ናይ ሓቂ ትምህርትታት ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧
ናይ ሓቂ ትምህርትታት ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧
ሓደ ኣብ ቲበት ዚነብር ሰብኣይ ጸሎት እተጻሕፎ ንእሽቶ ቕርጺ ኸበሮ ዘለዎ ነገር ዕንክሊል የብል። እታ ኣቕሓ ብተደጋጋሚ ኣብ እትዞረሉ እዋን ልመናኡ ኸም ዚደጋገም ከኣ ይኣምን። ኣብ ህንዲ ኣብ ዚርከብ ሓደ ሰፊሕ ቤት ከኣ: ንሓደ ፑጃ ዚበሃል ስነ-ስርዓት ተባሂሉ ሓደ ኽፍሊ ተመደበ። እዚ ስነ-ስርዓት ኣምልኾ እዚ ንተባዕትዮን ኣንስትዮን ኣማልኽቲ ዕጣን ምትካኽን ዕምባባታት ምንባርን ካልእ መስዋእቲ ምቕራብን ዘጠቓለለ እዩ። ካብዚ በሽሓት ዚቝጸር ኪሎ ሜተራት ርሒቑ: ኣብ ኢጣልያ: ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሓደ ግሩም ቤተ-ክርስትያን ኣብ ቅድሚ ምስሊ ማርያም ኣደ የሱስ ተምበርኪኻ: ኣብ ኢዳ መድገምያ ሒዛ ትጽሊ።
ምናልባት ሃይማኖት ኣብ ህይወት ሰባት ዘለዎ ጽልዋ ንስኻውን ርኢኻዮ ትኸውን። ሓንቲ ዘ ዎርልድስ ረሊጅንስ—ኣንደርስታንዲን ዘ ሊቪን ፈይዝስ ዘርእስታ መጽሓፍ “ሃይማኖት . . . ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ሕብረተሰባት ኣገዳሲ ተራ ዘለዎ ዀይኑ እዩ ጸኒሑ: ብሕጂውን ከምኡ ኪቕጽል እዩ” ትብል። ጆን ቦውከር ዚበሃል ደራሲ ኣብታ ጎድ—ኤ ብሪፍ ሂስትሪ ዘርእስታ መጽሓፉ: “ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምን ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ክሳዕ ሕጂ የልቦን። መብዛሕትኡ ግዜ ኣምላኽ ንዅሉ ፍጥረት ከም ዚቈጻጸር ወይ ከም ዝፈጠረ ጌርካ እዩ ዚግለጽ። እቶም ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሕብረተሰብ እውን በዚ ይጽለዉ እዮም” በለ።
እወ: ሃይማኖት ንህይወት ሚልዮናት ሰባት ጸልዩ እዩ። እዝስ ደቅሰብ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮምን ከም ዚሃርፍዎን ዚሕብር ሓያል መርትዖዶ ኸይኰነ፧ እቲ ውሩይ ተመራማሪ ስነ-ኣእምሮ ዶ/ር ካርል ጉስታቭ ጁንግ: ኣብታ ዘ ኣንዲስካቨርድ ሰልፍ ዘርእስታ መጽሓፉ: እቲ ወድሰብ ንዝለዓለ ሓይሊ ንምምላኽ ዘሎ ድሌት ድሕሪ ምጥቃስ
“እዚ ድማ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ ተራእዩ” በለ።እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምላኽ ኣይንኣምንን ይብሉ እዮም: ብዛዕባ ሃይማኖት እውን ተገዳስነት የብሎምን። ገሊኦም ኣምላኽ ምህላዉ ዚጠራጠሩ ወይ ዚኽሕዱ ሰባት: ከምዚ ዚገብሩሉ ቐንዲ ምኽንያት እተን ዚፈልጥወን ሃይማኖታት ነቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ነገራት ስለ ዘየማልኣሎም እዮም። ይኹን እምበር: ዳርጋ ዅሎም ሰባት: እንተላይ እቶም ኣብ ኣምላኽ ኣይንኣምንን ኢና ዚብሉ: ነቲ ዚኣምኑሉ ስርዓታት ከም ንሃይማኖት ዝኣመሰለ ተወፋይነት የርእዩ እዮም።
ኣብቲ በሽሓት ዓመታት ዚቝጸር ታሪኽ ደቅሰብ: ሰብ ብመንፈሳዊ ንዜድልዮ ነገር ንምምላእ ዝገበሮ ጻዕሪ ናብ ብዙሕ መገድታት እዩ መሪሕዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ዓለም ማእለያ ዘይብሉ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያታት ተፈጥረ። ንኣብነት: ዳርጋ ዅለን ሃይማኖታት ኣብ ዝለዓለ ሓይሊ ዚኣምና እኳ እንተዀና: እዚ መን ወይ እንታይ ምዃኑ ብዚምልከት ግን እተፈላለየ ኣረኣእያታት እዩ ዘለወን። መብዛሕትኡ እምነት ኣገዳስነት ድሕነት ወይ ሓርነት ዜጕልሕ እዩ። ድሕነት እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዚርከብን ብዚምልከት ግን እተፈላለየ ትምህርትታት እዩ ዘሎ። ካብዚ እተፈላለየ እምነታት እዚ: ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ናይ ሓቂ ትምህርትታት ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧