ብዅሉ እሙን ዲኻ፧
ብዅሉ እሙን ዲኻ፧
“ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ።” —ሉቃስ 16:10
1. ሓደ ኻብቲ የሆዋ እሙን ዝዀነሉ መገድታት እንታይ እዩ፧
መዓልቲ እናደፍአ ኪኸይድ ከሎ: ናይ ዝዀነ ይኹን ኦም ጽላሎት እንታይ ከም ዚኸውን ኣስተብሂልካዶ ትፈልጥ፧ እቲ ጽላሎት ዓቐኑ ዀነ ኣንፈቱ ይቕይር እዩ! ደቅሰብ ዚገብርዎ ጻዕርታትን ዚኣትውዎ መብጽዓታትን መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ጽላሎት እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ግን ምስ ግዜ ዚለዋወጥ ኣይኰነን። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባኡ ኺዛረብ ከሎ: “ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት” በለ። (ያእቆብ 1:17) የሆዋ ኣብቲ ዝደቐቐ ዝርዝር ነጥቢ እውን ከይተረፈ: ዘይለዋወጥን ዜተኣማምንን እዩ። ንሱ “ኣምላኽ እምነት እዩ።”—ዘዳግም 32:4
2. (ሀ) እሙናት እንተ ዄንና ወይ እንተ ዘይኴንና ርእስና ኽንምርምር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ብዛዕባ ተኣማንነት እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧
2 ኣምላኽ ንተኣማንነት ኣምለኽቱ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ ከምቲ “ምሳይ ኪነብሩስ: ኣዒንተይ ኣብቶም ናይ ሃገር እሙናት እየን: እቲ ብፍጽምቲ መገዲ ዚመላለስ ኬገልግለኒ እዩ” ዝበለ ዳዊት ዝነበሮ ኣረኣእያ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። (መዝሙር 101:6) እወ: የሆዋ ብተኣማንነት ኣገልገልቱ ይሕጐስ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ምስናይ እዚ ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ” ኢሉ ኺጽሕፍ እምበኣር ሓቁ እዩ። (1 ቈረንቶስ 4:2) እሙን ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧ ኣብ ምንታይ መዳይ ህይወትና ኢና ብተኣማንነት ክንመላለስ ዘሎና፧ ብተኣማንነት ወይ ‘ብፍጽምቲ መገዲ ምምልላስ’ እንታይ በረኸት የምጽእ፧
እሙን ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
3. እሙናት ምዃንና ብምንታይ እዩ ዚውሰን፧
3 እብራውያን 3:5 ‘ሙሴ ኸም ጊልያ እሙን ነበረ’ ትብል። ንነብዪ ሙሴ እሙን ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ኣብቲ ህንጸትን ምድላውን እቲ ማሕደር “ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ዅሉ ገበረ: ከምኡ ገበረ።” (ዘጸኣት 40:16) ኣምለኽቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: ብተኣዛዝነት ንዕኡ ብምግልጋል ተኣማንነትና ነርኢ ኢና። እዚ ኸኣ ከቢድ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ንየሆዋ እሙናት ምዃን ዜጠቓልል እዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ዓብዪ ፈተናታት እንረኽቦ ዓወት ጥራይ ኣይኰነን ንተኣማንነትና ዚውስኖ። የሱስ “ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ: እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ” በለ። (ሉቃስ 16:10) ኣብ ንኣሽቱ ዚመስል ጕዳያት እውን እንተዀነ እሙናት ክንከውን ኣሎና።
4, 5. “ብሒደት” እሙናት ምዃንና እንታይ እዩ ዜርኢ፧
4 መዓልታዊ “ብሒደት” እዙዝ ምዃን: ንኽልተ ነገራት ይጠቅም። ቀዳማይ: ብዛዕባ ልዑላውነት የሆዋ ኸመይ ከም ዚስምዓና ይገልጽ። ነቲ ኣብ ቅድሚ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ዝቐረበሎም ናይ ተኣማንነት ፈተና እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ከቢድ ነገር ኪገብሩ ኣይኰኑን ተኣዚዞም። ኣብ ገነት ኤድን ኵሉ ዓይነት ምግቢ እናበልዑ: ካብታ “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ጥራይ እዮም ከይበልዑ እተኸልከሉ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) ነዛ ቐላል ትእዛዝ እዚኣ ብምሕላው እሙናት እንተ ዚዀኑ ነይሮም: ነገዛዝኣ የሆዋ ኸም ዚድግፉ መርኣዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና መምርሒታት የሆዋ ምስዓብና: ኣብ ጐድኒ ልዑላውነት የሆዋ ምዃንና እዩ ዚሕብር።
5 ካልኣይ: ኣብ “ሒደት” እነርእዮ ኣካይዳ: ኣብ “ብዙሕ:” ማለት ኣብ ህይወትና ዓበይቲ ጕዳያት ኬጋጥመና ኸሎ እውን እንታይ ከም እንገብር ጽልዋ ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ንዳንኤልን ነቶም ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዚበሃሉ እሙናት እብራውያን ብጾቱን እስከ ንውሰድ። ብ617 ድ.ክ. ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ተወስዱ። እዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እዚኣቶም ገና ብግዜ ንእስነቶም: ኣብ ዕደመ ዀተቴ እናሃለዉ እዩ ኪኸውን ዚኽእል: ኣብ ቤተ-መንግስቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ኣተዉ። ኣብኡ ኸኣ “ካብቲ ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን ጸጽባሕ ድርጎ [ተ]ሰርዓሎም። ሰለስተ ዓመት ኪምገቡ: ብድሕርዚውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኪቘሙ” ትእዛዝ ተዋህበ።—ዳንኤል 1:3-5
6. ዳንኤልን እቶም ሰለስተ እብራውያን ብጾቱን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ባቢሎን እንታይ ፈተና እዩ ዘጋጠሞም፧
6 እቲ ንጉስ ባቢሎን ዝገበሮ ምድላው ግን ነዞም ኣርባዕተ እብራውያን መንእሰያት ጸገም ፈጠረሎም። ኣብቲ ብልዒ ንጉስ ብሕጊ ሙሴ ኽልኩል ዝነበረ ምግቢ ይኣቱ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘዳግም 14:3-20) እቲ ዚሕረድ እንስሳታት ብዚግባእ ደሙ ኣይፈስስን ነይሩ ይኸውን: ነዚ ምብላዕ ከኣ ሕጊ ኣምላኽ ምጥሓስ እዩ። (ዘዳግም 12:23-25) ከምቲ ባቢሎናውያን ኣምለኽቲ ብልምዲ ዚገብርዎ ዝነበሩ: እቲ ምግቢ ንጣኦታት እተሰውአ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
7. ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕሩኹን ዝነበሮም ተኣዛዝነት እንታይ እዩ ኣርእዩ፧
7 ንኣመጋግባ ዚምልከት ቀይድታት ኣብ ቤተ-መንግስቲ ባቢሎን ክሳዕ ክንድቲ ዜገድስ ከም ዘይነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ዳንኤልን ኣዕሩኹን በቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ኣብ ዝሃቦ ሕጊ ዝኸልከሎ ምግቢ ኸይረኽሱ ብልቦም ወሲኖም ነበሩ። እዚ ኸኣ ነቲ ዝነበሮም ተኣማንነት ዚትንክፍ ጕዳይ እዩ ነይሩ። ስለዚ: ጥረን ማይን ኪዋሃቦም ሓተቱ: እዚ ኸኣ ተፈቕደሎም። (ዳንኤል 1:9-14) ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ሰባት: እቲ እዞም ኣርባዕተ ሰባት ዝገበርዎ ነገር ንእሽቶ መሲሉ ይረኣዮም ይኸውን። ይኹን እምበር: እቲ ንኣምላኽ ዝነበሮም ተኣዛዝነት ኣብቲ ንልዑላውነት የሆዋ ዚምልከት ጕዳይ ኣበይ ከም ዝቘሙ ዜርኢ እዩ ነይሩ።
8. (ሀ) እቶም ሰለስተ እብራውያን እንታይ ወሳኒ ናይ ተኣማንነት ፈተና እዩ ዘጋጠሞም፧ (ለ) መወዳእታ እቲ ፈተና እንታይ ኰነ፧ እዚኸ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧
8 ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕሩኹን ኣብቲ ንገሊኦም ኣገዳሲ ዘይመስል ነገራት እሙናት ምዃኖም: ንዝዓበየ ፈተና ንኺዋጽኡሉ ኣዳልይዎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስካ ናብ ዳንኤል ምዕራፍ 3 ገንጺልካ: እቶም ሰለስተ እብራውያን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ብዘይምስጋዶም ዘጋጠሞም ናይ ሞት መቕጻዕቲ ብኸመይ ከም እተጋጠምዎ ኣንብብ። ኣብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ቀረቡ: “ዎ ንጉስ: እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኼናግፈና ይኽእል እዩ: ካብ ኢድካውን ኬናግፈና እዩ። ዎ ንጉስ: ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ: ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾም: ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ” ብምባል ቈራጽነቶምን ምትእምማኖምን ገለጹ። (ዳንኤል 3:17, 18) የሆዋኸ ኣናጊፍዎምዶ፧ እቶም ነቶም ኣጕባዝ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ዝደርበዩ ዘብዐኛታት ኪሞቱ ኸለዉ: እቶም ሰለስተ እብራውያን ግን ካብቲ እቶን ሓዊ ዋላ ሓንቲ ኸይኰኑ ብህይወት ወጹ! እቲ ኣቐዲሞም ዘርኣይዎ ተኣማንነት ኣብዚ ወሳኒ እዋን እዚ እሙናት ንኪዀኑ ኣዳለዎም። እዝስ ኣብ ንኣሽቱ ነገራት እውን እሙናት ምዃን ኣገዳሲ ምዃኑ ዜርኢዶ ኸይኰነ፧
“ብገንዘብ ዓመጻ” ዝመጸ እሙን ምዃን
9. ኣብ ከባቢ ሉቃስ 16:10 ዘሎ ሓሳባት እንታይ እዩ ዚብል፧
9 የሱስ ኣብ ንእሽቶ ዚመስል ነገራት እሙን ዝዀነ ሰብ ኣብ ኣገዳሲ ጕዳያት እውን እሙን ከም ዚኸውን ቅድሚ ምግላጹ: ንሰማዕቱ “ምስ ተወድኣኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉኹምሲ: ብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩ” ኢሉ መዓዶም። ድሕርዚ ብዛዕባ እቲ ብሒደት እሙን ምዃን ተዛረበ። ቀጺሉ “እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ: ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧ . . . ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ: ወይስ ነቲ ሓደ ተአዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።—ሉቃስ 16:9-13
10. ኣብ ኣጠቓቕማ “ገንዘብ ዓመጻ” ብኸመይ ኢና ተኣማንነት ከነርኢ እንኽእል፧
10 ከምቲ ኣብ ከባቢ ሉቃስ 16:10 ዘሎ ሓሳባት ዚሕብሮ: እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓል ብቐዳምነት ምስ ኣጠቓቕማ “ገንዘብ ዓመጻ:” ማለት ምስ ስጋዊ ጥሪትና ወይ ንብረትና ዚተሓሓዝ እዩ። ዓመጻ ተባሂሉ እተገልጸሉ ምኽንያት ከኣ: ስጋዊ ሃብቲ: ብፍላይ ከኣ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሓጥኣን ሰባት ስለ ዝዀነ እዩ። ብዘይካዚውን ሃብቲ ንምድላብ ዘሎና ባህጊ: ናብ ሓጥእ ተግባራት ኪመርሓና ይኽእል እዩ። ነቲ ስጋዊ ጥሪትና ኣብ እንጥቀመሉ መገዲ ጥበብ ብምዝውታር ተኣማንነት ከነርኢ ንኽእል ኢና። ብስስዐ ኣብ ክንዲ እንጥቀመሉ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍን ንእተሸገሩ ንምርዳእን ክንጥቀመሉ ኢና እንደሊ። በዚ ኸምዚ እሙናት ብምዃን: ኣዕሩኽ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ንኸውን: ‘ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቲ’ ኸኣ ንነብር። ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ: ናብ ቦታኦም ይቕበሉና።
11. ንሓደ ብዓል ቤት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ወፈያታት ከም እንቕበል ክንገልጸሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
11 ንሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እንሰብከሎም እዋን: መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ድሕሪ ምብርካት: ነቲ ብህዝቢ የሆዋ ዚግበር ዓለምለኻዊ ዕዮ ወፈያታት ከም እንቕበል ክንገልጸሎም ከለና: እንታይ ኣጋጣሚ ኸም እንኸፍተሎም እሞ ንሕሰበሉ። ነቲ ስጋዊ ጥሪቶም ብጥበብ ኪጥቀሙሉ ደይኰንናን ኣጋጣሚ እንኸፍተሎም ዘሎና፧ ሉቃስ 16:10 ብቐዳምነት ምስ ኣጠቓቕማ ስጋዊ ጥሪት እትተሓሓዝ እኳ እንተዀነት: እቲ ኣብኣ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ግን ኣብ ካልእ መዳይ ህይወት እውን ዚውዕል እዩ።
ቅንዕና ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ
12, 13. ኣብ ምንታይ መዳይ ኢና ቕንዕና ኸነርኢ እንኽእል፧
12 ሃዋርያ ጳውሎስ “ቅኑዕ ሕሊና ከም ዘሎና ርግጸኛታት ኢና፥ ኣብ ኵሉ ጽቡቕ ንምግባርውን ድላይ ኣሎና” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 13:18 ትርጕም 1990) እቲ “ኣብ ኵሉ” ተባሂሉ ዘሎ ነገር: ንዅሉ እቲ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ከም ዜጠቓልል ዜጠራጥር ኣይኰነን። ዕዳናን ግብርናን ብቕልጡፍ ከምኡውን ብቕንዕና ኢና እንኸፍል። ስለምንታይ፧ ከምዚ እንገብር ብቐዳምነት ንኣምላኽ ካብ ዘሎና ፍቕርን ንመምርሒታቱ ኻብ እነርእዮ ተኣዛዝነትን ተበጊስና ኪኸውን ከሎ: ብሕልናና ተደሪኽና ኢና እንገብሮ። (ሮሜ 13:5, 6) ዘይናትና ንብረት ወይ ገንዘብ ምስ እንረክብ እንታይ ኢና እንገብር፧ ነቲ ዋናኡ ኢና ኽንመልሰሉ እንጽዕር። ነቲ ውልቀ-ሰብ ንብረቱ ኽንመልሰሉ ዝደረኸና ምኽንያት ክንገልጽ ከለናስ ከመይ ዝበለ ሰናይ ምስክርነት ኰን እዩ ዚኸውን!
13 ኣብ ኵሉ ነገራት እሙንን ቅኑዕን ምዃን ኪበሃል ከሎ: ኣብ ስራሕና እውን ቅኑዓት ክንከውን ኣሎና ማለት እዩ። ኣብ ስራሕና እነርእዮ ቕንዕና: ነቲ እነምልኾ ኣምላኽ ከም ዚትኰረሉ ይገብር። ህኩያት ብምዃን ግዜ ‘ኣይንሰርቕን’ ኢና። ኣብ ክንዳኡስ: ንየሆዋ ኸም እንገብሮ ኢልና ብትግሃት ኢና እንዓዪ። (ኤፌሶን 4:28፣ ቈሎሴ 3:23) ኣብ ሓንቲ ኣውሮጳዊት ሃገር: ሓደ ሲሶ ኻብቶም ሓኪም ዕረፍቲ ኺእዝዘሎም ዚሓቱ ሰባት: ከይሓመሙ እዮም ከምኡ ዚገብሩ። ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናብ ስራሕ ከይከዱ ኢሎም ምኽኒት ኣየቕርቡን እዮም። ሓድሓደ ግዜ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅኑዓትን ትጉሃትን ብምዃኖም ኣስራሕቶም ዕቤት ይህብዎም እዮም።—ምሳሌ 10:4
ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና እሙናት ምዃን
14, 15. ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና እሙናት ክንኰነሉ እንኽእል ገለ መዳያት እንታይ እዩ፧
14 ኣብቲ ብሕድሪ እተዋህበና ኣገልግሎት ተኣማንነት እነርኢ ብኸመይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ” ይብል። (እብራውያን 13:15) ኣብ ግራት ኣገልግሎት ተኣማንነት እነርእየሉ ቐንዲ መገዲ: ኣብኡ ኣዘወቲርና ብምስታፍ እዩ። ብዛዕባ የሆዋን ዕላማኡን ከይመስከርና ወርሒ ምሉእ ንኺሓልፍ ዚድርኸና እሞ እንታይ ምኽንያት እዩ ኺህሉ፧ ኣብ ዕዮ ስብከት ኣዘውቲርና ተሳትፎ ምግባር: ንኽእለትና የመሓይሾ: ኣፍረይቲ ድማ ይገብረና።
15 ኣብ ግራት ኣገልግሎትና ተኣማንነት እነርእየሉ ኻልእ ጽቡቕ መገዲ: ነቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚወጽእ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ምውዓሉ እዩ። ነቲ ኣብኡ ዚወሃበና ኣቀራርባ ወይ ካልእ ኣብ ክውንነት እተመስረተ መእተዊ ተዳሊና ምስ እንጥቀመሉ: ኣገልግሎትና ብዝያዳ ፍረ ደይኰነን ዚርከበሉ፧ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ምስ እንረክብ: ብቕልጡፍ ንከታተሎ ዲና፧ ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጀመርናሎም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባትከ ብኸመይ ኢና እንሕዞም፧ ብተኣማንነት ንከናኸኖም ዲና፧ ኣብ ኣገልግሎትና እሙናት ምዃንና: ንዓናን ነቶም ዚሰምዑናን ህይወት እዩ ዜምጽእ።—1 ጢሞቴዎስ 4:15, 16
ካብ ዓለም እተፈለና ምዃን
16, 17. ካብ ዓለም እተፈለና ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
16 የሱስ ናብ ኣምላኽ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት: ብዛዕባ ሰዓብቱ “ኣነ ቓልካ ሀብክዎም። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ: ዓለም ጸልኣቶም። ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃንስ 17:14-16) ኣብ ከም ገለልትነትን ሃይማኖታዊ በዓላትን ልማዳትን ርኽሰትን ዝኣመሰለ ዓበይቲ ጕዳያት ካብ ዓለም እተፈለና ንምዃን ተሪር ቈራጽነት ንወስድ ንኸውን። ኣብቲ ንኣሽቱ ጕዳያት ግን ከመይ ኢና፧ ከይተረድኣና: ብመገድታት ዓለም ንጽሎ ደዀን ንህሉ ንኸውን፧ ንኣብነት: እንተ ዘይተጠንቂቕና: ኣከዳድናና ብቐሊሉ ወጅሃላይን ዘይግቡእን እዩ ዚኸውን። እሙን ምዃን ኪበሃል ከሎ: ኣከዳድናናን ትርኢትናን ‘ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስን’ ኪኸውን ከም ዘለዎ ዜጠቓልል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10) እወ: “ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ: ንሓደ እኳ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ አሎና።”—2 ቈረንቶስ 6:3, 4
17 ንየሆዋ ኸነኽብር ካብ ዘሎና ባህጊ እተላዕለ: ንናይ ጉባኤ ኣኼባታትና ምዕሩግ ክዳውንቲ ኢና እንኽደን። ኣብቲ ብብዝሒ እንእከበሉ ዓበይቲ ኣኼባታት እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ክዳንና ነቲ ዅነታት ዚቃዶን ዚበቅዕን ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ንዚርእዩና ዘበሉ ምስክርነት ይህብ። መላእኽቲ እውን እንተዀኑ: ከምቲ ንጳውሎስን ክርስትያናት ብጾቱን ዚዕዘብዎም ዝነበሩ ንዓናውን ይምልከቱና እዮም። (1 ቈረንቶስ 4:9) እኳ ደኣስ: ኵሉ ሳዕ ኢና ብዚግባእ ክንለብስ ዘሎና። ኣብ ኣከዳድና እሙን ምዃን: ንገሊኦም ሰባት ንእሽቶ ጕዳይ ኰይኑ ኺስምዖም ይኽእል ይኸውን: ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ግን ከምኡ ኣይኰነን።
ተኣማንነት ዘምጽኦ በረኸት
18, 19. ተኣማንነት እንታይ በረኸት የምጽእ፧
18 ናይ ሓቂ ክርስትያናት “ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ” ከም ዝዀኑ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ ድማ: ኣብቲ “ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ” እዮም ዚምርኰሱ። (1 ጴጥሮስ 4:10, 11) ብዘይካዚውን: መገብቲ ኸም ምዃንና መጠን: እቲ ናይ ብሕትና ዘይኰነ ነገር: ማለት እቲ ነገልግሎትና እውን ዜጠቓልል መግለጺ ጸጋ ኣምላኽ እዩ ብሕድሪ ተዋሂቡና ዘሎ። ሕያዎት መገብቲ ምዃንና ኸነመስክር ከለና: ኣብቲ ኣምላኽ ዚህበና “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኢና እንምርኰስ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ኣብ መጻኢ ዝዀነ ይኹን ፈተና የጋጥመና ብዘየገድስ: ንኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ኸመይ ዝበለ ብሉጽ ስልጠና ዀን እዩ ዚወሃበና!
19 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣቱም ቅዱሳኑ ዅሉኹም: ንእግዚኣብሄር ኣፍቅርዎ። እግዚኣብሄር ንእሙናት ይሕልዎም” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 31:23) የሆዋ “ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ንኣመንቲ: ዜድሕን” ምዃኑ ብምትእምማን: ንሕናውን እሙናት ንኽንከውን ቈራጽነት ንግበር።—1 ጢሞቴዎስ 4:10
ትዝክሮዶ፧
• ‘ብሒደት እሙናት’ ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
• በዚ ዚስዕብ መዳያት ብኸመይ እሙናት ክንከውን ንኽእል:-
ምስ ቅንዕና ብዚተሓሓዝ፧
በገልግሎትና፧
ካብ ዓለም እተፈለና ብምዃን፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
‘ኣብ ኵሉ ጽቡቕ ንግበር’
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ኻብቲ ተኣማንነትና እነርእየሉ መገዲ: ንግራት ኣገልግሎት ብዚግባእ ምድላው እዩ
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
በከዳድናኻን ብትርኢትካን ትሑት ኩን