዜሐጕስን መንፈስካ ዜለዓዕልን ሓሳባት ዝሓዘ እንተ ዚኸውንከ ነቲ ቓላት ንኸተጽንዖን ምሳታቶም ሓቢርካ ኽትዝምርን ኣይምተደረኽካንዶ፧ መብዛሕትና ምተደረኽና። መበል 148 መዝሙር ከኣ ካብዚውን ኣብ ዚበልጽ ተመሳሳሊ ዅነታት ከም ዘለኻ እያ እትሕብር። እታ መዝሙር ብዙሓት ጭፍራ ንየሆዋ ብሓባር የመስግኑ ኸም ዘለዉ ትሕብር። ነዛ መዝሙር እዚኣ ኸተንብባ ኸለኻ ግን ሓደ ዘይተለምደ ነገር ኢኻ እትረክብ። እዚኸ እንታይ እዩ፧

5 እቶም ኣብ መበል 148 መዝሙር ተጠቒሶም ዚርከቡ መመስገንቲ: መብዛሕትኦም ኪዛረቡ ወይ ኪሓስቡ ዘይክእሉ እዮም። ንኣብነት: ጸሓይ: ወርሒ: ከዋኽብቲ: ኣስሓይታ: ንፋስ: ኣኽራን: ኰረቢት ንየሆዋ ኸም ዜመስግንዎ ነንብብ። እዞም ህይወት ዘይብሎም ፍጥረታት ከመይ ገይሮም እዮም ከምዚ ኺገብሩ ዝኸኣሉ፧ (ቍጽሪ 3, 8, 9) ልክዕ: ከምቲ ኣእዋምን ፍጥረታት ባሕርን እንስሳታትን ዜመስግኑ ገይሮም እዮም ዜመስግንዎ። (ቍጽሪ 7, 9, 10) ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ዘለዋ ጽባቐ ወይ ኣብ መንጎ እቲ ጫሕ ኢሉ ዚርአ ኸዋኽብቲ እትጐዓዝ ቈሎ እትመስል ወርሒ ተመልኪትካዶ ትፈልጥ፧ እንስሳታት ኪጻወቱ ኸለዉ ብሓጐስ ስሒቕካ ወይ ብውቁብ ትርኢት ተዓኒድካዶ ትፈልጥ፧ ከምዚ ኣጋጢሙካ ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ: እቲ ፍጥረታት ዚዝምርዎ መዝሙር ምስጋና “ሰሚዕካዮ” ኣለኻ ማለት እዩ። እዚ ዅሉ የሆዋ ዝገበሮ ነገራት: ኵሉ ዚኽእል ፈጣሪ ምዃኑ: ከምኡ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ሓያልን ጥበበኛን ፈቃርን ዝዀነ ኻልእ ከም ዘየልቦ የዘኻኽረና።—ሮሜ 1:20፣ ራእይ 4:11

6, 7. (ሀ) መበል 148 መዝሙር ከመይ ዝበሉ መስተውዓልቲ ፍጡራት እዮም ንየሆዋ ኸም ዜመስግኑ እትገልጽ፧ (ለ) ንየሆዋ ኸነመስግኖ ኽንድረኽ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ብመብርሂ ግለጽ።

6 እታ መበል 148 መዝሙር: መስተውዓልቲ ፍጥረታት ንየሆዋ ይውድስዎ ኸም ዘለዉ እውን ትገልጽ እያ። ኣብ ቍጽሪ 2 እቶም ሰማያውያን ‘ሰራዊት’ የሆዋ: ማለት መላእኽቲ ንኣምላኽ ከም ዜመስግንዎ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ቍጽሪ 11 ኸም ነገስታትን መሳፍንትን ዝኣመሰሉ ስልጣንን ጽልዋን ዘለዎም ሰባት ንኣምላኽ ኬመስግኑ ጻውዒት ቀሪቡሎም ኣሎ። ሓያላት መላእኽቲ ንየሆዋ ብምምስጋን ዚሕጐሱ ኻብ ኰኑ: ሰብ ነዚ ኺገብር ከም ዘይክእል ምኽንያት ምስ ዜቕርብሲ ተቐባልነት ይህልዎ ድዩ፧ እምበኣር: ኣብ ቍጽሪ 12ን 13ን ኣቱም መንእሰያት ዘበልኩም እውን ኣብዚ ንየሆዋ ዚቐርብ ምስጋና ንኽትጽምበሩ ጻውዒት ቀሪቡልኩም ኣሎ። ነዚ ኽትገብሩ ትደልዩዶ፧

7 ሓደ መብርሂ እስከ ንርአ። ብስፖርት: ብስነ-ጥበብ: ወይ ብሙዚቃ ብሉጽ ክእለት ዘለዎ ናይ ቀረባ ዓርኪ እንተ ዚህልወካ: ብዛዕባኡ ንስድራቤትካን ንኻልኦት ኣዕሩኽካን ምተዛረብካዶ፧ እዚ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ነገራት ምፍላጥ እውን ኣባና ተመሳሳሊ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: መዝሙር 19:1, 2 እቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማያት ከም ‘ዜዛኒ’ ወይ ከም ዜዘንቱ ይገልጽ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝፈጸሞ መስተንክር ነገራት ምስ እንሓስብ: ንኻልኦት ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ ምንጋር ድሕር ኣይንብልን ኢና።

8, 9. የሆዋ ብምንታይ ምኽንያታት እዩ ኸነመስግኖ ዚደልየና፧

8 ንየሆዋ እነመስግነሉ ኻልእ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ: ንሱ ኸነመስግኖ ስለ ዚደልየና እዩ። ስለምንታይ እዩ ግን ከነመስግኖ ዚደልየና፧ ካብ ሰባት ምስጋና ስለ ዚደሊ ድዩ፧ ኣይፋልን። ሰባት ዘበልና ሓድሓደ ግዜ ምስጋና የድልየና ይኸውን: የሆዋ ግን ካባና ዝለዓለ እዩ። (ኢሳይያስ 55:8) ብዛዕባ ርእሱ ዀነ ብዛዕባ ባህርያቱ ዜጠራጥሮ ነገር የብሉን። (ኢሳይያስ 45:5) እንተዀነ ግን: ከነመስግኖ ይደልየና: ከምኡ ኽንገብር ከለና ኸኣ ይሕጐስ እዩ። ስለምንታይ፧ ክልተ ምኽንያታት ንርአ። ፈለማ: ንሕናውን ከነመስግኖ ኸም እንደሊ ይፈልጥ እዩ። ‘መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየና:’ ማለት ከነምልኽ ከም እንደሊ ገይሩ እዩ ፈጢሩና። (ማቴዎስ 5:3 NW) ከምቲ ወለድና ዚጠቕመና ምግቢ ኽንበልዕ ከለና ዚሕጐሱ: የሆዋ እውን ነዚ ኸነማልኦ ኺርኢ ኸሎ ይሕጐስ እዩ።—ዮሃንስ 4:34

9 ካልኣይ: ካልኦት ሰባት እውን ንየሆዋ ኸነመስግኖ ኸለና ኺሰምዑ ኸም ዜድልዮም የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኻብኡ ዚንእስ ጢሞቴዎስ “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ: በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” ኢሉ ጸሓፈሉ። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) እወ: ንየሆዋ ኣምላኽ ብእተቕርቦ ምስጋና ኣቢልካ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ምስ እትምህር: ንሳቶምውን ምስኡ ኺፋለጡ እዮም። እዚ ፍልጠት እዚ ናብ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ኪመርሕ ይኽእል እዩ!—ዮሃንስ 17:3

10. ንየሆዋ ንኸነመስግኖ እንድረኽ ስለምንታይ ኢና፧

10 ንየሆዋ እነመስግነሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ኽኢላ ዓርኪ እተዋህበ መብርሂ እሞ ዘክር። ካልኦት ሰባት ብዛዕባኡ ሓሶት ኪዛረቡ ወይ ንስሙ ኼጸልሙ ኸለዉ: ንኽትውድሶ ብዝያዳዶ ኣይምተለዓዓልካን፧ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ልዕሊ ዅሉ ስሙ ኣደዳ ጸለመ ዝዀነ: የሆዋ እዩ። (ዮሃንስ 8:44፣ ራእይ 12:9) እቶም ዜፍቅርዎ ዘበሉ ነቲ ግጉይ ሓበሬታ ብምዕራይ ብዛዕባኡ ሓቂ ኺዛረቡ ይድረኹ እዮም። ንስኻኸ ንየሆዋ ዘለካ ፍቕርን ሞሳን ብምግላጽ: ንሱ ደኣ እምበር እቲ ቐንዲ ጸላኢኡ ዝዀነ ሰይጣን ኪገዝኣካ ኸም ዘይትደሊ ተርኢ ዲኻ፧ ንየሆዋ ብምውዳስ ወይ ብምምስጋን ነዚ ዅሉ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ቐጺሉ ዚቐርብ ሕቶ እምበኣር: ‘ብኸመይ ነዚ ኽትገብሮ ትኽእል፧’ ዚብል እዩ።

ገሊኦም መንእሰያት ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዘመስገንዎ

11. መንእሰያት ንየሆዋ ብምምስጋን ዝመጸ ንፉዓት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታት እዩ ዚሕብረና፧

11 መንእሰያት ንየሆዋ ብምምስጋን ዝመጸ ንፉዓት ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት: ሓንቲ እስራኤላዊት ጓል ብሶርያውያን ተማሪኻ ነበረት። ንእመቤታ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዜገልግል ዝነበረ ነብዪ ኤልሳእ ብትብዓት መስከረትላ። ሳላዚ ድማ ተኣምር ተገብረ: ተወሳኺ ሓያል ምስክርነት እውን ተዋህበ። (2 ነገስት 5:1-17) የሱስ እውን ኣብ ግዜ ንእስነቱ ብትብዓት መስኪሩ እዩ። ካብቲ ኣብ ንእስነቱ ዘሕለፎ ነገራት ብምሉኡ ኸኣ: የሆዋ ንሓደ ፍጻመ ጥራይ እዩ ንኺምዝገብ ዝመረጸ። እዚ ድማ እቲ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቶም ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ናይ ሃይማኖት መምህራን ብትብዓት ዚሓተተሉን ንሳቶም ከኣ በቲ ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ዘለዎ ምርዳእ እተገረሙሉን ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።—ሉቃስ 2:46-49

12, 13. (ሀ) የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ቤተ መቕደስ እንታይ ገበረ፧ እዚኸ ኣብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ እቲ ቘልዑ ዜውስእዎ ምስጋና ኸመይ ተሰምዖ፧

12 የሱስ ምስ ዓበየ እውን ቈልዑ ንየሆዋ ንኺውድሱ ኣለዓዒልዎም እዩ። ንኣብነት: ካብታ ዝሞተላ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ: ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ቤተ መቕደስ እተወሰነ ግዜ የሕልፍ ነበረ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ: ኣብኡ “ተኣምራት” ገበረ። ነቶም ነቲ ቕዱስ ቦታ ናብ በዓቲ ጐሓሉት ዝቐየርዎ ሰጐጎም። ንዕዉራትን ሓንካሳትን ኣሕወየ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት: ብፍላይ ከኣ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት: ንየሆዋን ነቲ መሲህ ዝዀነ ወዱን ኪውድሱ ኺለዓዓሉ ነበሮም። እቲ ዜሕዝን ግን ብዙሓት ከምዚ ኣይገበሩን። ብዙሓት ሰብ: የሱስ ካብ ኣምላኽ ከም እተላእከ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ: ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ፈርህዎም። እተወሰኑ ሰባት ግን ብትብዓት ተዛረቡ። እዚኣቶም መን ምዃኖም ትፈልጥዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራትን ቈልዑውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም፤ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት: ኪብሉን ምስ ረአዩ: ተናደዱ እሞ፤ እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ አሎኻ፧ በልዎ።”—ማቴዎስ 21:15, 16፣ ዮሃንስ 12:42

13 እቶም ካህናት: የሱስ ነቶም ዜመስግንዎ ዝነበሩ ቘልዑ ስቕ ኬብሎም እዮም ዚደልዩ ነይሮም። የሱስከ ስቕ ኣቢልዎምዶ፧ ኣይፋሉን! የሱስ ነቶም ካህናት “እወ: ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ: ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧” በሎም። ንሱን ኣቦኡን ብምስጋና እቶም ቈልዑ ተሓጒሶም እዮም። እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ኵሎም እቶም ዓበይቲ ኺገብርዎ ዚግባእ እዮም ዚገብሩ ነይሮም። እዚ ነገር እዚ ዜማትእ ዘይብሉ ዀይኑ ተራእይዎም ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ሰብኣይ እዚ ዜደንቕ ነገር ኪገብር: ብትብዓትን ብእምነትን ኪዛረብ: ከምኡውን ንኣምላኽን ንህዝቡን ሓያል ፍቕሪ ኼንጸባርቕ ረኣይዎ። ከምቲ ባዕሉ ዘበሎ ኸኣ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ “ወዲ ዳዊት” ወይ መሲህ እዩ። እዞም ቈልዑ እዚኣቶም እምነት ስለ ዘርኣዩ: ሓደ ትንቢት ኣባታቶም ተፈጺሙ እዩ።—መዝሙር 8:2

14. እቲ መንእሰያት ዘለዎም ውህበት ንኣምላኽ ንኼመስግኑ ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧

14 ካብዚ ኣብነታት እዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ መንእሰያት ንየሆዋ ብምውዳስ ዝመጸ ንፉዓት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ንሓቂ ብቐሊሉን ብንጹርን ናይ ምርኣይ ክእለት ኣለዎም: እምነቶም ከኣ ካብ ልቢ ብዝመነጨ ቕንኣት እዮም ዚገልጹ። ኣብ ምሳሌ 20:29 ተጠቒሱ ዚርከብ “ሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ” እተባህለሉ ውህበት እውን ኣለዎም። እወ: ኣቱም መንእሰያት ብርታዐን ሓይልን ኣለኩም: እዚ ኸኣ ንየሆዋ ንምምስጋን ኣድላዪ እዩ። ነዚ ውህበት እዚ ኸመይ ጌርኩም ኢኹም ክትዓዩሉ እትኽእሉ፧

ንየሆዋ ብኸመይ ከተመስግኖ ትኽእል፧

15. ንየሆዋ ብዚግባእ ንምውዳስ እንታይ ድራኸ ኺህልወካ እዩ ዘለዎ፧

15 ንየሆዋ ብዚግባእ ከተመስግኖ እንተደኣ ዄንካ: እዚ ኻብ ልቢ እዩ ዚጅምር። ንኻልኦት ከተሐጕስ ኢልካ ጥራይ ንየሆዋ ተመስግኖ እንተ ዄንካ: ነዚ ብዚግባእ ክትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ካብ ኵሉ ትእዛዛት እታ ዝዓበየት “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” እትብል ምዃና ኣይትረስዕ። (ማቴዎስ 22:37) ባዕልኻ በቲ ኣብ ቃሉ እትገብሮ መጽናዕቲ ኣቢልካ: ብብሕቲ ንየሆዋ ትፈልጦ ዲኻ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት: ንየሆዋ ፍቕሪ ኸም እተሕድር ይገብረካ። ፍቕርኻ እትገልጸሉ ልሙድ መገዲ ኸኣ ንዕኡ ምምስጋን እዩ። ውሽጣዊ ድራኸኻ ንጹርን ሓያልን ምስ ኰነ: ንየሆዋ ብውዕዉዕ መንፈስ ንኽትውድሶ ድሉው ክትከውን ኢኻ።

16, 17. ኣካይዳና ንየሆዋ ኣብ እነቕርቦ ምስጋና እንታይ ግደ ኣለዎ፧ ግለጽ።

16 ድሕርዚ: እንታይ ከም እትብል ቅድሚ ምሕሳብካ: ብኸመይ ከም እትመላለስ ሕሰበሉ። እታ ብግዜ ኤልሳእ ዝነበረት እስራኤላዊት ጓል: ስዲ: ንሰብ ዘይተኽብር: ወይ መታለሊት እንተ ትኸውን ነይራ: እቶም ሶርያውያን ጐይተታ ነቲ ብዛዕባ ነብዪ የሆዋ እተዛረበቶ ነገር ምሰምዕዋዶ፧ ምናልባት ኣይምሰምዕዋን ነይሮም። ብተመሳሳሊውን: ንስኻ ንሰብ እተኽብር: ቅኑዕ: ከምኡውን እሩም እንተ ዄንካ እዮም ሰባት ኪሰምዑኻ ዚድረኹ። (ሮሜ 2:21) ብዛዕባ እዚ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

17 ኣብ ፖርቱጋል እትነብር ሓንቲ ጓል 11 ዓመት: ኣብ ቤት ትምህርታ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኣ ኣብ ዚጥሕስ በዓላት ክትሳተፍ ጸቕጢ ተገብረላ። ንሳ ግን ንመምህራ ኣብዚ ዘይትሳተፈሉ ምኽንያት ብኣኽብሮት ገለጸትላ። እታ መምህራ ግን ኣላገጸትላ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: እታ መምህር ብሃይማኖታ መስሓቒ እናገበረት ከተሕፍራ ጸዓረት። እታ ንእሽቶ ጓል ግን ወትሩ ንመምህራ ተኽብራ ነበረት። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት እታ ጓል ዓብያ ስርዓታዊት ፓይነር ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና ተገልግል ነበረት። ኣብ ሓደ ኣውራጃዊ ኣኼባ: ሰባት ኪጥመቑ ኸለዉ እናረኣየት ከላ: ንሓንቲ ኻባታቶም ኣለለየታ። እታ ናይ ቀደም መምህራ እያ ነይራ! እናነብዓ ምስ ተሓቛቘፋ: እታ ዓባይ ሰበይቲ ነታ ሓብቲ: ነቲ ተመሃሪት ከላ እተርእዮ ዝነበረት ኣኽብሮት ፈጺማ ኸም ዘይረስዓቶ ገለጸትላ። ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ከደታ: እታ መምህር ብዛዕባ ጠባይ ሓንቲ ናይ ቀደም ተመሃሪታ ነገረታ። ድሕርዚ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረላ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ድማ ተቐበለት። እወ: ኣካይዳኻ ንየሆዋ ኣብ ምምስጋን ሓያል ኣበርክቶ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።

18. ሓደ መንእሰይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን የሆዋ ኣምላኽን ዝርርብ ኬጀምር ዚኸብዶ እንተ ዀይኑ: እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

18 ሓድሓደ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ እምነትካ ዝርርብ ንምጅማር ዜሸግር ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ እዚ ንዓኻ ጥራይ ዘይኰነስ ንብዙሓት መንእሰያት እውን ዚስምዖም እዩ። እንተዀነ ግን: ካልኦት ብዛዕባ እምነትካ ኸም ዚሓቱኻ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ብሕጊ ዚፍቀድ እንተደኣ ዀይኑ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት ተማሊእካ ብምኻድ ንምንታይ ኣብ እዋን ምሳሕ ዘይተንብቦ፧ መማህርትኻ እንታይ ተንብብ ከም ዘለኻ: ይሓቱኻ ይዀኑ። ብዛዕባ እታ ሒዝካያ ዘለኻ ዓንቀጽ ወይ መጽሓፍ ዝመሰጠካ ነገር ብምንጋር: ከይሓሰብካዮ ጽቡቕ ዝርርብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። እቲ መማህርትኻ እንታይ ከም ዚኣምን ንምፍላጥ ግን ሕቶታት ምሕታት ኣይትረስዕ። ብኣኽብሮት ስምዓዮ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርካዮ ድማ ንገሮ። ኣብ ገጽ 29 ዚርከብ ተመክሮታት ከም ዚሕብሮ: ሓያሎ መንእሰያት ንኣምላኽ ኣብ ቤት ትምህርቶም ይውድስዎ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ዓብዪ ሓጐስ የምጽኣሎም: ብዙሓት ንየሆዋ ንኺፈልጡ ድማ ይሕግዞም።

19. መንእሰያት ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ብዝያዳ ኽኢላታት ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

19 ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት: ንየሆዋ እነመስግነሉ ዝበለጸ መገዲ እዩ። ኣብዚ ዘይትሳተፍ እንተ ዄንካ: ንምንታይ ሸቶኻ ዘይትገብሮ፧ ኣብዚ ትሳተፍ እንተሊኻ ኸኣ: ካልእ ተወሳኺ ሸቶታት ከተውጽእ ትኽእልዶ፧ ንኣብነት: ኣብ ኵሉ ቤት ሓደ ዓይነት መእተዊ ኣብ ክንዲ እትጥቀም: ንወለድኻን ንኻልኦት ተመክሮ ዘለዎም ሰባትን ኪሕግዙኻ ብምሕታት እተመሓይሸሉ መገድታት ኣናዲ። ከመይ ጌርካ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኸም እትጥቀም: ተመላሊስካ ምብጻሕ ብጽቡቕ ከም እትገብር: ከምኡውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተጀምር ተምሃር። (1 ጢሞቴዎስ 4:15) ንየሆዋ በዚ ኸምዚ ብዝያዳ ብዘመስገንካዮ መጠን: ብዝያዳ ኽኢላ ኢኻ እትኸውን: ኣገልግሎት እውን ብዝያዳ የሐጕሰካ።

ንየሆዋ ኸተመስግኖ እትጅምር መዓስ ኢኻ፧

20. መንእሰያት ንየሆዋ ኼመስግኑ ዕድሚኦም ዘይኣኸለ ዀይኑ ኺስምዖም ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

20 ካብዘን ኣብዚ እተመያየጥናለን ሰለስተ ሕቶታት: መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ እታ ዝቐለለት እያ። መጽሓፍ ቅዱስ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ብምባል ብቐጥታ ይምልስ። (መክብብ 12:1) እወ: ንየሆዋ ኸተመስግኖ እትጅምረሉ እዋን ሕጂ እዩ። ‘ገና ንእሽቶ ስለ ዝዀንኩን ተመክሮ ስለ ዘይብለይን ንየሆዋ ኸመስግኖ ኣይክእልን እየ። ክሳዕ ዝዓቢ ኽጸንሕ ኣሎኒ’ ዚብል ሓሳብ ይህልወካ ይኸውን። ከምዚ ዓይነት ስምዒት ግን ንፈለማ ኣባኻ ኣይኰነን ተራእዩ። ንኣብነት: ኤርምያስ ንእሽቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንየሆዋ “ኣይ: ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ: ገና ቘልዓ እየ እሞ: እንሆ: ክዛረብ ኣይክእልን እየ” በሎ። የሆዋ ግን እዚ ኼፍርሆ ኸም ዘይግባእ ገለጸሉ። (ኤርምያስ 1:6, 7) ብተመሳሳሊ: ንየሆዋ ኸነመስግኖ ኸለና ዜፍርህ ነገር የብልናን። የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኬዐርዮ ዘይክእል ጕድኣት ኣይበጽሓናን እዩ።—መዝሙር 118:6

21, 22. ንየሆዋ ዜመስግኑ ዘበሉ መንእሰያት ምስ ኣውሊ እተመሳሰሉ ስለምንታይ እዮም፧ እዚ ምምስሳል እዚ ዜተባብዕከ ስለምንታይ እዩ፧

21 እምበኣር ኣቱም መንእሰያት ዘበልኩም: ንየሆዋ ንኸተመስግኑ ድሕር ምሕር ኣይትበሉ! ኣብቲ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዚግበር ዘሎ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዕዮ ኽትካፈሉ እትኽእሉሉ ዝበለጸ እዋን ሕጂ ብንእስነትኩም ከለኹም እዩ። ከምዚ ምስ እትገብሩ: ክፍሊ እታ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን እትርከብ ንየሆዋ እተመስግን ዘላ እተደንቕ ስድራቤት ክትኰኑ ኢኹም። የሆዋ ኣባል እዛ ስድራቤት ክትኰኑ ብምኽኣልኩም ይሕጐስ እዩ። ነተን “በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ: ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ” ዚብላ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ እተዛረቦ ቓላት ኪትኰረለን ይግባእ።—መዝሙር 110:3

22 ብናይ ወጋሕታ ብርሃን ዜንጸባርቕ ኣውሊ: ባህ ዜብልዶ ኸይኰነ፧ እወ: መንፈስካ ዜሕድስን ዜንጸባርቕን ቈጺርካ ዘይውዳእን እዩ። ኣቱም ኣብዚ ጽንኩር እዋን ብተኣማንነት እተመስግንዎ ዘለኹም መንእሰያት እውን: የሆዋ ኸምኡ ገይሩ እዩ ዚርእየኩም። ንየሆዋ ኸተመስግኑ ዝገበርክምዎ ውሳነ: ንልቡ ኸም ዜሐጕሶ ንጹር እዩ። (ምሳሌ 27:11) እምበኣር: ኣቱም መንእሰያት ብእተኻእለኩም ዘበለ ንየሆዋ ኣመስግንዎ!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንየሆዋ እነመስግነሉ ኣገዳሲ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

• መንእሰያት ንየሆዋ ብምምስጋን ዝመጸ ንፉዓት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታት እዩ ዚሕብረና፧

• ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ንየሆዋ ብኸመይ ኬገልግልዎ ይኽእሉ፧

• መንእሰያት ንየሆዋ ኼመስግኑ ኺጅምሩ ዘለዎም መዓስ እዮም: ስለምንታይከ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ፈታዊኻ ሓለፍ ዝበለ ኽእለት እንተ ዚህልዎ: ብዛዕባኡ ንኻልኦት ኣይምነገርካንዶ፧

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

መማህርትኻ ብዛዕባ እምነትካ ይግደሱ ይዀኑ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ነገልግሎትካ ኸተመሓይሽ እንተ ደሊኻ: ንሓደ ተመክሮ ዘለዎ ናይ የሆዋ ምስክር ኪሕግዘካ ሕተቶ