ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት

ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት

ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት

“ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:8

 ክኢላታት መምህራን ንተመሃሮኦም እንታይ ከም ዚምህርዎም ጥራይ ዘይኰነስ: ብኸመይ ከም ዚምህርዎም እውን ፍሉይ ቈላሕታ ይገብሩሉ እዮም። ንሕናውን መምህራን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ስለ ዝዀንና ተመሳሳሊ ኢና እንገብር። ነቲ እንሰብኮ መልእኽትን ንምስባኽ እንጥቀመሉ ሜላን ንሓስበሉ ኢና። መልእኽትና: ማለት እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘይቅየር እኳ እንተዀነ: እንሰብከሉ ሜላታት ግን ንቐያይር ኢና። ስለምንታይ፧ ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ንኽንበጽሖም ኢልና ኢና።

2 እንሰብከሉ ሜላታት ከከም ኵነታቱ ብምቅይያርና: ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢና እንመስሎም። ንኣብነት: ንሃዋርያ ጳውሎስ እስከ ንውሰድ። “ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ። . . . ምስቶም ሕጊ ዜብሎም . . . ከምቶም ሕጊ ዜብሎም ኰንኩ። ኣነ እቶም ድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ ድማ: ምስቶም ድኹማት ድኹም ኰንኩ። ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን: ንዅላቶም ኵሉ ዀንኩ” በለ። (1 ቈረንቶስ 9:19-23) ጳውሎስ ሜላኡ ምቅይያሩ ኣስላጢ ኸም ዚኸውን ገይርዎ እዩ። ንሕናውን ነቲ መእተዊና ኸከም ሰቡ ዚምሽእ ጌርና እንተ ኣቕሪብናዮ: ጽቡቕ ፍረ ኽንረክብ ኢና።

ክሳዕ “ወሰናት ምድሪ”

3 ሓደ ኻብቲ እቶም ነቲ ብስራት ዚሰብኩ ዜጋጥሞም በዳሂ ዅነታት: ስፍሓት እቲ ዚሽፈን ዞባ እዩ። ኣብ “ብዘላ ዓለም” ኪስበኽ ከም ዘለዎ ተገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:14) ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ሓያሎ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብቲ ዘይተሰብከሉ ሃገራት ነቲ ብስራት ንኼብጽሑ ብዙሕ ጻዕሪ ገይሮም እዮም። እንታይ ፍረኸ ረኸቡ፧ ዕዮ ስብከትና ኣብ መላእ ዓለም ኬስፋሕፍሕ ከኣለ። መበል 20 ዘመን ኪጅምር ከሎ እቲ ዕዮ ስብከት ኣብ ሒደት ሃገራት ጥራይ እዩ በጺሑ ነይሩ። ሎሚ ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 235 ሃገራት ይሰብኩ ኣለዉ! ብሓቂ እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ “ወሰናት ምድሪ” ይስበኽ ኣሎ።​—⁠ኢሳይያስ 45:22

4 ከምዚ ዓይነት ወሰኽ ኪህሉ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ብዙሓት ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝሰልጠኑ ሚስዮናውያን ከምኡውን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ልዕሊ 20,000 ዝዀኑ ኻብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ እተመረቑ ኣሕዋት ብዙሕ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። እቶም ብናይ ገዛእ ርእሶም ወጻኢ ናብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ዝገዓዙ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን እንተዀነ ኣብዚ እጃም ኣለዎም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ሰብኡትን ኣንስትን: ንኣሽቱን ዓበይትን: ከምኡውን ንጽልን ሰብ ሓዳርን: መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ምድሪ ኣብ ምስባኽ ዓብዪ ግደ ኣለዎም። (መዝሙር 110:3፣ ሮሜ 10:18) ኣኽቢርካ ኸኣ እዮም ዚረኣዩ። ገሊአን ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ብዛዕባ እቶም ካብ ወጻኢ መጺኦም ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ዞባታተን ዜገልግሉ ክርስትያናት እንታይ ኢለን ከም ዝጸሓፋ ንመልከት።

5 “እዞም ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ እተገለለ ኸባቢታት ግንባር ቀደም ኰይኖም ይሰብኩ: ሓደስቲ ጉባኤታት ንኪቘማ ይሕግዙ: ከምኡውን ንመንፈሳዊ ዕቤት እቶም ኣብቲ ዓዲ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣበርክቶ ይገብሩ።” (ኤኳዶር) “እቶም ኣብዛ ዓዲ ዜገልግሉ በማእታት ዚቝጸሩ ወጻእተኛታት እንተ ዚኸዱ: ጉባኤታት ሰንከልከል ምበላ። ኣብዚ ምሳና ምዃኖም በረኸት እዩ።” (ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ) “ኣብ ሓያሎ ጉባኤታትና ኻብ ዘለዉ ኣስፋሕቲ መብዛሕትአን ኣሓት እየን: ሓድሓደ ግዜ ኽሳዕ 70 ሚእታዊት ይበጽሓ። (መዝሙር 68:11) መብዛሕትአን ኣብ ሓቂ ነዊሕ ኣይገበራን: ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጻ ንጽል ፓይነራት ግን ነዘን ሓደስቲ ብምስልጣን ብዙሕ ሓገዝ ይገብራ እየን። እዘን ካብ ወጻኢ ዝመጻ ኣሓት ናይ ሓቂ ውህበት እየን ኰይነናና!” (ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ እትርከብ ሃገር) ኣብ ካልእ ሃገር ብዛዕባ ምግልጋል ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ a​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 16:9, 10

“ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ”

6 ካልእ በዳሂ ዀይኑ ዘሎ ነገር ከኣ: ኣብ ምድሪ ዚዝረብ ብዙሕ ዝዓይነቱ ቛንቋታት እዩ። ቃል ኣምላኽ “በተን መዓልትታት እቲኣተን ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም: እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና: ኪብሉ እዮም” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ። (ዘካርያስ 8:23) ኣብቲ ዘመናዊ ፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ: እቶም ዓሰርተ ሰብ ነቶም ኣብ ራእይ 9:7 ብትንቢት እተነግረሎም ብዙሓት ሰብ እዮም ዜመልክቱ። ይኹን እምበር: ብመሰረት ትንቢት ዘካርያስ: እቶም “ዓሰርተ ሰብ” ካብ ኵሎም ኣህዛብ ጥራይ ዘይኰኑስ: “ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ” እውን ዝመጹ ምዃኖም ነስተብህል። እዚ ትንቢት እዚ ብዝርዝር ኪፍጸም ከሎ ርኢናዮዶ፧ እወ: ርኢና ኢና።

7 ገለ ኣሃዛት እስከ ንርአ። ሓምሳ ዓመት ይገብር: ጽሑፋትና ብ90 ቛንቋታት እዩ ዚሕተም ነይሩ። ሎሚ ግን ብ400 ዚኸውን ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ። እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” በቲ ብተዛማዲ ሒደት ሰባት ጥራይ ዚዛረብዎ ቛንቋታት እኳ ጽሑፋት ንምድላው ዚከኣሎ ዅሉ እዩ ዚገብር ዘሎ። (ማቴዎስ 24:45) ንኣብነት: ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብግሪንላንድኛ (ብ47,000 ሰባት ዚዝረብ): ብፓላውኛ (ብ15,000 ሰባት ዚዝረብ): ከምኡውን ብያፕኛ (ብ7,000 ሰባት ዚዝረብ) ይርከብ እዩ።

ናብ ሓድሽ ኣጋጣሚታት ዚመርሕ ‘ዓብዪ ደገ’

8 ኰይኑ ግን: ኣብዚ ግዜና ንበበይኑ ዝዓይነቱ ቛንቋታት ዚዛረቡ ሰባት ብስራት ንኸነብጽሓሎም ናብ ወጻኢ ሃገራት ምኻድ ኣየድልየናን እዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኻብ እተፈላለያ ሃገራት ዝገዓዙ ስደተኛታት ኣብ ሓያሎ ዝማዕበላ ሃገራት ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዚዛረቡ ማሕበረ⁠-​ሰብ ኣቚሞም እዮም። ንኣብነት: ኣብ ፓሪስ: ፈረንሳ 100 ዚኸውን ቋንቋታት ይዝረብ። ኣብ ቶሮንቶ: ካናዳ 125፣ ኣብ ለንደን: ዓዲ እንግሊዝ ልዕሊ 300 ናይ ወጻኢ ቛንቋታት ይዝረብ። ብዙሓት ጉባኤታት ኣብ ዞባአን ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኻብ ካልእ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ብምህላዎም: ነቲ ብስራት ንዅሎም ሰባት ንምንጋር ናብ ሓድሽ ኣጋጣሚታት ዚመርሕ ‘ዓብዪ ደገ’ ኸፊቱ እዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 16:9

9 በሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካልእ ቋንቋ ብምጽናዕ ነዚ በዳሂ ዅነታት ንምስጋር ዚሕግዝ ስጕምቲ ወሲዶም እዮም። መብዛሕትኦም እዚ የጸግሞም እኳ እንተዀነ: ንስደተኛታት ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ብምምሃር ዚረኽብዎ ሓጐስ ግን ካብቲ ዚገብርዎ ቓልሲ ይዛይድ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኻብቶም ኣብ ሓንቲ ምዕራባዊት ኣውሮጳ ሃገር ኣብ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ እተጠምቁ ሰባት: ዳርጋ 40 ሚእታዊት ዝዀኑ ኻብ ካልእ ሃገራት ዝመጹ እዮም ነይሮም።

10 መብዛሕትና ናይ ወጻኢ ቛንቋ ኽንመሃር ከም ዘይንኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: በታ ብሓያሎ ቛንቋታት ዚምስጥ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘት ጉድ ኒውስ ፎር ፒፕል ኦቭ ኦል ኔሽንስ (ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት) b ዘርእስታ ሓዳስ ዝወጸት ጽሕፍቲ ጌርና: ንስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 4:37) ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣብ ኣገልግሎት ትጥቀመላዶ ኣለኻ፧

ሰባት ነቲ ብስራት ምስ ዘይቅበልዎ

11 ሰይጣን ኣብ ምድሪ ዘለዎ ጽልዋ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን: ካልእ በዳሂ ዅነታት እውን የጋጥመና ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ገሊኡ ዞባታት ነቲ ብስራት ዚቕበሉ ዳርጋ ስለ ዘይርከቡ እዩ። የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከም ዚህሉ ስለ እተነበየ: እዚ ኣየገርመናን እዩ። ብዛዕባ እዚ ግዜና ኺዛረብ ከሎ: “ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ” በለ። (ማቴዎስ 24:12) እወ: ብዙሓት ኣብ ኣምላኽ ኣይኣምኑን እዮም: ንኣምላኽ ድማ ኣኽብሮት የብሎምን። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም: ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ሒደት ሰባት እዮም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዚዀኑ ዘለዉ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን: እቲ ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብቲ ዚቕበሎም ሰብ ዘይብሉ ዞባ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኸንቱ እዩ ማለት ኣይኰነን። (እብራውያን 6:10) ስለምንታይ። ነዚ ዚስዕብ ነጥቢ እስከ ንርአ።

12 ወንጌል ማቴዎስ ኣብ ስብከት እንጽመደሉ ኽልተ ቐንዲ ዕላማታት ትጠቅስ እያ። ሓደ ምኽንያት ካብ ‘ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር’ እዩ። (ማቴዎስ 28:19) እቲ ኻልኣይ ከኣ እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ንምስክር” እዩ ዚስበኽ። (ማቴዎስ 24:14) ክልቲኡ ዕላማታት ኣገዳሲ እዩ: እቲ ኻልኣይ ግን ፍልይ ዝበለ ትርጕም ዝሓዘለ እዩ። ስለምንታይ፧

13 እቲ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ማቴዎስ: ሃዋርያት ንየሱስ “ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ከም ዝሓተትዎ ጽሒፉ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:3) የሱስ ከኣ ሓደ ኻብቲ ትእምርትታት ወይ ምልክታት: ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ከም ዝዀነ ነገሮም። ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ምግባር ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ: “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ዝበለ። (ማቴዎስ 24:14) ስለዚ: የሱስ እቲ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ትእምርቲ ኪኸውን ምዃኑ እዩ ሓቢሩ።

14 እምበኣር: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ከለና: ዋላውን ወትሩ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር እንተ ዘይተዓወትና: “ምስክር” ኣብ ምሃብ ግን ከም እንዕወት ኣይንርስዖን ኢና። ሰባት ነቲ መልእኽቲ ይቀበልዎ ኣይቀበልዎ ብዘየገድስ: እንታይ ንገብር ከም ዘለና ይፈልጡ እዮም: በዚ ኣቢልና ድማ ነቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ኣብ ምፍጻም እጃምና ነበርክት። (ኢሳይያስ 52:7፣ ራእይ 14:6, 7) ጆርዲ ዚበሃል ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዚነብር መንእሰይ: “ኣብ ፍጻመ ማቴዎስ 24:14 እጃመይ ንምብርካት የሆዋ ይጥቀመለይ ከም ዘሎ ምፍላጠይ ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰኒ” በለ። (2 ቈረንቶስ 2:15-17) ንስኻውን ከምኡ ኸም ዚስምዓካ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ንመልእኽትና ምጽራር ኬጋጥሞ ኸሎ

15 ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ በዳሂ ኻብ ዚኸውን ነገራት ሓደ: ከቢድ ምጽራር እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ “ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም” ኢሉ ኣቐዲሙ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ። (ማቴዎስ 24:9) ሎሚ ዘለዉ ሰዓብቲ ክርስቶስ እውን ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ጽልእን ምጽራርን መስጐጕትን የጋጥሞም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:17, 18, 40፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:12፣ ራእይ 12:12, 17) ኣብ ገሊኡ ሃገራት ብመንግስቲ እገዳ ተገይሩሎም ኣሎ። እንተዀነ ግን: ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዚርከቡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኣምላኽ ስለ ዚእዘዝዎ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምስባኽ ኣየቋረጹን። (ኣሞጽ 3:8፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:29፣ 1 ጴጥሮስ 2:21) ንዓታቶም ኰነ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ኻልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ንኺገብሩ ዜኽእሎም እንታይ እዩ፧ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ሓይሊ ይህቦም እዩ።​—⁠ዘካርያስ 4:6፣ ኤፌሶን 3:16፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:17

16 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና: ሓይሊ ኽትቅበሉ: . . . ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ኪብሎም ከሎ ኣብ መንጎ መንፈስ ኣምላኽን ዕዮ ስብከትን ዘሎ ምትእስሳር እዩ ኣጕሊሑ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ ራእይ 22:17) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ ፈለማ እንታይ ከም ዚኸውን ምፍላጥና ኣገዳሲ እዩ። ፈለማ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ: ድሕሪኡ ዓለምለኻዊ ዕዮ ምስክርነት ኪፍጽሙ ጀመሩ። ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ጥራይ እዮም “ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር” ንኪዀኑ ብርታዐ ዝረኸቡ። (ማቴዎስ 24:13, 14፣ ኢሳይያስ 61:1, 2) እምበኣር: የሱስ ንመንፈስ ቅዱስ: “መጸናንዒ” ወይ ሓጋዚ ኺብሎ ሓቁ እዩ። (ዮሃንስ 15:26) ንደቀ መዛሙርቱ እውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዚምህሮምን ከም ዚመርሖምን ገሊጹሎም ነይሩ እዩ።​—⁠ዮሃንስ 14:16, 26፣ 16:13

17 ኣብዚ ግዜና ንስብከት እቲ ብስራት ከቢድ ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ: መንፈስ ኣምላኽ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ መንፈስ ኣምላኽ የበራትዓና: ነቶም ዜሳጕጕና ኸኣ ይጻረሮም። ነዚ ንምብራህ: ንንጉስ ሳኦል ዘጋጠሞ እስከ ንርአ።

መንፈስ ኣምላኽ ይጻረሮም

18 እቲ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሳኦል: ፈለማ ቕኑዕ ሰብ ነበረ: ጸኒሑ ግን ንየሆዋ ዘይእዘዝ ኰነ። (1 ሳሙኤል 10:1, 24፣ 11:14, 15፣ 15:17-23) ስለዚ ድማ መንፈስ ኣምላኽ ካብቲ ንጉስ ኣልገሰ። ሳኦል ነቲ ቐጺሉ ንጉስ ኪኸውን እተቐብአ እሞ መንፈስ ኣምላኽ ዚረክብ ዝነበረ ዳዊት ኣመና ተቘጥዖ። (1 ሳሙኤል 16:1, 13, 14) ብቐሊሉ ኼጥቅዖ ዚኽእል እውን መሰሎ። ከመይሲ: ዳዊት ኣብ ቅድሚኡ ኪቐርብ ከሎ በገና ጥራይ ኪሕዝ ከሎ: ሳኦል ግን ኲናት ይሕዝ ነበረ። ስለዚ: ሓደ መዓልቲ ዳዊት በገና ይወቅዕ ነበረ: “ሳኦል ድማ፤ ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣላጊበ ክቐትሎ እየ: ኢሉ ዂናት ወርወረ። ዳዊት ከኣ ክልተ ሳዕ ካብ ቅድሚኡ ኣግለሰ።” (1 ሳሙኤል 18:10, 11) ድሕሪኡ: ሳኦል ነቲ ዓርኪ ዳዊት ዝነበረ ዮናታን ወዱ ሰሚዑ: “ህያው እግዚኣብሄር እዩ [ዳዊት] ኣይመውትን እዩ” ኢሉ መሓለ። ድሕሪኡ ግን: ሳኦል ከም ብሓድሽ “ንዳዊት ብዂናት ምስቲ መንደቕ ኬላግቦ ደለየ: ንሱ ግና ካብ ቅድሚ ሳኦል ኣግለሰ: እቲ ዂናት ድማ ኣብቲ መንደቕ ተሸኽለ።” ዳዊት ኣምለጠ: ሳኦል ግን ሰዓቦ። ኣብቲ ወሳኒ ግዜ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ንሳኦል ተጻረሮ። ብኸመይ፧​—⁠1 ሳሙኤል 19:6, 10

19 ዳዊት ናብ ነብዪ ሳሙኤል ሃደመ: ሳኦል ግን ንዳዊት ምእንቲ ኺሕዝዎ ልኡኻት ሰደደ። ኣብታ ዳዊት ተሓቢኡላ ዝነበረት ቦታ ምስ በጽሑ ግን: “መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ልኡኻት ሳኦል ድማ መጸ: ንሳቶም ከኣ ተነበዩ።” ብመንፈስ ኣምላኽ ኣመና ስለ እተዓብለሉ: ዝመጹሉ ዕላማ ፈጺሞም ረስዑ። ብዘ⁠ይ​ካዚ: ሳኦል ክልተ ሳዕ ንዳዊት ንኺሕዙ ልኡኻት ሰደደ: ክልተ ሳዕ ድማ ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጠመ። ኣብ መወዳእታ: ንጉስ ሳኦል ባዕሉ ናብ ዳዊት ከደ። ንሱውን እንተዀነ ንመንፈስ ኣምላኽ ኪጻወሮ ኣይከኣለን። ሕሉፍ ሓሊፉ እቲ መንፈስ ቅዱስ “መዓልቲ መላእን ለይቲ መላእን” ከም ዘይንቀሳቐስ ገበሮ: ስለዚ ድማ ዳዊት ንኼምልጥ እኹል ግዜ ረኸበ።​—⁠1 ሳሙኤል 19:20-24

20 እዚ ብዛዕባ ሳኦልን ዳዊትን ዚገልጽ ዛንታ ሓደ ዜበራትዕ ትምህርቲ እዩ ዚህበና። እዚ ኸኣ መንፈስ ኣምላኽ ነቶም ሰጐጕቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ዚጻረረሉ እዋን ኪዕወቱ ዘይክእሉ ምዃኖም እዩ። (መዝሙር 46:11፣ 125:2) የሆዋ ንዳዊት ንጉስ እስራኤል ኪገብሮ ወሲኑ ነበረ። ነዚ ኪቕይሮ ዚኽእል ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ኣብዚ ግዜና ኸኣ “ወንጌል መንግስቲ . . . ኪስበኽ” ወሲኑ እዩ። ነዚ ኻብ ምፍጻም ኪዓግቶ ዚኽእል ነገር እውን የልቦን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:40, 42

21 ገሊኦም ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን መራሕቲ ንኺዓናቕፉና ኢሎም ሓሶት ይዛረቡ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ሓይሊ ይጥቀሙ እዮም። ይኹን እምበር: ከምቲ የሆዋ ንዳዊት ብመንፈሳዊ መዳይ ዘዕቈቦ: ሎሚ ንዘለዉ ህዝቡ እውን ኬዕቍቦም እዩ። (ሚልክያስ 3:6) ስለዚ: ከም ዳዊት ብምትእምማን “ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን: ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፧” ኢና እንብል። (መዝሙር 56:11፣ 121:1-8፣ ሮሜ 8:31) ነቲ ብስራት መንግስቲ ንዅሎም ኣህዛብ ክንነግር ኣምላኽ ዝሃበና መዝነት ክንፍጽም ከለና: ንዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን በዳሂ ዅነታት ብሓገዝ የሆዋ ንስገሮ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነታ ኣብ ገጽ 22 እትርከብ “ዓሚቝ ዕግበት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

ትዝክሮዶ፧

• እንሰብከሉ ሜላታት ከከም ኵነታቱ እንቐያይር ስለምንታይ ኢና፧

• ናብ ምንታይ ሓድሽ ኣጋጣሚታት ዚመርሕ ‘ዓብዪ ደገ’ እዩ ተኸፊቱልና ዘሎ፧

• ኣብቲ ንመልእኽትና ዚቕበሉ ሰባት ዘይርከቡሉ ዞባታት እውን እንተዀነ ብስብከትና ኣቢልና እንታይ ኢና እንዓምም ዘለና፧

• ነቲ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ደው ኬብል ዚኽእል ተጻራሪ ዘየልቦ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

1. መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ብምዃንና ንምንታይ ኢና ፍሉይ ቈላሕታ እንገብረሉ፧ ስለምንታይከ፧

2. እንሰብከሉ ሜላ ኸከም ኵነታቱ ብምቅይያርና: ንእንመን ኢና እንመስሎም ዘለና፧

3. (ሀ) ኣብ ዕዮ ስብከትና እንታይ በዳሂ ዅነታት እዩ ዜጋጥመና፧ (ለ) እተን ኣብ ኢሳይያስ 45:22 ዚርከባ ቓላት ብኸመይ ይፍጸማ ኣለዋ፧

4, 5. (ሀ) ነቲ ብስራት ኣብ ምዝርጋሕ ዓብዪ ኣበርክቶ ዝገበሩ መን እዮም፧ (ለ) ገሊአን ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ብዛዕባ እቶም ካብ ወጻኢ መጺኦም ኣብ ዞባአን ዜገልግሉ ክርስትያናት እንታይ በላ፧

6. ዘካርያስ 8:23 ነቲ ኣብ ዕዮ ስብከትና ምስ ቋንቋታት ተተሓሒዙ ዜጋጥመና በዳሂ ዅነታት እትሕብር ብኸመይ እያ፧

7. “ካብ ኵሉ ቛንቋታት” ንእተዋጽኡ ኣህዛብ እቲ ብስራት ይባጻሕ ከም ዘሎ ዚሕብር እንታይ ኣሃዛት እዩ፧

8, 9. እንታይ ኵነታት እዩ ‘ዓብዪ ደገ’ ኸፊቱልና ዘሎ፧ በሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ብኸመይ ስጕምቲ ወሰዱ፧

10. ነታ ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብኸመይ ተጠቒምካላ (ኣብ ገጽ 26 ዚርከብ “ገለ መዳያት እታ ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት ዘርእስታ ጽሕፍቲ” ዘርእስቱ ሳጹን ርአ።)

11. ኣብ ገሊኡ ዞባታት እንታይ ተወሳኺ በዳሂ ዅነታት እዩ ዘሎ፧

12. ኣብ ዕዮ ስብከት እንጽመደሉ ኽልተ ሸቶታት እንታይ እዩ፧

13, 14. (ሀ) ሓደ ኻብቲ ክርስቶስ ምሳና ኸም ዘሎ ዚሕብር ትእምርትታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብቲ ንመልእኽትና ዚቕበሉ ሰባት ዘይርከቡሉ ዞባታት ክንሰብኽ ከለና እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

15. (ሀ) የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ እንታይ እዩ ኣቐዲሙ ዘጠንቀቖም፧ (ለ) ምጽራር እናሃለወ ኽነሱ ንኽንሰብኽ ዜኽእለና እንታይ ኢና፧

16. የሱስ ኣብ መንጎ ስብከትን መንፈስ ኣምላኽን ዘሎ ምትእስሳር ዘጕልሐ ብኸመይ እዩ፧

17. ከቢድ ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ: መንፈስ ቅዱስ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

18. (ሀ) ሳኦል ካብቲ ፈለማ ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ ለውጢ እዩ ዝገበረ፧ (ለ) ሳኦል ንዳዊት ንምጥቃዕ እንታይ ሜላታት እዩ እተጠቕመ፧

19. መንፈስ ቅዱስ ንዳዊት ዘዕቈቦ ብኸመይ እዩ፧

20. ካብቲ ሳኦል ንዳዊት ዘጥቅዓሉ ዛንታ እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

21. (ሀ) ገሊኦም ተጻረርቲ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧ (ለ) ብዛዕባ እንታይ ኢና እንተኣማመን፧

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን]

ዓሚቝ ዕግበት

“በቲ ብሓድነት ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ሕጉሳት እዮም።” እዘን ቃላት እዚኣተን ነቶም ካብ ስጳኛ ናብ ቦሊቭያ ዝገዓዙ ኣባላት ሓንቲ ስድራ​ቤት ዚገልጾም እዩ። ፈለማ ሓደ ወዶም ንሓንቲ እተገለለት ጕጅለ ንምሕጋዝ ናብኡ ኸደ። እቲ ዝረኸቦ ሓጐስ ንወለዱ ኣዝዩ ስለ ዝመሰጦም: ነዊሕ ከይጸንሑ ዅሎም ኣባላት እታ ስድራ​ቤት: ማለት እንተላይ እቶም ካብ 14 ክሳዕ 25 ዝዕድሜኦም ኣርባዕተ ኣወዳት: ኣብኡ ኼገልግሉ ጀመሩ። ሕጂ ኻብቶም ኣወዳት ሰለስተ ፓይነራት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ: እቲ ፈለማ ዝገዓዘ ኸኣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ተኻፈለ።

ጓል 30 ዓመት ዝዀነት ኣንጀሊካ እትበሃል ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ እተገልግል ካናዳዊት “ብዙሕ ጸገማት እዩ ዜጋጥመና” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ “እንተዀነ ግን: ኣብ ኣገልግሎት ንሰባት ክሕግዝ ምኽኣለይ ዕግበት እረክብ እየ። ኣብቲ ዓዲ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መብዛሕትኡ ግዜ ኽሕግዞም ብምምጻአይ ስለ ዘመስግኑኒ: ልበይ ተንኪፉኒ እዩ።”

ኣብ መወዳእታ 20ታት ዕድሚአን ዚርከባ ብስጋ ኣሓት ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ግዒዘን የገልግላ ኣለዋ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመን ኪገልጻ ኸለዋ ኸኣ ከምዚ በላ:- “ብዙሕ ልምድታት እዚ ዓዲ ኽንለምድ ነይሩና። እንተዀነ ግን: ኣብቲ እተመደበልና ዞባ ጸኒዕና ቐጸልና: ካብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃርናዮም ሰባት ሸውዓተ ኣብ ኣኼባታት ይእከቡ ኣለዉ።” እዘን ክልተ ኣሓት እዚኣተን ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዚበሃል ዘይነበራ ንእሽቶ ኸተማ ንእተወሰኑ ጕጅለ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምውዳብ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይረን እየን።

ኣብ መወዳእታ 20ታት ዕድሜኣ እትርከብ ሎራ: ኣብ ወጻኢ ሃገር ከተገልግል ካብ እትጅምር ኣርባዕተ ዓመት ኰይኑዋ ኣሎ። ንሳውን ከምዚ በለት:- “ኰነ ኢለ ናብራይ ቀሊል እገብሮ እየ። እዚ ኸኣ ነቶም ኣስፋሕቲ: ሓደ ሰብ ትሑት ናብራ ዚነብር ስለ ዝደኸየ ዘይኰነስ: ብምርጫኡ ሓሲቡ ዚገብሮ ምዃኑ ንኺግንዘቡ ይሕግዞም። ንኻልኦት ሰባት: ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ክሕግዝ ምኽኣለይ ዘምጽኣለይ ሓጐስ: ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ምግልጋል ዜምጽኦ ጸገማት ንኽርስዖ ኣኽኢሉኒ እዩ። ኣብዚ ዝፍጽሞ ኣገልግሎተይ: ብዝዀነ ይኹን ካልእ ዓይነት ናብራ ኣይቅይሮን እየ: የሆዋ ኽሳዕ ዝፈቐዶ ድማ ኣብዚ ኽጸንሕ እየ።”

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ገለ መዳያት እታ ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት ዘርእስታ ጽሕፍቲ

እታ ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት ዘርእስታ ጽሕፍቲ: ክሳዕ 92 ቋንቋታት ዚበጽሕ ሓደ ገጽ ዝሓዘ መልእኽቲ ሒዛ ኣላ። እቲ መልእኽቲ እተጻሕፈሉ ኣገባብ ከኣ: ሓደ ሰብ ኬንብቦ ኸሎ: ንዕኡ ትዛረቦ ኸም ዘለኻ ጌርካ እዩ።

ኣብቲ ውሽጣዊ ኽፍሊ እቲ ገበር: ካርታ ዓለም ኣሎ። እዚ ካርታ እዚ ምስቲ እተዘራርቦ ሰብ ጽቡቕ ምቅርራብ ንኺፈጥረልካ ተጠቐመሉ። ምናልባት ኣብታ ካርታ ነታ እትነብረላ ዘለኻ ሃገር ድሕሪ ምምልካት: ዓዱ ኣበይ ምዃኑ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ሓሳባቱ ኸም ዚገልጽን ምቅርራብ ከም ዚፍጠርን ትገብር።

ኣብ መቕድም እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ነቶም ብዘይንኽእሎ ቛንቋ ዚዛረቡ ሰባት ክንሕግዘሉ እንኽእል ኣስላጢ መገዲ ዚገልጽ እተወሰነ ነጥብታት ተዘርዚሩ ኣሎ። ነዚ ነጥብታት እዚ ተጠንቂቕኩም ኣንብብዎ እሞ ተጠቐሙሉ።

ኣብቲ ትሕዝቶ ዚገልጽ ዝርዝር ከኣ ቋንቋታት ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ቛንቋ ዚፍለጠሉ ምልክት ኣብ ጐድኑ ተጻሒፉ ትረኽቦ። እዚ መዳይ እዚ ኣብ ትራክትታትናን ካልእ ጽሑፋትናን ዚሕተም ምልክት ቋንቋታት ንኽትፈልጦ ኺሕግዘካ እዩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣብ ኣገልግሎት ትጥቀመላዶ ኣለኻ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሕጂ ጽሑፋትና ብልዕሊ 400 ቛንቋታት ይርከብ

ጋና

ላፕላንድ (ሽወደን)

ፊሊፒንስ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ኼድካ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧

ኤኳዶር

ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ