ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ነገስት ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ነገስት ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ነገስት ዚጐልሕ ነጥብታት

“ጻድቃን እንተ ዐመሩ: ህዝቢ ይሕጐስ: ረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና: ህዝቢ የስቈርቍር።” (ምሳሌ 29:2) ቀዳማይ መጽሓፍ ነገስት ንሓቅነት እዚ ምስላ እዚ ብንጹር እያ እትገልጾ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ታሪኽ ህይወት ሰሎሞን ትገልጽ። ብግዜ ንግስነት ሰሎሞን: እስራኤል ብዙሕ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና እያ ነይራ። ብዘ⁠ይካዚውን: ቀዳማይ መጽሓፍ ነገስት ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞት ሰሎሞን እታ ሃገር ኣብ ክልተ እተመቕለትሉ ጸብጻብ ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ድሕሪኡ ገሊኦም ኣብ እስራኤል ገሊኦም ከኣ ኣብ ይሁዳ ዝነገሱ 14 ነገስታት ትትርኽ። ካብዚኣቶም ክልተ ነገስታት ጥራይ እዮም ንየሆዋ ብተኣማንነት ጸኒዖም ዘገልገሉ። ኣብ ርእሲ እዚውን እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ንጥፈታት ሽዱሽተ ነብያት ተዘንቱ: ሓደ ኻባታቶም ኤልያስ ነበረ።

ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ነብዪ ኤርምያስ እዩ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ኰይኑ ዝጸሓፋ። እቲ ዛንታ ኸኣ 129 ዓመት: ማለት ካብ 1040 ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ 911 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ዘሎ ግዜ ዚሽፍን እዩ። ኤርምያስ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኺጽሕፋ ኸሎ: ከም “መጽሓፍ ዛንታ ሰሎሞን” ዝኣመሰለ ጥንታዊ መዛግብቲ ተወኪሱ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ መዛግብቲ እዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣይርከብን እዩ።​—⁠1 ነገስት 11:41፣ 14:19፣ 15:7

ጥበበኛ ንጉስ ሰላምን ብልጽግናን የምጽእ

(1 ነገስት 1:1–11:43)

ቀዳማይ መጽሓፍ ነገስት: ኣዶንያ ወዲ ንጉስ ዳዊት ንንግስና ኣቦኡ ኺምንዝዕ ከም ዝፈተነ ብዚገልጽ ዚምስጥ ዛንታ እያ እትጅምር። ነብዪ ናታን ዝወሰዶ ቕልጡፍ ስጕምቲ ነቲ ውጥን ኣፍሸሎ: ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ከኣ ንጉስ ኰነ። የሆዋ በቲ እቲ ሓድሽ ንጉስ ዝለመኖ ለመና ስለ እተሓጐሰ: “ብልህን ኣስተውዓልን ልቢ” ከምኡውን “ሃብትን ክብረትን” ሃቦ። (1 ነገስት 3:12, 13) ጥበብ እቲ ንጉስ መዳርግቲ ኣይነበሮን: ሃብቱ እውን መወዳድርቲ ኣይነበሮን። እስራኤል ሰላምን ብልጽግናን ረኺባ ነበረት።

ካብቲ ሰሎሞን ዝዓመሞ ህንጸት: ቤተ መቕደስ የሆዋን እተፈላለየ ህንጻታት መንግስትን ይርከቦ። የሆዋ ንሰሎሞን እዙዝ ኰይኑ እንተ ቐጺሉ: “ንዝፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዖ እየ” ብምባል መብጽዓ ኣተወሉ። (1 ነገስት 9:4, 5) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነቲ ዘይተኣዛዝነት ዜምጽኦ ሳዕቤን እውን ኣጠንቀቖ። ሰሎሞን ግን ጓኖት ኣንስቲ ኣብዝሐ። ንሳተን ከኣ ብግዜ እርግናኡ ናብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣዘንበላኦ። የሆዋ እታ መንግስቲ ኽትምቀል ምዃና ተነበየ። ብ997 ቅ.ኣ.ዘ. ሰሎሞን ን40 ዓመት ድሕሪ ምንጋስ ሞተ። ሮብዓም ወዱ ድማ ኣብ ዝፋን ደየበ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:5​—⁠ዳዊት ገና ብህይወቱ ኸሎ: ኣዶንያ ኣብ ዝፋን ኪድይብ ዝፈተነ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ናይዚ ምኽንያት ኣይገልጸልናን እዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ምዕባይ ኣዶንያ ዝነበሩ ኣምኖንን ኣቤሴሎምን ሞይቶም ስለ ዝነበሩ: ኪልኣብ ወዲ ዳዊት እውን ሞይቱ ነይሩ ኪኸውን ስለ ዚኽእል: ኣዶንያ ኻብቶም ዝተረፉ እቲ ዝዓበየ ብምንባሩ እቲ ዝፋን ዚብጽሖ ገይሩ ሓሲቡ ይኸውን። (2 ሳሙኤል 3:2-4፣ 13:28, 29፣ 18:14-17) ካብቲ ሓያል ሓለቓ ሰራዊት ዝነበረ ዮኣብን ካብቲ ዓብዪ ጽልዋ ዝነበሮ ኣብያታር እቲ ሊቀ ኻህናትን ደገፍ ብምርካቡ: እቲ ፈተነኡ ኸም ዚዕወት ተኣማሚኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዳዊት ንሰሎሞን ዝፋኑ ኼውርሶ ኸም ዝሓሰበ ኣዶንያ ይፍለጥ ኣይፍለጥ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። እንተዀነ ግን: ኣዶንያ ንሰሎሞንን ንኻልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ዳዊትን ናብቲ ‘ሕሩድ’ ኣይጸውዖምን። (1 ነገስት 1:9, 10) እዚ ኸኣ ንሰሎሞን ከም መጻርድቲ ገይሩ ኸም ዝረኣዮ ይሕብር።

1:49-53፣ 2:13-25​—⁠ሰሎሞን ንኣዶንያ ድሕሪ ምምሓሩ ዝቐተሎ ስለምንታይ እዩ፧ ኣዶንያ: ኣቢሳግ ሰበይቱ ኽትኰኖ ዘቕረቦ ሕቶ ኻብ ምንታይ እተበገሰ ምዃኑ ባትሴባ እኳ እንተ ዘይተረድኣ: ሰሎሞን ግን ፈሊጥዎ እዩ። ዳዊት ምስታ መልክዐኛ ዝነበረት ኣቢሳግ ጾታዊ ርክብ እኳ እንተ ዘይገበረ: ከም ሰበይቲ ወሰኑ ጌርካ ትርአ ነበረት። ብመሰረት ልምዲ እቲ ግዜ እቲ ኸኣ እቲ ሕጋዊ ወራሲ ንግስና እዩ ሰበይቱ ኽትኰኖ ኺወስዳ ዚኽእል። ኣዶንያ ንኣቢሳግ ሰበይቱ ኽትኰኖ ብምውሳድ: እንደገና ነቲ ዝፋን ኪምንዝዕ ሓሲቡ ነይሩ ይኸውን። ሰሎሞን ነቲ ኣዶንያ ዘቕረቦ ሕቶ ብሰንኪ ህርፋን ንግስና ኸም ዝዀነ ገይሩ ብምውሳድ: ነቲ ምሕረቱ ሰረዞ።

6:37–8:2​—⁠እታ ቤተ መቕደስ መዓስ እያ ተመሪቓ፧ እታ ቤተ መቕደስ ኣብ ሳምነይቲ ወርሒ ብ1027 ቅ.ኣ.ዘ.: ማለት ኣብ መበል 11 ዓመት ንግስና ሰሎሞን እያ ተዛዚማ። ኣብ ውሽጣ ዚቕመጥ ኣቝሑን ካልእ ምድላዋትን 11 ወርሒ ዝወሰደ እዩ ዚመስል። እቲ ስነ⁠-​ስርዓት ምረቓ ኣብ ሻውዓይቲ ወርሒ 1026 ቅ.ኣ.ዘ. እዩ ተገይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ኣብቲ ጸብጻብ እቲ ኣብ መንጎ እቲ እታ ቤተ መቕደስ እተዛዘመትሉን ስነ⁠-​ስርዓት ምረቓ እተገብረሉን ካልእ ዕዮ ህንጸት ተገሊጹ ምህላዉ: ብዛዕባ ዕዮ ህንጸት ሓፈሻዊ መግለጺ እዩ ዚህብ ነይሩ።​—⁠2 ዜና መዋእል 5:1-3

9:10-13​—⁠ሰሎሞን ንሒራም ንጉስ ጢሮስ ኣብ ምድሪ ገሊላ 20 ኸተማታት ምሃቡ: ምስ ሕጊ ሙሴ ዚሰማማዕ ድዩ፧ እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 25:23, 24 ተጠቒሱ ዘሎ ሕጊ ነቲ ብእስራኤላውያን እተታሕዘ ኸባቢታት ጥራይ ከም ዜመልክት ጌርካ ተወሲዱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እተን ሰሎሞን ንሒራም ዝሃቦ ኸተማታት ኣብ ውሽጢ እታ ምድሪ ተስፋ ዚርከባ እኳ እንተዀና: እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት ዚነብሩለን ኪዀና ይኽእላ እየን። (ዘጸኣት 23:31) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ሰሎሞን ከምቲ ‘ኣፍራስ ብምብዛሕን’ ብዙሓት ኣንስቲ ብምእታውን ነቲ ሕጊ ዝጠሓሰ: እዚውን ምስቲ ሕጊ ተሰማሚዑ ይመላለስ ከም ዘይነበረ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘዳግም 17:16, 17) በዚ ዀነ በቲ ሒራም ነቲ ውህበት ኣይፈተዎን። ምናልባት እተን ከተማታት በቶም ኣረማውያን ተቐማጦአን ብዚግባእ ኣይተታሕዛን ይዀና: ወይ ኣብ ዘይምሹእ ቦታ ይርከባ ነይረን ይዀና።

11:4​—⁠ሰሎሞን ብሰንኪ እርጋን ኪርስዕ ብምጅማሩ ድዩ ኣብ ግዜ እርግናኡ ዘይእሙን ዝዀነ፧ እቲ ነገር ከምኡ ኣይመስልን እዩ። ሰሎሞን ኪነግስ ከሎ ንእሽቶ እዩ ነይሩ: ን40 ዓመት እውን እንተ ነገሰ ኣመና ኣይኣረገን። ኣብ ርእሲ እዚውን: ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኣይሓደጎን። የግዳስ: እምነት እዩ ሓናፊጹ ኪኸውን ዘለዎ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

2:26, 27, 35 ኵሉ እቲ የሆዋ እተነበዮ ፍጻሜኡ ይረክብ እዩ። እቲ ኻብ ዘርኢ ኤሊ ዝነበረ ኣብያታር ካብ ክህነቱ እተሳዕረሉ ዅነት: የሆዋ “ብዛዕባ ቤት ኤሊ ኣብ ሺሎ እተዛረቦ ቓል” እዩ ነይሩ። እቲ ኻብ ዘርኢ ፊንሃስ ዝዀነ ጻዶቕ ንኣብያታር ምትካኡ: ዘሁልቍ 25:10-13 ፍጻሜኣ ረኸበት።​—⁠ዘጸኣት 6:25፣ 1 ሳሙኤል 2:31፣ 3:12፣ 1 ዜና መዋእል 24:3

2:37, 41-46 ሓደ ሰብ ሕጊ ጥሒሱስ ከይተቐጽዐ ኺተርፍ ኢሉ ኺሓስብ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ኣተሓሳስባ ዀን እዩ! እቶም ደይ መደይ ኢሎም ካብታ ‘ናብ ህይወት እትወስድ ቀጣን መገዲ’ ዜላግሱ: እቲ ሕማቕ ውሳነኦም ዜምጽኣሎም ሳዕቤን ኪዓጽዱ እዮም።​—⁠ማቴዎስ 7:14

3:9, 12-14 የሆዋ ነቲ ባሮቱ ኣገልግሎቱ ንኺፍጽሙ ኢሎም ጥበብን ምስትውዓልን መምርሕን ደልዮም ካብ ልቦም ዚጽልይዎ ጸሎት ይምልሶ እዩ።​—⁠ያእቆብ 1:5

8:22-53 ሰሎሞን ነቲ ብዓል ብዙሕ ሳህልን መብጽዓኡ ዚፍጽምን ጸሎት ዚሰምዕን የሆዋ ኣምላኽ: ካብ ልቢ ብዝመነጨ ስምዒት እዩ ሞሳኡ ገሊጹሉ! ነቲ ሰሎሞን ኣብቲ ስነ⁠-​ስርዓት ምረቓ ዘቕረቦ ጸሎት ምስ እነስተንትነሉ: ነዝን ንኻልእ ባህርያት ኣምላኽን ዘሎና ሞሳ ንኸነዕምቝ ይሕግዘና።

11:9-14, 23, 26 ሰሎሞን ኣብ ግዜ እርግናኡ ዘይእዙዝ ምስ ኰነ: የሆዋ ተጻረርቲ ኣተንስኣሉ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ” በለ።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:5

11:30-40 ንጉስ ሰሎሞን ነቲ ኣሒያ ብዛዕባ የሮብዓም እተነበዮ ምስ ፈለጠ: ንየሮብዓም ኪቐትሎ ደለየ። እዚ ንጉስ እዝስ ካብቲ 40 ዓመት ይገብር ኣብ ኣዶንያን ካልኦት ኣለምቲ ውዲትን ሕነ ኸይፈዲ ርእሱ ብምግታእ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ተቐዪሩ! (1 ነገስት 1:50-53) ካብ የሆዋ ብምርሓቑ እዩ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ዝገበረ።

ሓድነት ዝነበራ መንግስቲ ተመቕለት

(1 ነገስት 12:1–22:53)

የሮብዓምን እቶም ህዝብን ናብ ንጉስ ሮብዓም መጹ: ነቲ ሰሎሞን ኣቦኡ ዘኽበደሎም ጾር ኬፍኵሰሎም ድማ ሓተትዎ። ሮብዓም ነቲ ዝሓተትዎ ኣብ ክንዲ ዚቕበሎም: ጾር ኬኽብደሎም ምዃኑ ተዛረቦም። እቶም ዓሰርተ ነገዳት ዓለዉ: ንየሮብዓም ድማ ኣንገስዎ። እታ መንግስቲ ተመቕለት። ሮብዓም ኣብታ ብነገድ ይሁዳን ብንያምን ዝቘመት ደቡባዊት መንግስቲ ኺገዝእ ከሎ: የሮብዓም ከኣ ኣብታ ብዓሰርተ ነገዳት ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ይገዝእ ነበረ።

የሮብዓም እቶም ህዝቢ ናብ የሩሳሌም ከይዶም ምእንቲ ኸየምልኹ ኢሉ: ክልተ ምራኹት ወርቂ ብምስራሕ: ነቲ ሓደ ኣብ ዳን: እቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ቤት⁠-​ኤል ገበሮ። ካብቶም ድሕሪ የሮብዓም ኣብ እስራኤል ዝነገሱ ነገስታት ናዳብ: ባዕሳ: ኤላ: ዚምሪ: ቲብኒ: ዖምሪ: ኣከኣብ: ኣሓዝያ ይርከብዎም። ኣብያም: ኣሳ: ዮሳፋጥ: ዮራም ከኣ ድሕሪ ሮብዓም ኣብ ይሁዳ ዝነገሱ እዮም። ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ከኣ ኣሒያ: ሸማዕያ: ስሙ ዘይተጠቕሰ ናይ ኣምላኽ ሰብ: የሁ: ኤልያስ: ከምኡውን ሚክያስ ነብያት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

18:21​—⁠ኤልያስ ነቶም ህዝቢ ኻብ የሆዋ ወይ ካብ በዓል ሓዲኡ ኺስዕቡ ምስ ተዛረቦም: ሓንቲ ቓል ዘይመለሱ ስለምንታይ እዮም፧ ከምቲ የሆዋ ዚደልዮ ንዕኡ በይኑ ኣምልኾ ዘይህቡ ብምዃኖም ሓጢኣቶም ስለ እተፈለጦም ኪዀኑ ይኽእሉ። ምናልባት ከኣ ሕልናኦም ስለ ዝተረረ: ኣምለኽቲ የሆዋ ኢና እናበሉ ንበዓል ምምላኾም ጌጋ ዀይኑ ኣይተራእዮምን ይኸውን። የሆዋ ሓይሉ ምስ ኣርኣየ እዮም “የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ! የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ!” ኢሎም እተዛረቡ።​—⁠1 ነገስት 18:39 NW

20:34​—⁠የሆዋ ንኣከኣብ ኣብ ልዕሊ ሶርያውያን ዓወት ምስ ሃቦ: ኣከኣብ ነቲ ቤን⁠-​ሃዳድ ዚበሃል ንጉሶም ዝነሓፎ ስለምንታይ እዩ፧ ኣከኣብ ንቤን⁠-​ሃዳድ ኣብ ክንዲ ዚቐትሎ: ኣብ ደማስቆ ርእሰ ኸተማ ሶርያ ኣደባባያት ኪገብር ኪዳን ብምእታው እዩ ፈንይዎ። እዚ ኸኣ ባዛር ወይ ዕዳጋ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። ኣቐዲሙ ኣቦ ቤን⁠-​ሃዳድ ኣብ ሰማርያ ተመሳሳሊ ንንግዲ ዚኸውን ቦታታት ነይርዎ። ስለዚ: ኣከኣብ ኣብ ደማስቆ መኽሰብ ዚረኽበሉ ንግዲ ምእንቲ ኬቕውም ኢሉ እዩ ንቤን⁠-​ሃዳድ ፈንይዎ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

12:13, 14 ኣብ ህይወትና ኣገዳሲ ውሳነ ኽንገብር ከለና: ምኽሪ እቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ዚፈልጡ: ንስርዓታት ኣምላኽ ከኣ ኣኽብሮት ዘለዎም ጥበበኛታትን ብሱላትን ሰባት ክንሰምዕ ኣሎና።

13:11-24 ሓደ ኸማና ዝእምነቱ ሰብ እውን እንተዀነ: ዜተሓታትት ምኽሪ ወይ ሓሳብ ምስ ዚህበና: ፈለማ ምስቲ ቕኑዕ መምርሒ ቓል ኣምላኽ ከነነጻጽሮ ኣሎና።​—⁠1 ዮሃንስ 4:1

14:13 የሆዋ ጽቡቕ ነገር ንኺረኽበልና ኢሉ ተጠንቂቑ ይምርምረና። እቲ ጽቡቕ ነገር ንእሽቶ እኳ እንተዀነ: ንዕኡ ንምግልጋል ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ከለና ኣዕብዩ እዩ ዚርእዮ።

15:10-13 ክሕደት እምነት ብትብዓት ነጺግና: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸነስፋሕፍሕ ኣሎና።

17:10-16 እታ ኣብ ሰራጵታ እትነብር መበለት ንኤልያስ ነብዪ ኣምላኽ ምዃኑ ፈሊጣ ጽቡቕ ገይራ ብምቕባላ: የሆዋ ስለቲ ብእምነት ዝገበረቶ ተግባር ባረኻ። ኣብዚ ግዜና: ነቲ ብእምነት እንገብሮ ተግባራት ይፈልጦ: ነቶም ብእተፈላለየ መገዲ ነቲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዚድግፉ ድማ ዓስቦም ይህቦም እዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:33፣ 10:41, 42፣ እብራውያን 6:10

19:1-8 ከቢድ ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ: የሆዋ ኸም ዚድግፈና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:7-9

19:10, 14, 18 ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኸቶ በይኖም ኣይኰኑን። የሆዋን ዓለምለኻዊ ሕውነትን ኣለውዎም።

19:11-13 የሆዋ ንተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ጥራይ ዚቈጻጸር ኣምላኽ ኣይኰነን።

20:11 ቤን⁠-​ሃዳድ ንሰማርያ ኼጥፍኣ ምዃኑ ምስ ተጃህረ: ንጉስ እስራኤል “እቲ ኣጽዋር ዚዐጥቕ [ንውግእ ኪዳሎ ኸሎ] ከምቲ ኣጽዋር ዚፈትሕ [ምስ ተዓወተ ድሕሪ ውግእ] ገይሩ ኣይጀሀር” ኢሉ መለሰሉ። ሓድሽ ዕማም ኬጋጥመና ኸሎ: ከም ምኩሓት ሰባት ሕሉፍ ርእሰ⁠-​ምትእምማን ኪህልወና የብሉን።​—⁠ምሳሌ 27:1፣ ያእቆብ 4:13-16

ንዓና ብዙሕ ትጠቕመና

ሙሴ ንደቂ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ከረን ሲና ነቲ ሕጊ ዝሃቦም እዋን ኪትርኸሎም ከሎ: “እንሆ: ሎሚ ምርቓን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኤንብር አሎኹ፤ እቲ ምርቓ: እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰማዕኩም እዩ። እቲ መርገም ድማ: ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይሰማዕኩም: ካብዛ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ መገዲ እንተ ዘበልኩም . . . እዩ” በሎም።​—⁠ዘዳግም 11:26-28

እዚ ኣገዳሲ ሓቂ እዚ ኣብ ቀዳማይ መጽሓፍ ነገስት ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ንጹር ኰይኑ! ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ: እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኻልእ ኣገዳሲ ትምህርቲ እውን ትህብ እያ። እቲ መልእኽታ ብርግጽ ህያውን መስለጥን እዩ።​—⁠እብራውያን 4:12

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ሰሎሞን ዝሃነጾ ቤተ መቕደስን ካልእ ህንጻታትን

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ሓይሉ ምስ ኣርኣየ: እቶም ህዝቢ “የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ!” በሉ