“ኣይተለማለሙን”
“ኣይተለማለሙን”
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም” በሎም። (ማቴዎስ 5:11) ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ምስ ትምህርትን ኣብነትን ክርስቶስ ብምስምማዕ “ካብ ዓለም ኣይኰኑን:” ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ፖለቲካዊ ገለልትነቶምን ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነትን ብምሕላው ዝመጸ ጽኑዕ ኣቕዋም ስለ ዘለዎም: ኣዝዮም ሕጉሳት እዮም።—ዮሃንስ 17:14፣ ማቴዎስ 4:8-10
ሉተራዊ ናይ ሃይማኖት ምሁርን ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስን ቶማስ ፖል: ነቶም ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር: እንተላይ ኣብ ኤስቶኒያ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወሰድዎ ናይ ዘይምልምላም ስጕምቲ ኣመልኪቱ ኣብታ ኪሪክ ከሰት ኩላ (ኣብ ማእከል ቍሸት እትርከብ ቤተ-ክርስትያን) ዘርእስታ መጽሓፉ ኸምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ብዛዕባ እቲ 1 ሚያዝያ 1951 ንግሆ ዘጋጠመ ነገር ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ሰሚዖም። ንናይ የሆዋ መሰኻኽርን ንደገፍቶምን ንምጥፋእ ሓደ ወፈራ ተመዲቡ ነበረ: ብጠቕላላ ድማ 279 ዝዀኑ ሰባት ተታሒዞም ናብ ሳይበርያ ተወስዱ። . . . ንኸይሕየሩን ንኸይእሰሩን ኬትርፎም ዚኽእል እምነቶም ከም ዝኸሓዱ ዚገልጽ ሓደ ፎርም ንኺመልኡ ኣጋጣሚ ተዋሂብዎም ነበረ። . . . ምስቶም ኣቐዲሞም እተኣስሩ ብድምር 353 ሰባት ተዳጐኑ: ካብዚኣቶም እንተ ወሓዱ 171 ሰባት ኣብተን ጉባኤታት ብምእካቦም ጥራይ እዮም ተኣሲሮም። ኣብ ሳይበርያ እውን ከይተረፈ ኣይተለማለሙን። . . . ሓያሎ ኣባላት [ሉተራዊት] ቤተ-ክርስትያን [ኤስቶኒያ]: ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኣመሰለት እምነት የብሎምን።”
ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: መስጐጕቲ እናወረዶም ክነሱ እሙናትን እዙዛትን ንኪዀኑ ኣምላኽ ከም ዚሕግዞም እምንቶ ኣለዎም። ዓስቢ ተኣማንነቶም ብዙሕ ምዃኑ ምፍላጦም ሕጉሳት ይገብሮም።—ማቴዎስ 5:12