ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት ምስ ግምታዊ ሓሳባት ዝሓናፈጸ ፊሎ ብዓል ኣለክሳንድርያ

እቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት ምስ ግምታዊ ሓሳባት ዝሓናፈጸ ፊሎ ብዓል ኣለክሳንድርያ

እቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት ምስ ግምታዊ ሓሳባት ዝሓናፈጸ ፊሎ ብዓል ኣለክሳንድርያ

ብ332 ቅ.ኣ.ዘ ኣለክሳንደር ዓብዪ ሰራዊቱ ሒዙ ናብ ግብጺ ኣተወ። ንምብራቕ ገጹ ዝገበሮ ወራር ቅድሚ ምቕጻሉ: ሓንቲ ኸተማ ደኰነ እሞ ኣለክሳንድርያ ኢሉ ሰመያ። እዛ ኸተማ እዚኣ ማእከል ባህሊ ግሪኽ ኰነት። ብ20 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኻልእ ወራሪ ተወልደ። እዚ ወራሪ እዚ እተጠቕመሉ ኣጽዋር ግን ኣስያፍን ኲናውትን ዘይኰነስ: ፍልስፍናዊ ኣረኣእያታት እዩ። ንሱ ኸኣ ፊሎ ብዓል ኣለክሳንድርያ ይበሃል: ኣይሁዳዊ ብምንባሩ ኸኣ ፊሎ ጁዲያስ እውን ይበሃል እዩ።

የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ዓነወት: ኣይሁድ ስለ እተበታተኑ: ብዙሓት ካባታቶም ኣብ ግብጺ ይነብሩ ነበሩ። ካብዚኣቶም ድማ በሽሓት ዚቝጸሩ ኣብ ኣለክሳንድርያ ይነብሩ ነበሩ። እንተዀነ ግን: ኣብ መንጎ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ጸገማት ተፈጥረ። ኣይሁድ ንኣማልኽቲ ግሪኻውያን ምምላኽ ኣበዩ: ግሪኻውያን ከኣ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ የላግጹሉ ነበሩ። ፊሎ ትምህርቲ ግሪኻውያን እተማህረ ኣይሁዳዊ ብምንባሩ: ነዚ ዜከራኽር ነጥብታት ይፈልጦ ነበረ። ኣይሁድነት ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝዀነ ድማ ይኣምን ነበረ። እንተዀነ ግን: ነህዛብ ናብ ኣምላኽ ዜምጽኣሉ ሰላማዊ መገዲ ኼናዲ ጀመረ። ኣይሁድነት ብኣታቶም ተቐባልነት ከም ዚህልዎ ኺገብር ከኣ ደለየ።

ንጥንታዊ ጽሑፋት ሓድሽ ትርጕም ተዋህቦ

ፊሎ ኸምቶም ኣብ ኣለክሳንድርያ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ብቛንቋ ግሪኽ እዩ ኣፉ ኸፊቱ። ስለዚ: ንመጽናዕቱ መሰረት ዝዀኖ: እቲ ናብ ግሪኽኛ እተተርጐመ ሰፕቱጀንት ዚበሃል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እዩ ነይሩ። ነቲ ሰፕቱጀንት ኪምርምሮ ኸሎ: እቲ ጽሑፍ ፍልስፍና ኸም ዝሓቘፈን ሙሴ “በሊሕ ፈላስፋ” ምዃኑን ኣመነ።

ዘመናት ኣቐዲሙ በላሕቲ ግሪኻውያን ነቲ ብዛዕባ ዓርሞሸሻትን ኣጋንንትን ዚገልጽ ጥንታዊ ጽውጽዋያት ኣማልኽቶም ምቕባሉ ኣጸጊምዎም ነበረ። ስለዚ: ነዚ ዛንታታት ከም ብሓድሽ ኪትርጕምዎ ጀመሩ። ንልምድታት ግሪኻውያን ዘጽንዐ ጄምስ ድራመንድ ብዛዕባ እቲ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ሜላታት ከምዚ በለ:- “ሓደ ፈላስፋ . . . ኣብቲ ጽውጽዋያት ተሓቢኡ ዚርከብ ስዉር ትርጕም የናዲ እሞ: ነቲ ዜስገድግድን ትርጕም ኣልቦን ዛንታ ዝጸሓፉ ሰባት: ስምዒት ብዚትንክፍ መገዲ ኣቢሎም ዓሚቝ ወይ መሃሪ ሓቂ ኼፍልጡ ይጽዕሩ ምንባሮም ይሕብር ነበረ።” እዚ መስርሕ እዚ ምሳልያዊ ኣተራጕማ ዚበሃል ኰይኑ: ፊሎ ኸኣ በዚ ተጠቒሙ ንቕዱሳት ጽሑፋት ኪገልጾ ፈተነ።

ንኣብነት: ነታ ባግስተር ኣብ ዘዳለዎ ሰፕቱጀንት እትርከብ “ጐይታ ኣምላኽ ንኣዳምን ንሰበይቱን ክዳን ቈርበት ገበረሎም: ከደኖም ከኣ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ዘፍጥረት 3:22 እሞ ንውሰድ። ግሪኻውያን ክዳን ምድላው: ነቲ ልዑል ኣምላኽ ዜዋርድ ኰይኑ ይስምዖም ነበረ። ስለዚ: ፊሎ ነታ ጥቕሲ እቲኣ ምሳልያዊት ምዃና ንምግላጽ “እቲ ኽዳን ቈርበት ነቲ ተፈጥሮኣዊ ቘርበት: ማለት ንስጋና ዜመልክት ምሳልያዊ መግለጺ እዩ፣ ፈለማ ኣምላኽ ኣእምሮ ገበረ እሞ ኣዳም ኢሉ ጸውዖ፣ ድሕሪኡ ህይወት ኣልበሶ እሞ: ህይወት ኢሉ ሰመዮ። ኣብ ሳልሳይ ደረጃ: ስጋ ሰርሓሉ እሞ: ነዚ ብምሳልያዊ መገዲ ኽዳን ቈርበት ኢሉ ጸውዖ” በለ። በዚ ኸምዚ ፊሎ: ነቲ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ብምልባስ ዝገበሮ ነገር ኪፈላሰፈሉ ጀመረ።

ዘፍጥረት 2:10-14 ኸኣ እሞ ንውሰድ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ኻብ ኤድን ተበጊሱ ናብ ወጻኢ ዚውሕዝ ዝነበረ ኣርባዕተ ርባታት ትገልጽ። ፊሎ ስዉር ትርጕም እዚ ቓላት እዚ ኺረክብ ጸዓረ። ብዛዕባ ኣቀማምጣ እታ ምድሪ ሓሳብ ድሕሪ ምሃቡ: “ምናልባት እዚ ሓሳብ እዚ ምሳልያዊ ትርጕም እውን ይህልዎ ይኸውን፣ ከመይሲ እተን ኣርባዕተ ርባታት: ምልክት ኣርባዕተ ዚነኣድ ባህርያት እየን” በለ። ርባ ፒሶን ንምስትውዓል: ርባ ጊሆን ንህድኣት: ርባ ጢግሪስ (ሂዴቄል) ንጽንዓት: ርባ ኤፍራጥስ ከኣ ንፍትሒ የመልክት በለ። በዚ ኸምዚ ነቲ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ብምሳልያዊ ሓሳባት ተክኦ።

ፊሎ ነቲ ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ጸብጻብ: ነቲ ብዛዕባ ቃየል ንኣቤል ከም ዝቐተሎ ዚገልጽ ዛንታ: ነቲ ብመዓልቲ ኖህ ዘጋጠመ ምጥልቕላቕ ማይ: ነቲ ኣብ ባቤል ዘጋጠመ ምድብላቕ ቋንቋታት: ከምኡውን ንሓያሎ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚርከብ ስርዓታት ከም ምሳልያዊ ገይሩ ብምውሳድ ትርጕም ኣውጸኣሉ። ኣብዛ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ሕጡብ ጽሑፍ ዚርከብ ኣብነት ከም ዚሕብሮ: መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቃል ብቓሉ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃብ: “ምናልባት ነዚ ነገር እዚ ብምሳልያዊ መገዲ ኽንርእዮ ይግብኣና ይኸውን” ድሕሪ ብምባል ምሳልያዊ ሓሳባቱ ይገልጽ ነበረ። ፊሎ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፋት: ምሳልያዊ ሓሳባት ኪጐልሕ ከሎ: እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ሒዝዎ ዘሎ ንጹር ትርጕም ግን ይሃስስ ነበረ።

ኣምላኽ መን እዩ፧

ፊሎ: ኣምላኽ ከም ዘሎ ብዜእምን መብርሂ ገይሩ እዩ ገሊጹ። ንምድርን ርባታትን ፕላነታትን ከዋኽብትን ድሕሪ ምጥቃስ: “ዓለም ካብ ኵሉ ፍጥረታት ብዝያዳ ብጥበብን ብውሕልናን እተገብረት እያ: እዚ ድማ ሓደ ኽኢላን ብፍልጠቱ ፍጹምን ከም ዝገበራ የመልክት። በዚ መገዲ እዚ ኸኣ ኢና ኣምላኽ ምህላዉ እንፈልጥ” በለ። እዚ ሓሳብ እዚ ዚድገፍ እዩ።—ሮሜ 1:20

እንተዀነ ግን: ፊሎ ንባህርያት እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪገልጾ ኸሎ: ካብ ሓቂ ዘምበለ። ብዛዕባ ኣምላኽ “ንጹር ባህርያት የብሉን” ከምኡውን “ክትርድኦ ዘይከኣል እዩ” በለ። “ንጹር ባህርያት ኣምላኽ ንኽትፈልጥ ኢልካ ዝያዳ ምርምር ምግባር: ፍጹም ዕሽነት እዩ” ብምባል: ነቲ ንኣምላኽ ንምፍላጥ ዚግበር ጻዕርታት ነቐፎ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ: ካብቲ ፕላቶ ዚበሃል ኣረማዊ ፈላስፋ ዝመጸ እዩ።

ብዘይካዚውን: ፊሎ: ንኣምላኽ ክትርድኦ ዘይከኣል ብምዃኑ ብናይ ብሕቱ ስም ምጽዋዕ ዘይከውን እዩ ይብል ነበረ። “ስለዚ ድማ ነቲ ናይ ሓቂ ህያው ኣምላኽ ግላዊ ስም ምሃቡ ግቡእ ኣይኰነን” በለ። እዝስ ምስቲ ሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ዚጻረር ኰን እዩ!

መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ናይ ብሕቲ ስም ከም ዘለዎ ብንጹር ይገልጽ እዩ። መዝሙር 83:18 “ንስኻ: ጐይታ [“የሆዋ:” NW] ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ” ትብል። ኢሳይያስ 42:8 ኸኣ ኣምላኽ ባዕሉ “ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] እየ: ስመይ እዚኣ እያ” ኸም ዝበለ ገይራ ትገልጽ። ፊሎ: ኣይሁዳውን ነዚ ጥቕስታት እዚ ዚፈልጥን ክነሱ: ኣምላኽ ስም ከም ዘይብሉ ዚምህር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ ዘይኰነስ: ንሓደ ስም ዘይብሉን ኪርከብ ዘይከኣልን ብፍልስፍና ግሪኻውያን እተማህዘ ኣምላኽ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

ነፍሲ እንታይ እያ፧

ፊሎ ነፍሲ ኻብ ስጋ እተፈልየት ምዃና መሃረ። ሰብ “ስጋን ነፍስን ዝሓዘ” ምዃኑ ይገልጽ ነበረ። ነፍሲ ኽትመውት ትኽእል ድያ፧ ፊሎ ኸምዚ ዚስዕብ በለ:- “ብህይወት ኣብ እንነብረሉ እዋን: ነፍስና ሞይታስ: ልክዕ ከም ኣብ መቓብር: ኣብ ስጋና ተቐቢራ እያ ዘላ። እንተዀነ ግን: [ስጋና] ምስ ዚመውት ነፍስና ኻብቲ እተኣስረትሉ እኩይን ምዉትን ስጋ ሓራ ብምዃን ግቡእ ህይወት ትነብር።” ስለዚ: ነፍሲ ሞይታ ኺበሃል ከሎ ብምሳልያዊ መገዲ ገይሩ እዩ ዚሓስቦ ነይሩ። ከም ሓቂ ፈጺማ ኣይትመውትን እያ ኢሉ ይኣምን ነበረ።

እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ኣብ ዘፍጥረት 2:7 “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ: ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ” ይብል። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ሰብ ነፍሲ ኣይኰነን ዘላቶ፣ ኣብ ክንዳኡስ ንሱ ንባዕሉ ነፍሲ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ እትመውት ምዃና እውን ይገልጽ እዩ። ህዝቅኤል 18:4 “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” ትብል። ካብዚ ጥቕስታት እዚ ብምብጋስ: ሰብ ንባዕሉ ነፍሲ እዩ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና። ስለዚ: ሓደ ሰብ ኪመውት ከሎ: ነፍሲ ትመውት።—ዘፍጥረት 19:19 a

ፊሎ ምስ ሞተ: ኣይሁድ ቍሊሕ ኣይበልዎን። ህዝበ-ክርስትያን ግን ኢዳ ዘርጊሓ ተቐበለቶ። ዩሲቤስን ካልኦት መራሕቲ ቤተ-ክርስትያንን: ፊሎ እምነቱ ናብ ክርስትና ኸም ዝቐየረ ኣመኑ። ጀሮም ከኣ ምስቶም ኣበው ቤተ-ክርስትያን ጠቐሶ። ኣይሁድ ዘይኰነስ ከሓድቲ ክርስትያናት እዮም ንጽሑፋት ፊሎ ዝዓቀብዎ።

ጽሑፋት ፊሎ ናብ ሃይማኖታዊ ለውጢ መርሐ። እቲ ጽልዋኡ ኸኣ ንስመ ክርስትያን ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን እያ ዚብል ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ኸም እትቕበል ገበራ። ፊሎ ብዛዕባ ሎጎስ (ወይ ቃል) ዝሃቦ ትምህርቲ ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከብ ናይ ክሕደት ክርስትና ዝዀነ ትምህርቲ ስላሴ ኣበርክቶ ገበረ።

ኣይትስሓት

ፊሎ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ: “ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ተራ ቛንቋ ተሓቢኡ ኪኸውን ዚኽእል ምሳልያዊ ትርጕማት ከይስሕቶ” ይጽዕር ነበረ። እንተዀነ ግን: ኣብ ዘዳግም 4:2 ተጠቒሱ ኸም ዚርከብ: ሙሴ ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽ “ነዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ: ኣብ ልዕሊ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ነገር ኣይትወስኹ: ካብኡ ኸኣ ኣይትነክዩ” በለ። ፊሎ ጽቡቕ ሓሊኑ እተበገሰ እኳ ዚመስል እንተ ነበረ: ነቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዚርከብ ንጹር መምርሒ ዚሸፋፍን ሓያሎ ግምታት ወሲኹ እዩ።

ሃዋርያ ጴጥሮስ “ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና: . . . እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን” በለ። (2 ጴጥሮስ 1:16) ጴጥሮስ ናብታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝጸሓፎ ጽሑፍ: ከም ናይ ፊሎ ጽሑፋት ዘይኰነስ: ናብ ሓቂ ዚመርሕ ስለ ዝዀነ ኣብቲ “መንፈስ ሓቂ” እተባህለ መንፈስ ኣምላኽ እተመስረተ መምርሒታት እዩ።—ዮሃንስ 16:13

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ ከተምልኾ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ኣብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ እተመርኰሰ ትርጕማት ዘይኰነስ: ናይ ሓቂ መምርሒ እዩ ዜድልየካ። ብዛዕባ የሆዋን ፍቓዱን ርጡብ ፍልጠት ከተጥሪ ኣሎካ። ናይ ሓቂ ተመሃራይ ንኽትከውን ድማ ትሕትና ተድልየካ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ብምሓዝ ንመጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣጽኒዕካ: “ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት” ክትፈልጥ ኢኻ። ቃል ኣምላኽ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ እተዳለወ: ፍጹም’ ወይ ብቑዕ ኪገብረካ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:15-17

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብ1910 እተሓትመ ዘ ጂውሽ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ ነፍሲ እዚ ዚስዕብ ሓሳብ ሃበ:- “ነፍሲ ድሕሪ ምፍራስ ስጋና ብህይወት ትነብር እያ ዚብል እምነት: መሰረታዊ እምነት ዘይኰነስ ካብ ፍልስፍናውን ሃይማኖታውን ግምታት ዝመጸ እዩ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ኣብ ዋላ ሓንቲ ቦታ ተጠቒሱ ኣይርከብን እዩ።”

[ምንጪ ስእሊ]

L. Chapons/Illustrirte Familien-Bibel nach der deutschen Uebersetzung Dr. Martin Luthers

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ፊሎ ዝዓበየላ ኸተማ

ፊሎ ኣብታ ኣብ ግብጺ እትርከብ ኣለክሳንድርያ እዩ ዚነብርን ዚሰርሕን ነይሩ። ንሓያሎ ዘመናት እታ ኸተማ እቲኣ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ መጻሕፍቲ ዚርከበላን ምሁራት ዚመያየጡላን እያ ነይራ።

ውሩያት ምሁራት ኣብተን ኣብታ ኸተማ ዚርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ንተመሃሮኦም ይምህሩ ነበሩ። ቤተ-መጻሕፍቲ ኣለክሳንድርያ ኣብ መላእ ዓለም ውሩይ ነበረ። እቶም ዓቀብቲ መጻሕፍቲ ቕዳሕ ኵሉ ጽሑፋት ኪሕዙ ይጽዕሩ ብምንባሮም: ኣብቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ዚርከብ መጻሕፍቲ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸር ነበረ።

ድሕሪ ግዜ: እቲ ኣለክሳንድርያ ዝነበራ ዓለምለኻዊ ኽብርን እቲ ሰፊሕ ፍልጠታን በብቍሩብ ሃሰሰ። ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ሃጸያት ንኸተማኦም ጸብለል ከም እትብል ገበሩ: እቲ ባህላዊ ማእከል ድማ ናብ ኣውሮጳ ተሰጋገረ። ኣብ ሻውዓይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኣለክሳንድርያ ብወረርቲ ምስ ተታሕዘት: ምሉእ ብምሉእ ወደቐት። ክሳዕ እዚ ግዜና ጸሓፍቲ ታሪኽ ብጥፍኣት እቲ ውሩይ ቤተ-መጻሕፍቲ ይሓዝኑ እዮም። አረ ገሊኦም እሞ ኸኣ: ኣብቲ ግዜ እቲ ስልጣነ ብ1,000 ዓመት ንድሕሪት ከም እተመልሰ እዮም ዚዛረቡ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን]

ሕጂ ዘሎ ምሳልያዊ ኣተራጕማ

እታ ኣብዚ ምሳልያዊ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ኣለጎሪ እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቓል: ነቲ ብተምሳል ኣቢልካ ብዛዕባ ህላወ ደቅሰብ ዚወሃብ ገለጻ እያ እተመልክት። እቲ ነዚ መገዲ እዚ ዚጥቀም ጸብጻባት: እቲ ስዉር ዝዀነ ሓሳባቱ ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ እዩ ዚንገረሉ። ገሊኦም መምህራን ሃይማኖት እውን ልክዕ ከም ፊሎ ብዓል ኣለክሳንድርያ ኣብዚ ግዜና ንመጽሓፍ ቅዱስ ምሳልያዊ ትርጕም ኪህብዎ ጽዒሮም እዮም።

ንኣብነት: ነቲ ኻብ ፍጥረት ወድሰብ ክሳዕ እቲ ሰባት ኣብ ግምቢ ባቤል እተበታተኑሉ እዋን ዚገልጽ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1-11 ንውሰድ። ዘ ኒው ኣመሪካን ባይብል ዚበሃል ናይ ካቶሊክ ትርጕም ብዛዕባ እዚ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኸምዚ ዚስዕብ ይብል:- “እቲ ኣብዚ ምዕራፋት እዚ ዘሎ ሓቅታት ነቶም ዓቀብቱ ዝዀኑ ህዝቢ እስራኤል ምእንቲ ኺርድኦም ተባሂሉ: በቲ እቶም ሽዑ ዚርከቡ ሰባት ዚፈልጥዎ ሓሳባት ጌርካ ኺግለጽ ነበሮ። በዚ ምኽንያት እዚ: እቲ ሓቅታት ካብቲ ኸም ክዳን ኰይኑ ዚሽፍኖ ቓል ብቓሉ ዚርከብ ትርጕም ኪፍለ ኣለዎ።” እዚ ኸኣ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1-11 ቃል ብቓሉ ኺውሰድ የብሉን ማለት እዩ። ኣብ ክንዳኡስ ከምቲ ኽዳን ንኣካላትና ዚሽፍኖ: እቲ ቓላት ከኣ ነቲ ዓሚቝ ትርጕም ይሽፍኖ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ።

የሱስ ግን እዘን ኣብ ዘፍጥረት ዚርከባ ምዕራፋት ቃል ብቓሉ ኺውሰዳ ኸም ዘለወን እዩ ምሂሩ። (ማቴዎስ 19:4-6፣ 24:37-39) ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን እውን ተመሳሳሊ እዮም ምሂሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:24-26፣ 2 ጴጥሮስ 2:5፣ 3:6, 7) ቅኑዓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ምሉእ ቃል ኣምላኽ ዘይሰማማዕ መግለጺ ኣይቅበሉን እዮም።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣብ ኣለክሳንድርያ ዚርከብ ዓብዪ ግምቢ መብራህቲ

[ምንጪ ስእሊ]

Archives Charmet/Bridgeman Art Library