ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብቲ ዓለምለኻዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እጃመይ ብምብርካተይ ሕጕስቲ እየ

ኣብቲ ዓለምለኻዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እጃመይ ብምብርካተይ ሕጕስቲ እየ

ታሪኽ ህይወት

ኣብቲ ዓለምለኻዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እጃመይ ብምብርካተይ ሕጕስቲ እየ

ኣና ማታኣኪስ ዘዘንተወቶ

እታ 171 ሜተር ዝንውሓታ መርከብ ክትባራዕ ጀመረት። እንተ ሰጢማ: ንዓይ እውን ሒዛትኒ እያ ኽትጥሕል። ነቲ ጸፍዒ ማዕበል እናተቓለስኩ ሓንበስኩ። ምእንቲ ኸይጥሕል ሓንቲ ሰበይቲ ንዝገበረቶ መንሳፈፊ ጃኬት ክሕዝ ነበረኒ። ሓይልን ድፍረትን ንኽህበኒ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ። ካብዚ ሓሊፈ ግን ካልእ ዚገብሮ ነገር ኣይነበረንን።

እዋኑ 1971 እዩ ነይሩ። ናብታ ሚስዮናዊት ኰይነ እተመደብኩላ ሳልሰይቲ ዓዲ: ማለት ናብ ኢጣልያ እየ ዚምለስ ነይረ። ሽዑ እታ ተሳፊረላ ዝነበርኩ መርከብ ምስ ተባርዐት ዳርጋ ብምሉኡ ንብረተይ እዩ ጠፊኡ። ይኹን እምበር: እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ማለት ህይወተይ: ፈቃራት ክርስትያን ኣሕዋተይ: ከምኡውን ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰለይን ኣይሰኣንኩን። ብምኽንያት ኣገልግሎተይ ናብ ሰለስተ ኽፍሊ ዓለም ተጓዒዘ እየ። እቲ ሽዑ ዘጋጠመኒ ሓደጋ ኸኣ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወተይ ዘጓነፈኒ ዜደንቕ ፍጻመታት እዩ።

ብ1922 እየ ተወሊደ። ወለደይ ካብ የሩሳሌም ብሸነኽ ሰሜን 16 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ራማላህ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ክልቲኦም ኣብ ደሴት ቅሬጥስ እዮም ተወሊዶም: ኣቦይ ግን ኣብ ናዝሬት እዩ ዓብዩ። ኣነ ሕሳስ⁠-​ልደ እቶም ሰለስተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ዝነበርዋ ስድራ​ቤትና እየ። ምንኣስ እቲ በዅሪ ዝዀነ ሓውና: ናብቲ ቤት ትምህርቶም ዘዳለዎ ዙረት ምስ ከደ: ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ጥሒሉ ብሙማቱ ስድራ​ቤትና ብሓዘን ተደቝሰት። ድሕሪኡ ኣደይ ኣብ ራማላህ ክትነብር ስለ ዘይደለየት ናብ ኣቴንስ: ግሪኽ ገዓዝና። ኣነ ሽዑ ጓል ሰለስተ ዓመት እየ ነይረ።

ስድራ​ቤትና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ በጽሓ

ኣብ ግሪኽ ነዊሕ ከይጸናሕና እቲ ኒኮስ ዝስሙ ወዲ 22 ዓመት ዝነበረ በዅሪ ሓወይ: ምስቶም ሽዑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸቦ ፍልጠት ኣዝዩ ኣሐጕሶ: ንክርስትያናዊ ኣገልግሎት ከኣ ቅንኣት ሓደሮ። ኣቦይ በዚ ተቘጢዑ ንኒኮስ ካብ ገዛ ሰጐጎ። እንተዀነ ግን: ኣቦይ ናብ ፍልስጥኤም ኣብ ዚኸደሉ እዋን ኣነን ኣደይን ሓብተይን ምስ ኒኮስ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኸይድ ነበርና። ኣደይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣኼባታት ዝሰምዓቶ ነገራት ብውዕዉዕ ስምዒት ክትዛረብ ከላ ኽሳዕ ሕጂ ይዝከረኒ። ኰይኑ ግን: ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ 42 ዓመታ ብሕማም መንሽሮ ሞተት። ኣብቲ ኣጸጋሚ እዋን እቲ ኣርያድን ሓብተይ ንስድራ​ቤትና ብፍቕሪ ተኸናኸነታ። ዋላኳ መንእሰይ እንተ ነበረት: ንነዊሕ ዓመታት ልክዕ ከም ኣደ እያ ዀይናትኒ።

ኣቦይ ኣብ ኣቴንስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኵሉ ሳዕ ናብ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ⁠-​ክርስትያን ይወስደኒ ነበረ። ንሱ ምስ ሞተ እውን ሓሓሊፉ ይኹን እምበር ምኻደይ ኣየቋረጽኩን። እቶም ምእመናን ንኣምላኽ ተወፋይነት ከም ዘይብሎም ምስ ረኣኹ ግን ቀስ ብቐስ ምኻድ ገደፍኩዎ።

ኣቦይ ድሕሪ ሙማቱ ኣብ ሚኒስትሪ ገንዘብ ተቘጺረ ኽሰርሕ ጀመርኩ። ሓወይ ግን ህይወቱ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብምውፋይ ኣብ ግሪኽ ንነዊሕ ዓመታት የገልግል ነበረ። ብ1934 ከኣ ናብ ቆጵሮስ ገዓዘ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ ኣብታ ደሴት ዋላ ሓደ እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዘይነበረ: ንሱ ነቲ ዕዮ ስብከት ንምስፋሕ ሓላፍነት ተሰከመ። ነታ ገላትያ እትበሃል ብዓልቲ ቤቱ ድሕሪ ምምርዓዉ እውን ንሓያሎ ዓመታት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። a ኒኮስ ብተደጋጋሚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መጻሕፍትን መጽሔታትን ይሰደልና እኳ እንተ ነበረ: ኣይነንብቦን ኢና ኔርና። ክሳዕ እታ ዝሞተላ ዕለት ኣብ ቆጵሮስ እዩ ዚነብር ነይሩ።

ንሓቂ ናተይ ገበርክዋ

ብ1940 ሓደ ኣብ ኣቴንስ ዚነብር ጆርጅ ዱራስ ዚበሃል ቀናእ ናይ የሆዋ ምስክር ዓርኪ ኒኮስ ኪበጽሓና መጸ እሞ ኣብ ገዝኡ ኣብ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንርከብ ዓደመና። ተሓጕስና ድማ ነቲ ዕድመ ተቐበልናዮ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ እተማሃርናዮ ነገራት ክንነግሮም ጀመርና። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ፍልጠት ንዓይን ንሓብተይን ርእስና ንየሆዋ ኽንውስን ደረኸና። ኣርያድን ብ1942 ክትጥመቕ ከላ: ኣነ ኸኣ ብ1943 ተጠመቕኩ።

ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተዛዘመ: ኒኮስ ናብ ቆጵሮስ ክንግዕዝ ሓተተና እሞ ብ1945 ናብ ኒቀስያ ኸድና። ከምቲ ኣብ ግሪኽ ዝነበረ ኣብ ቆጵሮስ ዕዮ ስብከት ኣይተኣገደን ነይሩ። ካብ ቤት ናብ ቤት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት እውን ንሳተፍ ኔርና።

ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣርያድን ናብ ግሪኽ ተመልሰት። ኣብ ኣቴንስ ምስ ሓደ ንየሆዋ ዜምልኽ ሓው ተፋለጠት እሞ ንዕኡ ተመርዕያ ኣብኡ ተረፈት። ካብኡ ሓብተይን ሰብኣያን ናብ ግሪኽ ተመሊሰ: ኣብ ኣቴንስ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይነ ኸገልግል ኣተባብዑኒ። ኣነውን ፓይነር ኰይነ ንኸገልግል ሸቶ ስለ ዝነበረኒ: ናብታ ዝያዳ ዓየይቲ ዚድለዩላ ኣቴንስ ተመለስኩ።

ናብ ሓድሽ ኣጋጣሚታት ዚመርሕ ደገ ተኸፍተለይ

ካብ 1 ሕዳር 1947 ጀሚረ ኣብ ወርሒ 150 ሰዓት ኣብ ኣገልግሎት ብምሕላፍ: ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ናይ ጉባኤና ዞባ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝነበረ: ብእግረይ ነዊሕ ክጐዓዝ ነበረኒ። ኰይኑ ግን: ብዙሕ በረኸት እየ ረኺበ። መብዛሕትኡ እዋን ኣባላት ፓሊስ ኪሰብኽ ወይ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተኣኪቡ ንዝረኽብዎ ዝዀነ ይኹን ናይ የሆዋ ምስክር ይኣስሩ ነበሩ። ስለዚ: ኣነውን ነዊሕ ከይጸናሕኩ ተኣሰርኩ።

ሃይማኖት ተቐይር እያ ብዚብል ተኸሰስኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እዚ ኸቢድ ገበን እዩ ነይሩ። ኣብ ኣቴንስ ኣብ ዚርከብ ኣቬሮፍ ዚበሃል ደቂ ኣንስትዮ ዚእሰራሉ ቤት⁠-​ማእሰርቲ: ክልተ ወርሒ ኽእሰር ተፈርደኒ። ኣቐዲማ ኣብኡ እተኣስረት ሓንቲ ሓብቲ ስለ ዝነበረት: ዋላኳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንሃሉ ባህ ዜብልን ዚሃንጽን ክርስትያናዊ ሕውነት ነበረና። ድሕሪ ኽልተ ወርሒ ተፈታሕኩ እሞ ፓይነር ኰይነ ምግልጋል ቀጸልኩ። ብዙሓት ካብቶም ሽዑ ምሳይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብሩ ዝነበሩ: ክሳዕ ሎሚ ንየሆዋ ብተኣማንነት ኬገልግሉ ምርኣየይ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰኒ።

ብ1949 ኣብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገብረ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንዕዮ ሚስዮናዊነት ዚስልጥኑሉ: መበል ሻምናይ ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክኣቱ ጻውዒት ቀረበለይ። ኣነን ኣዝማደይን ብሓጐስ ፍንጭሕ በልና። ኣብ ክረምቲ 1950 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ንኽእከብ እሞ ድሕሪኡ ናብ ጊልዓድ ክኣቱ መደብኩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ በጻሕኩ: ንሓሙሽተ ወርሒ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዚርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቤት አጸራሪ ነበርኩ። እቲ ኸባቢ ጽሩይ: ባህ ዜብል: ከምኡውን ዚሃንጽ ነበረ። እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ወትሩ ፍሽሑዋት እዮም ነይሮም። ነተን ኣብኡ ዘሕለፍክወን ሽዱሽተ ወርሒ ፈጺመ ኣይርስዐንን እየ። ካብኡ ኣብ ቤት⁠-​ትምህርቲ ጊልዓድ ክካፈል ጀመርኩ። ንሓሙሽተ ወርሒ ኸኣ ጽዑቕ መጽናዕቲ ገበርና: መምርሒታት እውን ተዋህበና። እቶም ሽዑ ተመሃሮ ዝነበርና ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍልጠት ክሳዕ ክንደይ ክቡርን ግሩምን ምዃኑ ተገንዘብና። እዚ ኸኣ ነቲ ህይወት ዚህብ ፍልጠት ንኻልኦት ሰባት ንምክፋል ዝነበረና ድሌት ኣጐሃሃሮ።

ፈለማ ሚስዮናዊት ኰይነ እተመደብኩላ ዓዲ

ናብቲ እተመደብናሉ ሃገራት ቅድሚ ምኻድና ኣብ ቤት⁠-​ትምህርቲ ጊልዓድ መገላግልትና ኽንመርጽ ንኽእል ነበርና። ሩት ሄሚግ (ሕጂ ሩት ቦስሃርት) እትበሃል ንፍዕቲ ሓብቲ ኸኣ መገላግልተይ ኰነት። ኣነን ሩትን ናብታ ንእስያን ኣውሮጳን እተራኽብ ኢስታንቡል: ቱርኪ ብምምዳብና ኣዚና ተሓጐስና። ዋላኳ ኣብታ ሃገር ዕዮ ስብከት ከም ዘይተፈቕደ ንፈልጥ እንተ ነበርና: የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ግን ርግጸኛታት ነበርና።

ኢስታንቡል እተፈላለዩ ህዝቢ ዚነብሩላ ጽብቕቲ ኸተማ እያ። ኣብታ ኸተማ ኸኣ ብዙሕ ባዛር: ካብ ዓለም እቲ ዝመቀረ ምግብታት: ዜደንቕ ኣብያተ⁠-​መዘክር: ምጭዋት ነበርቲ: ከምኡውን ወትሩ ትርኢቱ ዚማርኽ ባሕሪ ኣሎ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪመሃሩ ዚደልዩ ቕኑዓት ሰባት ረኸብና። ካብቶም ኣብ ኢስታንቡል ዝነበሩ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣርመናውያን: ግሪኻውያን: ከምኡውን ኣይሁዳውያን ይርከብዎም። ይኹን እምበር: ምስቶም እተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ምእንቲ ኽንዘራረብ ቱርክኛን ካልእ ቋንቋታትን ክንፈልጥ ነበረና። ንሓቂ ዚጸምኡ እተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ምርካብና ኣዝዩ ኣሐጐሰና። ካብዚኣቶም ብዙሓት ሎሚ እውን ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግሉ ኣለዉ።

እቲ ዜሕዝን ግን ሩት ናይ መንበሪ ፍቓድ ከተሐድስ ስለ ዘይከኣለት: ካብቲ ዓዲ ኽትወጽእ ነበራ። ናብ ስዊዘርላንድ ከይዳ ኸኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎታ ቐጸለት። ሕጂ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እውን እንተዀነ ነቲ ምስኣ ዘሕለፍክዎ ባህ ዜብልን ዚሃንጽን ግዜ እናፍቖ እየ።

ናብ ካልእ ንፍቀ⁠-​ኽቢ ተጐዓዝኩ

ብ1963 ኣብ ቱርኪ ናይ መንበሪ ፍቓደይ ኣይተሓደሰን። ነቶም ምስ ብዙሕ ጸገማት እናተቓለሱ ኽነሶም ብመንፈስ ዕቤት ኪገብሩ ዝረኣኽዎም ክርስትያን ኣሕዋተይ ገዲፈ ምኻድ ኣዝዩ እዩ ኸቢዱኒ። ኣዝማደይ ምእንቲ ኽጸናናዕ ኢሎም ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዚግበር ኣኼባ ንኽካፈል ናይ መጓዓዝያ ኸፈሉለይ። ሽዑ ናብ ካልእ ቦታ ገና ኣይተመደብኩን ነይረ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ ናብ ሊማ: ፐሩ ክኸይድ ተመደብኩ። ምስታ መገላግልተይ ክትኰነኒ እተመደበት መንእሰይ ካብ ኒው ዮርክ ብቐጥታ ናብቲ ሓድሽ እተመደብናሉ ቦታ ኸድና። ስጳንኛ ተመሃርኩ: ኣብቲ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ መንበሪ ሚስዮናውያን ከኣ እነብር ነበርኩ። ኣብኡ ምስባኽን ነቶም ነበርቲ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ምፍላጥን ኣዝዩ ባህ ዜብል ነበረ።

ካልእ ምደባን ካልእ ቋንቋን

ድሕሪ ገለ ግዜ እቶም ኣብ ግሪኽ ዚነብሩ ኣዝማደይ እርጋን ዜምጽኦ ሳዕቤናትን ናይ ጥዕና ጸገማትን ኬጋጥሞም ጀመረ። ኰይኑ ግን: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎተይ ኣቋሪጸ ንዕኦም ክድግፎም ፈጺሞም ሓቲቶምኒ ኣይፈልጡን። ኣነ ግን ነቲ ጕዳይ ኣጸቢቐ ምስ ሓሰብኩሉን ምስ ጸለኹሉን ኣብቲ እቶም ኣዝማደይ ዘለውዎ ዝቐረበ ቦታ ዀይነ ኸገልግል ወሰንኩ። እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት ድማ በዚ ተሰማሚዖም ናብ ኢጣልያ መደቡኒ። ኣዝማደይ ድማ ነቲ ንምግዓዝ ዜድልየኒ ወጻኢታት ሸፈንዎ። ከም ሓቂ ድማ ኣብ ኢጣልያ ወንጌላውያን የድልዩ ነበሩ።

ከም ብሓድሽ ካልእ ቋንቋ ኽመሃር ነበረኒ። እዚ ኸኣ ጥልያንኛ ነበረ። መጀመርታ ኣብ ከተማ ፎጃ ተመደብኩ። ደሓር ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኔፕልስ ተቐየርኩ። እቲ ፖሲሊፖ ዚበሃል ኣብ ኔፕልስ ዚርከብ ዚምስጥ ከባቢ ዞባይ ነበረ። ሓደ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ዚርከበሉ ሰፊሕ ዞባ ኸኣ እዩ ነይሩ። በቲ ዕዮ ኣዝየ ሕጕስቲ ነበርኩ: የሆዋ እውን ብዙሓት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሓሎም ሰባት ንኽረክብ ሓጊዙኒ እዩ። ድሕሪ ግዜ ኣብቲ ኸባቢ ሓንቲ ዓባይ ጉባኤ ቘመት።

ፈለማ ነበርቲ እቲ ዓዲ ንዝዀና ሓንቲ ኣደን ኣርባዕተ ደቃን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መራሕኩለን። ንሳን ክልተ ደቃን ክሳዕ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየን። ብተወሳኺ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ንዘላቶም ሰብ ሓዳር እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሐሎም እየ። ብምሉኦም ኣባላት እታ ስድራ​ቤት ኣብ ሓቂ ዕቤት ገይሮም: ህይወቶም ብምውፋይ ተጠምቁ። ሕጂ እታ ጓሎም ንሓደ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ተመርዕያ ኣላ: ክልቲኦም ከኣ ብቕንኣት ንኣምላኽ የገልግልዎ ኣለዉ። ምስ ሓንቲ ዓባይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝገበርኩሉ እዋን ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ርእየ እየ። ሓደ እዋን ኣምላኽ ኣብ ኣምልኾ ምስሊ ምጥቃም ከም ዘይድግፎ ዜርኢ ጥቕስታት እናንበብና ኸለና: እታ ኣደ መጽናዕትና ኽሳዕ ንውድእ እኳ ኸይተጸበየት ብድድ ኢላ ንዅሉ እቲ ኣብ ገዝኣ ዝነበረ ምስልታት ኣወገደቶ።

ኣብ ባሕሪ ዘጋጠመኒ ሓደጋ

ካብ ግሪኽ ናብ ኢጣልያ ብመርከብ እየ ዝመላለስ ነይረ። እቲ ጕዕዞ ወትሩ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን: ኣብ ክረምቲ 1971 እተፈልየ ዅነታት ኣጋጠመኒ። ሄልያና ብእትበሃል መርከብ ናብ ኢጣልያ እየ ዝምለስ ነይረ። ንግሆ 28 ነሓሰ ኻብ ኽሽነ እታ መርከብ ባርዕ ተላዕለ። እቲ ሓዊ ኺላባዕ ስለ ዝጀመረ እቶም ተጐዓዝቲ ብፍርሂ ረዓዱ። ኣንስቲ ሃለዋተን ኣጥፍኣ: ቈልዑ ይበኽዩ: ከምኡውን ሰብኡት ያዕያዕ ይብሉ ነበሩ። ኵሉ ሰብ ናብቲ ንግዜ ሓደጋ ተባሂለን እተዳለዋ ጃላቡ ንምእታው ናብ የማነ⁠-​ጸጋም ሸነኽ እታ መርከብ ጐየየ። እንተዀነ ግን: እኹል መንሳፈፊ ጃኬት ኣይነበረን እንደገና ኸኣ እቲ ነተን ጀላቡ ናብቲ ባሕሪ ዜውርደን መሳሪሒ ምስራሕ ኣበየ። መንሳፈፊ እኳ እንተ ዘይነበረኒ: እቲ ሓዊ እናገደደ ስለ ዝመጸ: ናብቲ ባሕሪ ዘሊለ ኽኣቱ ነበረኒ።

ልክዕ ናብቲ ባሕሪ ምስ ኣተኹ: ኣብ ጥቓይ ዝነበረት ሰበይቲ መንሳፈፊ ጃኬት ከም ዝገበረት ረኣኹ። ምሕንባስ እትኽእል ኣይትመስልን እያ ነይራ: ስለዚ ብኢዳ ጐቲተ ኻብታ እትጥሕል ዝነበረት መርከብ ኣልገስክዋ። እቲ ባሕሪ ብሓይሊ ይናወጽ ስለ ዝነበረ: እቲ ንምንስፋፍ ዝገብሮ ዝነበርኩ ቓልሲ ኣድከመኒ። እቲ ዅነታት ተስፋ ዘለዎ ኣይመስልን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ከበርትዓኒ ንየሆዋ ተማሕጸንክዎ: እዚ ድማ ሓይሊ ሃበኒ። እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ተሳፊሩላ ዝነበረ መርከብ ብዛዕባ ዘጋጠማ መስበርቲ ዚገልጽ ጸብጻብ ትዝ በለኒ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 27

ነታ ሰበይቲ ሒዘ ሓይሊ ኽረክብ ከለኹ እናሓምበስኩ ንኺሕግዘኒ ድማ ናብ የሆዋ እናጸለኹ ነርባዕተ ሰዓት ምስቲ ጸፍዒ ተቓለስኩ። ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ጃልባ ናባና ገጻ ኽትመጽእ ረኣኹዋ። ኣነ ናብታ ጃልባ ኣተኹ: እታ ምሳይ ዝነበረት ሰበይቲ ግን ድሮ ሞይታ ነበረት። ኣብ ከተማ ባሪ: ኢጣልያ ምስ በጻሕና: ክሕከም ናብ ሆስፒታል ኣተኹ። ኣብተን ኣብኡ ዝጸናሕኩለን ሒደት መዓልትታት ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር በጺሖምኒ: ዜድልየኒ ዅሉ ድማ ኣማሊኦሙለይ እዮም። እቲ ክርስትያናዊ ፍቕሮም ንብዙሓት ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበሩ ሰባት ኣገረሞም። b

ምሉእ ብምሉእ ምስ ሓወኹ: ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ኣብ ዚርከብ ናይ ንግዲ ቦታታት ከገልግል ተመደብኩ። ብሓገዝ የሆዋ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብኡ ኣገልጊለ እየ። በተን ኣብ ኢጣልያ ዝጸናሕኩለን 20 ዓመት ነቲ ኣገልግሎትን ነቶም ህዝብን ፈተኽዎም።

ናብቲ ዝጀመርኩሉ ተመለስኩ

ድሕሪ ግዜ ኣርያድንን ሰብኣያን ጥዕናኦም እናተበላሸወ ኸደ። ነቲ ዜርኣዩኒ ለውሃት ቍሩብ ውሬታ እኳ እንተ መለስኩ ኢለ ኣብ ጥቓኦም ንኽነብር ወሰንኩ። ብርግጽ ካብ ኢጣልያ ምውጻአይ ኣጕሂዩኒ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ስለ ዝፈቐዱለይ: ካብ ክረምቲ 1985 ኣትሒዘ ኣብታ ብ1947 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጀመርኩላ ኣቴንስ ፓይነር ኰይነ አገልግል ኣሎኹ።

ኣብቲ ናይ ጉባኤና ዞባ ኽሰብኽ ጀመርኩ: ነቶም ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘለዉ ኣሕዋት ሓቲተ ድማ ኣብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ዚርከብ ናይ ንግዲ ቦታ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣብኡ ምስ ሓንቲ ፓይነር ዝዀነት መገላግልተይ ንሰለስተ ዓመት ኣገልጊለ እየ። በዚ ኸኣ ነቶም ኣብ መንበሪኦም ዘይርከቡ ሰባት ክንሰብኽ ከኣልና።

ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን: ዋላኳ ንምግልጋል ዘሎኒ ባህጊ እናተሓደሰ እንተ ኸደ: ሓይለይ ግን ደኺሙ እዩ። ሕጂ ሰብኣይ ሓብተይ ሞይቱ: እታ ኸም ኣደ ዀይና ዘዕበየትኒ ኣርያድን ከኣ ኣዒንታ ዓዊራ። ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይነ ዘገልገልኩሉ እዋን: ጥዕናይ ምሉእ ነበረ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ግን ካብ ብእምነ⁠-​በረድ እተሰርሐ መደያይቦ ወዲቐ የማነይቲ ኢደይ ተሰበርኩ። ጸኒሐ ኸኣ እንደገና ወዲቐ ጎሎይ ስለ እተሰብረ መጥባሕቲ ተገይሩለይ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዓራት ደቀስኩ። ሕጂ ኸም ልበይ ክንቀሳቐስ ኣይክእልን እየ። ሰብ እናሰነየኒ ምርኩስ ገይረ እንተ ዘይኰይኑ: በይነይ ክዛወር ኣይክእልን እየ። ይኹን እምበር: ጥዕናይ ንኽመሓየሽ እናተመነኹ ዝከኣለኒ እየ ዚገብር። ኣብቲ ዕዮ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተወሰነ መጠን ምስታፈይ የሐጕሰንን የዕግበንን እዩ።

ነቲ ኣብ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍክዎ ዓመታት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ: ንየሆዋ ኻብ ልበይ እየ ዘመስግኖ። ንሱን ምድራዊት ክፍሊ ማሕበሩን ኣብ ኣገልግሎተይ ዚከኣለኒ ዅሉ ንኽገብር ዜኽእለኒ ዜተኣማምን መምርሒታትን ድጋፍን ሂቦምኒ እዮም። የሆዋ ኣብ ኣገልግሎቱ ንክቕጽል ሓይሊ ኺህበኒ ድማ እምነ። ኣብቲ ንሱ ዚመርሖ ዓለምለኻዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተወሰነ መጠን እጃመይ ብምብርካተይ ሕጕስቲ እየ።​—⁠ሚልክያስ 3:10

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናይ 1995 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገጽ 73-89 (እንግሊዝኛ) ርአ።

b ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብ ናይ 8 ለካቲት 1972 ንቕሑ! ገጽ 12-16 (እንግሊዝኛ) ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ናብ ጊልዓድ ንምኻድ ክነቅል ከለኹ ምስ ኣርያድን ሓብተይን ምስ ሚካሊስ ሰብኣያን እተሰኣልክዎ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣነን ሩት ሄሚግን ናብ ኢስታንቡል: ቱርኪ ተመደብና

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መጀመርታ 1970ታት ኣብ ኢጣልያ እተሰኣልክዎ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ምስ ኣርያድን ሓብተይ