ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥንታዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ሩስያ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘብረሆ “ንጹር ብርሃን”

ጥንታዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ሩስያ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘብረሆ “ንጹር ብርሃን”

ጥንታዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ሩስያ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘብረሆ “ንጹር ብርሃን”

ክልተ ምሁራት: ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ የናድዩ ነበሩ። ክልቲኦም በብውልቆም ምድረ-በዳ ኣቋሪጾም ኣብ በዓትታትን ገዳማትን ጥንታዊ መንበሪ ዝነበረ ኣጻድፍን ኣናደዩ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ክልቲኦም ናብ ጥንታዊ ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ሩስያ ኸዱ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዚምልከት ዓለም ክሳዕ ሕጂ ኻብ እትፈልጦ ኣዝዩ ዜደንቕ ርኽበታት ድማ ናብኡ ኣምጽእዎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም መነመን ይበሃሉ፧ እቲ ዝረኸብዎ ኽቡር ነገራትከ ኣብ ሩስያ ኺርከብ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት—ተጣባቒ ቓል ኣምላኽ

ንሓደ ኻብቶም ክልተ ምሁራት ንምፍላጥ: ብሓሳብና ናብቲ ኣብ ኣውሮጳ በላሕቲ ሰባት ዜስፋሕፍሑላ ዝነበሩ መጀመርታ መበል 19 ዘመን ክንምለስ ኣሎና። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቲ ልሙድ ዝነበረ እምነታት ኣብ ሕቶ ዘእተወ ስነ-ፍልጠታውን ባህላውን ምዕባለ ጀመረ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ-ጽሑፋዊ መልክዕን ዕላማን ዜጽንዑ ሓያስያን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ስልጣን ኬዳኽሙ ጸዓሩ። አረ ምሁራትሲ ንሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሕቶ ኼእትውዎ ጀመሩ።

ገለ ቕኑዓት ተጣበቕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ቅድሚኡ ዘይተረኽበ ሓድሽ ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ: ንንጽህና ቓል ኣምላኽ ከም ዚድግፍ ተኣማመኑ። ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥፋእን ንምጥዋይን ብዙሕ ፈተነ እኳ እንተ ተገብረ: ቅድሚ እቲ ሽዑ ዝነበረ ኢደ-ጽሑፋት እተቐድሐ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት እንተ ተረኺቡ: ንንጽህና መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምስክር ኣመኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኢደ-ጽሑፋት ነቲ ሒደት ዝኣተወ ጌጋታት ንምቅላዕ እውን ይሕግዝ እዩ።

ገለ ኻብቲ ንሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ብዚምልከት ሓያል ክርክር ዚግበረላ ዝነበረት ሃገር ጀርመን እያ። ኣብታ ሃገር ከኣ ሓደ መንእሰይ ፕሮፌሰር ነቲ ኣብ ትምህርቲ ዘሕለፎ ምሹእ ህይወት ሓዲጉ: ናብቲ ኣብ ታሪኽ ካብ ዚርከብ ብዕብየቱ ቐዳማይ ቦታ ዚሕዝ ርኽበት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሖ ጕዕዞ ጀመረ። እዚ ሰብ እዚ ስሙ ኮንስታንቲን ቮን ቲሸንዶርፍ ይበሃል። እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር እዚ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ-ጽሑፋዊ መልክዕን ዕላማን ዜጽንዑ ሓያስያን ዚህብዎ ሓሳባት ብምንጻጉ: ንሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጥባቕ ዓብዪ ዓወት ናብ ምርካብ ዚመርሖ መገዲ ተጓዕዘ። ኣብቲ ብ1844 ናብ በረኻ ሲና ዝገበሮ ጕዕዞ: ዜስደምም ኣሳልጦ ረኸበ። ኣብ ሓደ ገዳም ኣብ እንዳ ጎሓፍ ብወዝቢ ኺርኢ ኸሎ: ሓደ ኻብቲ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ ጥንታዊ ቕዳሕ ሰፕቱጀንት: ማለት ናብ ግሪኽ እተተርጐመ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ረኸበ።

ቲሸንዶርፍ በዚ ኣዝዩ ተሓጐሰ: 43 ቈጽሊ ድማ ኪወስድ ከኣለ። ሽሕኳ ብዙሕ ኪረክብ ከም ዚኽእል እንተ ኣመነ: ድሕሪኡ ብ1853 ተመሊሱ ምስ ከደ ግን ቍርጽራጽ ጥራይ እዩ ረኺቡ። እቲ ዝተረፈ ደኣ ኣበይ ከይዱ፧ ቲሸንዶርፍ ገንዘቡ ምስ ወድአ: ደገፍ ሃብታም ሰብ ደለየ። ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት ንኼናዲ ኢሉ ድማ እንደገና ኻብ ዓዱ ኺወጽእ መደበ። ነዚ ዕማም እዚ ቕድሚ ምጅማሩ ግን: ንዛር (ሃጸይ) ሩስያ ለመነ።

እቲ ዛር ተገዳስነት ኣሕደረ

ቲሸንዶርፍ ናይ ፕሮተስታንት ምሁር ብምንባሩ: እቶም ኣብታ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ እትስዕብ ሩስያ ዚነብሩ ሰባት ብኸመይ ከም ዚቕበልዎ ኣተሓሳሲብዎ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ዜሐጕስ ግን ኣብቲ ግዜ እቲ ሩስያ ለውጥን ተሓድሶን እትገብረሉ ጽቡቕ እዋን እዩ ነይሩ። ንትምህርቲ ፍሉይ ቈላሕታ ተገይሩሉ ብምንባሩ: ብ1795 ሃጸያዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ሰይንት ፒተርስበርግ ብንግስቲ ካተሪን ካልአይቲ (ካተሪን ዓባይ ተባሂላውን እትፍለጥ) ተመስረተ። ኣብ ሩስያ እተኸፍተ ናይ መጀመርታ ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ብምንባሩ: ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ብዙሕ ጽሑፋት ኣቕረበ።

ኣብ ኣውሮጳ ሓደ ኻብቲ ዝበለጸ ቤተ-መጻሕፍቲ እኳ እንተ ነበረ: ሓደ ጸገም ግን ነበሮ። ድሕሪ እቲ ምምስራቱ 50 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ሽዱሽተ ኢደ-ጽሑፋት እብራይስጢ ጥራይ እዩ ሒዙ ነይሩ። እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ሩስያ ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቋንቋታትን ትርጕማትን ብዚምልከት እናወሰኸ ዚኸይድ ዝነበረ ተገዳስነት ዚመጣጠን ኣይነበረን። ካተሪን ካልአይቲ: ገሊኦም ምሁራት ቋንቋ እብራይስጢ ንኼጽንዑ ኢላ ናብ ዩኒቨርሲቲታት ኣውሮጳ ልኢኻ ነይራ። እቶም ምሁራት ምስ ተመልሱ: ኣብ መብዛሕትኡ ዓበይቲ ሰሚናራት ኦርቶዶክስ ሩስያ ናይ እብራይስጢ ኮርሳት ብብዝሒ ኺዋህብ ተጀመረ: ንመጀመርታ ግዜ ኸኣ ምሁራት ሩስያ ቕኑዕ ትርጕም ንምድላው ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ እብራይስጢ ናብ ሩስያኛ ኺትርጕምዎ ጀመሩ። እንተዀነ ግን: ዋሕዲ ገንዘብ ከምኡውን ካብ ዓቃባውያን መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ምጽራር ኣጋጠሞም። እቶም ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዚደልዩ ዝነበሩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ገና ናይ ሓቂ ብርሃን ምርካብ ኣይጀመሩን ነይሮም።

እቲ ኣሌክሳንደር ዳግማይ ዚበሃል ዛር: ንኣገዳስነት ዕማም ቲሸንዶርፍ ቀልጢፉ ተረድኦ: ናይ ገንዘብ ደገፍ ድማ ገበረሉ። ንቲሸንዶርፍ ገለ “ቀናኣትን ጥሩፋት ተጻረርትን” እኳ እንተ ተላዕልዎ: ካብቲ ናብ ሲና ዝገበሮ ጕዕዞ: ንዝተረፈ ቕዳሕ ሰፕቱጀንት ሒዙ ተመልሰ። a ጸኒሑ እዚ ጽሑፍ እዚ ኮዴክስ ሲናቲከስ (ሲና) ተባሂሉ ተሰየመ። ክሳዕ ሕጂውን ሓደ ኻብቲ ተረኺቡ ዘሎ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ቲሸንዶርፍ ናብ ሰይንት ፒተርስበርግ ምስ ተመልሰ: ተቐላጢፉ ናብቲ እቲ ዛር ኣብ ቈራሪ ወርሓት ዚጥቀመሉ ቤተ-መንግስቲ ኸደ። ነቲ ዛር ከኣ ኣብቲ “ኣብ ሕየሳን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኻብቲ ዝዓበየ ዕማማት” ዝዀነ ዕዮ ደገፉ ኼበርክት ሓተቶ። እዚ ድማ ነቲ ሓድሽ እተረኽበ ኢደ-ጽሑፍ ከም ዚሕተም ጌርካ ኣብቲ ሃጸያዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ምቕማጥ እዩ ነይሩ። እቲ ዛር ብኡንብኡ ተሰማምዐ: ቲሸንዶርፍ በዚ ስለ እተሓጐሰ ጸኒሑ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ናይ ሲና መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ ብምሉኡን ብንጹር ብርሃንን ምግላጹ: ከምኡውን ንሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንጣበቐሉ ዚሕግዘና ምዃኑ: ኣብዚ ግዜና መምርሒ ኣምላኽ ረኺብና ኺበሃል ይከኣል እዩ።”

ኣብ ክሪምያ እተረኽበ ጥንታዊ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ መጀመርታ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ ሓደ ኻልእ ጥንታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ዜናዲ ምሁር ጠቒስና ኔርና። እዚ ሰብ እዚ መን ይበሃል፧ ቲሸንዶርፍ ናብ ሩስያ ቕድሚ ምምላሱ ሒደት ዓመታት ኣቐዲሙ: ነቲ ሃጸያዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ሓደ ዜደንቕ ዕድል ኣጋጠሞ። እቲ ነገር ኣዝዩ ዜደንቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ነቓልቦ እቲ ዛር ሰሓበ: ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ኣውሮጳ ዚርከቡ ምሁራት እውን ናብ ሩስያ ወሓዙ። እቲ ኣብኡ ዘጋጠሞም ብዙሕ ኢደ-ጽሑፋትን ካልእ ነገራትን ከኣ ኣዝዩ ኣስደመሞም። ኵሉምሉ 975 ኢደ-ጽሑፋትን ጥቕላላትን ዚርከቦ 2,412 ነገራት ዝሓዘ እዩ። ካብዚ ኸኣ ቅድሚ ዓስራይ ዘመን እተቐድሐ 45 ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ይርከቦ። ነዚ ዅሉ ኢደ-ጽሑፋት: ሓደ ኣብቲ ግዜ እቲ ልዕሊ 70 ዓመት ኰይንዎ ዝነበረ ኣብርሃም ፊርኮቪች ዚበሃል ቃራዊ ምሁር እዩ ንበይኑ ኣኪብዎ! ቃራውያን ግን እንታዎት እዮም ነይሮም፧ b

እዛ ሕቶ እዚኣ ነቲ ዛር ብዙሕ ተገድሶ ነይራ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሩስያ ዶባ ብምስፋሕ ነቲ ኻልኦት ሃገራት ዚቈጻጸራኦ ዝነበራ ዞባ ተቘጻጺራ ነበረት። እዚ ኸኣ ኣብታ ሃጸያዊት ግዝኣት ሓደስቲ ብሄራት ከም ዚጠቓለሉ ገበረ። እቲ ኣብ ገማግም ጸሊም ባሕሪ ዚርከብ ክሪምያ ዚበሃል ውቁብ ቦታ: ኣይሁድ ብዚመስሉ ግን ከኣ ናይ ቱርኪ ልምድታት ብዘለዎምን ምስ ታታር ዚዛመድ ቋንቋ ብዚዛረቡን ተቐማጦ እተታሕዘ እዩ ነይሩ። እዞም ቃራውያን እዚኣቶም ካብቶም ድሕሪ እቲ ብ607 ቅ.ክ. ዘጋጠመ ጥፍኣት የሩሳሌም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ዝኸዱ ኣይሁድ ከም ዝመጹ እዮም ዚሕብሩ። ከምቶም ንረቢታት ወይ ንመምህራን ዚስዕቡ ኣይሁድ ስለ ዘይኰኑ ግን: ነቲ ታልሙድ ዚበሃል ናይ ኣይሁድ ሕግን ስርዓታትን ኣይቅበሉን ነበሩ: ቅዱሳት ጽሑፋት ኪንበብ ከም ዘለዎ ድማ የጕልሑ ነበሩ። እቶም ኣብ ክሪምያ ዝነበሩ ቃራውያን: ካብቶም ንረቢታት ዚስዕቡ ኣይሁድ እተፈልዩ ብምዃኖም በይኖም ኪረኣዩ ኸም ዘለዎም መርትዖ ንምቕራብ ህንጡያት ነበሩ። ቃራውያን ዚውንንዎ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት ብምቕራብ: ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ናብ ክሪምያ እተሰዱ ዘርኢ ኣይሁድ ምዃኖም መርትዖ ኬቕርቡ ፈተኑ።

ፊርኮቪች ንጥንታዊ መዛግብትን ኢደ-ጽሑፋትን ኬናዲ ምስ ሓሰበ: መጀመርታ ኣብቲ ቹፉት-ኬል ዚበሃል ቦታ ኣብ ዚርከብ ኣጻድፍ ክሪምያ እዩ ኼናዲ ጀሚሩ። ሓያሎ ወለዶታት ቃራውያን ኣብተን ኣብቲ ኣጻድፍ ተጸሪበን እተሰርሓ ኣባይቲ ተቐሚጦምን ኣምሊኾምን እዮም። ቃራውያን ነቲ የሆዋ ዚብል መለኮታዊ ስም ዝሓዘ ዝኣረገ ቕዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይጕሕፍዎን እዮም ነይሮም። ከመይሲ: ከምዚ ምግባር ንቕዱስ ነገር ምርካስ ኰይኑ ይስምዖም ነበረ። እቲ ኢደ-ጽሑፋት ገኒዛህ: ማለት ብእብራይስጢ “መሕብኢ” ኣብ እትበሃል ንእሽቶ መኸዘኒ ይቕመጥ ነበረ። ቃራውያን ንመለኮታዊ ስም ዓሚቝ ኣኽብሮት ስለ ዝነበሮም: ከምዚ ዝኣመሰለ ቝርጽራጻት ብዙሕ ኣይትንከን እዩ ነይሩ።

ፊርኮቪች በቲ ንዘመናት ዝዓሰለ ደሮና ኸይተዓግተ: ኣብቲ ገኒዛህ ዚበሃል ኣባይቲ ተጠንቂቑ መርመረ። ኣብ ሓንቲ ኻብዚ ኸኣ እቲ ብ916 ድ.ክ. እተጻሕፈ ውሩይ ኢደ-ጽሑፍ ረኸበ። እዚ ድማ ነቶም ዳሕሮት ነብያት ዝሓዘ ናይ ፒተርስበርግ ኮዴክስ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኰይኑ: ካብቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘሎ ቕዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብጥንታውነቱ ምስቶም ቀዳሞት ዚበሃሉ እዩ ዚስራዕ።

ፊርኮቪች ሓያሎ ኢደ-ጽሑፋት ኣከበ: ብ1859 ከኣ ነቲ ሃጸያዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ነቲ ዝኣከቦ ጽሑፋት ኪወስዶ ዚደሊ እንተ ዀይኑ ሕቶ ኣቕረበሉ። ብ1862 ኣሌክሳንደር ዳግማይ እቲ ቤተ-መጽሓፍቲ ነዚ ዅሉ መጻሕፍቲ ብ125,000 ሩብል ንኺዕድግ ሓገዝ ገበረ: እዚ ገንዘብ እዚ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ ነይሩ። ከመይሲ: ናይ ብምሉኡ እቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ዓመታዊ ባጀት ካብ 10,000 ሩብል ዚበዝሕ ኣይነበረን። ኣብ መንጎ እዚ ጽሑፋት እዚ እቲ ውሩይ ናይ ሌኒንግራድ ኮዴክስ (B 19A) ነበረ። እዚ ጽሑፍ እዚ ብ1008 እተቐድሐ ዀይኑ: ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ምሉእ ቅዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ እዩ። ሓደ ምሁር ብዛዕባ እዚ ጽሑፍ እዚ “ነቲ መብዛሕትኡ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሒሳዊ ሕታማት መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ መሰረት ስለ ዝዀነ: ምናልባት ብንጽል ኪርአ ኸሎ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ኢደ-ጽሑፍ ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ” በለ። (ነቲ ኣብዚ ገጽ ዘሎ ሳጹን ርአ።) በታ ዓመት እቲኣ: ማለት ብ1862 ቲሸንዶርፍ ዝረኸቦ ናይ ሲና ኮዴክስ ብምሕታሙ: ዓለምለኻዊ ናእዳ ረኸበ።

ኣብዚ ግዜና እተረኽበ መንፈሳዊ ፍልጠት

እቲ ሕጂ “ሃገራዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ሩስያ” ተባሂሉ ዚፍለጥ ቤተ-መጻሕፍቲ: ሓደ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዚርከብ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት ብብዝሒ ዝሓዘ እዩ። c ብሰንኪ እቲ ኣብ ሩስያ ዝነበረ ለውጥታት: ስም እቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣብ ክልተ ዘመን ሸውዓተ ሳዕ ተቐያይሩ እዩ። ሓደ ኻብቲ ኣጸቢቑ ዚፍለጥ ስማት ከኣ “ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ግዝኣት ሰልቲኮፍ ሽኸድሪን” ዚብል እዩ። ኣብ መበል 20 ዘመን እተላዕለ ናዕብታት ነቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ብእተወሰነ ጕድኣት እኳ እንተ ኣብጸሓሉ: እቲ ኢደ-ጽሑፋት ግን ኣብ ክልቲኡ ውግኣት ዓለም ኰነ ኣብ ከበባ ሌኒንግራድ ኣይተተንከፈን። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኢደ-ጽሑፋት ብኸመይ ንጥቀም፧

ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት ንሓያሎ ዘመናዊ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ዜተኣማምን መሰረት ኰይኑ እዩ። ነቶም ካብ ልቦም ሓቂ ዚደልዩ ሰባት ከኣ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ንኺፈልጥዎ የኽእሎም እዩ። ናይ ሲናን ናይ ሌኒንግራድ ኬዴክሳት ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመን ብ1961 ተዛዚሙ ዝወጸን ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ንኣብነት: እቲ ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መጽሓፍ ቅዱስ ኮሚተ እተጠቕመሉ ቢብሊያ ሄብራይካ ስቱትጋርተንሲያ ኸምኡውን ኪተል ዘዳለዎ ቢብሊያ ሄብራይካ ኣብ ናይ ሌኒንግራድ ኮዴክስ እተመስረተ ዀይኑ: ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ነተን ንመለኮታዊ ስም ዜመልክታ ቴትራግራማተን ዚበሃላ ፊደላት 6,828 ሳዕ ይጥቀመለን።

እቲ ኣብ ሰይንት ፒተርስፐበርግ ዚርከብ ቤተ-መጻሕፍትን ኣብኡ ዚርከብ ገሊኡ በቲ ሌኒንግራድ ዚብል ናይ ቀደም ስም እታ ኸተማ ዚጽዋዕ ኢደ-ጽሑፋትን ንኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ከም ዝጠቐሞም ብዙሓት ኣንበብቲ ኣይፈልጡን እዮም። እንተዀነ ግን: ልዕሊ ዅሉ ምስጋና ዚግብኦ እቲ መንፈሳዊ ብርሃን ዝሃበ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ: ንሳተን ይምርሓኒ” ዝበለ።—መዝሙር 43:3

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብተወሳኺውን ኣብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. እተዳለወ: እተማልአ ቕዳሕ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ሒዙ ተመሊሱ እዩ።

b ብዛዕባ ቃራውያን ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደኣ ደሊኻ: ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1995 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ቃራውያንን ሓቂ ንምርካብ ዝገበርዎ ጻዕርን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ተወከስ።

c መብዛሕትኡ ናይ ሲና ኮዴክስ ናብ ቤተ-መዘክር ብሪጣንያ ተሸይጡ እዩ። ኣብ ሃገራዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ሩስያ ቝርጽራጽ ጥራይ እዩ ዚርከብ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን]

ንመለኮታዊ ስም ምፍላጥን ብእኡ ምጥቃምን

የሆዋ ብጥበቡ ገይሩ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ እዚ ግዜና ኸም ዚዕቀብ ገይሩ እዩ። እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዝነበሩ ትጉሃት ጸሓፍቲ ነዚ ኣብ ምዕቃብ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ካብዚኣቶም ከኣ እቶም ማሶራውያን ዚበሃሉ ኻብ ሻድሻይ ክሳዕ ዓስራይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ኽኢላታት ጸሓፍቲ እብራይስጢ ልዕሊ ዅሉ ጥንቃቐ ገይሮም እዮም። ጥንታዊ እብራይስጢ ብዘይ ኣድማጺ እዩ ተጻሒፉ። ምስ ግዜ: ኣረማይስጢ ንእብራይስጢ ኺትክኦ ኸሎ: ነቲ ግቡእ ኣደማምጻ ኸየጥፍኦ ኣስግአ። ማሶራውያን ነቲ ቕኑዕ ኣደማምጻ ቓላት እብራይስጢ ንምሕባር ብነጥብታት ዝቘመ ኣድማጺ ምልክታት ኣማዕበሉ እሞ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተኣታተዉዎ።

እቲ ኣብ ናይ ሌኒንግራድ ኮዴክስ ዚርከብ ናይ ማሶራውያን ኣድማጺ ነጥብታት: እተን ቴትራግራማተን ዚበሃላ ንመለኮታዊ ስም ዚውክላ ኣርባዕተ ተደማጺ ፊደላት: የህዋህ: የህዊህ: የሆዋህ ተባሂለን ከም ዚድመጻ እዩ ዚሕብር። ሕጂ “የሆዋ” (ብእንግሊዝኛ “ጂሆቫ”) ዚብል ኣደማምጻ ኣጸቢቑ እዩ ዚፍለጥ። መለኮታዊ ስም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ካልኦት ጥንቲ ዝነበሩ ሰባትን ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ስም ምንባሩ እዩ ዚሕብር። ኣብዚ ግዜና እቶም ‘የሆዋ በይኑ ኣብ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀነ’ ዚፈልጡ: ንስም ኣምላኽ ይፈልጥዎን ይጥቀሙሉን እዮም።—መዝሙር 83:18 NW

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ሃገራዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ዚርከብ ኢደ-ጽሑፋት ዚቕመጠሉ ኽፍሊ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ንግስቲ ካተሪን ካልአይቲ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ኮንስታንቲን ቮን ቲሸንዶርፍ (ማእከል) ከምኡውን እቲ ናይ ሩስያ ዛር ዝነበረ ኣሌክሳንደር ካልኣይ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃም ፊርኮቪች

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Both images: National Library of Russia, St. Petersburg

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Catherine II: National Library of Russia, St. Petersburg; Alexander II: From the book Spamers Illustrierte Weltgeschichte, Leipzig, 1898