ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ርእስኹም መርምሩ”

“ርእስኹም መርምሩ”

“ርእስኹም መርምሩ”

“ብእምነት እንተ አሊኹም: ርእስኹም ፈትኑ: ርእስኹም መርምሩ።”2 ቈረንቶስ 13:5

1, 2. (ሀ) ብዛዕባ እምነታትና ዘሎ ምጥርጣር ንዓና ዚትንክፈና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበረ ዅነታት እዩ ነቶም ኣባላታ ብኸመይ ከም ዚመላለሱ ኼጠራጥሮም ዚኽእል፧

 ሓደ ኣብ ገጠር ዚጐዓዝ ሰብኣይ: ኣብ ቀራና መገዲ በጽሐ። ናብቲ ዚደልዮ ቦታ እትወስዶ መገዲ ኣየነይቲ ምዃና ስለ ዘጠራጠረቶ: ንሓለፍቲ መገዲ ንኺሕብርዎ ሓተቶም። እቶም ሓለፍቲ መገዲ ግን ንሓድሕዱ ዚዋቓዕ ሓበሬታ ሃብዎ። እቲ ሰብኣይ በዚ ስለ እተደናገረ: ካብዚ ኪቕጽል ኣይከኣለን። ብዛዕባ እምነታትና ምጥርጣራት እንተ ኣልዩና እውን ተመሳሳሊ ሳዕቤን እዩ ዜስዕበልና። በየናይ መገዲ ኸም እንኸይድ ርግጸኛታት ስለ ዘይንኸውን: ውሳነ ምግባር የጸግመና።

2 ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ግሪኽ ኣብ እትርከብ ከተማ ቈረንቶስ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ: ከምዚ ዝኣመሰለ ሳዕቤን ዘስዓበ ዅነታት ተላዒሉ ነይሩ። “ብሉጻት ሃዋርያት” ብዛዕባ ሃዋርያ ጳውሎስ “እተን ደብዳቤታቱ ኸበድትን ጽኑዓትን እየን: ባዕሉ ምሳና ኸሎ ግና ድኹም እዩ: ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ” ብምባል ነቲ ዝነበሮ ስልጣን ኣብ ሕቶ የእትውዎ ነበሩ። (2 ቈረንቶስ 10:7-12፣ 11:5, 6) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ንዚርከቡ ገሊኦም ክርስትያናት ብኸመይ ከም ዚመላለሱ ምጥርጣራት ከም ዚሓድሮም ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

3, 4. ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዝሃቦ ማዕዳ ኼገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

3 ጳውሎስ ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ በቲ ብ50 ድ.ክ. ኣቢሉ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ እዩ ሰሪትዋ። “ኣብኣ ቓል ኣምላኽ እናመሀረ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ማእከሎም ተቐመጠ።” “ካብ ሰብ ቈረንቶስውን ብዙሓት ሰሚዖም አመኑን ተጠምቁን።” (ግብሪ ሃዋርያት 18:5-11) ጳውሎስ ንመንፈሳውነት እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያን ብጾቱ ኣጸቢቑ ይግደስ ነበረ። ብተወሳኺውን: እቶም ሰብ ቈረንቶስ ብዛዕባ ገለ ነገራት ምኽሪ ደልዮም ንጳውሎስ ጽሒፎምሉ ነይሮም። (1 ቈረንቶስ 7:1) ስለዚ ድማ ጽቡቕ ማዕዳ ሃቦም።

4 ጳውሎስ “ብእምነት እንተ አሊኹም: ርእስኹም ፈትኑ: ርእስኹም መርምሩ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (2 ቈረንቶስ 13:5) እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዚርከቡ ኣሕዋት ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ምስ ዜውዕልዎ: ብኸመይ ከም ዚመላለሱ ምጥርጣር ንኸይሓድሮም ይሕገዙ ነበሩ። ሎሚውን ንዓና ብተመሳሳሊ ኺጠቕመና ይኽእል እዩ። ብኸመይ ደኣ ኢና እሞ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ እንስዕብ፧ ብእምነት እንተ ኣሊና ብኸመይ ኢና ርእስና እንፍትን፧ ርእስና ምምርማርከ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧

“ብእምነት እንተ አሊኹም: ርእስኹም ፈትኑ”

5, 6. ብእምነት እንተ ኣሊና ንምፍታን ዜኽእለና እንታይ መለክዒ ኣሎና፧ እዚ ፍጹም መለክዒ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣብ ግዜ ፈተና: ኵሉ ሳዕ ዚፍተን ሰብ ወይ ነገር ኣሎ። እቲ ዚቐርብ ፈተና ዚፍጸመሉ መለክዒ ወይ መዐቀኒ እውን ኪህሉ ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ እዚ እትፍተን ዘላ እምነትና ኣይኰነትን። የግዳስ: ንሕና ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ኢና እንፍተን። ነቲ ፈተና ዚኸውን ፍጹም መለክዒ ድማ ኣሎና። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዘቀናበራ መዝሙር ከምዚ ትብል:- “ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ: ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ: ንገርሂ የጥብቦ። ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ: ንልቢ የሐጕሶ: ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ: ነዒንቲ የብርሄን።” (መዝሙር 19:7, 8) መጽሓፍ ቅዱስ ፍጹም ሕግታት: ቅኑዕ ስርዓታት: እሙን መዘኻኸሪታት: ከምኡውን ንጹህ ትእዛዛት ዝሓዘ እዩ። እቲ ኣብኡ ዚርከብ መልእኽቲ ንፈተና ዚኸውን ጽቡቕ መዐቀኒ እዩ።

6 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መልእኽቲ: “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ: ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ: ነፍስን መንፈስን: መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም: ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ” በለ። (እብራውያን 4:12) እወ: ቃል ኣምላኽ ንልብና ኺፍትኖ: ማለት ብሓቂ ውሽጥና እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃንና ኺፍትነና ይኽእል እዩ። እዚ በሊሕን ሓያልን መልእኽቲ ንዓና ህያው ከም ዚዀነልና ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር እዚ እንታይ ከም ዜጠቓልል ብንጹር ገሊጽዎ ኣሎ። “ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 1:1, 2) “ሕጊ እግዚኣብሄር” ኣብቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚርከብ። ቃል ኣምላኽ ምንባብ ባህ ዚብለና ኪኸውን ኣለዎ። እወ: ግዜ ወሲድና ነቲ ቓሉ ኽንመራምሮ ወይ ከነስተንትኖ ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር ከለና: ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዚርከብ ነገር ንኺፍትነና ኽንፈቅድ ኣሎና።

7. ብእምነት እንተ ኣሊና እንፍትነሉ ቐንዲ መገዲ እንታይ እዩ፧

7 እምበኣር: ብእምነት እንተ ኣሊና እንፍትነሉ ቐንዲ መገዲ: ንቓል ኣምላኽ ብምንባብን ብምስትንታንን ከምኡውን ኣካይዳና ምስቲ እተመሃርናዮ ኽሳዕ ክንደይ ዚሰማማዕ ምዃኑ ብምምርማር እዩ። ቃል ኣምላኽ ንኺርድኣና ዚሕግዘና ብዙሕ ነገራት ተዳልዩልና ምህላዉ ዜሐጕስ እዩ።

8. እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዜዳልዎ ጽሑፋት ብእምነት እንተ ኣሊና ርእስና ንኽንፍትን ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 የሆዋ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዜዳልዎ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ጽሑፋት ኣቢሉ ትምህርትታትን መምርሒታትን ይህብ እዩ። (ማቴዎስ 24:45) ንኣብነት: ኣብታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ መወዳእታ መብዛሕትአን ምዕራፋት ዘላ “ንምስትንታን ዝኸውን ሕቶታት” እትብል ሳጹን ንውሰድ። a እታ ሳጹን እቲኣ ብብሕቲ ንምስትንታን ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዀን እያ እትኸፍት! ኣብተን ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ዚበሃላ መጽሔታትና ዚወጽእ ሓያሎ ዓንቀጻት እውን ብእምነት እንተ ኣሊና ርእስና ንኽንፍትን እየን ዚሕግዛና። ሓንቲ ክርስትያን ብዛዕባ እተን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብዛዕባ መጽሓፍ ምሳሌ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጻ ተኸታተልቲ ሕታማት: “እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን ብዙሕ እየን ጠቒመናኒ። ኣዘራርባይ: ኣካይዳይ: ከምኡውን ኣረኣእያይ ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ ንኽምርምር ሓጊዘናኒ” በለት።

9, 10. እንታይ የሆዋ ዝገበሮ ምድላዋት እዩ ብእምነት እንተ ኣሊና ርእስና ኽንፍትን ዚሕግዘና፧

9 ኣብ ናይ ጉባኤ: ናይ ወረዳ: ከምኡውን ናይ ኣውራጃ ኣኼባታት ኣኺሉ ዚተርፍ መምርሒታትን ምትብባዕን ንረክብ ኢና። እዚ ገለ ኻብቲ ኣምላኽ ነቶም ኢሳይያስ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ እተነበየሎም ሰባት ዘዳለዎ መንፈሳዊ ነገራት እዩ። እቲ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም: ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ድማ ልዕል ኪብል: ኵሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። . . . ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ: ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር: . . . ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና: ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና: ድማ ኪብሉ እዮም።” (ኢሳይያስ 2:2, 3) ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ምርካብ ብሓቂ በረኸት እዩ።

10 እቲ ኻብቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት: እንተላይ ካብ ክርስትያን ሽማግለታት እንረኽቦ ምኽሪ እውን ኪርሳዕ የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም ከምዚ ይብል:- “ኣሕዋተየ: ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ: ነዚ ኸምዚ ዝበለ: ንስኻትኩም መንፈሳውያን: ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን: ንርእስኻ ተጠንቀቕ።” (ገላትያ 6:1) ነዚ ንዓና ንምቕናዕ እተገብረ ምድላው እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነመስግነሉ ዘሎና!

11. ብእምነት እንተ ኣሊና ርእስና ምፍታን እንታይ ዚሓትት እዩ፧

11 ጽሑፋትና: ክርስትያናዊ ኣኼባታትና: ከምኡውን እተሸሙ ሰብኡት ገለ ኻብቲ የሆዋ ዝገበረልና ዜደንቕ ምድላዋት እዩ። ብእምነት እንተ ኣሊና ርእስና ኽንፍትን እንተ ዄንና ግን: ገዛእ ርእስና ኽንምርምር ኣሎና። ስለዚ: ጽሑፋትና ኸነንብብ ከለና ወይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ኽንሰምዕ ከለና: ንርእስና ‘እዚ ንዓይ ዚምልከት ድዩ፧ ኣነ ኸምዚ እገብር ድየ፧ ንክርስትያናዊ እምነት እስዕብ ኣለኹ ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ብዛዕባ እቲ በዚ ምድላዋት እዚ ኣቢሉ እንረኽቦ ሓበሬታ ዘሎና ኣረኣእያ እውን: ኣብ መንፈሳውነትና ጽልዋ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን: ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ: ንእኡ ዕሽነት እዩ:” እንተዀነ ግን: “እቲ መንፈሳዊ ንዅሉ ይምርምር” ይብለና። (1 ቈረንቶስ 2:14, 15) ነቲ ኻብ መጻሕፍትናን መጽሔታትናን ካልእ ጽሑፋትናን እነንብቦ ኸምኡውን ኣብ ኣኼባታትናን ካብ ሽማግለታትን እንሰምዖ ነገራት ብኣወንታውን ብመንፈሳውን ኣረኣእያ ኽንርእዮዶ ኣይግባእን፧

“ርእስኹም መርምሩ”

12. ርእስና ምምርማር ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

12 ርእስና ኽንምርምር ኪበሃል ከሎ: ርእስና ምግምጋም ዜጠቓልል እዩ። እወ: ኣብ ሓቂ እኳ እንተሎና: ኣብ ምንታይ ደረጃ መንፈሳውነት ግን ኢና ዘሎና፧ ርእስና ምምርማር ኪበሃል ከሎ: ንብስለትና መረጋገጺ ምሃብን ንመንፈሳዊ ምድላዋት ናይ ሓቂ ሞሳ ምህላውን ዜጠቓልል እዩ።

13. ብመሰረት እብራውያን 5:14 ንብስለትና መረጋገጺ ዚኸውን እንታይ እዩ፧

13 እንታይ ንክርስትያናዊ ብስለትና ዚኸውን መረጋገጺ ኢና ኣብ ርእስና ኽንርኢ እንኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 5:14) ልቦናና ብምልማድ ብስለትና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ከምቲ ሓደ ስፖርተኛ ብሉጽ ንኪኸውን ንጭዋዳታቱ ኼለማምድ ዘለዎ: ልቦናና እውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ከም ዚለምድ ኪግበር ይከኣል እዩ።

14, 15. ነቲ መዓሙቝ ቃል ኣምላኽ ንኸነጽንዕ ኣበርቲዕና ኽንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 ልቦናና ቕድሚ ምልማድና ግን ፈለማ ፍልጠት ኪህልወና ኣለዎ። ነዚ ንምጥራይ ከኣ ብትግሃት ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባር ኣድላዪ እዩ። ኣዘውቲርና ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምስ እንገብር: ብፍላይ ከኣ እቲ መጽናዕትና ብዛዕባ እቲ መዓሙቝ ቃል ኣምላኽ ምስ ዚኸውን: ልቦናና ይመሓየሽ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት: ብዙሕ ዕምቈት ዘለዎ ሓሳባት ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወጺኡ እዩ። ዓሚቝ ሓቅታት ዚገልጽ ዓንቀጻት ምስ ዜጓንፈና እንታይ ኢና እንገብር፧ “ንምስትውዓሉ ዚሽግር” ነገር ስለ ዝዀነ ዕሽሽ ንብሎ ዲና፧ (2 ጴጥሮስ 3:16) ኣይፋልናን: ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ንኽንርድኦ ዝያዳ ጻዕሪ ኢና እንገብር።—ኤፌሶን 3:18

15 ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባር ዜጸግመና እንተደኣ ዀይኑኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ነዚ ነገር እዚ ንኽንፈትዎ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። b (1 ጴጥሮስ 2:2) ብስለት ኪህልወና እንተ ዀይኑ: ነቲ ብዕጹም ብልዒ ተመሲሉ ዘሎ ዓሚቝ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ክንምገብ ክንክእል ኣሎና። ከምዚ እንተ ዘይጌርና ግን: ልቦናና ኣይዓብን እዩ። ብስለትካ ኸተርኢ ኺበሃል ከሎ ግን: ልቦና ኻብ ምጥራይ ንላዕሊ እዩ ዜድሊ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ነቲ ተጊህና ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ብምግባር ዝረኸብናዮ ነገር ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና።

16, 17. ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ “ገበርቲ ቓል” ምዃን እንታይ ማዕዳ እዩ ዝሃበ፧

16 ርእስና መርሚርና እንታይነትና እነረጋግጸሉ ኻልእ መገዲ: እቲ ንሓቂ ዘሎና ሞሳ እንገልጸሉ ናይ እምነት ተግባራትና እዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ነዚ መዳይ ርእሰ-ግምገማ እዚ ብሓያል መብርሂ ገይሩ ኺገልጾ ኸሎ ኸምዚ በለ:- “ገበርቲ ቓል ኩኑ: ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ: ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ: ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት: ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን: ግብሪ ዚገብር እምበር: ዘይርስዕ ሰማዒ ግና: እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።”—ያእቆብ 1:22-25

17 ያእቆብ ብኻልእ ኣበሃህላ ‘ናብቲ ብመስትያት ዚምሰል ቃል ኣምላኽ ኣተኲርኩም ጠምቱ እሞ ርእስኹም ገምግሙ። ነዚ ኣዘውቲርኩም ግበርዎ: በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እትረኽብዎ ኣቢልኩም ከኣ ንርእስኹም ብደቂቕ መርምሩ። ድሕሪኡ ነቲ ዝረኣኽምዎ ብኡንብኡ ኣይትረስዕዎ። የግዳስ: እቲ ዜድሊ ምትዕርራይ ግበሩ’ እዩ ዝበለ። ነዚ ማዕዳ እዚ ምስዓብ: ሓድሓደ ግዜ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

18. ነቲ ያእቆብ ዝሃቦ ማዕዳ ምስዓብ ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

18 ንኣብነት: ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንካፈል ዚግበረልና ትጽቢት እስከ ንመርምር። ጳውሎስ “ሰብ ብልቡ አሚኑ ይጸድቕ: ብኣፉ ተአሚኑውን ይድሕን” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 10:10) ብኣፍና ንድሕነት ክንእመን: ብዙሕ ምትዕርራያት የድልየና። መብዛሕትና ፈለማ ኣብ ዕዮ ስብከት ክንካፈል ከለና ይኸብደና እዩ። ብቕንኣት ንኽንሰብኽን ነቲ ዕዮ ኣብ ህይወትና ዚግብኦ ቦታ ንኽንህቦን: ዝያዳ ለውጥታትን መስዋእትታትን ክንገብር የድልየና። (ማቴዎስ 6:33) ሓንሳእ ገበርቲ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ምስ ኰንና ግን: ንየሆዋ ውዳሰ ስለ እነምጽኣሉ ንሕጐስ ኢና። እሞኸ ቐናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዲና፧

19. ናይ እምነት ተግባራት እንታይ ዜጠቓልል ኪኸውን ኣለዎ፧

19 ናይ እምነት ተግባራት እንታይ ዜጠቓልል እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧ ጳውሎስ “ነቲ ኻባይ እተመሀርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ” በለ። (ፊልጲ 4:9) እንታይነትና ኸነመስክር እንኽእል: ነቲ እተመሃርናዮን እተቐበልናዮን ዝሰማዕናዮን ዝረአናዮን: ኰታስ ንዅሉ መዳይ እቲ ክርስትያናዊ ወፈያናን ወደ መዝሙርነትናን ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ እዩ። የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ “እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ” ኢሉ መምርሒ ሂቡ እዩ።—ኢሳይያስ 30:21

20. እንታይ ዓይነት ሰባት እዮም ኣብ ጉባኤ ዓብዪ በረኸት ዚዀኑ፧

20 እቶም ትጉሃት ተመሃሮ ቓል ኣምላኽ: ቀናኣት ሰበኽቲ እቲ ብስራት: ኣብ ንጽህናኦም እንታ ዘይብሎም: ከምኡውን እሙናት ደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ንጉባኤ ዓብዪ በረኸት እዮም። ኣብ ጉባኤ ምህላዎም: ነታ ጉባኤ የደልድላ እዩ። ብፍላይ ደገፍ ዚደልዩ ብዙሓት ሓደስቲ ስለ ዘለዉ: እቶም ብሱላት ሰብኡትን ኣንስትን ብዙሕ እዮም ዚሕግዙ። ነቲ ጳውሎስ ‘ብእምነት እንተ ኣሊና ርእስና ንኽንፍትንን ርእስና ንኽምርምርን’ ዝሃቦ ማዕዳ ኣብ ልብና ምስ እነሕድሮ: ንሕናውን ንኻልኦት ጽቡቕ ጽልዋ ነሕድረሎም ኢና።

ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ባህጊ ይሃሉኻ

21, 22. ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ባህጊ ኺህልወና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

21 እቲ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ዳዊት: “ኣምላኸየ: ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ: ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 40:8) ዳዊት ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር የሐጕሶ ነበረ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሕጊ የሆዋ ኣብ ልቡ እዩ ነይሩ። በየናይ መገዲ ኸም ዚኸይድ እውን ኣይጠራጠርን እዩ ነይሩ።

22 ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ምስ ዚኸውን: በየናይ መገዲ ኸም እንኸይድ ኣይንጠራጠርን ኢና። ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ከኣ የሐጕሰና። እምበኣር: ብእተኻእለና መጠን ንየሆዋ ኻብ ልብና ንኸነገልግሎ ‘ንጋደል።’—ሉቃስ 13:24

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

b ብኸመይ ከም እተጽንዕ ሓጋዚ ሓሳባት እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት በነፊት ፍሮም ቲኦክራቲክ ሚኒስትሪ ስኩል ኤጁኬሽን ገጽ 27-32 ተወከስ።

ትዝክሮዶ፧

• ብእምነት እንተ ኣሊና ርእስና ኽንፍትን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ርእስና ምምርማር ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

• ክርስትያናዊ ብስለትና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

• እቲ ናይ እምነት ተግባርና: እንታይነትና ኽንግምግም ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ብእምነት እንተ ኣሊና ርእስና እንፍትነሉ ቐንዲ መገዲ ትፈልጦዶ፧

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ንልቦና ብምልማድ ክርስትያናዊ ብስለትና ኸነርኢ ንኽእል

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

‘ዚርስዑ ሰማዕቲ ዘይኰነስ: ገበርቲ ቓል ኣምላኽ’ ብምዃን እንታይነትና ነመስክር