ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ሓጐስ ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ

መጽሓፍ ቅዱስ ሓጐስ ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ

መጽሓፍ ቅዱስ ሓጐስ ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ

መጽሓፍ ቅዱስ ዋላኳ ናይ ሕክምና መጽሓፍ እንተ ዘይኰነ: ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ስምዒታት: ኣብ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕና ብዛዕባ ኺህልዎ ዚኽእል ጽልዋ ይዛረብ እዩ። ብዛዕባ እዚ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ: ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ” ይብል። ብተወሳኺ ድማ “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ: ሓይልኻ ቕሩብ እዩ” ዚብል ነንብብ። (ምሳሌ 17:22፣ 24:10) ናይ ተስፋ ምቝራጽ ስምዒት ሓይልና መጽዩ: ድኹማትን ተኣፈፍትን እዩ ዚገብረና። ለውጢ ንምግባር ኰነ ሓገዝ ንምርካብ ድማ ድሌት ኣይህልወናን።

ተስፋ ምቝራጽ ንመንፈሳውነት ሓደ ሰብ እውን ይትንክፎ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዋጋ ኸም ዘይብሎም ዚስምዖም ሰባት ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ኪምስርቱ ዀነ ብእኡ ተቐባልነት ኪረኽቡ ዘይኽእሉ እዩ ዚመስሎም። ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰት ሲሞን: ‘ኣምላኽ ዚቕበላ ዓይነት ሰብ’ ምዃና ኣጠራጢርዋ ነይሩ። ይኹን እምበር: እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኬሐጕስዎ ዚጽዕሩ ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ እዩ ዚገልጽ።

ኣምላኽ ናይ ብሓቂ እዩ ዚግደስ

መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ይብለና። ኣምላኽ ነቶም “ስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ” ዘለዎም ኣይንዕቆምን እዩ: ኣብ ክንዳኡ “ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ: ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮ” እዩ ተመባጺዑ።—መዝሙር 34:18፣ 51:17፣ ኢሳይያስ 57:15

እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ: ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣምላኽ ነቲ ኣገልገልቱ ዘለዎም ጽቡቕ ጐድኒ ኸም ዚርኢ ኼብርሃሎም ኣድልይዎ ነይሩ። ብመብርሂ ተጠቒሙ እታ ብዓይኒ ደቅሰብ ብዙሕ ዘይትጠቅም ዑፍ እኳ ኣብ ምድሪ ኽትወድቕ ከላ ኣምላኽ ከም ዚግደስ ተዛረበ። ብተወሳኺ: ኣምላኽ ብዛዕባ ደቅሰብ ደቀቕቲ ዝርዝራት ከም ዚፈልጥ: አረ ቝጽሪ ጸጕሪ ርእሲ እኳ ኸይተረፈ ኸም ዚፈልጥ ኣጕልሐ። የሱስ ምስላኡ “እምብኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ: ኣይትፍርሁ” ብምባል ደምደመ። (ማቴዎስ 10:29-31) a የሱስ: ውልቀ-ሰባት ብዛዕባ ርእሶም ዚስምዖም ነገር ብዘየገድስ: እምነት ዘለዎም ሰባት ግን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዋጋ ኸም ዘለዎም ገለጸ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]” ብምባል የዘኻኽረና።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና እዩ ዜተባብዓና። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ “ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዐደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ: ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር: ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ: ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ: በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ።—ሮሜ 12:3

ርግጽ እዩ ብዛዕባ ርእስና ኻብ ዚግባእ ንላዕሊ ኽንሓስብ ወይ ድማ ዘይንረብሕ ከም ዝዀንና ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ኣብ ክንዳኡ ብዛዕባ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ኣሎና። እዚ ማለት ድማ ዓቕምና ኣበየናይ መዳይ ብርቱዕ: ኣበየናይ መዳይ ከኣ ድሩት ምዃኑ ምፍላጥ እዩ። ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ነዚ ኽትገልጾ ኸላ “ክፍእቲ ሰብ ኣይኰንኩን: ኣዝየ ብልጽቲ እውን ኣይኰንኩን። ከም ኵሉ ሰብ ኣነውን ጽቡቕን ሕማቕን ጐድንታት ኣሎኒ” በለት።

ከምዚ ዓይነት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ቀሊል ኣይኰነን። እቲ ብዛዕባ ርእስና ንነዊሕ ዓመታት ዘማዕበልናዮ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ምቕያር: ኣዝዩ ብዙሕ ጻዕሪ ዚሓትት እዩ። እንተዀነ ግን: ብሓገዝ የሆዋ ንባህርያትናን ብዛዕባ ህይወት ንዘሎና ኣረኣእያን ከነዐርዮ ንኽእል ኢና። ብርግጽ ከኣ ቃል ኣምላኽ “ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ: ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም: በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ: እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ” ብምባል ከምዚ ኽንገብር እዩ ዜተባብዓና።—ኤፌሶን 4:22-24

ነቲ ‘ናይ ኣእምሮና መንፈስ’ ማለት እቲ ኣብ ውሽጥና ዚድርኸና ሓይሊ ብምልዋጥ: ነቲ ኣሉታዊ ኣረኣእያና ብኣወንታዊ ኽንቅይሮ ንኽእል ኢና። ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰት ሊና: ነቲ ዋላ ሓደ ሰብ ኬፍቅረኒ ዀነ ኺሕግዘኒ ኣይክእልን እዩ ዚብል ኣተሓሳስባኣ እንተ ዘየወጊዳቶ: ብዛዕባ ርእሳ ዘለዋ ስምዒት ክትቅይሮ ኸም ዘይትኽእል ተገንዘበት። እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ማዕዳ እዩ ንሊናን ንሲሞንን ከምኡውን ንኻልኦት ሰባት ሓጊዝዎም፧

ሓጐስ ዚውስኽ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

“ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ።” (መዝሙር 55:22) ቅድም ቀዳድም ጸሎት ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ ይሕግዘና እዩ። ሲሞን “ተስፋ ክቘርጽ ከለኹ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ንየሆዋ እሓቶ። ንሱ ድማ ኵሉ ሳዕ ሓይሉን መምርሒኡን ይህበኒ” በለት። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ጾርና ናብ የሆዋ ኽንድርቢ ኼበራትዓና ኸሎ: የሆዋ ይሓልየልና ጥራይ ዘይኰነስ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ እውን ዚሕግዘናን ዚድግፈናን ምዃኑ እዩ ዜዘኻኽረና። ምሸት ፋስጋ 33 ድ.ክ.: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: ጐይታኦም ክገድፎም ከም ዘለዎ ስለ ዝነገሮም ሓዚኖም ነበሩ። ንሱ ድማ ናብ ኣቦ ኺጽልዩ ተማሕጸኖም እሞ “ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን: ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም” በሎም።—ዮሃንስ 16:23, 24

“ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ከምቲ የሱስ ዝመሃሮ: ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ሓጐስ ንምርካብ ዜኽእል ቀንዲ ረቛሒ: ምሃብ እዩ። ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል: ኣብ ክንዲ ኣብ ርእስና ኻልኦት ሰባት ኣብ ዜድልዮም ነገራት ከም እነተኵር ይገብረና። ንኻልኦት ሰባት ምስ እንሕግዝ እሞ ንሳቶም ድማ ነቲ እተገብረሎም ነገር ምስ ዜድንቑ: ሓጐስ ይስምዓና። ሊና እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብስራት ንኻልኦት ሰባት ምንጋራ: ብኽልተ መዳይ እዩ ሓጊዝዋ። ንሳ “ቀዳማይ: ከምቲ የሱስ ዝበሎ ዓይነት ሓጐስን ዕግበትን ረኺበ። ካልኣይ: እቶም ሰባት ኣወንታዊ ምላሽ ምሃቦም ሓጐስ ንኽረክብ ሓጊዙኒ እዩ” በለት። ንኻልኦት ብልግሲ ብምሕጋዝ: ሓቅነት እቲ ኣብ ምሳሌ 11:25 ዚርከብ “እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ” ዚብል ቃል ነረጋግጽ።

“ኵለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፉኣት እየን: ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ።” (ምሳሌ 15:15) ኵላትና ብዛዕባ ርእስናን ኵነታትናን ዘሎና ኣረኣእያ ይፈላለ እዩ። ወይ ከምቲ ንዅሉ ነገር ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ሕዙን ንኸውን: ወይ ድማ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሒዝና “ሕጉስ ልቢ” ይህልወና። በዚ ድማ ልክዕ ኣብ ደስ ዜብል መኣዲ ኸም ዘሎና ጌርና ንሕጐስ። ሲሞን “ብእተኻእለኒ መጠን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽሕዝ እየ ዝጽዕር። ብናይ ብሕቲ መጽናዕትን በገልግሎትን ትሕዝቲ እየ። ጸሎት አዘውትር: ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ምስ ዘለዎም ሰባት ድማ እኸውን። ንኻልኦት ሰባት ከኣ እሕግዞም” በለት። ከምዚ ዓይነት ቅኑዕ ኣረኣእያ ናይ ሓቂ ሓጐስ እዩ ዜምጽእ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን “ኣቱም ጻድቃን: ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ: ባህ ድማ ይበልኩም: ኣቱም ቅኑዓት ልቢ ዅላትኩም: እልል በሉ” ብምባል ይምሕጸነና።—መዝሙር 32:11

“ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።” (ምሳሌ 17:17) ንእነፍቅሮ ሰብ ወይ ክእመን ንዚኽእል ኣማኻሪ ምስጢርና ብምክፋል: ኣሉታዊ ስምዒታትና ኸይዓብለለና ኸሎ ኸነወግዶ ንኽእል ኢና። ምስ ካልኦት ሰባት ምዝርራብና: ሚዛናውን ኣወንታውን ኣረኣእያ ንኺህልወና ይሕግዘና። ሲሞን “ንስምዒታተይ ብግልጺ ምዝራበይ ብዙሕ እዩ ጠቒሙኒ። ንኻልእ ሰብ ከመይ ከም ዚስምዓኩም ክትነግሩ ኣለኩም። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ምውጻእኩም ጥራይ እኹል እዩ” በለት። ከምዚ ብምግባር “እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ: ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ” ዚብል ምስላ ሓቂ ዀይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ።—ምሳሌ 12:25

እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል

ካብቲ ኣሉታዊ ስምዒታት ኣወጊድና ናይ ሓቂ ሓጐስ ንኽንረክብ ዚሕግዘና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዙሕ ዜደንቕን ግብራውን ስርዓታት: ሒደት ጥራይ ኢና መርሚርና። ንስኻውን ሓደ ኻብቶም ብቕዓት ከም ዘይብሎም ዚስምዖም ሰባት እንተ ዄንካ: ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕካ ኽትምርምር ነተባብዓካ። ብዛዕባ ርእስኻን ብዛዕባ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብን ኣብ ክውንነት እተመስረተን ሚዛናውን ስምዒት ኣማዕብል። እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መምርሒ ናይ ሓቂ ሓጐስ ንኼምጽኣልካ ኻብ ልቢ ንምነ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ክፋል እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ገጽ 22ን 23ን ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምልላስ ሓጐስ የምጽእ