ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ሰናይ ምብሳር’

‘ሰናይ ምብሳር’

‘ሰናይ ምብሳር’

“እቲ . . . ሰናይ ዜበስር: . . . ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን።”​—⁠ኢሳይያስ 52:7

1, 2. (ሀ) መዓልታዊ እንታይ ዜጨንቕ ኵነታት እዩ ዚፍጸም ዘሎ፧ (ለ) ብዙሓት ሰባት ኣዘውቲሮም ሕማቕ ዜና ኺሰምዑ ኸለዉ እንታይ እዩ ዚስምዖም፧

 ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ኣብ ጸጽባሕ ዓቕልኻ ዜጽብብ ዜሕዝን ዜና እዮም ዚሰምዑ። ረድዮ ኪኸፍቱ ኸለዉ ብዛዕባ ንምድሪ ዜስግእ ሓደገኛ ሕማማት ዚገልጽ ዜሰንብድ ዜና ይሰምዑ። ቲቪ ወሊዖም ዜና ኺከታተሉ ኸለዉ ብጥሜት ዚሳቐዩ ቘልዑ ዜርኢ ኻብ ኣእምሮኻ ዘይሃስስ ዜደንግጽ ትርኢት ይርእዩ። ጋዜጣ ኼንብቡ ኸለዉ ኸኣ ቦምባ ነቲጉ ህንጻታት ከም ዘፍረሰ እሞ ሓያሎ ንጹሃት ሰባት ከም ዝቐተለ ዚገልጽ ዜና የንብቡ።

2 እወ: መዓልቲ መዓልቲ ኣዝዩ ዜጨንቕ ነገራት የጋጥም ኣሎ። ሓደ ሓሊፉ ብኻልእ ኪትካእ ከሎ ዅነታት እዛ ዓለም እዚኣ እናኸፍአ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። (1 ቈረንቶስ 7:31) ሓንቲ ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ እትሕተም መጽሔት ሓድሓደ ግዜ ምልእቲ ዓለም “ክትባራዕ ዝቐረበት” እያ እትመስል በለት። ሓያሎ ሰባት ይጭነቑ ምህላዎም እምበኣር ኣየገርምን እዩ! ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብተለቪዥን ዚመሓላለፍ ዜና ርእይቶ ሰባት ንምፍላጥ ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ: ሓደ ሰብ ዝሃቦ ርእይቶ ናይ ሚልዮናት ሰባት ስምዒት ዜቃልሕ እዩ ነይሩ። ከምዚ ኸኣ በለ:- ‘ዜና ምስ ረአኹ: ኣዝየ እየ ዝጭነቕ። ኵሉ እቲ ዝርእዮ ዜና ዜሕዝን ጥራይ እዩ። ዓቕልኻ ዜጽብብ ከኣ እዩ።’

ኵሉ ኺሰምዖ ዘለዎ ብስራት

3. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ብስራት እዩ ዚእውጅ፧ (ለ) ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣኽቢርካ እትርእዮ ስለምንታይ ኢኻ፧

3 ኣብዛ ጭንቀት ዝመልኣ ዓለም እዚኣ ብስራት ኣሎ ድዩ፧ እወ: ብርግጽ ኣሎ! መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ብስራት እዚ ዚእውጅ ምዃኑ ምፍላጥና ዜጸናንዕ እዩ። እዚ ብስራት እዚ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ንሕማም: ጥሜት: ዓመጻ: ውግእ: ከምኡውን ንእተፈላለየ ጭቈና ኸተጥፍኦ ምዃና ዚገልጽ ብስራት እዩ። (መዝሙር 46:9፣ 72:​12) እዝስ ኵሉ ሰብ ኪሰምዖ ዜድልዮ ብስራትዶ ኸይኰነ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበሉ ‘እወ’ እዮም ዚብሉ። ስለዚ ድማ ንዅሎም ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምንጋር ብዚገብርዎ ጻዕሪ ኣብ ኵሉ ቦታ ፍሉጣት እዮም።​—⁠ማቴዎስ 24:14

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ መዳያት ኣገልግሎትና ኢና ኽንምርምር፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽከ፧

4 ነቲ ብስራት ኣብቲ ብዙሕ ፍረ ዘይርከበሉ ዞባታት እውን እንተዀነ: ተሓጒስና ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ንኽንዝርግሖ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ሉቃስ 8:15) ምስ ዕዮ ስብከትና እተተሓሓዘ ሰለስተ ኣገደስቲ መዳያት ኣሕጽር ኣቢልና ምስ እንምርምር ነዚ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ (1) ድራኸና: ወይ ስለምንታይ ከም እንሰብኽ፣ (2) መልእኽትና: ወይ እንታይ ከም እንሰብኽ፣ (3) ሜላታትና: ወይ ብኸመይ ከም እንሰብኽ ዚብል እዩ። ቅኑዕ ድራኸ ብምሓዝ: ንመልእኽትና ንጹር ብምግባር: ከምኡውን ስሉጥ ሜላታት ብምጥቃም ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዚነብሩ እተፈላለየ መበቈል ዘለዎም ሓያሎ ሰባት ነዚ ሎሚ ዘሎ ብሉጽ ብስራት: ማለት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኪቕበሉ ኣጋጣሚ ኽንከፍተሎም ንኽእል ኢና። a

ብስራት እንሰብኽ ስለምንታይ ኢና፧

5. (ሀ) ኣብ ኣገልግሎት ንኽንሳተፍ ልዕሊ ዅሉ እትድርኸና እንታይ እያ፧ (ለ) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንኽንሰብኽ እተዋህበና ትእዛዝ ምሕላውና: መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

5 ነቲ ናይ መጀመርታ መዳይ እሞ ንርአ። እዚ ድማ ድራኸና እዩ። ብስራት እንሰብኽ ስለምንታይ ኢና፧ ካብ ናይ የሱስ እተፈልየ ምኽንያት የብልናን። የሱስ ‘ኣነ ነቦ አፍቅሮ’ በለ። (ዮሃንስ 14:31፣ መዝሙር 40:8) ልዕሊ ዅሉ በታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኢና እንድረኽ። (ማቴዎስ 22:37, 38) መጽሓፍ ቅዱስ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ” ብምባል: ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ምስ ኣገልግሎትና ኣተኣሳሲርዎ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 5:3፣ ዮሃንስ 14:21) ‘ኬድና ደቀ መዛሙርቲ ምግባርከ’ ሓደ ኻብ ትእዛዛት ኣምላኽ ድዩ፧ (ማቴዎስ 28:19) እወ: ሓደ ኻብ ትእዛዛቱ እዩ። ልክዕ እዩ: ነዘን ቃላት እዚኣተን እተዛረበን የሱስ እኳ እንተዀነ: ካብ የሆዋ ዝመነጫ እየን። ከመይ ኢለን፧ የሱስ ባዕሉ “ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር: ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን: ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም” በለ። (ዮሃንስ 8:28፣ ማቴዎስ 17:5) ስለዚ: ንኽንሰብኽ እተዋህበና ትእዛዝ ብምሕላው: ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ነርኢ።

6. እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ እያ ንኽንሰብኽ እትድርኸና፧

6 ብዘ⁠ይካዚውን: ሰይጣን ብዛዕባ የሆዋ ሓሶት የስፋሕፍሕ ስለ ዘሎ: እታ ንኣምላኽና ዘላትና ፍቕሪ ነዚ ንኸነቃልዕ ትድርኸና። (2 ቈረንቶስ 4:4) ሰይጣን ነገዛዝኣ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ ኣብ ሕቶ ኣእቲዎ እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-5) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀንና: ነቲ ሰይጣን ዚፍንዎ ጸለመ ኣብ ምቅላዕን ስም ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ሰባት ኣብ ምቕዳስን ክንካፈል ንደሊ ኢና። (ኢሳይያስ 43:10-12 NW) ኣብ ርእሲ እዚውን ንባህርያትን መገድታትን የሆዋ ስለ እንፈልጦ ኣብ ኣገልግሎት ንሳተፍ ኢና። ንየሆዋ ኣጸቢቕና ንቐርቦ: ብዛዕባ ኣምላኽና ንሰባት ንምንጋር ከኣ ሓያል ባህጊ ይሓድረና። የሆዋ ዝገበሮ ሰናይን ጻድቕ መገድታቱን ብዙሕ ስለ ዜሐጕሰና: ብዛዕባኡ ኻብ ምዝራብ ከነቋርጽ ኣይንኽእልን ኢና። (መዝሙር 145:7-12) ነቶም ዚሰምዑና ምስጋናኡን ‘ዕቤቱን’ ክንነግር ንድረኽ ኢና።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:9 ትርጕም 1990፣ ኢሳይያስ 43:21

7. ኣብ ርእሲ እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ: ኣብ ዕዮ ስብከት ንኽንሳተፍ እንድረኽ እንታይ ኣገዳሲ ምኽንያት ስለ ዘሎና እዩ፧

7 ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ኸየቋረጽና እንካፈለሉ ኻልእ ኣገዳሲ ምኽንያት እውን ኣሎና። እዚ ድማ ነቶም ብዜሕዝን ዜና ዓቕሎም ዝጸበቦምን ብእተፈላለየ መገዲ መከራ ዚረኽቦምን ውልቀ⁠-​ሰባት ዕረፍቲ ንኸነምጽኣሎም እዩ። በዚ መዳይ እዚ ንየሱስ ክንመስሎ ኢና እንጽዕር። ነቲ ኣብ ማርቆስ ምዕራፍ 6 ተገሊጹ ዚርከብ እሞ ንርአ።

8. ኣብ ማርቆስ ምዕራፍ 6 ዚርከብ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ የሱስ ንሰባት ዝነበሮ ስምዒት እንታይ ይገልጸልና፧

8 እቶም ሃዋርያት ካብቲ እተዋፈሩሉ ዕዮ ስብከት ተመሊሶም ንዅሉ እቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ንየሱስ ኣዘንተዉሉ። የሱስ እቶም ሃዋርያት ደኺሞም ምህላዎም ኣስተብሃለ እሞ: “ሓንሳእ ክትዐርፉ ንዑናይ” በሎም። ስለዚ ድማ ብጃልባ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ። ብዙሓት ሰባት ግን ብእግሮም በቲ ገማግም ባሕሪ ጐዪዮም ኣርከብዎም። የሱስከ እንታይ ገበረ፧ “ብዙሕ ህዝቢ ረአየ። ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም: ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ።” (ማርቆስ 6:31-34) የሱስ ሽሕኳ ደኺሙ እንተ ነበረ: ነቶም ህዝቢ ስለ ዝደንገጸሎም ብስራት ይነግሮም ነበረ። እወ: የሱስ ካብ ልቢ እዩ ዚሓልየሎም ነይሩ።

9. ብዛዕባ እቲ ንስብከት ኪህልወና ዘለዎ ቕኑዕ ድራኸ ብዚምልከት ካብ ማርቆስ ምዕራፍ 6 እንታይ ኢና እንመሃር፧

9 ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ኢና እንመሃር፧ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ክንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን ግዴታ ኣሎና። ኣምላኽ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን” ስለ ዚደሊ: ንሰባት ብስራት ክንነግሮም ሓላፍነት ከም ዘሎና ይስምዓና እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ይኹን እምበር: ነገልግሎትና ኸም ግዴታ ጥራይ ጌርና ዘይኰነስ: ድንጋጽና እነርእየሉ ዕዮ ኸም ዝዀነ ጌርና እውን ንምልከቶ ኢና። ንሕናውን ከም የሱስ ንሰባት ንድንግጸሎም እንተደኣ ዄንና: ከየባተኽና ብስራት ንኽንነግሮም ዚከኣለና ኽንገብር ክንድረኽ ኢና። (ማቴዎስ 22:39) እወ: ኣብ ኣገልግሎት ብኸምዚ ዝኣመሰለ ቕኑዕ ድራኸ ንካፈል እንተደኣ ዄንና: ኣዘውቲርና ንኽንሰብኽ ክንለዓዓል ኢና።

መልእኽትና​—⁠ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ

10, 11. (ሀ) ኢሳይያስ ነቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ብኸመይ ገለጾ፧ (ለ) የሱስ ሰናይ ዘበሰረ ብኸመይ እዩ፧ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብነቱ ዝሰዓቡኸ ብኸመይ እዮም፧

10 ሕጂ ኸኣ ነቲ ኻልኣይ መዳይ ኣገልግሎትና ንርአ። እዚ ኸኣ እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ እዩ። እንታይ ኢና እንሰብኽ፧ ነብዪ ኢሳይያስ ነቲ እንሰብኮ መልእኽቲ በዚ ዚስዕብ ቃላት ኣቢሉ ጽቡቕ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ:- “እቲ ብስራት ዜበስር: ሰላም ዜውሪ: ሰናይ ዜበስር: ምድሓን ዜውሪ: ንጽዮን ከኣ: ኣምላኽኪ ይነግስ: ዚብል: ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን።”​—⁠ኢሳይያስ 52:7

11 ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ብፍላይ እታ “ኣምላኽኪ ይነግስ” እትብል ኣገዳሲት ሓረግ: ክንሰብኮ ዘሎና መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ እትሕብር እያ። እዚ መልእኽቲ እዚ ኸኣ ወንጌል ወይ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። (ማርቆስ 13:10) እዛ ጥቕሲ እዚኣ: ትሕዝቶ መልእኽትና ጽቡቕ ምዃኑ ብኸመይ ከም ዘነጸረቶ እውን ኣስተብህል። ኢሳይያስ ከም እኒ “ምድሓን:” “ብስራት:” “ሰላም:” “ሰናይ” ዚብል ቃላት እዩ ተጠቒሙ። ድሕሪ ኢሳይያስ ሓያሎ ዘመናት ጸኒሑ: ኣብ ቀዳማይ ዘመን የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እታ እትመጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ሰናይ ብምብሳር ነዚ ትንቢት እዚ ብፍሉይ መገዲ ፈጺምዎ እዩ። (ሉቃስ 4:43) ኣብዚ ዘመንና ድማ ብፍላይ ካብ 1919 ንነጀው ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ እተምጽኦ በረኸትን ብቕንኣት ብስራት ብምእዋጅ ኣብነት የሱስ ስዒቦም እዮም።

12. እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ዚቕበልዎ እንታይ ጽልዋ እዩ ዜሕድረሎም፧

12 ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ዚቕበልዎ እንታይ ጽልዋ እዩ ዜሕድረሎም፧ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ የሱስ: ሎሚ እውን እቲ ብስራት ተስፋን ምጽንናዕን ይህብ እዩ። (ሮሜ 12:12፣ 15:4) እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሳላ እዚ ብስራት እዚ ዝሓሸ ግዜ ኺመጽእ ምዃኑ ስለ እተማህሩ: ተስፋ ረኺቦም እዮም። (ማቴዎስ 6:9, 10፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) በዚ መብጽዓ እዚ እተዋህበ ተስፋ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ኣረኣእያ ንኺህልዎም ሓጊዝዎም እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር እዞም ሰባት እዚኣቶም ‘ክፉእ ወረ ኸም ዘይፈርሁ’ ገሊጹ ኣሎ።​—⁠መዝሙር 112:1, 7

‘ንስቡራት ልቢ ዚዝንን’ መልእኽቲ

13. እቶም ነቲ ብስራት ዚቕበልዎ ኣብዚ ግዜ እዚውን እንተዀነ በረኸት ከም ዚረኽቡ: ነብዪ ኢሳይያስ ብኸመይ ገለጾ፧

13 ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ነቲ ብስራት ዚቕበልዎ ሰባት ኣብዚ ግዜ እዚውን እንተዀነ ምጽንናዕን በረኸትን ይረኽቡ እዮም። ብኸመይ፧ ነብዪ ኢሳይያስ ንገለ ኻብቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስማዕ ዚርከብ በረኸት ኪገልጽ ከሎ: “ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ: መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን: ንምሩኻት ሓርነት: ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለአኸኒ። ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ: ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ” በለ።​—⁠ኢሳይያስ 61:1, 2፣ ሉቃስ 4:16-21

14. (ሀ) እታ “ንስቡራት ልቢ ኽዝንን” እትብል ሓረግ: ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ እትገልጽ፧ (ለ) ነቲ የሆዋ ንስቡራት ልቢ ዘለዎ ሓልዮት ብኸመይ ከነንጸባርቖ ንኽእል፧

14 ብመሰረት እዚ ትንቢት እዚ: የሱስ ነቲ ብስራት ብምስባኽ ‘ንስቡራት ልቢ ዘኒኑ’ እዩ። ኢሳይያስ ከመይ ዝበለ ሓያል ኣገላልጻ ዀን እዩ እተጠቕመ! ብመሰረት ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ⁠-​ቓላት: እታ “ኽዝንን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: “ዚበዝሕ ግዜ ንቝስሊ ብፋሻ ‘ብምዝናን’ እናፈወስካ ኸም ዚሓዊ ምግባር እያ እተመልክት።” ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት ነቲ ዝቘሰለ ኽፍሊ ኣካላት ብፋሻ ገይራ ብምጥቕላል ወይ ብምሽፋን ዜድሊ ኽንክን ትገብረሉ እያ። ብተመሳሳሊ: እቶም ሓለይቲ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብክዎ መልእኽቲ እውን ንዅሎም እቶም መከራ ዘለዎም ከምኡ ዝኣመሰለ ደገፍ እዩ ዚገብረሎም። ነቶም እተሸገሩ ብዚህብዎም ሓገዝ ኣቢሎም ከኣ: ሓልዮት የሆዋ እዮም ዜንጸባርቑ። (ህዝቅኤል 34:15, 16) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ኣምላኽ “ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ: ነቝሳሎም ይዘንን” በለ።​—⁠መዝሙር 147:3

መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰባት ዘለዎ ጽልዋ

15, 16. መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ዜድልዮም ዘበለ ሓገዝን ብርታዐን ከም ዚህቦም እንታይ ተመክሮታት እዩ ዚሕብረና፧

15 መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንስቡራት ልቢ ብኸመይ ከም ዚድግፎም ዚገልጽ ሓያሎ ናይ ሓቂ ተመክሮታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ነታ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትነብር ብዕድመ ዝደፍአት ኦሪያና እትበሃል ሰበይቲ ንውሰድ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ህይወት መሪርዋ ነበረ። እንተዀነ ግን: ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ክትበጽሓ ጀመረት እሞ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ካብታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍን ከኣ ተንብበላ ነበረት። b ፈለማ: እታ ናይ መንፈስ ጭንቀት ዘለዋ ሰበይቲ ኣብ ዓራታ በጥ ኢላ ኣዒንታ ዓሚታ ጸጸኒሓ ኡፍ ኢላ እናስተንፈሰት እያ ነቲ ንባብ እትሰምዕ ዝነበረት። ነዊሕ ከይጸንሐት ግን ኪንበበላ ኸሎ ኣብ ዓራታ ኾፍ ኢላ ንምስማዕ ጻዕሪ ኽትገብር ጀመረት። ድሕሪ እተወሰነ እዋን ኣብቲ መቐበል ኣጋይሽ ኣብ መንበር ኮፍ ኢላ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህራ ዝነበረት ክትጽበያ ጸንሓታ። ድሕሪኡ: ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብ ጀመረት። ኣብቲ ኣኼባታት ብእተማህረቶ ስለ እተተባብዐት ከኣ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ንዅሉ እቲ ብጥቓ ገዝኣ ዚሓልፍ ሰብ ከተበርክት ጀመረት። ኦሪያና ኣብ 93 ዓመታ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ተጠምቀት። እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ነቲ ብህይወት ንኽትነብር ዘለዋ ድሌት ኣሐዲስዎ እዩ።​—⁠ምሳሌ 15:30፣ 16:24

16 መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ዘይምሕር ሕማም ዝሓዞም እሞ ሞቶም ዚጽበዩ ዘለዉ ሰባት እውን ብዙሕ ይድግፎም እዩ። ንኣብነት: ነታ ኣብ ምዕራባዊ ኣውሮጳ እትነብር ዝነበረት ማርያ ንውሰድ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ብኸቢድ ሕማም ትሳቐ ስለ ዝነበረት: ተስፋ ዚበሃል ኣይነበራን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝረኸብዋ እዋን: ናይ መንፈስ ጭንቀት ኣሕዲራ ነበረት። ይኹን እምበር: ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ምስ ሰምዐት: ህይወታ ዕላማ ዘለዎ ዀነ። ድሕርዚ: ተጠምቀት: ኣብ ዕዮ ስብከት ከኣ ነፍዐት። ንኽልተ ዓመት ዚኣክል ተስፋን ሓጐስን ኣብ ገጻ ይንበብ ነበረ። ኣብ ትንሳኤ ድልዱል ተስፋ ኣሕዲራ ኸኣ ሞተት።​—⁠ሮሜ 8:38, 39

17. (ሀ) መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወት እቶም ዚቕበልዎ ሰባት ጽልዋ ዜሕድር ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ነተን የሆዋ “ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዅሎም የልዕሎም” ዚብላ ቓላት ኣብ ናይ ብሕቲ ህይወትካ ብኸመይ ተመኲርካየን፧

17 ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት: መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወት እቶም ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ጽምኢ ዘለዎም ጽልዋ ኸም ዜሕድር ዜርኢ እዩ። እቶም ብሞት ዜፍቅርዎ ሰብ ዝሓዘኑ ሰባት ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዘሎ ምስ ተነግሮም: ብርታዐ ይረኽቡ እዮም። (1 ተሰሎንቄ 4:13) እቶም ብድኽነት እተበልዑን ንስድራ​ቤቶም ንምምጋብ ላዕልን ታሕትን ዚብሉን ሰባት: የሆዋ ንዕኡ እሙናት ኰይኖም እንተደኣ ረኺብዎም: ፈጺሙ ኸም ዘይሓድጎም ምስ ፈለጡ: ተተባቢዖም እዮም። (መዝሙር 37:28) እቶም ብናይ መንፈስ ጭንቀት ዚሳቐዩ ዝነበሩ ሰባት: ነዚ ንምጽዋር ብርታዐ ረኺቦም እዮም: አረ ገሊኦምሲ ኻብቲ ሕማሞም ምሉእ ብምሉእ ተላቒቖም እዮም። (መዝሙር 40:1, 2) እወ: የሆዋ በቲ ብቓሉ ገይሩ ዚህቦ ሓይሊ ኣቢሉ “ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዅሎም የልዕሎም” ኣሎ። (መዝሙር 145:14) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ዞባናን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤናን ዚርከቡ ሰባት ብኸመይ ከም ዜጸናንዖም ክንርኢ ኸለና: ሒዝናዮ ዘለና መልእኽቲ: እቲ ዝበለጸ መልእኽቲ ምዃኑ እዩ ብተደጋጋሚ ዜዘኻኽረና።​—⁠መዝሙር 51:17

‘ስሊኦም ናብ ኣምላኽ ጸሎተይ እዩ’

18. ኣይሁድ ነቲ ብስራት ዘይምቕባሎም ንጳውሎስ ብኸመይ ጸለዎ፧ ስለምንታይከ፧

18 መልእኽትና እቲ ዝበለጸ ብስራት እኳ እንተዀነ: ብዙሓት ይነጽግዎ እዮም። እዚ ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧ ከምቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸለዎ ገይሩ ኺጸልወና ይኽእል እዩ። ብዙሕ ግዜ ንኣይሁድ ይሰብከሎም እኳ እንተ ነበረ: መብዛሕትኦም ግን ነቲ መልእኽቲ ድሕነት ነጸግዎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብምእባዮም ከኣ ንጳውሎስ ተሰምዖ። “ብዙሕ ጓህን ዘየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ [ኣሎኒ]” ብምባል ድማ ነቲ ሓቂ ገለጸ። (ሮሜ 9:2) ጳውሎስ ነቶም ዚሰብከሎም ዝነበረ ኣይሁድ ይድንግጸሎም ነበረ። ነቲ ብስራት ምንጻጎም ከኣ የጕህዮ ነበረ።

19. (ሀ) ሓድሓደ ግዜ እንተ ጐሃና ዜገርም ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ዕዮ ስብከቱ ንኪቕጽል ዝሓገዞ እንታይ እዩ ነይሩ፧

19 ንሕናውን ነቲ ብስራት ካብ ድንጋጽ ተላዒልና ኢና እንሰብኽ። ስለዚ: ብዙሓት ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪነጽግዎ ኸለዉ: በዚ እንተ ጐሃና ዜገርም ኣይኰነን። ከምዚ ምግባርና ንመንፈሳውነት እቶም እንሰብከሎም ሰባት ብሓቂ ኸም እንሓሊ የርኢ። ይኹን እምበር: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገደፎ ኣብነት ግን ክንርስዖ የብልናን። ዕዮ ስብከቱ ንኪቕጽል ዝሓገዞ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣይሁድ ነቲ ብስራት ዘይምቕባሎም ጓህን ስቓይን እኳ እንተ ኣምጸኣሉ: ዝገበረ እንተ ገበረ ኸም ዘይሰምዑ ገይሩ ብምውሳድ ግን ብኣታቶም ተስፋ ኣይቈረጸን። ገለ ኻባታቶም ንክርስቶስ ከም ዚቕበልዎ ተስፋ ይገብር ነበረ። ስለዚ: ብዛዕባ ገሊኦም ውልቀ⁠-​ሰባት ኣይሁድ ዘለዎ ስምዒት ኪገልጽ ከሎ: “ንሳቶም ኪድሕኑ: ስሊኦም ሃረርታ ልበይን ናብ ኣምላኽ ጸሎተይን እዩ” በለ።​—⁠ሮሜ 10:1

20, 21. (ሀ) ኣብ ኣገልግሎትና ኣብነት ጳውሎስ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ መዳይ ኣገልግሎትና ኢና ኽንርኢ፧

20 ጳውሎስ ዜጕልሖ ኽልተ ነገራት እሞ ኣስተብህለሉ። ገሊኦም ውልቀ⁠-​ሰባት ኪድሕኑ ኻብ ልቡ ይምነየሎም ነበረ: ስሊኦም ከኣ ናብ ኣምላኽ ጸለየ። ንሕናውን ሎሚ ኣብነት ጳውሎስ ንስዕብ ኢና። ነቶም ነቲ ብስራት ዚቕበሉ ኽንረክብ ልባዊ ባህጊ ኣሎና። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ረኺብና ናብ ድሕነት ዚወስድ መገዲ ንኺረኽቡ ምእንቲ ኽንሕግዞም ኢልና ወትሩ ናብ የሆዋ ንጽሊ ኢና።​—⁠ምሳሌ 11:30፣ ህዝቅኤል 33:11፣ ዮሃንስ 6:44

21 ይኹን እምበር: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ንምብጻሕ: ስለምንታይን እንታይን ከም እንሰብኽ ጥራይ ዘይኰነስ: ብኸመይ ከም እንሰብኽ እውን ከነተኵረሉ ኣሎና። እዚ ኸኣ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነተን ናይ መጀመርታ ኽልተ መዳያት ክንምርምር ኢና። ኣብታ ኻልአይቲ ዓንቀጽ ከኣ ነታ ሳልሰይቲ መዳይ ክንርኢ ኢና።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

እንታይ ተማሂርካ፧

• ኣብ ኣገልግሎት እንሳተፍ ስለምንታይ ኢና፧

• እቲ ቐንዲ እንሰብኮ መልእኽቲ እንታይ እዩ፧

• እቶም ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበልዎ እንታይ በረኸት ይረኽቡ፧

• ኣገልግሎትና ንኽንቅጽል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንስቡራት ልቢ ብርታዐ ይህብ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ጸሎት ኣብ ኣገልግሎት ንኽንጸንዕ ይሕግዘና