ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውሽጣዊ ሰላምንምርካብ ዚግበር ዘሎ ጻዕሪ

ውሽጣዊ ሰላምንምርካብ ዚግበር ዘሎ ጻዕሪ

ውሽጣዊ ሰላምንምርካብ ዚግበር ዘሎ ጻዕሪ

ኣልበርት ዚበሃል ሰብኣይ ጽቡቕ ሓዳርን ክልተ ባህ ዜብሉ ቘልዑን ኣለውዎ። እንተዀነ ግን: ኣብ ህይወቱ ገለ ዝጐደለ ነገር ከም ዘሎ ዀይኑ ተሰምዖ። ኣብቲ ስራሕ ንምርካብ ሃለው ዚብለሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ፖለቲካ ኣተወ እሞ ሶሻሊዝም ተቐበለ። ንጡፍ ኣባል ሓደ ኣብ ከባቢኡ ዚርከብ ናይ ኮምዩኒስት ሰልፊ ኸኣ ኰነ።

ይኹን እምበር: ነዊሕ ከይጸንሐ ንኮምዩኒዝም ከምቲ እተጸበዮ ዀይኑ ስለ ዘይረኸቦ ገደፎ። ካብ ፖለቲካ ብምውጻእ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ንስድራ​ቤቱ ወፈየ። ዕላማ ህይወቱ ድማ ንዕኦም ምሕጓስ ኰነ። ኰይኑ ግን: ኣልበርት ባዶነት ይስምዖ ነበረ: ውሽጣዊ ሰላም ከኣ ኣይነበሮን።

እዚ ንኣልበርት ዘጋጠሞ ነገር ንብዙሓት ካልኦት ሰባት እውን የጋጥሞም እዩ። ከመይሲ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ህይወቶም ትርጕም ዘለዎ ዕላማ ኻብ እተፈላለየ ስነ⁠-​ሓሳባት: ፍልስፍናታት: ከምኡውን ሃይማኖታት ንምርካብ ፈቲኖም እዮም። ኣብ 1960ታት ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ኣንጻር ስነ⁠-​ምግባርን ማሕበረሰብን ዚንቀሳቐስ ጕጅለ ተመስሪቱ ነይሩ። ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ሓጐስን ትርጕም ዘለዎ ህይወትን ንምርካብ ኢሎም ኣእምሮ ዜደንዝዝ ሓሽሽ ይወስዱ ኸምኡውን ንፍልስፍናታት እቶም ጉሩ ወይ ከኣ ሊቀ ኻህናት ኢሎም ዚጽውዕዎም መራሕቲ ጕጅለ ተቐበሉ። ይኹን እምበር: እዚ ምንቅስቓስ እዚ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኬምጽኣሎም ኣይከኣለን። ኣብ ክንዳኡ ብሓሽሽ እተወለፉን ፋሉላትን መንእሰያት ኣፍረየ ኸምኡውን ነቲ ማሕበረሰብ ብስነ⁠-​ምግባር መመሊሱ ንታሕቲ ኸም ዜንቈልቍል ገበረ።

ንብዙሕ ዘመናት ሓያሎ ሰባት ካብ ሃብቲ: ካብ ስልጣን: ወይ ካብ ትምህርቲ: ሓጐስ ኪረኽቡ ጽዒሮም እዮም። ኰይኑ ግን: እዚ መወዳእታኡ ጓሂ እዩ ኣስዒቡሎም። የሱስ “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን” በለ። (ሉቃስ 12:15) ሃብቲ ንምድላብ ሒዅ ምባል ሓጐስካ እዩ ዜጥፍእ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ: ገሊኦም . . . ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ” ይብል።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10

እሞ ደኣ ሓደ ሰብ ብኸመይ እዩ ውሽጣዊ ሰላምን ዕላማ ዘለዎ ህይወትን ኪህልዎ ዚኽእል፧ ብሃሰሰ ለባም ድዩ ዚርከብ፧ ኣይፋልን። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ከም እንርእዮ እቲ መፍትሒኡ ኣብቲ ንደቅ​ሰብ ኣገዳስን ፍሉይን ዝዀነ ነገር ኣብ ምምላእ እዩ ዘሎ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ሃብቲ: ስልጣን: ትምህርቲ: ውሽጣዊ ሰላም ንኽትረክብ ይሕግዘካ ድዩ፧