ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ዘዳግም 14:21 “ገለ ሕሉቕ ኣይትብልዑ” ትብል። እዝስ ምስቲ ኣብ ዘሌዋውያን 11:40 ዚርከብ “ካብቲ ገምቡ ዝበልዔ ኸኣ ክዳኑ ይሕጸብ: ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ” ዚብል ሓሳብ ይጋጮ ድዩ፧

ኣብ መንጎ እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ዋላ ሓንቲ ግጭት የለን። እታ ቐዳመይቲ ነቲ ብሓደ ኣራዊት ተቐቲሉ ኪኸውን ዚኽእል ሕሉቕ ከይብላዕ ዚኽልክል ኣቐዲሙ እተዋህበ ሕጊ እያ እትደግም። (ዘጸኣት 22:31፣ ዘሌዋውያን 22:8) እታ ኻልአይቲ ድማ ምናልባት ሓደ እስራኤላዊ ኸይፈለጠ ነቲ ሕጊ እንተደኣ ጥሒሱ: እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእል እያ እተብርህ።

ሓደ ነገር በቲ ሕጊ ተኸልኪሉ ማለት: ሓደ ሰብ ነቲ ሕጊ ፈጺሙ ኣይጥሕሶን እዩ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት: ንስርቅን ቅትለትን ብሓሶት ምምስካርን ንኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ዚምልከት ሕጊ ነይሩ እዩ። ምስናይዚ ድማ: ነዚ ብኣምላኽ እተዋህበ ሕግታት ምጥሓስ ዜስዕቦ መቕጻዕቲ እውን ነይሩ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መቕጻዕቲ ነቲ ሕጊ ኸም ዚኽበር ይገብሮ: ክሳዕ ክንደይ ረዚን ምዃኑ ድማ የርኢ።

ሓደ ሰብ ሕሉቕ ብምብላዕ ነቲ ሕጊ እንተደኣ ጥሒስዎ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርኹስ ስለ ዚኸውን: ነቲ ንምንጻህ ኪግበር ዘለዎ ኣድላዪ ኣገባብ ኪፍጽም ኣለዎ። ከምዚ እንተ ዘይገይሩ ግን: “ክፍኣቱ ኺጸውር” ነበሮ።​—⁠ዘሌዋውያን 17:15, 16