ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፈትዮም ይመጹ ኣለዉ

ፈትዮም ይመጹ ኣለዉ

ፈትዮም ይመጹ ኣለዉ

“ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ።” (መዝሙር 110:3) እዘን ቃላት እዚኣተን ነቶም 46 ተመሃሮ መበል 118 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ፍሉይ ትርጕም እዩ ዘለወን። እዞም ተመሃሮ እዚኣቶም: ኣብታ ሚስዮናውያን ኪዀኑ ዚደልዩ ዘበሉ ክርስትያናት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዚርከቡ ሰባት ብመንፈሳዊ ብኸመይ ከም ዚሕግዙ ዚስልጥኑላ ቤት ትምህርቲ ምእንቲ ኺካፈሉ እንታይ ምድላዋት እዮም ገይሮም፧ ካብ መበል 118 ክፍሊ እተመረቑ ማይክን ስቴሲን ከምዚ ብምባል ይገልጹ:- “ቀሊል ናብራ ንምንባር ዝገበርናዮ ውሳነ ናብ ካልእ ንኸይነስግልን ብመንፈሳዊ ትኩራት ንኽንከውንን ሓጊዙና። ኣብ ዓለማዊ ስራሕ እንረኽቦ ኣሳልጦ: ንመንፈሳዊ ሸቶታትና ንኸይትክኦ ቘራጽነት ገበርና።” እቶም ካልኦት ተመሃሮ እዛ ኽፍሊ እዚኣ እውን ልክዕ ከም ማይክን ስቴሲን ፈትዮም እዮም ገዛእ ርእሶም ኣዳልዮም: ሕጂ ኸኣ ኣብ ኣርባዕተ ኽፍለ⁠-​ዓለማት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

ቀዳም 12 መጋቢት 2005: 6,843 ተኣከብቲ ነቲ ኣብ ስነ⁠-​ስርዓት ምረቓ ዝቐረበ ኽፍልታት ብሓጐስ ሰሚዖምዎ እዮም። እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ቴዶር ጃራዝ: ኣቦ መንበር እቲ ስነ⁠-​ስርዓት ኰይኑ ኣገልገለ። ነቶም ካብ 28 ሃገራት እተኣኻኸቡ ኣጋይሽ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል: ኣብቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣተኰረ። እቲ ተዛራባይ ነቲ ዊልያም ልዮን ፈልፕስ ዚበሃል ኣመሪካዊ ኽኢላ መምህር ዝበሎ ብምጥቃስ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እተማልአ ፍልጠት ዘለዎ ሰብ: ብሓቂ ምሁር ተባሂሉ ኺጽዋዕ ይከኣል እዩ” በለ። ትምህርቲ ዓለም ጠቓሚ እኳ እንተዀነ: ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ዝበለጸ እዩ። ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ፍልጠት ከም ዚረኽቡ ይገብር: እዚ ኸኣ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይመርሕ። (ዮሃንስ 17:3) ሓው ጃራዝ ነቶም ተመረቕቲ ኣብቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከባ ልዕሊ 98,000 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ዘሎ ዓለምለኻዊ መደብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ንኺካፈሉ ፈትዮም ብምምጻኦም ነኣዶም።

ነቶም ተመረቕቲ እተዋህበ እዋናዊ መተባብዒ

እቲ ኣቦ መንበር መኽፈቲ ሓሳባት ድሕሪ ምሃቡ: ዊልያም ሳሙኤልሰን ኣብ መዝሙር 52:8 እተመርኰሰ “ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ ክትኰኑ እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕረበ። ኦም ኣውሊዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሳልያዊ መገዲ ኸም ምልክት ፍርያምነትን ጽባቐን ግርማን ኰይኑ የገልግል እዩ። (ኤርምያስ 11:16) እቲ ተዛራባይ ነቶም ተመሃሮ ምስ ኣእዋም ኣውሊዕ ብምንጽጻር: “ኣብቲ ሚስዮናውያን ኴንኩም እተመደብኩምሉ እትዓይዎ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ክትፍጽሙ ኸለኹም: የሆዋ ጽባቐን ግርማን ከም ዘለኩም ገይሩ እዩ ዚርእየኩም” በለ። ከምቲ ኦም ኣውሊዕ ኣብ እዋን ድርቂ ንኸይሓርር ነዊሕ ሱር ዜድልዮ: እቶም ተመሃሮ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዚፍጽምዎ ኣገልግሎት ጸኒዖም ንኪቕጽሉ ዘይምግዳስ: ምጽራር: ወይ ካልእ ፈተናታት ኪጻወሩ የድልዮም እዩ።​—⁠ማቴዎስ 13:21፣ ቈሎሴ 2:6, 7

ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ስነ⁠-​ስርዓት ዝነበሩ ሰለስተ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጆን ባር: “ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዝርርብ ኣቕረበ። (ማቴዎስ 5:13) ከምቲ ጨው ንምግቢ ኸይበላሾ ዚዕቅቦ: እቲ እቶም ሚስዮናውያን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብክዎ ስብከት ነቶም ዚሰምዕዎም ካብ ስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን ብልሽውና ብምዕቃብ ንህይወቶም የድሕኖም። ድሕሪኡ ሓው ባር ነቶም ተመረቕቲ ምስ ካልኦት ሰባት “ብሰላም ንበሩ” ብምባል ኣባታዊ ለበዋ ሃቦም። (ማርቆስ 9:50) ቀጺሉውን “ፍረ መንፈስ ኣፍርዩ: ኣካይዳኹምን ዘረባኹምን ወትሩ ብጸጋን ብሓልዮትን ይኹን” ኢሉ መዓዶም።

ዋለስ ሊቨራንስ ዚበሃል ናይ ጊልዓድ መምህር “ኣብ ዓሚቝ ማያት ካብ መርከብ ከይወረድኩም ተጐዓዙ” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣጕልሐ። ከምቲ ኣብ ዓሚቝ ማያት እትጐዓዝ መርከብ ብቕኑዕ ኣንፈት ክትጐዓዝ እትኽእል: ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ዚበሃል ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽን እዚ ዚፍጸመሉ መገድን ዚገልጽ ሓቅታት እውን ንሓደ ሰብ ብመንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብር ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 2:10) በቲ “መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ” ዓጊብና ኻብቲ ብመንፈሳዊ ዕምቈት ዘይብሉ ማያት ሓሊፍና ዘይንኸይድ እንተ ዄንና ዕቤትና ይተዓናቐፍ: ነታ ‘ናይ እምነት መርከብና ድማ ኪሰብረልና’ ይኽእል እዩ። (እብራውያን 5:12, 13፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:19) ሓው ሊቨራንስ “እቲ ‘መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን’ ነቲ ሚስዮናውያን ኴንኩም እትፍጽምዎ ኣገልግሎትኩም ኬጽንዓኩም ፍቐዱሉ” ብምባል ዝርርቡ ዛዘመ።​—⁠ሮሜ 11:33

ማርክ ኑማር ዚበሃል ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር ከኣ “ምስ ውርሻኹም ተሰማሚዕኩም ክትመላለሱ ዲኹም፧” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕረበ። ንልዕሊ 60 ዓመት: እታ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ: ሳላ እቲ ምሩቓታ ዝሃብዎ ‘ጨርሒ ጽቡቕ ምስክርነት’ ተኣማንነትን ብሉጽ ስምን ኣጥርያ እያ። (ዘፍጥረት 31:48) እዚ ውርሻ ጊልዓድ እዚ ናብቶም መበል 118 ክፍሊ እውን ተመሓላሊፉ ኣሎ። ሓው ኑማር: እቶም ተመሃሮ ነቶም ብግዜ ነህምያ ዝነበሩ ጥንታዎት ተቆዓውያን ኪመስልዎምን ምስታ ዜገልግሉላ ጉባኤ ዀነ ምስቶም ሚስዮናውያን ብጾቶም ብትሕትና ኺተሓባበሩን ኣተባብዖም። ከምቲ እቶም ነህምያ ዝጠቐሶም ‘ክቡራት’ እተባህሉ ዕቡያት ዝነበሮም ኣረኣእያ ኸይሕዙ: ተፈላጥነት ኪረኽቡ ኸይጸዓሩ: ብትሕትና ንኺዓዩ ድማ ፍቓደኛታት ኪዀኑ መዓዶም።​—⁠ነህምያ 3:5

መሃሪ ተመክሮታትን ቃለ⁠-​መጠይቓትን

እቲ ቐጺሉ ዝቐረበ ኽፍሊ: “ቃል ኣምላኽ ተዘርግሔ” ዚብል ኣርእስቲ ነበሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:7) እቶም ተመሃሮ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ሎረንስ ቦወን ዚበሃል ናይ ጊልዓድ መምህር ኰይኖም: ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ዘጋጠሞም ተመክሮታት ብመርኣያ ኣቕረቡ። እቲ ተመክሮታቶም ከኣ ቃል ኣምላኽ ብቕንኣት ከም ዝሰበኹን የሆዋ ንጻዕርታቶም ኣብዚሑ ኸም ዝባረኾን ዜርኢ ነበረ።

ሪቻርድ ኣሽ ምስታ ቤት ትምህርቲ ብቐረባ ንዝሰርሑ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ቃለ⁠-​መጠይቕ ገበረሎም። እቲ ዝሃብዎ ሓሳባት ከኣ: ስድራ ቤትኤል ነቶም ተመሃሮ ጊልዓድ ካብቲ ትምህርቶም ኣጸቢቖም ምእንቲ ኺጥቀሙ እንታይ ደገፍ ከም ዚገብሩሎም ዜብርህ ነበረ። ድሕሪኡ: ጀፍሪ ጃክሰን ኣቐዲሞም ካብ ጊልዓድ ንእተመረቑ ክርስትያናት: ቃለ⁠-​መጠይቕ ገበረሎም። ንሳቶም ድማ ሚስዮናውነት ንየሆዋ ንምውዳስን ክብሪ ንምሃብን ዝኸፍቶ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣጕልሑ። ሓደ ኻባታቶም “ሰባት ነቲ ሚስዮናዊ ዄንካ እትገብሮ ዅሉ ይዕዘብዎ እዮም። ይሰምዑ: ይምልከቱ: ይዝክሩ ኸኣ” በለ። ስለዚ ድማ እቶም ተመሃሮ ወትሩ ጽቡቕ ኣብነት ኪዀኑ ኺጽዕሩ ኸም ዘለዎም ተተባብዑ። እዚ ጠቓሚ ማዕዳ እዚ ኣብ መጻኢ ኸም ዚጠቕሞም ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ስቲቨን ለት: “ከም ጸወርቲ ‘ማይ ህይወት’ መጠን: ንቕድሚት ገስግሱ” ዘርእስቱ ናይ መደምደምታ ዝርርብ ኣቕረበ። (ዮሃንስ 7:38) ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ወርሒ: እቶም ተመሃሮ ኻብቲ ዓሚቝ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ብምስታዮም ከም እተጠቕሙ ገለጸ። እንተዀነ ግን: እቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ነቲ ዘጥረይዎ ሓበሬታ ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙሉ፧ ሰባት ኣብ ውሽጦም “ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ” ምእንቲ ኺህልዎም: ሓው ለት ነቶም ተመረቕቲ ነዚ መንፈሳዊ ማያት እዚ ብልግሲ ኼማቕሉ ተማሕጸኖም። (ዮሃንስ 4:14) ቀጺሉውን “ነቲ ‘ፈልፋሊ ህያው ማይ’ ዝዀነ የሆዋ ዚግብኦ ኽብርን ግርማን ምሃብ ኣይትረስዑ። ነቶም ብድርቂ ኻብ እተጠቕዐት ዓባይ ባቢሎን ዝወጹ ሰባት ክትምህርዎም ከለኹም ዓቕሊ ግበሩ” በሎም። (ኤርምያስ 2:13) ድሕሪኡውን ነቲ “ንዓ . . . ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ: ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዚብል እቲ መንፈስን እታ መርዓትን ብውዕዉዕ ስምዒት ዜቕርብዎ ጻውዒት: እቶም ተመረቕቲ እውን ኪቐድሕዎ ብምትብባዕ ዝርርቡ ዛዘመ።​—⁠ራእይ 22:17

ሓው ጃራዝ ካብ እተፈላለየ ሃገራት እተላእከ ሰላምታታት ብምግላጽ ነቲ ስነ⁠-​ስርዓት ዛዘሞ። ድሕርዚ ኸኣ ሓደ ኻብቶም ተመረቕቲ ናይ ምስጋና ደብዳበ ኣንበበ።

ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ንኸተገልግል ብፍታው ርእስኻ ኸተቕርብ ትኽእል ዲኻ፧ ትኽእል እንተደኣ ዄንካ: ከምቲ እዞም ተመረቕቲ ተመሃሮ ዝገበርዎ መንፈሳዊ ሸቶታት ስዓብ። ሚስዮናዊ ዄንካ ኣብ ወጻኢ ሃገር ምስ እትኸይድ ወይ ኣብ ከባቢ ዓድኻ ኣገልጋሊ ዄንካ ምስ እተገልግል: ነቲ ሓደ ሰብ እናተሓጐሰ ፈትዩ ርእሱ ንኣምላኽ ብምቕራቡ ዚረኽቦ ሓጐስን ዕግበትን ክትረክብ ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 8

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 19

ቍጽሪ ተመሃሮ:- 46

ገምጋም ዕድመ:- 33.0

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 16.5

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 12.9

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 118 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ: ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።

(1) ኣኒታ ብራክማየር፣ ስታሲ መሎኒ፣ ኑንዝያ ሲሞንድስ፣ ዪሰላ ሎፐዝ፣ ካሚል ሃዋርድ። (2) ትዊያ ጃዝድረብስኪ፣ ዳንየለ ብራውን፣ ሄለን ሀርናንደዝ፣ ኣይሪን ማላጎን፣ ኣራሰሊስ ጆንስ፣ ሊነት ኮነል። (3) ጆዲ ሃዋርድ፣ ኤስተር ላሩ፣ ቢትረስ ሻምስ፣ ሳሻ ሃየስ፣ ኦስካር ብራውን። (4) ጀኒፈር በረል፣ መላኒ ሃመር፣ ኣሊግዛንድራ ማየር፣ ከይ ኪም፣ ሬቸል ስታንሊ፣ ሮዛሊያ ረይኒ። (5) ፕዮተር ጃዝድረብስኪ፣ ካሪ ዚለቨትዝ፣ ሸሊ ፈሪስ፣ በለን ቶረስ፣ ፈርናንዶ ቶረስ። (6) ጆሰፍ ኮነል፣ ራፋኤል ሀርናንደዝ፣ ማይክል መሎኒ፣ ሆርሄ ማላጎን፣ ሬዛ ሻምስ፣ ጀሲ ሃየስ። (7) ኣለን ፈሪስ፣ ጆን ሃመር፣ ግራንት ስታንሊ፣ ቻርሊ ኪም፣ ስተፈን ሲሞንድስ፣ ዳንኤል ሎፐዝ፣ ደሪክ በረል። (8) ዶነቫን ብራክማየር፣ ዮርገን ማየር፣ ሻነን ረይኒ፣ ስተፈን ዚለቨትዝ፣ ራያን ጆንስ፣ ጆኤል ላሩ።