ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም”

“እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም”

“እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም”

መብዛሕትኡ እዋን ኣዕዋፍ: ንግሆ ተንሲአን ጩቚ​ጩቚ ድሕሪ ምባል ምግቢ ንምድላይ ይነፍራ። ምስ መሰየ ድማ ናብ ስፍራአን ተመሊሰን እንደገና ጩቚጩቝ ኢለን ይድቅሳ። ኣብ እተወሰነ እዋን ከኣ ተዋሲበን እንቋቝሖ ብምውላድ ደቀን የዕብያ። ካልኦት እንስሳታት እውን ተመሳሳሊ ዓይነት ናብራ እዩ ዘለዎም።

ንሕና ደቅሰብ ግን እተፈለና ኢና። ልክዕ እዩ ንበልዕ: ንድቅስ: ከምኡውን ንዋለድ ኢና። እንተዀነ ግን: በዚ ጥራይ ኣይንዓግብን። ስለምንታይ ከም እተፈጠርና ኽንፈልጥን ትርጕም ዘለዎ ናብራ ኽንነብርን ንደሊ። ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ኺህልወና እውን ንብህግ። እዚ ዕሙቝ ዝበለ ድሌት እዚ ነቲ ኣብ ሰባት ጥራይ ዚርከብ መንፈሳዊ ነገራት ናይ ምድላይ ባህሪ እዩ ዜጕልሕ።

ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጠርና

መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ስለምንታይ መንፈሳዊ ነገር ከም ዚደልዩ ኺገልጽ ከሎ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም” ይብል። (ዘፍጥረት 1:27) “ብመልክዕ ኣምላኽ” ስለ እተፈጠርና: ዋላኳ ሓጢኣተኛታትን ዘይፍጹማትን ንኹን ንገለ ኻብቲ ባህ​ርያት ኣምላኽ ከነንጸባርቕ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 5:12) ንኣብነት: ናይ ምምሃዝ ክእለትን እተወሰነ ጥበብን ኣሎና: ፍትሒ ንደሊ: ከምኡውን ኣብ ንሓድሕድና ጥቕሚ ርእሲ እትስውእ ፍቕሪ ነርኢ። ብዛዕባ ዝሓለፈ ኽንዝክር: ንመጻኢ ድማ መደብ ከነውጽእ እውን ንኽእል ኢና።​—⁠ምሳሌ 4:​7፣ መክብብ 3:1, 11፣ ሚክያስ 6:​8፣ ዮሃንስ 13:​34፣ 1 ዮሃንስ 4:8

መንፈሳውነትና: ኣብቲ ንኣምላኽ ንምምላኽ ዘሎና ባህርያዊ ባህጊ እዩ ዚርአ። ነቲ ምስ ፈጣሪና ጽቡቕ ዝምድና ንምምስራት ዘሎና ድሌት ብግቡእ እንተ ዘየማሊእና: ናይ ሓቅን ነባርን ሓጐስ ኣይንረክብን ኢና። የሱስ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:3 NW) ይኹን እምበር: ነዚ ዜድልየና ነገራት እዚ ብመንፈሳዊ ሓቂ: ማለት ብዛዕባ ኣምላኽን ሕግታቱን ንደቅ​ሰብ ዘለዎ ዕላማን ብምፍላጥ ከነማልኦ ኣሎና። ነዚ መንፈሳዊ ሓቂ ግን ካበይ ኢና ኽንረኽቦ እንኽእል፧ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንረኽቦ።

“ቃልካ ሓቂ እዩ”

ሃዋርያ ጳውሎስ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ . . . ይጠቅም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እዚ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ቓላት ምስቲ የሱስ ናብ ኣምላኽ ኪጽሊ ኸሎ: “ቃልካ ሓቂ እዩ” ዝበሎ ዚሰማማዕ እዩ። ንሕናውን እቲ ቓል ተባሂሉ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ: እምነትናን እንስዕቦ ስርዓታትን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ኽንምርምር ኣሎና።​—⁠ዮሃንስ 17:17

ንእምነትና ብቓል ኣምላኽ ጌርና ምስ እንምርምሮ: ከምቶም ንትምህርትታት ጳውሎስ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ ዝመርመሩ ጥንታዎት ሰብ ቤርያ ኢና እንኸውን። ሉቃስ ንሰብ ቤርያ ኸምዚ ብምግባሮም ኣይነቐፎምን። ኣብ ክንዳኡስ: “ንሳቶም፤ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ: ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ” ብምባል ነኣዶም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ኣብዚ ግዜና ኣብ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሃይማኖታውን ስነ⁠-​ምግባራውን ትምህርትታት በዚሑ ስለ ዘሎ: ኣብነት እቶም ለባማት ዝነበሩ ቤርያውያን ምስዓብና ኣገዳሲ እዩ።

ነቲ መንፈሳዊ ሓቂ እነለልየሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ህይወት ሰባት ብኸመይ ጽልዋ ኸም ዜሕደረ ብምርኣይ እዩ። (ማቴዎስ 7:​17) ንኣብነት: ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተሰማሚዑ ዚነብር ሓደ ሰብ ዝበለጸ ብዓል ሓዳር: ዝበለጸ ኣቦ ኪኸውን ኣለዎ፣ ወይ ከኣ ሰበይቲ እንተ ዀይና ዝበለጸት ብዓልቲ ሓዳር: ዝበለጸት ኣደ ኽትከውን ኣለዋ። እዚ ኸኣ ነታ ስድራ​ቤት ሓጐስ: ነቲ ሰብ ከኣ ዕግበት ይውስኸሉ። የሱስ “ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም” በለ።​—⁠ሉቃስ 11:28

እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ነቶም ጥንታዎት እስራኤላውያን “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ: ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ” ብምባል እተዛረቦ እዩ ዜዘኻኽረና። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ሰናይን ጽድቅን ዚፈትዉ ዘበሉ ዅሎም ብዘ⁠ይ ጥርጥር በዚ ጻውዒት እዚ ይስሓቡ እዮም።

ገሊኣቶም ‘ኣእዛኖም ዜሳሕዮም’ ነገር እዮም ዚመርጹ

ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ልባዊ ጻውዒት ዘቕረበሉ ምኽንያት ብሃይማኖታዊ ሓሶት ይታለሉ ስለ ዝነበሩ እዩ። (መዝሙር 106:35-40) ንሕናውን እንተዀንና ብሓሶት ከይንታለል ክንጥንቀቕ ኣሎና። ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ክርስትያን ኢና ዚብሉ ሰባት “ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ: ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር: ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ: ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ . . . እዮም” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4

መራሕቲ ሃይማኖት ከም ካብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ: ግብረ⁠-​ሶዶም: ስኽራን ዝኣመሰለ ሕማቕ ተግባራት ሸለል ብምባል ነቶም ህዝቢ ዜሐጕሶም ወይ ነእዛኖም ዜሳሕዮም ነገር ይገብሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ዚሰምሩ ዀኑ ዚገብሩ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ብንጹር ይገልጽ።​—⁠1 ቈረንቶስ 6:​9,​10፣ ሮሜ 1:​24-32

ሓቂ እዩ: ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢርካ ምንባር: ብፍላይ ከኣ ኣደዳ ላግጺ ምስ እትኸውን: ትብዓት ዚሓትት እዩ። እንተዀነ ግን: ፈጺሙ ዘይከኣል ኣይኰነን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅድሚ ምዃኖም ብዙሓት ውልቀ ሰባት ብሓሽሽ እተወለፉ: ሰካራት: ኣመንዝራታት: ተባኣስቲ: ሰረቕቲ: ከምኡውን ሓሰውቲ ዝነበሩ ኣለዉ። እቲ ዜገርም ግን ብመጽናዕቲ ቓል ኣምላኽን ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስን ኣብ ህይወቶም ለውጢ ገይሮም ንየሆዋ ‘ብቑዓት ኰይኖም ይመላለሱ’ ኣለዉ። (ቈሎሴ 1:9, 10፣ 1 ቈረንቶስ 6:11) ቀጺልና ኸም እንርእዮ ምስ ኣምላኽ ሰላም ብምግባሮም: ውሽጣዊ ሰላምን ናይ ሓቂ ተስፋን ረኺቦም እዮም።

ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዙዛት ደቅሰብ ነባሪ ሰላም ከም ዚረኽቡ ዚህቦ ተስፋ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ እዩ ዚፍጸም። የሱስ ኣብታ ኣብነት እትኸውን ጸሎት “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” በለ። (ማቴዎስ 6:10) እወ: መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ እትፍጽም። ስለምንታይ ኢና ግን ከምዚ እንብል፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ በዛ ብየሱስ ክርስቶስ እትመሓደር ሰማያዊት መንግስቲ ኣቢሉ ኣብ ምድሪ ልዑላውነቱ ስለ ዜረጋግጽ እዩ።​—⁠መዝሙር 2:7-12፣ ዳንኤል 7:13, 14

የሱስ ክርስቶስ ንጉስ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኸም ምዃኑ መጠን ንእዙዛት ሰባት ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ባርነት: እንተላይ ካብ ሓጢኣት ኣዳምን ካብቲ እዚ ዜስዕቦ ሕማምን ሞትን ሓራ ኼውጽኦም እዩ። ኣብ ራእይ 21:3, 4 “እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ . . . ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ይብል።

ነባሪ ሰላም ኣብ መላእ ምድሪ ኺሰፍን እዩ። ስለምንታይ ኢና ግን ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ መልሱ ኣብ ኢሳይያስ 11:9 “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ” ብምባል ተገሊጹ ኣሎ። እወ: ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ኣምላኽ ቅኑዕ ፍልጠት ኪህልዎ እዩ: ንኣምላኽ ድማ ኪእዘዞ እዩ። እዝስ ንልብኻ ባህ ዜብልዶ ኸይኰነ፧ እዚ ንልብኻ ባህ እንተ ኣቢልዎ: ነቲ ኽቡር ዝዀነ “ፍልጠት እግዚኣብሄር” ካብ ሕጂ ተምሃር።

መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ትሰምዕ ዲኻ፧

ኣምላኽ በታ መንግስቱ ኣቢሉ ንዅሉ ግብርታት ሰይጣን ኣጥፊኡ ንሰባት ነቲ ጽድቃዊ መገድታቱ ኺምህሮም እዩ። ስለዚ እምበኣር ትምህርትታት የሱስ ኣብዛ መንግስቲ እዚኣ የተኵር ምንባሩ ኣየገርምን እዩ። ንሱ ድማ “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ: ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” በለ። (ሉቃስ 4:43) ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ እውን ነዚ መልእኽቲ እዚ ንኻልኦት ኪነግሩ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ብምባል ከኣ ተነበየ። (ማቴዎስ 24:14) እቲ መወዳእታ እቲ ኣመና ይቐርብ እዩ ዘሎ። እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነዚ ህይወት ዜድሕን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስማዖምሲ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!

ኣብዛ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ኣልበርት: ሰበይቱን ወዱን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመሩ እዩ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰምዐ። ፈለማ ተጠራጠረ። ንሓደ ኣብ ከባቢኦም ዚነብር ቀሺ ድማ ንሰበይቱን ንወዱን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓሰውቲ ምዃኖም ኬእምነሉ ሓተቶ። እቲ ቐሺ ግን ኣብቲ ጕዳይ ምእታው ኣበየ። ስለዚ: ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምይይጥ ዚግበረሉ እዋን ምሳታቶም ኰይኑ ኺሰምዕ እሞ ነቲ ጌጋ ባዕሉ ኺረኽቦ ወሰነ። ሓንሳእ ኣብቲ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክፋሉ ግን: ዝያዳ ኺመሃር ስለ ዝደለየ ንሱውን ኣብቲ መጽናዕቲ ኺካፈል ጀመረ። ስለምንታይ ኣረኣእያኡ ኸም ዝቐየረ ኺገልጽ ከሎ: “ነዚ እየ ንነዊሕ እዋን ዚደልዮ ዝነበርኩ” በለ።

ኣብ መወዳእታ: ኣልበርት ብመንፈስ ዜድልዮ ነገራት ኬማልእ ጀመረ። ፈጺሙ ኸኣ ኣይተጣዕሰን። ነቲ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዚደልዮ ዝነበረ ኣብ ማሕበረሰብ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዘይፍትሓውነትን ብልሽውናን ዚፍትሓሉ መገድን ናይ መጻኢ ተስፋን ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ረኸቦ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ውሽጣዊ ሰላም ኣምጸኣሉ። ንስኻኸ እቲ ብመንፈስ ዜድልየካ ነገራት ይማላኣልካዶ ኣሎ፧ ስለምንታይ እሞ ነተን ኣብ ገጽ 6 ኣብ እትርከብ ሳጹን ዚርከባ ሕቶታት ዘይተንብበን፧ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጕሶም ኪሕግዙኻ እዮም።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

እቲ ብመንፈስ ዜድልየካ ነገራት ይማላኣልካዶ ኣሎ፧

በቲ እትረኽቦ መንፈሳዊ ምግቢ ትዓግብ ዲኻ፧ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ኣንብቦ እሞ ኻብኡ ነቲ መልሱ ብትኽክል እትፈልጦ ሕቶታት ምልክት ግበረሉ።

ኣምላኽ መን እዩ፧ ስሙኸ መን እዩ፧

የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧ ስለምንታይ እዩ ሞይቱ፧ ሙማቱኸ ንዓኻ ብኸመይ ይጠቕመካ፧

ድያብሎስ ኣሎ ድዩ፧ እንተሎኸ ኻበይ እዩ መጺኡ፧

ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

ኣምላኽ ንምድርን ንደቅ​ሰብን ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ኣምላኽ ብስነ⁠-​ምግባር ዝመጸ እንታይ ስርዓታት እዩ ዘለዎ፧

ኣብ ስድራ​ቤት: ኣምላኽ ንሰብኣይን ንሰበይትን ዝሰርዖ ስርዓት እንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ ኣብ ስድራ​ቤት ሓጐስ ንምርካብ ዜኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ: ቅዳሕ እታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ክትለኣኸልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሓትመት ብሮሹር እዚኣ ዳርጋ ብ300 ቋንቋታት እተተርጐመት ኰይና 16 መሰረታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስትታት ኣለዋ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ሕቶታት ከኣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ትህብ እያ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ደቅሰብ ከም እንስሳ ስለ ዘይኰኑ: መንፈሳዊ ነገር ከም ዜድልዮም ይፈልጡ እዮም

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

‘ኣእዛኖም ኣስሕይዎም: ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እዮም።’​—⁠2 ጢሞቴዎስ 4:4

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ነባሪ ሰላም ከተምጽእ እያ