ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ወለዲ: ንስድራቤትኩም ሕለዩሎም

ኣቱም ወለዲ: ንስድራቤትኩም ሕለዩሎም

ኣቱም ወለዲ: ንስድራቤትኩም ሕለዩሎም

“ሓደ እኳ ነቶም ናቱ . . . ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ . . . እዩ።”1 ጢሞቴዎስ 5:8

1, 2. (ሀ) ስድራቤታት ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብሓባር ኪእከባ ምርኣይ ዜተባብዕ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ስድራቤታት ብሰዓቱ ናብ ኣኼባታት ንኸይበጽሓ ዕንቅፋት ዚኸውን እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥመን፧

 ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣኼባ ኣብ ዚጅምረሉ እዋን ኣብ ዙርያኻ እንተ ተዓዚብካ: ጽሩያትን ብግቡእ እተኸድኑን ቈልዑ ኣብ ጐድኒ ወለዶም ኮፍ ኢሎም ትርኢ ኢኻ። ኣብ ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ስድራቤታት እትንጸባረቕ ፍቕሪ: ማለት ንየሆዋን ኣብ ንሓድሕዶምን ዘላቶም ፍቕሪ እተሐጕስዶ ኸይኰነት፧ እንተዀነ ግን: ምልእቲ ስድራ ሒዝካ ናብ ኣኼባ ብሰዓትካ ምምጻእ ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዜድልዮ ብዙሕ ሰብ ኣየተኵረሉን እዩ።

2 ወለዲ መብዛሕትኡ እዋን ምሉእ መዓልቲ ብስራሕ ትሑዛት እዮም: ኣኼባ ኣብ ዚህልወሉ ምሸት ከኣ ምልእቲ ስድራቤት ሃታሃታ እዩ ዚበዝሓ። ንኣብነት: ምግቢ ምድላው: ዋኒን ቤት ምፍጻም: ዕዮ ገዛ ምስራሕ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ወለዲ ንደቆም ስለ ዜጸራርዩን ስለ ዚምግቡን ብግዜኡ ንኺነቕሉ ስለ ዜዳልውዎምን: መብዛሕትኡ ጾር እዮም ዚስከሙ። ልክዕ እዩ: ውሉዳት እንተ ሃልዮምኻ: ኣብ ዘይምሹእ እዋን ዘይትጽበዮ ነገር ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: እቲ በዅሪ ኺጻወት ከሎ ስሪኡ ይቐድድ። እቲ ሕሳስ ልደ ኸኣ ነቲ ምግቢ ይደፍኦ። እቶም ቈልዑ ኺበኣሱ ይጅምሩ። (ምሳሌ 22:15) እዚኸ እንታይ የስዕብ፧ ወለዲ ተጠንቂቖም መደብ ዋላ እንተ ገበሩ: ከይሰለጦም ይተርፍ። እንተዀነ ግን: እታ ስድራቤት መብዛሕትኡ ግዜ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ኣብቲ ኣደራሽ ትበጽሕ እያ። ኣብ ሰሰሙን ኣብቲ ኣኼባ ኽንርእዮምን ዓመታት እናሓለፈ ኪኸይድ ከሎ እቶም ቈልዑ ንየሆዋ ዜገልግሉ ዀይኖም ኪዓብዩ ኸለዉን ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ!

3. የሆዋ ንስድራቤታት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየን ብኸመይ ንፈልጥ፧

3 ወለዲ ዘበልኩም እትዓይዎ ዕዮ ሓድሓደ ግዜ ኣጸጋሚ: አረ ኣድካሚ እውን እንተዀነ: የሆዋ ንጻዕርታትኩም ኣብዚሑ ኸም ዚባርኾ ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ንስድራቤታት ዝመስረተ የሆዋ እዩ። ስለዚ ድማ ቃሉ ዅሉ ወለዶታት ወይ ስድራቤታት “ካብኡ ዚስመ:” ማለት ሳላ የሆዋ ኺህሉ ኸም ዝኸኣለ ይነግረና። (ኤፌሶን 3:14, 15) ስለዚ: ኣቱም ወለዲ: ኣብ ስድራቤትኩም ዘለኩም ሓላፍነት ብቕኑዕ መገዲ ንምፍጻም ክትጽዕሩ ኸለኹም: ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ኢኹም ክብሪ እተምጽኡሉ። (1 ቈረንቶስ 10:31) እዝስ ንባዕሉ ዓብዪ ኽብሪ ደይኰነን፧ እምበኣር ነቲ የሆዋ ንወለዲ ዝሃቦም ሓላፍነት ክንምርምሮ ይግባእ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንስድራቤት ብዛዕባ ምሕላይ ወይ ምንባይ ኢና ኽንርኢ። ኣምላኽ ንወለዲ ንስድራቤቶም ሓልዮት ኬርእዩ ዚጽበየሉ ሰለስተ መገድታት እስከ ንርአ።

ብስጋዊ መዳይ ምሕላይ

4. ንውሉዳት ብምሕላይ ዝመጸ: የሆዋ ኣብ ስድራቤት እንታይ ምድላው እዩ ገይሩ፧

4 ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ጳውሎስ ኣብዚ “ሓደ እኳ” ኺብል ከሎ: ንመን ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ንርእሲ ስድራቤት: ማለት መብዛሕትኡ እዋን ነቦ ማለቱ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ንሰበይቲውን ንሰብኣያ ኸም እትድግፍ ብምግባር ዓብዪ ግደ እዩ ሂቡዋ። (ዘፍጥረት 2:18) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበራ ኣንስቲ: መብዛሕትኡ ግዜ ንስድራቤተን ኣብ ምሕላይ ወይ ዜድሊ ኣብ ምምላእ ንሰብኡተን ይሕግዛ ነበራ። (ምሳሌ 31:13, 14, 16) ሎሚ ኸኣ ንጽል ወለዲ ዘለወን ስድራቤታት ብብዝሒ እየን ዚርከባ። a ሓያሎ ንጽል ክርስትያን ወለዲ ንስድራቤቶም ብምሕላይ ዚነኣድ ተግባር ይፍጽሙ ኣለዉ። ልክዕ እዩ: ሓንቲ ስድራቤት ኣቦ ርእሲ ዀይኑ ዚመርሓላ ዀይና ኽልቲኦም ወለዲ እንተ ሃለውዋ ዝሓሸ እዩ።

5, 6. (ሀ) ነቶም ንስድራቤቶም ኪናብዩ ዚጽዕሩ ዘለዉ እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም ዘሎ፧ (ለ) ክርስትያናት ናበይቲ ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕ እንታይ ኣረኣእያ እንተ ሒዞም እዮም ኪጸንዑ ዚኽእሉ፧

5 ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:8 ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ መዳይ ሓልዮት እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ካብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ከም እንርድኦ: ብዛዕባ እቲ ንስድራቤት ብስጋ ዚግበር ሓልዮት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም: ሓደ ርእሲ ስድራቤት በዚ መዳይ እዚ ንስድራኡ ንምሕላይ ብዙሕ ዕንቅፋታት እዩ ዜጋጥሞ። ቍጠባዊ ጸገማት: ካብ ስራሕ ምውጻእ: ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነት: ከምኡውን ምንሃር ዋጋታት ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ሽግር እዩ። ሓደ ሓላዪ ነዚ ጸገማት እዚ እናኣጓነፎ ኽነሱ: ጸኒዑ ንኪቕጽል ዚሕግዞ እንታይ እዩ፧

6 ሓደ ናባዪ የሆዋ ዝሃቦ ሓላፍነት ይፍጽም ከም ዘሎ ኺዝክር ይግባእ። ኣብቲ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝጸሓፎ ቓላት: ሓደ ነዚ ትእዛዝ እዚ ምኽባር ዚኣቢ ሰብኣይ: ምስ “እምነት ዝኸሐደ” ተመሳሲሉ ኣሎ። ሓደ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ከሓዲ ጌርካ ምእንቲ ኸይርአ ዚከኣሎ ዅሉ እዩ ዚገብር። እቲ ዜሕዝን ግን: ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም” እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 3) እወ: ሓያሎ ኣቦታት ንስድራቤቶም ራሕሪሖም ካብ ሓላፍነቶም ይሃድሙ እዮም። ክርስትያን ሰብኡት ግን ነቶም ናቶም ኪሓልዩ ኸለዉ: ብድንጋጽን ብተገዳስነትን እዮም ዚገብርዎ። ከም መብዛሕትኦም መሳርሕቶም ዘይኰኑስ: ነቲ ናይ ጕልበት ስራሕ እውን ክቡርን ኣገዳስን ከምኡውን ንዜፍቅርዎም ስድራቤቶም ኪሓልዩ ስለ ዜኽእሎም ንየሆዋ ኣምላኽ ዜሐጕሱሉ መገዲ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ እዮም።

7. ወለዲ ንኣብነት የሱስ ኬስተንትኑሉ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

7 ርእስታት ስድራቤት ነቲ ፍጹም ኣብነት የሱስ ምስ ዜስተንትኑሉ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ ብትንቢት “ኣቦ ዘለኣለም” ከም ዝበሎ ኣይንረስዕ። (ኢሳይያስ 9:6, 7) የሱስ “እቲ ዳሕራይ ኣዳም” ስለ ዝዀነ: ነቲ “ቐዳማይ ኣዳም” ተኪኡ ኣቦ እቶም ኣብኡ ዚኣምኑ ሰባት ይኸውን ማለት እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:45) ከም ኣዳም ስሱዕን ጥቕሚ ርእሱ ዚደልን ዘይኰነስ: ንፉዕ ኣቦ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ “ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ: በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና” ይብል። (1 ዮሃንስ 3:16) እወ: የሱስ ብፍታው ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ሰባት ኣሕሊፍዋ እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ኣብ ንኣሽቱ ጕዳያት እውን ከይተረፈ ጥቕሚ ኻልኦት ኣቐዲሙ እዩ። ኣቱም ወለዲ: ነዚ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ እንተ ቐዲሕክምዎ ጽቡቕ ኪዀነልኩም እዩ።

8, 9. (ሀ) ወለዲ ንደቆም ካብ ርእሶም ኣብሊጾም ብምሕላይ ዝመጸ ኻብ ኣዕዋፍ እንታይ ይመሃሩ፧ (ለ) ብዙሓት ክርስትያን ወለዲ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧

8 ወለዲ ኻብቲ የሱስ ነቶም ነቓጻት ህዝቢ ኣምላኽ “ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም: ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት: ብዛዕባ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ብዙሕ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። (ማቴዎስ 23:37) ኣብዚ የሱስ ሓንቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ኸም እተዕቝቦም እዩ ዜጕልሕ ዘሎ። ወለዲ ኻብቲ ሓንቲ ዑፍ ንጨቓዊታ ኽትከላኸል ክትብል ርእሳ ኣብ ሓደጋ ብምእታው እትገብሮ ነገር ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ዚዓብዩ ጨቓዊት ዘለዉወን ኣዕዋፍ ኣብ መዓልታዊ ዚገብራኦ ነገራት ዜደንቕ እዩ። ምግቢ ደልየን ናብዝን ናብትን ይነፍራ። ብድኻም ረሸሽ ኢለን ከለዋ እውን: ነታ ሒዘናኣ ዝመጻ ምግቢ ነተን በሊዐን ዘይጸግባ ጨቓዊተን እየን ዚህባአን። መብዛሕትኦም ፍጥረታት ንውሉዳቶም ኣብ ምክንኻን “ጥበበኛታት” ምዃኖም የርእዩ እዮም።—ምሳሌ 30:24

9 ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ክርስትያን ወለዲ እውን ብተመሳሳሊ ጥቕሚ ርእሶም ይስውኡ እዮም። ንደቅኹም ጕድኣት ካብ ዚወርዶም: ባዕልኹም ክትጕድኡ ትመርጹ። ንስድራቤትኩም ዜድሊ ንምምላእ ከኣ መዓልታዊ መስዋእቲ ትገብሩ። መብዛሕትኹም ኣንጊህኩም ተንሲእኩም ኣብ ዜድክም ስራሕ ትጽመዱ። ኣብ ቤትኩም ዚኣክል ምግቢ ንኺህሉ ብዙሕ ትጽዕሩ። ደቅኹም ጽሩይ ክዳን: ምሹእ መንበሪ: ከምኡውን ዚኣክል ትምህርቲ ንኺረኽቡ ዚከኣለኩም ትገብሩ። መዓልትታት ኰነ ዓመታት እናሓለፈ እውን በዚ ኣይትስልክዩን። ከምዚ ዝኣመሰለ ጥቕሚ ርእሲ ናይ ምስዋእ መንፈስን ጽንዓትን ንየሆዋ ኸም ዜሐጕሶ ኣየጠራጥርን እዩ! (እብራውያን 13:16) እንተዀነ ግን: ንስድራቤትኩም ሓልዮትኩም ከተርእዩሎም ዚግባእ ዝያዳ ኣገዳሲ መዳያት ከም ዘሎ ኣይትርስዕዎን ኢኹም።

ብመንፈሳዊ መዳይ ምሕላይ

10, 11. ንደቅሰብ ልዕሊ ዅሉ እንታይ እዩ ዜድልዮም፧ ክርስትያናት ወለዲ ንደቆም ነዚ ነገር እዚ ንምምላእ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

10 ካብቲ ስጋዊ ሓልዮት ንላዕሊ መንፈሳዊ ሓልዮት ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ። የሱስ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን: ጽሑፍ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 4:4፣ 5:3 NW) ኣቱም ወለዲ: ብመንፈስ ንምሕላይ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧

11 ኣብዚ መዳይ እዚ: ምናልባት ዘዳግም 6:5-7 እያ ብተደጋጋሚ እትጥቀስ። በጃኻትኩም መጽሓፍ ቅዱስኩም ገንጺልኩም እስከ ኣንብብዋ። ፈለማ ወለዲ ንየሆዋ ብምፍታውን ቃላቱ ኣብ ልቦም ብምንባርን መንፈሳውነቶም ኬማዕብሉ ኸም እተነግሮም ኣስተብህሉ። እወ: ንመገድታትን ስርዓታትን ሕግታትን የሆዋ ኽትርድእዎን ከተፍቅርዎን ምእንቲ ኽትክእሉ ኣዘውቲርኩም መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን: ትጉሃት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክትኰኑ ኣለኩም። ከምዚ እንተ ጌርኩም: ልብኹም በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ስለ ዚመልእ: ብየሆዋ ኽትሕጐሱን ከተኽብርዎን ከተፍቅርዎን ኢኹም። ንደቅኹም እተካፍልዎም ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ድማ ኪህልወኩም እዩ።—ሉቃስ 6:45

12. ወለዲ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ኣብ ውሽጢ ደቆም ብምስራጽ ዝመጸ ንየሱስ ብኸመይ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧

12 ብመንፈስ ድልዱላት ዝዀኑ ወለዲ ነቲ ኣብ ዘዳግም 6:7 ዚርከብ: ንቓላት የሆዋ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ንደቆም ‘ኪምህሩ’ እተዋህቦም ማዕዳ ይስዕቡ እዮም። እዛ ኣብዚ “ምሀሮም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል: ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ብተደጋጋሚ ብምምሃር ኣብ ኣእምሮ ምቕራጽ ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ኵላትና: ብፍላይ ከኣ ቈልዑ: ሓደ ነገር ንኽንሕዝ ደጋጊምካ ኺንገረና ኸም እንደሊ የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ደጋጊሙ ዚምህር ዝነበረ። ንኣብነት: ደቀ መዛሙርቱ ዕቡያትን ንሓድሕዶም ዚወዳደሩን ዘይኰነስ: ትሑታት ኪዀኑ ኺምህሮም ከሎ: ንሓደ መሰረታዊ ሓሳብ ብእተፈላለየ መገዲ ደጋገመሎም። ብመረዳእታ: ብመብርሂ: ከምኡውን ብኣብነት መሃሮም። (ማቴዎስ 18:1-4፣ 20:25-27፣ ዮሃንስ 13:12-15) እቲ ዜገርም ግን የሱስ ትዕግስቱ ኣይወድአን። ወለዲ እውን ብተመሳሳሊ ስርዓታት የሆዋ ኣብ ውሽጢ ውሉዳቶም ክሳዕ ዚሰርጽ ነቲ መሰረታዊ ሓቅታት ንደቆም ብዓቕሊ ዚምህሩሉ መገዲ ኺረኽቡ ኣለዎም።

13, 14. ገለ ኻብቲ ወለዲ ንደቆም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ኪሰርጹሎም ዚኽእሉ ኣጋጣሚታት እንታይ እዩ፧ እንታይከ ኺሕግዞም ይኽእል፧

13 ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ዚምሽእ እዩ። እወ: ስሩዕን ሃናጽን ዜሐጕስን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንፈሳውነት ስድራቤት ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ክርስትያን ስድራቤታት በቲ ማሕበር የሆዋ እተዳልወለን ጽሑፋት ገይረን: ነቶም ውሉዳት ኣብ ዜድሊ ነጥብታት ብምትኳር: በዚ መጽናዕትታት እዚ ባህ እዩ ዚብለን። እታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር (እንግሊዝኛ) ከምኡውን እታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስተን መጻሕፍቲ ብዙሕ በረኸት እየን ኣምጺአን። b ይኹን እምበር: ንደቅኻ ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ጥራይ ኣይኰነን ክትምህሮም ዚግባእ።

14 ከምቲ ዘዳግም 6:7 እትሕብሮ: ወለዲ ዘበልኩም ምስ ውሉዳትኩም ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ክትመያየጡሉ እትኽእሉሉ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ብሓባር ክትከዱ: ክትዓዩ: ወይ ክትዘናግዑ ኸለኹም: ንመንፈሳውነት ደቅኹም እትሓልዩሉ ኣጋጣሚታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ልክዕ እዩ: ንደቅኹም ብዘይ ምቍራጽ ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ “ኽትሰብክዎም” ኣየድልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ኣብ ስድራቤትኩም ዚርከብ ዕላል ሃናጽን መንፈሳውነት ዝሓዘለን ከም ዚኸውን ግበርዎ። ንኣብነት: መጽሔት ንቕሑ! ብእተፈላለየ ጕዳያት ሓያሎ ዓንቀጻት ሒዛ ትወጽእ እያ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓንቀጻት ብዛዕባ እቶም የሆዋ ዝፈጠሮም እንስሳታት: ብዛዕባ እቲ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ዘለዎ ቦታታት: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ባህልታትን ኣነባብራን ሰባት ዘሎ ዜደንቕ ፍልልያት ንኽትዘራረቡ መገዲ ዚጸርግ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዕላል ንንኣሽቱ ነቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዜዳልዎ ጽሑፋት ንኼንብቡ ብዝያዳ ኺደፋፍኦም ይኽእል እዩ።—ማቴዎስ 24:45-47

15. ውሉዳት ንክርስትያናዊ ኣገልግሎት መሳጥን ዕግበት ዜምጽእን ገይሮም ምእንቲ ኺርእይዎ: ወለዲ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

15 ምስ ደቅኹም ሃናጺ ዕላል ተዕልሉ እንተደኣ ዄንኩም: ብመንፈስ ንዜድልዮም ካልእ ነገር ከተማልኡሎም ትኽእሉ ኢኹም። ክርስትያን ውሉዳት እምነቶም ንኻልኦት ከመይ ገይሮም ብግቡእ ከም ዚነግሩ ኺመሃሩ ኣለዎም። ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! ብዛዕባ ዝረኸብክምዎ ዜገድሰኩም ነገራት ክትመያየጡ ኸለኹም: ነቲ ሓሳባት ምስ ኣገልግሎት ከተተሓሕዙሉ እትኽእሉ ኣጋጣሚ ኽትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት: “ብዙሓት ሰባት ነዚ ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጽ ሓሳባት እንተ ዚፈልጥዎስ ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ምዀነ፧ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኸመይ ጌርና ተገዳስነት ከም ዚሓድሮ ኽንገብር ንኽእል፧” ኢልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ከምዚ ዝኣመሰለ ምይይጣት: ውሉዳት ንሰባት ፍልጠቶም ኬካፍሉ ባህጊ ኸም ዚሓድሮም ኪገብር ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ ውሉዳትኩም ናብ ኣገልግሎት ኣሰንዮምኩም ኪኸዱ ኸለዉ: ነቲ ዕላልኩም ኣብ ግብሪ ኸተውዕልዎ ኸለኹም ኪርእይዎ እዮም። ኣገልግሎት ብዙሕ ዕግበትን ሓጐስን ዜምጽእ መሳጢ ዕዮ ምዃኑ እውን ኪርእዩ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

16. ውሉዳት ንጸሎት ወለዶም ብምስማዕ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

16 ወለዲ ኺጽልዩ ኸለዉ እውን ንውሉዳቶም ብመንፈስ ይሓልዩሎም እዮም ዘለዉ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም መሃሮም: ብዙሕ ሳዕ ድማ ምሳታቶም ሓቢሩ ጸለየ። (ሉቃስ 11:1-13) ምስ ወዲ የሆዋ ሓቢሮም ብምጽላዮም ክንደይ ነገራት ከም እተማህሩ እሞ ሕስብ ኣብልዎ! ብተመሳሳሊ: ውሉዳትኩም እውን ካብ ጸሎትኩም ብዙሕ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት: ኣምላኽ ልብና ቐሊዕና ዜጨንቐና ዘበለ ዅሉ ኸይተሰከፍና ኽንነግሮ ኸም ዚደልየና ኺመሃሩ ይኽእሉ እዮም። እወ: ጸሎትኩም ንደቅኹም ሓደ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ሓቂ ኺምህሮም ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ንሳቶም እውን ምስቲ ሰማያዊ ኣቦ ርክብ ኪህልዎም ዚኽእል ምዃኑ እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:7

ብስምዒታዊ መዳይ ምሕላይ

17, 18. (ሀ) ንውሉዳት ፍቕሪ ምግላጽ ኣገዳሲ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣቦታት ንውሉዳቶም ፍቕሮም ብምግላጽ ዝመጸ ንየሆዋ ብኸመይ ኪመስልዎ ኣለዎም፧

17 ውሉዳት ብስምዒታዊ መዳይ እውን ሓልዮት ኪግበረሎም ኣለዎ። ወለዲ በዚ መዳይ እዚ ሓልዮት ኬርእዩ ኸም ዘለዎም ቃል ኣምላኽ ይነግሮም እዩ። ንኣብነት: ንኣሽቱ ኣንስቲ “ውሉደን ኬፍቅራ” ተማዒደን ኣለዋ። ከምዚ ንምግባር ከኣ ‘ኪልብማ’ ኣለወን። (ቲቶስ 2:4) እወ: ንውሉድካ ምፍቃር ልብምና እዩ። እዚ ኸኣ ንውሉድ ፍቕሪ ይምህሮ: ኣብ ምሉእ ህይወቱ ድማ ይጠቕሞ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን: ንውሉድ ዘይምፍቃር ዕሽነት እዩ። እዚ ብዙሕ ስቓይ የምጽኣልና: ነቲ ዘይፍጹማት ክነስና ዓባይ ፍቕሪ ዘርኣየና የሆዋ ኸኣ ኣይንመስሎን።—መዝሙር 103:8-14

18 የሆዋ ንምድራውያን ደቁ ንምፍቃር ተበግሶ ወሲዱ እዩ። ኣብ 1 ዮሃንስ 4:19 ተገሊጹ ኸም ዘሎ: “ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ።” ብፍላይ ኣቱም ኣቦታት: ምስ ደቅኹም ፍቕራዊ ማእሰር ንምምስራት ተበግሶ ብምውሳድ ንየሆዋ ንምምሳል ክትጽዕሩ ኣሎኩም። መጽሓፍ ቅዱስ ነቦታት ንደቆም ከየዀርይዎም ይምሕጸኖም: ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ “ሕሊናኦም ከይዐርብ” ይብል። (ቈሎሴ 3:21) ውሉዳት: ወላዲኦም ከም ዘየፍቅሮም ወይ ከም ዘይግደሰሎም ምስ ዚፈልጡ: ኣመና እዮም ዚዅርዩ። እቶም ፍቕሮም ንምግላጽ ዜሸግሮም ኣቦታት: ነቲ የሆዋ ዝገደፎ ኣብነት ኪዝክሩ ኣለዎም። የሆዋ ኻብ ሰማይ እኳ ንወዱ ኸም ዚሰምሮን ከም ዚፈትዎን ገሊጹ እዩ። (ማቴዎስ 3:17፣ 17:5) እዚ ንየሱስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣተባቢዕዎ ኪኸውን ኣለዎ! ብተመሳሳሊውን ውሉዳት በቲ ወለዶም ዚገልጹሎም ካብ ልቢ ዝነቐለ ፍቕርን ስምረትን: ይበራትዑን ይተባብዑን እዮም።

19. ተግሳጽ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ክርስትያናትከ ኣብ ምንታይ እዮም ሚዛኖም ኪሕልዉ ዚጽዕሩ፧

19 ልክዕ እዩ: ፍቕሪ ወለዲ ኣብ ቃላት ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ፍቕሪ ብቐዳምነት ብግብሪ እያ እትንጸባረቕ። ብስጋ ዀነ ብመንፈስ ምሕላይ: መግለጺ ፍቕሪ ወለዲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብፍላይ ወለዲ ነዚ ብፍቕሪ ተደሪኾም ከም ዚገብርዎ እንተ ኣርእዮም: ብሓቂ ንፍቕሮም ይገልጾ እዩ። ተግሳጽ እውን ኣገዳሲ መዳይ መግለጺ ፍቕሪ ወለዲ እዩ። እወ: የሆዋ “ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ።” (እብራውያን 12:6) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ንውሉድ ዘይምግሳጽ ጽልኢ እዩ ዜንጸባርቕ። (ምሳሌ 13:24) የሆዋ ወትሩ “ብልክዕ” ስለ ዚቐጽዕ: ሚዛናዊ እዩ። (ኤርምያስ 46:28) ከምዚ ዝኣመሰለ ሚዛናውነት ንዘይፍጹማት ወለዲ ቐሊል ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ነዚ ኽትበጽሕዎ ኽትጽዕሩ ኣለኩም። ሓደ ውሉድ ተሪርን ፍቕራውን ተግሳጽ ምስ ዚወሃቦ: ምስ ዓበየ ሕጉስን ህርኩትን እዩ ዚኸውን። (ምሳሌ 22:6) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ወላዲ: ንውሉዱ ኸምኡ ኪዀነሉ ደይኰነን ዚደሊ፧

20. ውሉዳት ‘ህይወት ምእንቲ ኺሓርዩ:’ ወለዲ እቲ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ኪኸፍቱሎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

20 ኣቱም ወለዲ: ነቲ የሆዋ ዝሃበኩም ኣገዳሲ ዕዮ ምስ እትዓዩ: ማለት ንደቅኹም ብስጋውን ብመንፈሳውን ብስምዒታውን መዳይ ምስ እትሓልዩሎም: ብዙሕ ዓስቢ ኽትረኽቡ ኢኹም። ንደቅኹም ‘ህይወት ንኺሓርዩን ብህይወት ንኺነብሩን’ ብሉጽ ኣጋጣሚ ኢኹም ትኸፍቱሎም ዘለኹም። (ዘዳግም 30:19) እቶም ንየሆዋ ዜምልኹን ኣብ መገዲ ሓቂ እናበሰሉ ዚኸዱን ውሉዳት: ንወለዶም ብዙሕ ሓጐስ እዮም ዜምጽኡሎም። (መዝሙር 127:3-5) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ንዘለኣለም እዩ ዚቕጽል። እንተዀነ ግን: መንእሰያት ከመይ ገይሮም እዮም ሕጂ ንየሆዋ ዚውድስዎ፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ኽትገልጾ እያ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እቲ ሓላዪ ወይ ናባዪ ኸም ኣቦ ጌርካ እዩ ዚጥቀስ። ይኹን እምበር: እቲ መሰረታዊ ስርዓታት ነተን ንስድራቤተን ቀንዲ ናበይቲ ዀይነን ዚዓያ ክርስትያን ኣንስቲ እውን ዚምልከት እዩ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ወለዲ ንውሉዳቶም በዚ ዚስዕብ መዳያት ንኺሓልዩ እንታይ ኪገብሩ ምኸኣሉ:-

• ብስጋዊ፧

• ብመንፈሳዊ፧

• ብስምዒታዊ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሓያሎ ኣዕዋፍ ንጨቓዊተን ንኺምግባ ብዙሕ ይደኽማ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ፈለማ መንፈሳውነቶም ኬማዕብሉ ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ፈጣሪ ዚምህሩሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ውሉዳት ስምረት ወለዶም ከም ዘለዎም ምፍላጦም: ብርታዐን ትብዓትን ይዀኖም