ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብቂዑ”

“ኣብቂዑ”

“ኣብቂዑ”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 2002 ኣብታ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እትርከብ ከተማ ምባንዳካ ኣውራጃዊ ኣኼባ ገይሮም ነበሩ። እቶም ኣብኡ ተረኺቦም ዝነበሩ ተኣከብቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብቛንቋ ሊንጋላ ምውጻኡ ምስ ተነግረ ብሓጐስ ተሰራሰሩ: ገሊኦም ድማ ነብዑ። ብድሕርዚ: እቶም ሰባት ነታ ሓዳስ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርኣይ ናብቲ መድረኽ ገጾም እናተጓየዩ “ባሱኪ: ባሳምብዊ!” ማለት “ኣብቂዑ: ተዋሪዶም” ይብሉ ነበሩ።

እቶም ተኣከብቲ ስለምንታይ እዮም ክሳዕ ክንድዚ እተሃንጠዩ፧ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዚርከባ ቓላት ኪዛረቡ ኸለዉኸ እንታይ ማለቶም እዩ ነይሩ፧ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ምባንዳካ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብቛንቛ ሊንጋላ መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽቡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነበረ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እተን ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ንዕኦም መጽሓፍ ቅዱስ ምሻጥ ብምእባየን እዩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ብኻልእ ሰብ ኣቢሎም ጥራይ እዮም ኪረኽቡ ዚኽእሉ ነይሮም። ሕጂ ግን: እተን ኣብያተ⁠-​ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምርካብ ፈጺመን ስለ ዘይዓግታኦም እዮም ኣዝዮም እተሓጐሱ።

እዚ ሓድሽ ትርጕም እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ዘይኰነስ: ንሓፋሽ እውን ዚጠቅም እዩ። ሓደ ሰብኣይ ነቲ ኣኼባ ኣብ ገዝኡ ዀይኑ በቲ መጕልሕ ድምጺ ይሰምዖ ነበረ። ናብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብምውጻኡ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ንዘሎና ምርዳእ ኬስፍሖ እዩ። ናይ የሆዋ ምስክር ኣይኰንኩን: እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ንኺሕተም ግን ብዓብዪ ሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ ነይረ።”

ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብምሉኡ ብ32 ቋንቋታት ኪርከብ ከሎ: ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ድማ ንቛንቋ ሊንጋላ ሓዊስካ ብ18 ቛንቋታት ይርከብ። ሓደ ቕዳሕ እዚ ብሉጽ ትርጕም እዚ ኽትረክብ እንተደኣ ደሊኻ: ንምንታይ ንሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይትሓትት፧