ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሴፍ የሆዋን ጊዴዎንን!”

“ሴፍ የሆዋን ጊዴዎንን!”

“ሴፍ የሆዋን ጊዴዎንን!”

ብዝሒ እቶም ጸላእቲ ኸምቶም ነቲ ፍርያም ዝነበረ መሬት ዘባድሙ ኣንበጣ ነበረ። እዋኑ መሳፍንቲ ኣብ እስራኤል ዚገዝእሉ ዀይኑ እስራኤላውያን ድማ ተስፋ ቘሪጾም ነበሩ። ልክዕ እቲ እተዘርአ ዘርኢ ኺበቍል ኣብ ዝጀመረሉ እዋን: ኣግማል ተወጢሖም ዚዘርፉ ጭፍራ ሚድያናውያን: ኣማሌቃውያን: ከምኡውን ደቂ ምብራቕ ነታ ሃገር ይወርዋ ነበሩ። እዚ ድማ ንሸውዓተ ዓመት ቀጸለ። እዞም ዘረፍቲ ሒዞምወን ዝመጹ እንስሳታት መገሃጫ ንምድላይ ኣብታ ምድሪ ፋሕ ይብላ ነበራ። ፍረ እታ ምድሪ ኸኣ ኣጥፍኣ። ህዝቢ እስራኤል ግና ኣድጊ ዀነ: ብዕራይ ኰነ: በጊዕ ኰነ ኣይነበሮምን። መግዛእቲ ሚድያን መሪር ብምንባሩ እቶም ድኽነት ዝኣተዎም እስራኤላውያን ኣብ ኣኽራን ጐዳጕድን በዓትታትን: ኣብ እምባታት ከኣ መሕብኢታት ገበሩ።

ስለምንታይ ግን እዩ እዚ ዅሉ መከራ በጺሕዎም፧ እቶም ከሓድቲ እስራኤላውያን ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኼምልኹ ጀመሩ። ስለዚ: የሆዋ ኣብ ኢድ ጨቈንቶም ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ እስራኤል በዚ ምስ ተመረሩ ንኺሕግዞም ናብ የሆዋ ተማህለሉ። ይሰምዖምዶ ዀን ይኸውን፧ ካብ ናይ እስራኤላውያን ተመክሮ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧—መሳፍንቲ 6:1-6

ጥንቁቕ ሓረስታይዶ ወይስ “ሓያል ጅግና፧”

ሓረስቶት እስራኤል ኣብዑር ብዚጐትዎ ሰረገላ መኼዳ ገይሮም እዮም ንስርናይ ዜኽዱ ነይሮም: ድሕሪኡ ኣብ ንፋስ ዚርከቦ ስፍራ ዀይኖም የዝርውዎ: በዚ ድማ ነቲ ብቝቡቝ ካብቲ እኽሊ ይፈልይዎ ነበሩ። እንተዀነ ግን: ዕላማ እቶም ዘረፍቲ ነታ ሃገር ንምዝራፍ ብምንባሩ: ኣብ ቅሉዕ ስፍራ ዄንካ ምዝራው መጠመቲ ዀይኑ ነበረ። ስለዚ: ጊዴዎን ካብ ሚድያናውያን ተሓቢኡ: ኣብ መጽመቚ ወይኒ ዀይኑ ስርናይ ይዘብጥ ነበረ: እዚ ድማ ካብ እምኒ እተጸርበ ጋብላ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። (መሳፍንቲ 6:11) ኣብኡ በብቝሩብ እናገበርካ ጥራይ እዩ ኺዝበጥ ዚከኣል። ጊዴዎን ኣብቲ እዋን እቲ ኺገብሮ ዚኽእል ዝነበረ እዩ ዚገብር ነይሩ።

ጊዴዎን: መልኣኽ የሆዋ መጺኡ “ኣታ ሓያል ጅግና: እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ” ምስ በሎ: ከመይ ከም እተገረመ እሞ ገምቶ! (መሳፍንቲ 6:12) ኣብ መጽመቚ ወይኒ ተሓቢኡ እኽሊ ዚዘብጥ ሰብሲ ኸመይ ኢሉ እዩ ጅግና ዚበሃል፧ ይኹን እምበር: እተን ቃላት እቲኣተን ጊዴዎን ጅግና መራሕ እስራኤል ኪኸውን ከም ዚኽእል: ኣምላኽ ምትእምማን ከም ዝነበሮ ዜርእያ ነበራ። ኰይኑ ግን: ጊዴዎን ንባዕሉ ነዚ ኺኣምነሉ ነበሮ።

የሆዋ ንጊዴዎን “ንእስራኤል ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሕኖም” ኢሉ ምስ ኣዘዞ: “ኣየ ጐይታይ: እንሆ ዓሌተይ ካብ ምናሴ እቲ ድኻ እዩ: ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ንእሽቶ እየ: ንእስራኤል ደኣ ብምንታይ ከድሕኖ እየ፧” ኢሉ ብትሕትና መለሰ። እቲ ጥንቁቕ ዝነበረ ጊዴዎን ንሚድያን ኪወቅዕ ከሎ: ኣምላኽ ምስኡ ኸም ዚኸውን ዜረጋግጸሉ ምልክት ኪህቦ ሓተቶ። የሆዋ ድማ ነቲ ግቡእ ድሌት ጊዴዎን ኬማልእ ፍቓደኛ ዀነ። ጊዴዎን ነቲ ኺበጽሖ ዝመጸ መልኣኽ መስዋእቲ ምስ ኣቕረበሉ ሓዊ ኻብ ከውሒ ወጺኡ ነቲ መስዋእቲ በልዖ። የሆዋ ንጊዴዎን ካብ ስንባዱ ምስ ኣህድኦ: ጊዴዎን ኣብኡ መሰውኢ ሰርሔ።—መሳፍንቲ 6:12-24

“በዓል ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ባዕሉ ይማጐቶ”

ቀንዲ ጸገም እስራኤላውያን ናይ ሚድያን ጭቆና ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ ንኣምልኾ በዓል ባሮት ምዃኖም እዩ ነይሩ። የሆዋ “ቐናእ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ: ማንም ሰብ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እናምለኸ ንዕኡ ኣምልኾ ምስ ዜቕርበሉ ኣይቕበሎን እዩ። (ዘጸኣት 34:14) ስለዚ: የሆዋ ንጊዴዎን ነቲ ናይ ኣቦኡ መሰውኢ በዓል ኬፍርሶን ነቲ ኣስታርተ ኸኣ ኪቘርጾን ኣዘዞ። ጊዴዎን ነቦኡን ንኻልኦት ሰባትን ስለ ዝፈርሀ: ኣብ ክንዲ ብመዓልቲ ምስ ዓሰርተ ገላዉኡ ዀይኑ ብለይቲ ገበሮ።

ከምዚ ምግባሩ ግቡእ እዩ ነይሩ። ከመይሲ: እቶም ኣምለኽቲ በዓል ነቲ ዝገበሮ ነገር ምስ ፈለጡ: ኪቐትልዎ ደለዩ። ይኹን እምበር: ዮኣስ ኣቦ ጊዴዎን በዓል ኣምላኽ እንተ ዚኸውን ባዕሉ ምተማጐተ ነይሩ ዚብል መርትዖ ብምቕራብ ኣፎም ኣትሓዞም። ድሕሪኡ ንወዱ የሩብ-በዓል ኢሉ ሰመዮ: ትርጕሙ ኸኣ “በዓል ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ባዕሉ ይማጐቶ” ማለት እዩ።—መሳፍንቲ 6:25-32

ኣምላኽ ነቶም ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብድፍረት ዚድግፉ ኣገልገልቱ ወትሩ እዩ ዚባርኾም። ሚድያናውያንን ደገፍቶምን ንግዝኣት እስራኤላውያን እንደገና ምስ ወረሩ: ‘ንጊዴዎን መንፈስ እግዚኣብሄር ወረዶ።’ (መሳፍንቲ 6:34) ብመንፈስ ወይ በቲ መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ተደሪኹ ድማ ካብ ነገዳት ምናሴን ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ጭፍራታት ኣከበ።—መሳፍንቲ 6:35

ንውግእ ተዳለወ

ጊዴዎን ዋላኳ 32,000 ሰራዊት እንተ ነበሮ: ንኣምላኽ ምልክት ሓተቶ። ኣብ ዓውዲ ኣብ እተቐመጠ ቝሩጽ ጸምሪ ጥራይ ዛዕዛዕ ምስ ዚኸውን: ኵላ ምድሪ ግን ንቕጽቲ ምስ እትኸውን: እዚ ኣምላኽ ብእኡ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ከም ዜድሕኖም ዜረጋግጽ ነበረ። የሆዋ ነዚ ተኣምር እዚ ፈጸመ። እንደገና: ጊዴዎን እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ: ኣብ ብዘላ ምድሪ ድማ ዛዕዛዕ ኪኸውን ምስ ሓተተ እውን: ኣምላኽ ከምኡ ገበረ። ጊዴዎን እምብዛ ድዩ ጥንቁቕ ነይሩ፧ ኣይፋሉን: ከመይሲ የሆዋ ነቲ ዝሓተቶ መረጋገጺ ሂብዎ እዩ። (መሳፍንቲ 6:36-40) ኣብዚ ሎሚ ግዜ ኸምዚ ዓይነት ተኣምር ኣይንጽበን ኢና። እንተዀነ ግን: ናይ የሆዋ መምርሒታትን መረጋገጽን ኣብ ቓሉ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና።

ድሕርዚ: ኣምላኽ ሰራዊት ጊዴዎን ኣዝዩ ብዙሕ ከም ዝዀነ ተዛረበ። እስራኤላውያን በዚ ገዚፍ ሰራዊት ንጸላእቶም እንተ ስዒሮም: ንርእሶም ባዕሎም ከም ዘድሓኑ ገይሮም ኪዕበዩ ይኽእሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: የሆዋ እዩ በቲ ዚርከብ ዓወት ኪምስገን ዚግብኦ። እንታይ ደኣ እሞ ገበረ፧ ጊዴዎን ብመሰረት ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ምድላው: ዚፈርሀ ዘበለ ናብ ቤቱ ኺምለስ ኣወጀ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ 22,000 ተመልሱ 10,000 ከኣ ተረፉ።—ዘዳግም 20:8፣ መሳፍንቲ 7:2, 3

በረኣእያ ኣምላኽ ግን እቲ ህዝቢ ገና ብዙሕ ነበረ። ንጊዴዎን ድማ ናብ ማይ ኬውርዶም ነገሮ። ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፈስ: ኣምላኽ ንጊዴዎን ነቶም ሰራዊት መዓልቲ ምስ ደሃረ ናብ ርባ ኼውርዶም ከም ዝኣዘዞ ይገልጽ። ዝዀነ ዀይኑ: ጊዴዎን እቶም ሰባት ማይ ብኸመይ ከም ዚሰትዩ ተዓዘቦም። ካባታቶም 300 ሰብ ጥራይ እዮም ጸላኢ ኸየጥቅዖም እናሓለዉ በቲ ሓደ ኢዶም ንኣፎም ማይ ዝሰተዩ። እዞም 300 ንቑሓት ሰባት ጥራይ እዮም ምስ ጊዴዎን ዚኸዱ። (መሳፍንቲ 7:4-8) ንርእስኻ ኣብቲ ቦታ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ቍጽሪ ጸላእትኻ 135,000 ብምዃኑ ብሓይሊ የሆዋ እምበር ብርእስኻ ኸም ዘይትስዕሮም ከም እትድምድም መቸም ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ኣምላኽ ንጊዴዎን ምስ ግልያኡ ዀይኑ ናብቲ ሰፈር ሚድያናውያን ኪወርድ ነገሮ። ኣብኡ ድማ ሓደ ሰብ ንብጻዩ ሕልሙ ይነግሮ ነበረ። እቲ ብጻዩ ድማ እዚ ኣምላኽ ንሚድያን ኣብ ኢድ ጊዴዎን ኣሕሊፉ ኸም ዝሃቦም ዜርኢ ኸም ዝዀነ ኺፍትሓሉ ኸሎ ሰምዔ። በዚ ድማ ጊዴዎን ተተባብዐ። የሆዋ ንሚድያናውያን ኣብ ኢዱን ኣብ ኢድ እቶም ምስኡ ዘለዉ 300 ሰብን ኣሕሊፉ ኸም ዚህቦም ርግጸኛ ዀነ።—መሳፍንቲ 7:9-15

ናይ ውግእ ስትራተጂ

ነቶም 300 ሚእቲ ሰብ ድማ ነፍሲ ወከፈን መሚእቲ ሰብ ኣብ ዝሓዛ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎም። ኵሎም ከኣ መለኸትን ጥራዩ ዳነሱን ኣብ ውሽጢ እቲ ዳነሱውን ፋናታት ተዋህቦም። ካብኡ ጊዴዎን ‘ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ። ኣነ መለኸት ምስ ነፋሕኩ: ንስኻትኩምውን ንፍሑ: ሴፍ እግዚኣብሄርን [“የሆዋን:” NW] ጊዴዎንን ድማ በሉ’ ኢሉ ኣዘዞም።—መሳፍንቲ 7:16-18, 20

እቶም 300 እስራኤላውያን ተዋጋእቲ ሰላሕ ኢሎም ናብቲ ሰፈር ጸላኢ ቐረቡ። ዳርጋ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ለይቲ እዩ ነይሩ። ዘብዐኛታት ዚቕየሩሉ ሰዓት ብምንባሩ: መጥቃዕቲ ንምፍናው ምቹእ እዋን ነበረ። ከመይሲ: እቶም እተቐየሩ ሓለውቲ ነቲ ጸልማት ለሚዶም ንኺርእዩ እተወሰነ እዋን ይወስደሎም እዩ።

ሚድያናውያን እቲ ቐጺሉ ዘጋጥሞም ነገር ከመይ ዜሰንብድ ኰን እዩ! ሃንደበት 300 ዳነሱ ተሰብረ: 300 መለኸት ተነፍሐ: ከምኡውን 300 ሰባት ጨደሩ። እቲ ጸጥታ ዝነበሮ ኸባቢ ህውከት መልኦ። ብሕልፊ በቲ “ሴፍ የሆዋን ጊዴዎንን” ዚብል ጭድርታ ዝሰንበዱ ሚድያናውያን ጨርሑ። ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ መን ጸላኢ መን ብጻይ ምዃኑ ኺፈልዩ ኣይከኣሉን። ኣምላኽ ሴፍ እቶም ጸላእቲ ኣብ ንሓድሕዶም ኪገብሮ ኸሎ: እቶም 300 ኣብታ እተመደቡላ ቦታ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ሰራዊት ሃደመ: ኰይኑ ግን መምለጢ ኣይነበረን። ድሕርዚ እስራኤላውያን ንሚድያናውያን ንሓዋሩ ኸም ዘይምለሱ ገይሮም ምእንቲ ኼጥፍእዎም: እግሪ እግሮም ስዒቦም ቀተልዎም። እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸነሐ ወረራ ኸኣ በዚ ኣብቅዐ።—መሳፍንቲ 7:19-25፣ 8:10-12, 28

ጊዴዎን ድሕሪ እዚ ዓወት እዚውን እንተዀነ ትሑት ነበረ። ሰብ ኤፍሬም ናብቲ ውግእ ስለ ዘይጸውዖም ዕሽሽ ዝበሎም መሲልዎም ኪበኣስዎ ምስ ደለዩ: ብህድኣት እዩ መሊሱሎም። እቲ ልኡም ምላሹ ኸኣ ንቝጥዓኦም ኣህድኦ።—መሳፍንቲ 8:1-3፣ ምሳሌ 15:1

ሰላም ምስ ተረኽበ እስራኤላውያን ንጊዴዎን ንጉሶም ኪኸውን ሓተትዎ። ከመይ ዝበለ ፈተና ዀን እዩ! ጊዴዎን ግን ኣበየ። ንሚድያን ዝሰዓሮም መን ምዃኑ ኣይረስዐን። “ኣነስ ኣይገዝኣኩምን: ወደይውን ኣይገዝኣኩምን: እግዚኣብሄር ደኣ ይግዛእኩም” በሎም።—መሳፍንቲ 8:21-23

ይኹን እምበር: ጊዴዎን ፍጹም ብዘይምዃኑ: ኵሉ ሳዕ ብምስትውዓል ኣይኰነን ተመላሊሱ። ምኽንያቱ ብንጹር ብዘይተፈልጠ ነገር: በቲ እተማረኸ ምርኮ ገይሩ ኤፉድ ሰሪሑ ኣብቲ ኸተማ ኣንበሮ። እቲ ጸብጻብ “ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ደድሕሪኡ ኣብኡ ዘመወ” ይብል። ንዕኡ ብምምላኾም ድማ ንጊዴዎንን ንቤቱን መፈንጠራ ዀነ። ኰይኑ ግን: ጊዴዎን ምሉእ ብምሉእ ጣኦት ምምላኽ ኣይጀመረን። ከመይሲ: ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ የሆዋ እምነት ከም ዝነበሮ እዩ ዚገልጽ።—መሳፍንቲ 8:27፣ እብራውያን 11:32-34

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ

ናይ ጊዴዎን ዛንታ ንመጠንቀቕታን ንመተባብዕን ዚኸውን ትምህርቲ ኣለዎ። ተረርቲ ልቢ ብምዃንና የሆዋ መንፈሱን በረኸቱን ካባና እንተ ወሲድዎ: ብመንፈሳዊ መዳይ ዝመጸ ልክዕ ከምቶም መሬቶም ከም ኣንበጣ ብዝኣመሰሉ ተበሊዑ ድኽነት ዝኣተዎም ህዝቢ ኸም እንኸውን የጠንቅቐና። ኣብ ክፉእ ዘመን ንነብር ስለ ዘሎና: በረኸት የሆዋ ‘ዜሀብትም: ሽጋርውን ገለ ዘይውስኸሉ’ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። (ምሳሌ 10:22) ንኣምላኽ ‘ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ነገልግሎ’ እንተ ዄንና ኺባርኸና: እንተ ዘይኰነ ግን ኪድርብየና እዩ።—1 ዜና መዋእል 28:9

እቲ ብዛዕባ ጊዴዎን ዚገልጽ ጸብጻብ ዜተባብዕ እውን እዩ። ከመይሲ: የሆዋ ንህዝቡ ዋላ በቶም ሒደትን ድኹማትን ዚመስሉ ገይሩ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሓደጋ ኸም ዜድሕኖም የረጋግጽ። ጊዴዎንን እቶም 300 ሰባትን ነቶም 135,000 ሚድያናውያን ምስዓሮም: ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ኣምላኽ ዜርኢ እዩ። ንሕናውን ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ንህሉ ንኸውን: ጸላእትና ኸኣ ካባና ዚበዝሑ ኪዀኑ ይኽእሉ። እንተዀነ ግን: እቲ ብዛዕባ ጊዴዎን እተጻሕፈ ጸብጻብ: ኣብቲ ነቶም ብእኡ ዚእመኑ ዚባርኽን ዜድሕንን የሆዋ ኽንእመን የተባብዓና።